
ኣዲስ ኣበባ:- ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ጉዳይ ሃገር እምበር ንሓደ ወገን ጥራሕ ዝግደፍ ጉዳይ ፓርቲ ኣይኮነን ክብሉ ኣቦ-መንበር ግንባር ሓርነት ዓፋር ኣይተ ሃሰን ዳውድ ገሊፆም። እቲ ፓርቲ ንጉዳይ በሪ ባሕሪ ምሉእ ብምሉእ ከምዝድግፍ ተዛሪቦም።
ኣቦ-መንበር እቲ ፓርቲን ኣካቢ ቤት ምኽሪ ፖለቲካዊ ፓርቲታት እቲ ክልልን ኣይተ ሃሰን ዳውድ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንምጥቃም ንዘለዋ ድልየት ምኽንያት ብምግባር ምስ ትፕኢ ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት፤ ኣጀንዳ ኣፍደገ ባሕሪ ሃገር እናመሓደረ ናይ ዝርከብ ፓርቲ ብልፅግና ወይ ድማ መንግስቲ ጥራሕ ዘይኾነስ፤ እዋናዊ ጉዳይ ኩሎም ፓርቲታትን ዜጋታትን ምዃኑ ተዛሪቦም።
ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘለዉ ተቓወምቲ ሓይልታት ዝተወሰኑ ነገራት ናብ ጎኒ ብምግዳፍ እቲ ጉዳይ ከጨንቖም ከምዝግባእ ዝተዛረቡ ኣይተ ሓሰን፤ ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ ጉዳይ ፓርቲ ዘይኾነስ ጉዳይ ሃገር ‘ዩ ንዝብል ብዝተፈላለዩ ድጋፋት ክገልፁ ከምዘለዎም ገሊፆም፤ ፓርቲኦም ጉዳይ ኣድላይነት ኣፍደገ ባሕሪ ምሉእ ብምሉእ ከምዝድግፍ ‘ውን ኣፍሊጦም።
“ኣብ ዓፋር በሪ ባሕሪ ልብና ‘ዩ ዝብል ኣበሃህላ ኣሎ” ዝበሉ እቶም ኣቦ-መንበር፤ ግንባር ሓርነት ዓፋር ካብ 1984 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ኣጀንዳ ሒዙ እናተቓለሰ ምፅንሑ ኣልዒሎም። ናብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ሕቶ ከምዘቕረበ ‘ውን ኣልዒሎም።
ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ ዝተልዓልናሉን ከም ስራሕ ልብና ንርእዮን ጉዳይ ‘ዩ ዝበሉ ኣይተ ሃሰን፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብመንግስቲ ኢትዮጵያ እናቐረበ ዝርከብ ሕቶ ምላሽ ንኽረክብ ከም ፓርቲ ምሉእ ብምሉእ ከምዝድግፉን ህዝቢ ዓፋር ‘ውን ነቲ ኣጀንዳ ብግንባር ቐዳምነት ዝድግፎ ‘ዩ ኢሎም። ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ከይሃለወ ጉዳይ ወደብ ካልኦት ፓርቲታት ‘ውን ዝድግፍዎ ‘ዩ ዝብል እምነት ከምዘለዎም ተዛሪቦም።
ከምገለፃ እቶም ኣቦ-መንበር፤ ናብ ኣፍደገ ባሕሪ ቐረባ ኾይናን ዝለዓለ ቁፅሪ ህዝቢ ሃልይዋን ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብላ ሃገር ኢትዮጵያ ጥራሕ ‘ያ። እዚ ዝኾነ ‘ውን ኣብ ድልየት ባዕዳውያን ወረርቲ ብዝተመስረተ ሽርሒ ‘ዩ። ኣፍደገ ባሕሪ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ኣድላዪ ‘ዩ። ብዘይ ወደብ ምንባር ኣፀጋሚ ‘ዩ።
ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ሰፊሕ ቑፅሪ ህዝቢ ዝሓዘት ሃገር ኣፍደገ ባሕሪ እንተሃልይዋ ጂኦፖለቲካዊ ረብሕኡ ዝለዓለ ‘ዩ። ህዝቢ ዓፋር ኣብ ሰለስቲኡ መኣዝን ማለት ‘ውን፤ ኣብ ጂቡቲ፣ ኤርትራን ኢትዮጵያን ይርከብ። እዚ ማሕበረሰብ ተቖሪፁ ምንባር ኣይኽእልን። ኣብ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ጉዳያት ሕድሕዳዊ ርክብ ህዝቢ የድሊ። እቲ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ነዚ ‘ውን ንምምላስ የኽእል።
ብኹነታት ጂኦፖለቲካ ምብራቕ ኣፍሪካ ብዘይወደብ ምቕፃል ኣይከኣልን ብምባል፤ ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምርካብ መሰልና ይተሓለው ዝብል ኣንፈት መንግስቲ ኹሉ ዜጋ ብዘይ ኣፈላላይ ክድግፎ ከምዝግባእ ዝገለፁ ኣይተ ሃሰን፤ እቲ ኣጀንዳ ጉዳይ ኹሉ ዜጋን ሃገርን ብምዃኑ ካብ ሃገር ወፃኢ ንዘለዉ ሓዊሱ ኻልኦት ፓርቲታት ‘ውን ኣብ ጎኒ መንግስቲ ብምቛም ክሰርሑ ከምዘለዎም ሓቢሮም።
ኩነታት ፖለቲካ ምብራቕ ኣፍሪካ ኣድላዪ ምዃኑ ብምርዳእ ኣፍደገ ባሕሪ ንዘይብለን ሓዉሱ ኣብ በሪ ባሕሪ ተሰሊፈን ከምዝርከቡ ገሊፆም፤ ኢትዮጵያ ‘ውን በዚ መልክዑ ተጠቃሚት ክትኸውን ኣለዋ ኢሎም። ካልኦት ካብ ርሑቕ መፂአን ንቐይሕ ባሕሪ እንትጥቀማ ኢትዮጵያ ጋሻ ኾይና ክትቕፅል የብላን ክብሉ ገሊፆም።
ኣብቲ ዞባ ሰላም ንምዕሳልን ልምዓት ንምስኻዕን ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ግድን ከምዝኾነን ነዚ ብዲፕሎማሲ፣ ሕግን ብኻልኦት ዘከኣእሉ ኩነታትን ክተፈፅም ከምዘለዋ ተዛሪቦም።
በሪሁ ኣረጋ
ወጋሕታ 20 ሕዳር 2015 ዓ.ም