እቲ ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ታሪኻ ንክትሃንፀሉ ዕድል ዝፈጥር ‘ዩ

ኣዲስ አበባ፦ ሃገራዊ ምኽክር ነዊሕ ግዜ ዝወስድን ሓደ ግዜ ተገይሩ ደው ዝብል ዘይኮነስ፣ ኢትዮጵያ ታሪኻ ንክትሃንፀሉ ዕድል ዝፈጥር ‘ውን ከምዝኾነ ዋና ኮሚሽነር ሃገራዊ ምኽክር ኮሚሽን ፕሮፌሰር መስፈን ኣርኣያ ገሊፆም።

ጎንፂ ብዘይሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕ ይኽእል ‘ዩ። ይኹን እምበር ብሓይሊ ምስ ዝፍታሕ ግን ንቐፃሊ ወለዶ ቂም ዘመሓላልፍ ብምዃኑ ዘላቂ ሰላም ከምፅእ ኣይክእልን። ብሓይሊ ዝመፅእ ዓወት ንህዝቢ የኽፍእ፤ ስለዝኾነ ኣብ ሃገራዊ ምኽክር ትኹረት ምግባር ከምዘድሊ ብምሕባር ናይ ሰዓርትን ተሳዓርትን ክትዓት ንጎኒ ገዲፍና ኣብ ሃገራዊ ምኽክር ትኹረት ምግባር ከምዘድሊ ገሊፆም።

ከም ገለፃ ፕሮፌሰር መስፍን፤ ሃገር ብሰላም ንምቅፃል ምኽክር ኣገዳሲ ‘ዩ። ኣብ ምኽክር ምክብባር፣ ምድምማፅን ሓሳባ ምቕባልን ኣሎ። ኣብ ምኽክር ሓሳባት ይሽራሸሩ፣ ይጋጨዉ፣ ከምኡ ‘ውን ዕውት ይኾኑ። እዚ ድማ ኣብ መንጎ ሰባት ሓድሽ ባህሊ ምክብባር፣ ምትእምማንን ምትሕብባርን ዘማዕብልን ርክብ ዜጋታት ዘዕብን ‘ዩ።

ኣብ ምኽክር ሓደ ናይ ሓደ ሓሳብ ብግቡእ ብምድማፅ ሓሳብን ድሌታትን ናይቲ ሰብ ክርዳእ ይፅዕር ዝበሉ ፕሮፌሰር መስፈፍ፤ ኣብ ከይዲ ድማ ሓባራዊ ዝብልዎን ዘሰማምዕዎምን መፍትሒታት የፈልፍሉ፤ እቲ ኸይዲ ኩሉ ሰብ ተዓዋቲ እምበር ተሳዓሪ ዘይብሉ ይገብር።

እቲ ሃገራዊ ምኽክር ኮሚሽን ኣብ ሞንጎ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ፣ መራሕቲ ፖለቲካን ኣተሓሳስባን ኢትዮጵያ ብዝምልከት ኣዝዮም መሰረታውያን ሃገራዊ ጉዳያትን ናይ ሓሳብ ፍልልያትን ምኽክር ብምክያድ ኩለመዳያውን ንኹሉ ዝሓቁፍን ሃገራዊ ምርድዳእ ንምፍጣር ይሰርሕ ኣሎ።

ምኽክር ንምክያድ ምትላምናን ንምድምማፅ ምፍታንና ባዕሉ ሓደ ስጉምቲ ክኸውን ‘ዩ ዝብሉ ዋና ኮሚሽነር ፕሮፌሰር መስፈን፤ ዝኾነ ኢትዮጵያዊ ኣብ ጉዳይ ሃገር ንምስታፍ ኣፍደገ ክፉት ምዃኑ እናፍለጥና ነቲ ዕድል ክጥቀመሉ ይግባእ ክብሉ መኺሮም።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 20 ሕዳር 2015 ዓ.ም

Recommended For You