“ሐዚ ዘሎ ሰላም ንልምዓት መስኖ ብሓፈሻ ድማ ንልምዓት ሕርሻ ትግራይ ዓብዪ ግደ ኣለዎ” -ኣብ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ክልል ትግራይ ዳይሬክቶሬት ዳይሬክተር ልምዓት ሆልቲ ካልቸር ኣይተ በሪሁን ኣረጋዊ

ኣብ ዝሓፀረ እዋን ክሳብ ሕዳር 30 ኣብ ዘሎ እዋን ኩሉ መሬት ብመስኖ ተሸፊኑ ክሳብ ጥሪ የካቲት ከባቢ ኣብዘሎ እዋን ምህርቲ ተኣኪቡ ናብ ካልኣይ ዙር ልምዓት ክእተው ‘ዩ።

ኣብዚ ዓመት ትግራይ ካብ ሕርሻ ልምዓት መስኖ ናብ 60 ሽሕ ሄክታር ዝኸውን ብምልማዕ ናብ 11 ሚልየን ዝኣክል ኩንታል ንክርከብ ትልሚ ተታሒዙ ኣብ ምንቅስቃስ ትርከብ። ክሳብ ሐዚ ድማ 15 ሽሕን 173ሄክታር እዚ ድማ ካብ ትልምና 27 ሚእታዊ ለሚዑ ይርከብ።

ሰላም ነቲ ዘሎ ልምዓት ‘ውን ዓብዪ ግደ ኣለዎ። ሐዚ እቲ ሓረስታይ ሙሉእ ብሙሉእ ናብ ስራሕ ገፁ ከይዱ እታወታት ይቅረበለይ፣ ሞያዊ ድጋፍ ይገበረለይ፣ ዝፈረሰ መትረብ ይፀገነይ እናበለ ኩሉ ናይ ልምዓት ኣጀንዳ ‘ዩ ዘልዕል ዘሎ። ስለዚ እቲ ሓረስታይ ናይ ልምዓት ሕቶ ዘልዕል ዘሎ ሰላም ብምምፅኡ ስለዝኾነ ናይ ሰላም ረብሓ እዚ ‘ዩ ኢልካ ዘይግመት ‘ዩ።

እዚ ዝበሉ ናይ ሎሚ ጋሻና ኣብ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ክልል ትግራይ ዳይሬክቶሬት ዳይሬክተር ልምዓት ሆልቲ ካልቸር ዝኾኑ ኣይተ በሪሁን ኣረጋዊ ኾይኖም፤ ኣብ ልምዓት መስኖን መሰል ዛዕባን ትግራይ ትኹረት ብምግባር ምስ ወጋሕታ ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት ሙሉእ ትሕዝትኡ ከምዝስዕብ ኣቅሪብናዮ ኣለና ፅቡቅ ንባብ:-

 ወጋሕታ:- ኣብ ትግራይ ክንደይ ዝኣክል መሬት ብመስኖ ይለምዕ ኣሎ? ኣብ ቀፃሊኸ ክንደይ ዝኣክል መሬት ንምልማዕ ትልሚ ተታሒዙ ይስራሕ ኣሎ?

ኣይተ በሪሁን:– ኣብ 2016 በጀት ዓመት ትግራይ 60ሽሕን 748 ሄክታር ክነልምዕ ‘ዩ ከምትልሚ ሒዝናዮ ዘለና። ኣብዚ ተጠቀምቲ ክኾኑ ‘ዮም ኢልና ከምትልሚ ሒዝናዮ ዘለና ድማ ናብ 264 ሽሕ ዝኾኑ ሓረስቶት ኣብዚ ክነጥፉ ‘ዮም ዝብል ‘ዩ ዘለና ትልሚ።

እዚ ሙሉእ ዓመት ልምዓት መስኖ ንክህሊ ምንቅስቃስ እናገበርና ኢና ፀኒሕና። ኣብቲ ዝነበረ ክረምቲ 8ሽሕን 4ሚእትን ሄክታር ንምስራሕ ትልሚ ኣውፅእና እናተንቀሳቀስና ፀኒሕና ኢና። ኣብዚ ናብ 12 ሽሕ ሄክታር ዝኸውን ብኣሕምልቲ ንክለምዕ ተገይሩ ‘ዩ። ኣብቲ ናይ ክረምቲ ናይ ልምዓት ስራሕቲ መንግስቲ ፀገማት ገለ ስለዝነበረ፤ ብፉሉይ ትኹረት ክንሰርሐሉ ኣለና ኢልና እናሰራሕና ኢና ንርከብ እዚ ድማ ከምፅቡቅ ኢና ንወስዶ።

ናብቲ ስሩዕ ናይ ሓጋይ መስኖ ክንኣቲ ከለና ድማ ክሳብ ሐዚ 15 ሽሕን 173 ሄክታር ለሚዑ ይርከብ። እዚ ድማ ካብ ትልምና 27 ሚእታዊ ‘ዩ። እዚ ንምልማዕ መፅናዕቲ ኣዳሊና ነይርና። ኣብ ዞባታትን ወረዳታትን ናይ ሰብ ሞያ መድረኽ ስልጠናታት ‘ውን ኣካይድና ነይርና። ሐዚ ኣብ ናይ ሱሩዕ መስ ኖ ምድላው ንርከብ ኣለና ‘ዩ።

ወጋሕታ:- ኣብ ትግራይ ኲናትን ዕፅዋን እናሃለወ ሓደሽቲ መሬታት ናብ ልምዓት መስኖ ይኣቲ ከምዝነበረ ይዝረብ ነይሩ፤ ሐዚ ኣብ ሰላም ሃዋህው ተኾይኑኸ መስል መስኖ ልምዓት ንምስፍሕፋሕ እንታይ ይስራሕ ኣሎ?

ኣይተ በሪሁን:- እዚ ከም ልኡኽቶ ናይ ቢሮ ማይ ሃፍትን ኢነርጅን ‘ዩ። ብዝበለፀ ንዕኦም ተትሓትዎም ዝሐሸ መረዳእታ ክህቡኹም ይኽእሉ ‘ዮም። እቲ በኣና ብቢሮ ሕርሻ ዝስራሕ እቲ ናይ መስኖ ልምዓት ምምሕዳሩ ‘ዩ።

ዘይሩ ዘይሩ ግና ኣብ ዝግበር ዘሎ ምንቅስቃስ ከምእንሪኦ ዘለና ክምቲ ዝበልካዮ በቢከባኡ ኣብ ዕፅዋን ክባን ብዙሕ ዝበሉ ሓረስቶት ብዙሕ መሰረተ ልምዓት መስኖ እናሰርሑ ፀኒሖም ‘ዮም። ብፍላይ ሐዚ ድማ እቶም ዓንዮም ዝነበሩ መሰረተ ልምዓት መስኖ ‘ቶም ብጉልበት ዝስርሑ ዝፅገኑ ባዕሉ እቲ ሓረስታይ ግድባት ብምስራግ መስመር ብምፅጋን ‘ዩ ናብ ልምዓት ዝኣትው ዘሎ።

ብፍላይ ኣብ ከባቢ እንደርታ ሓደሽቲ ዒላታትን ጎዳጉድ ማይ እናኽዐቱ ናብ ልምዓት ዝኣትው ኣለው ከምኡ ‘ውን ኣብ ብዝሕ ዝበሉ ከባቢታት ናይ ጠለፋ ስራሕቲ ብምስራሕ ናብ ስራሕ ዝኣትው ኣለው። እዚ ይኹን እምበር ካብቲ ቅድሚ ሐዚ ዝንበረ ምንቅስቃስ ዝቀነሰ ‘ዩ። እቲ ዝቀነሰሉ ምኽንያት ሓደ ድማ እዋን ድርቂ ስለዝነበረ ሕፅረት ማይ ብስፍሓት ኣሎ።

ሐዚ እቲ እዋኑ ዘይሓለወ ዝናብ ብምምፅኡ ኣብ ምንፃፍ ዝነበሩ ማያት ዝተወሰነ ዝወሰኸሉ ኩንታት ‘ውን ኣሎ። ስለዚ እቲ ልምዓት መስኖ ብዝተኽኣለ መንገዲ ንከይሰፍሕ ሕፅረት ማይ ‘ውን ማሕለኻ ‘ዩ ኾይንና ዘሎ። እቲ ሓረስታይ ዘለዎ መማረፂ ግና ከምቲ ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢ ክርኣይ ጀሚሩ ዘሎ ተሓባቢርካ ናይ ከርሰ ምድሪ ማይ ኹዒትካ ምውፃእ ብፍላይ ኣብ እንደርታ ከባቢ ዝረኣዩ ፅቡቅ ተሞክሮ ምስፋሕ ይክኣል ‘ዩ።

ወጋሕታ:- ኣብዚ እዋን ኣብ ትግራይ ዘሎ ዝራእቲ እናተሰብሰበ ከምዘሎ እናተሓበረ ‘ዩ ዘሎ ይኹን እምበር ብተደራራቢ ፀገማት ምኽንያት እቲ ዘሎ ምህርቲ ውሕድ ብሙዃኑ ብሞስኖ ናይ ምክሕሓስ ስራሕቲ ክስራሕ ከምዝግባእ ይዝረብ ኣሎ እሞ፤ ኣብቀፃሊ እዋን ብፉሉይ እንታይ ክስራሕ ተሓሲቡ ወይ ተተሊሙ ኣሎ?

ኣይተ በሪሁን:- እቲ ናይ ክረምቲ ምህርቲ ብክልተ ንገራት ፀገማት ነይሮምዎ ‘ዮም። እቲ ሓደ ናይ ድርቂ ኮይኑ ኣብ ብዙሕ ከባቢ ትግራይ ከም ኣብ ዞባ ምብራቅን ዞባ ደቡብ ምብራቅን ደቡብን ብክፋል ብዝነብረ ድርቂ እኹል ምህርቲ የብሉን።

ኣብ ዞባ ማእኸላይን ሰሜን ምዕራብን ዝሐሸ ክረምቲ ዝነበሮን ፅቡቅ ምህርቲ ክርከቦ ‘ዩ ተባሂሉ ትፅቢት ዝግበሮ ዝነብረ እንተኾነ ‘ውን ሐዚ እዋኑ ዘይሓለወ ዝናብ ምኽንያት ብፍላይ ኣብ ዝራእቲ ጣፍ ከቢድ ጉድኣት ይበፅሖ ኣሎ።

ስለዚ እቲ ናይ መስኖ ስራሕቲ ፍልይ ብዝበለ ትኹረት ሂብና ንርኣዮ ዝብል ምርድዳእ ዝገበርናሉ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ። እቲ ናይ ልምዓት መስኖ መሊኡ ነቲ ናይ ክረምቲ ጉድለት ምህርቲ ዘካሓሕሶ እንተዘይኮነ ‘ውን ካብቲ ዝንበረ ግና ዝሐሸ ምህርቲ ክንረክብ ኣለና ዝብል ‘ዩ።

ስለዚ ነዚ ክድግፉ ዝኽእሉ ድማ ከምቲ ቅድም ኢልና ዝበልናዮ ሽፋን ምስኖ ልምዓት ብምስፋሕ ክስራሕ ኣለዎ። ብፍላይ ብማይ ሃፍቲ ኣቢልካ ዝስራሕ ክስርሐሉ ኣለዎ። ማይ ዘለዎም ከባቢ ድማ እቲ ዘሎ ማይ ብዝለዓለ ጥንቃቀ ክንጥቀመሉ ኣለና። ነዚ ድማ ‘ዩ ቀዲምና ናብ ልምዓት መስኖ ንእተው ዝብሃል ዘሎ።

ናብ ልምዓት መስኖ ቀዲምና እንተኣቲና እቲ ማይ ካልኣይ ዙር ክነልምዐሉ ንኽእል ኢና። ዘንጊዕና እንተኣቲና ግና ካልኣይ ክነልምዕ ኣይንኽእልን ስለዚ እቲ ሓሳብ በዚ መንገዲ ንርኣዮ። ኣብዚ እቲ ምንቅስቃስ ክንርኢ ከለና ንኣብነት ኣብ ደቡብ ምብራቅ ካብ ለሚዑ ዘሎ ልምዓት መስኖ 33 ሚእታዊ ሸፊኑ ኣሎ።

እዚ ድማ ዝሐሽ ምንቅስቃስ ዘለዎ ‘ዩ። ኣብ ዝሓፀረ እዋን ክሳብ ሕዳር 30 ኣብ ዘሎ እዋን ኩሉ መሬት ብመስኖ ተሸፊኑ ክሳብ ጥሪ የካቲት ከባቢ ኣብዘሎ እዋን ምህርቲ ተኣኪቡ ድማ ናብ ካልኣይ ዙር ልምዓት ክእተው ‘ዩ። ካሊእ ምንቅስቃስ ልምዓት መስኖ ዝትግበራ ዘሎ ዞባ ደቡብ ‘ያ።

ኣብ ደቡብ ክሳብ ሐዚ ብመስኖ ክሽፈን ካብ ዝግብኦ መሬት 27ሚኢታዊ ብመስኖ ተሸፊኑ ኣሎ። ብሳልሳይ ደረጃ ድማ ዞባ ምብራቅ 26 ሚእታዊ ብመስኖ ተሸፊኑ ኣሎ። እዚአን ዝሐሸ ምንቅስቃስ ገይረን ንክኸዳ ንሰርሕ ኣለና።

እቲ በዝሒ ዝናብ ዝነበሮ ከባቢ ድማ ክሳብ ሐዚ ምህርቲ ውን ገና ኣይተኣከበን ዘሎ ናብ ልምዓት መስኖ ንምእታው ናይ ምዝንጋዕ ኩነታት ዝርኣየሉ ዘሎ ክሳብ ሐዚ ናብ ልምዓት መስኖ ዝኣተወ መሬት ናብ 3ን 4ን ሚእታዊ ከባቢ ‘ዩ ዘሎ። ስለዚ እቲ ምድላው ሓደ ነገር ኮይኑ ቀልጢፍና ናብ መስኖ ንእተው ዝብል ድማ ከም ኣንፍት ሒዝና እነተግበረሉ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ።

ወጋሕታ:- ሓረስታይ ትግራይ ዝተፈላለዩ ቀረብ እታወታት መስኖ ካብ ዘርኢ ጀሚርካ ክሳብ ከሚካላትን መዳባርያን ኣብ መርካብ እንታይ ይመስል?

ኣይተ በሪሁን:– ኣብ ቀረብ እታወታት ብዝምልከት ንኣብነት መዳበርያ መፂኡ ናብ ኩሉ ከባቢ ይባፃሕ ኣሎ ‘ዩ። መዳበርያ ብመንግስትን ብገበርቲ ሰናይን ዝቀረበ ኮይኑ፤ ከምትልሚ ሒዝናዮ ዝነበርና ናብ 100ሽሕ ዝኸውን ኩንታል መዳባርያ ንምቅራብ ‘ዩ።

ክሳብ ሐዚ ድማ 82ሽሕ ኩንታል ዝኸውን ናብ ኢድ ሓረስታይ በፂሑ ኣሎ። ናብ 2ሽሕ ኩንታል ዝኸውን ድማ ዝተፈላለዩ ዘርኢ ተጠቂሙ ኣሎ። ስለዚ እቲ ናይ ዘርእን መዳባርያን ኣቅርቦት ብዝሐሸ ብርኪ ቀሪቡ ከምዘሎ ኢና ገምጊምና ዘለና። ስለዚ እታወታት ብዝሐሸ ብዝተጠቀመ ቁፅሪ ምህርቲ ናይ ምዕፃፍ ኩነታት ዕድል እናሰፍሐ ‘ዩ ዝኸይድ ማለት ‘ዩ።

ኣብዚ ገበርቲ ሰናያት ቀሊል ዘይብሃል ሓገዛት ይገብሩ ኣለው። ብፍላይ “ኤፍ ኤ ኦ” ወይ “ ፋኦ” ትካል መግብን ሕርሻን ንፅጉም ሓረስታይ ንምሕጋዝ ብዝሕ ዝበለ መዳባርያን ዘርእን ኣቅሪቡ ‘ዩ። ናብ 85 ሽሕ ኩንታል ዝኸውን ንመስኖ ተጠቃማይ በቢወረዳኡ ዝቀረበ ኾይኑ፤ ካብዚ እቲ 72 ሽሕ ኩንታል ብሓገዝ ካብ ”ፋ ኦ” ዝቀረብ ‘ዩ።

እቲ ናይ ሓገዝ ኩነታት በቀፃሊ ድማ ናብ 85ሽሕ ኩንታል ዝዓብየሉ ‘ዩ ዘሎ። ኣብ ዘርኢ እንተወሲድና ድማ ናብ 230 ኩንታል ናይ ኾሚደረን ሽንጉርትን ብ “ፋ ኦ” ዝተሓገዘሉ ኩነታት ኣሎ። ብሓፈሻ 420 ኩንታል ዝተፈላለዩ ዘርእታት ነቲ ሓረስታይ ብሓገዝ ተወሃብዎ ‘ዩ። ካብዚ ዝተረፈ ባዕሉ እቲ ሓረስታይ ዝገዝኦ ‘ዩ። ስለዚ እዚ እቶት ንምዕታፍ ዓብዪ ግደኣለዎ ‘ዩ።

ካሊእ ሎሚ ዓመት ብፍተፈለየ መንገዲ ካብ ዝተርኣየ ሓደ፤ ብዙሕ ፕሮጀክታት ይሕግዙና ኣለው ‘ዮም። ንኣብነት ”ኢትኤ” ዝብሃል ፕሮጀክት እናሐገዘና ካብዘሎ ሓረስቶት ቤት ትምህርታት መሰረት ዝገበረ ሓደሽቲ ዓሌታት ነቲ ሓረስታይ እነፋልጥሉን ኩሉ ሓረስታይ ዝሳተፈሉ ዕድል ንክህሊ ምንቅስቃስ እናገበርና ኢና ዘለና።

ቅድም ሐዚ ብፕሮጀክት መልክዕ ዝቅመጥ ዝነበረ ሐዚ ብምንግስቲ ደረጃ ሒዝናዮ ናብ ሰላሳ ዝኾና ወረዳታት ንክነስፍሖን መርአያ ዝኾና ክህልዋን “ሃይ ብሪድ”ለ ባዕሉ እቲ ሓረስታይ ክትግብሮ። ነዚ ዘተግብር ድማ ዝተፈላለዩ ስልጠናታት ክሳብ ኣብ ታሕቲ ዘለው ናይ ልምዓት ሰራሕተኛታት ተዋሂቡ ኣሎ። ብቀፃሊ ድማ ነቲ ሓረስታይ ንምሃብ ምድላዋት ንገብር ኣለና። ስለዚ እዚ እንታይ ‘ዩ ቴክኖሎጂ እነፋልጠሉ ስርሓቲ ‘ውን ብስፍሓት ንኸደሉ ኣለና።

ብኻልእ ድማ ብክላስተር ናይ ምልማዕ ስራሕቲ ምስ ናይ “ኢት ኤ”ን ካልኦት ፕሮጀክታት ብተበግሶ ዝነበረ ስራሕቲ ኣብ ኩሉ ወረዳታት ነተግብሮ ዝብል ‘ዩ። እዚአን ክልተ ኣብ ላዕሊ ዝተገለፃ ከም ሓዱሽ ኣንፈት ንኺዶ ኢልና ካብ እንሰርሐሎም ዘለና ‘ዮም።

ዝለዚ ኣብዚ ብፍላይ ኣብዚ ዓመት ዕውት ስራሕቲ ሰሪሕና ንቀፃሊ ዓማውቲ ናብቲ ድኻ ሓረስታይ ሓደሽቲ ቴክኖሎጂ ዝተኣታተወሉ ኩነታት ክፍጠር ዝብል ‘ዩ። እዚ’ውን ምድንፋዕ እታወታት ዓብዪ ግደ ክህልዎ ‘ዩ ኢልና ንግምት።

ወጋሕታ:- እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተሓበረ ንምስራሕ እኹል ምድላዋት ተገይሩዶ ይስራሕ ኣሎ ይብሉ?

ኣይተ በሪሁን:– ሐዚ ብኽልተ ነገር ‘ዩ ዝርአይ፤ ብኽፋል እኹል ምድላው ተገይሩሉ ‘ዩ ብኽፋል ድማ እኹል ምድላው ኣይተገበሮን። ታይ ማለት ‘ዩ፤ እቲ ምድላው ተገይርሉ ‘ዩ ዝብለካ ዘለኩ ከምቲ ቅድም ክብል ዝገለፅክዎ ስራሕቲ እናሰራሕና ኢና ዘለና።

እቲ እኹል ምድላው ኣይተገበሮን ዝብሎ ድማ እኹል በጀት መንግስቲ ዘይተበጀተሉ፤ ንኣብነት ከም ልምዓት ፍራምረ ብዙሕ ኣይተዳለውናሉን። ቅድሚ ሐዚ 90 መፍለሲ ፍራምረ ነይረና እተን 45 ናይ ግሊ ማሕበራት እተን ዝተረፋ 45 ድማ ናይ መንግስቲ እየን።

እተን ናይ መንግስቲ ሙሉእ ንሙሉእ ዓንየን ጠጠው ዝበላ ‘የን። ስለዚ ነቲ ሓረስታይ እነቅርበሉ ፈልሲ ፍራምረ የለን ዳርጋ ብጣዕሚ ፀቢብ ‘ዩ። ስለዚ ከም መማረፂ ዘለና ዕድል ነቶም ናይ ውልቂ መፍለስቲ ዝብሃሉ ነበረታትዐዮም ዝብል’ዩ።

ሐዚ ናብ ክልተ ሚልየን ዝኸውን ፈልሲ ንምፍላስ ከምትልሚ ሒዝና ክሳብ ሐዚ ግና ናብ 2ሚእቲ ሽሕ ዝኸውን ኢና ኣፍሊስና ዘለና። ስለዚ እቲ ናይምፍላስ ዓቅምና ድሩት ‘ዩ። ናብቲ ዝነብሮ ዓቅሚ ምፍላስ ንምምላስ እቲ ዝበፅሐ ዕንወት ዘለዎ ፅልዋ ከቢድ ‘ዩ።

ካሊእ ምስ ኣግሮ ከሚካል ዝተኣሳሰር ኮይኑ፤ ናይ ዋጋ ምኽባራት ኣለውዎ። ብሓገዝ መዳይ ‘ውን ብዙሕ ዘይረኽብናሉ ኮይኑ፤ ብዕድጊት ድማ እቲ ሓረስታይ በቲ ኲናት ሓዊሱ ብዝተፈላለዩ ተደራራቢ ፀገማት ዝተጎድአ ብምዃኑን ዋግኡ ‘ውን ናብ 400ን 500 ሚታዊን ብጣዕሚ ዝወሰኸሉ ብምዃኑ ስለዚ እቲ ቀረብ ዝተዓገተ ‘ዩ ዘሎ።

ናይ ውልቂ መቅረብቲ ‘ውን ናይ ፋይናንስ ሕፅረት ስለዘለዎምን እቲ ሓረስታይ ‘ውን ናይ ምግዛእ ዓቅሙ ትሑት ስለዝኾነ፤ ኣብዚ ዘሎ ቀረብ ብጣዕሚ ዝተሓተ ‘ዩ። ስለዚ እዚ ከም ዓብዪ ፀገም ኢና ንሪኦ። ዝኾነ ሙኩራታት ንገብር ኣለና ይኹን እምበር ዕውት ‘ዩ ኢልና ኣይንወስዶን። ስለዚ ኣብዚ ዘሎ ቅድመ ምድላው ናይ ባዕሉ ፀገማት ከምዘለዎ እየ ክገልፅ ዝደሊ።

ካሊእ ኣብ ሞያዊ ድጋፍ ኣብ ምሃብ ዝተወሰነ ምንቅስቃስ ኣሎ ኢልና ንወስድ፤ ይኹን እምበር ዝተማልአ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ድማ በጀት ዘይምህላው ስልጠና ተዋሂብዎ ናብ ታሕቲ ወሪዱ ነቲ ሓረስታይ ብግቡእ ክሕግዞ ኣይከኣለን። ዝተወሰነ እንተሃለወ ‘ውን ናብ ኹሉ ዝበፅሕ ኣይኮነን።

ካብ 700 ከባቢ ዝኾና ጣብያታት ኣብ 200 ከባቢ ዝኾና ጣብያታት ጥራሕ ‘የን ክድግፍ ዝኽእል በዓል ሞያ ዝረኽባ ዘለዋ። ስለዚ ኣብዚ ዘሎ ፀገም ‘ውን ኣይተፈትሐን ዘሎ። ስለዚ ኣብዞም ሰለስተ ዓበይቲ ዝገለፅክዎም ናይ ቅድመ ምድላው ጉድለት ከምዘለዎ እየ ክገልፅ ዝደሊ።

ወጋሕታ:- ብሰንኪ እቲ ዝበፅሐ ተደራራቢ ፀገማት ኣብ ልዕሊ ሕርሻ ትግራይ ዘይተረኸበ እቶት ፍርያት ብመስኖ ልምዓት ንምክሕሓስ ዝግበር ስራሕቲ ዕውት ንክኸውን ካብ መን እንታይ ትፅቢት ይግበር ይብሉ?

ኣይተ በሪሁን:- እዚ ዕውት ንምግባር ከምቲ ዝበልኩኻ ከም ቢሮ እቲ ዘሎ ምድላዋት ከም ፅቡቅ ገይርና ኢና ንወስዶ። ይኹን እምበር እቲ ቢሮ ስለዝሓሰበ ስለዝተለመ ዕውት ክኸውን ማለት ኣይኮነን። ስለዚ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ናይ ባዕሉ ግደ እናተዋፅአ ክኸድ ሰለዘለዎ።

እቲ ዋና ዓብዪ ግደ ዘለዎ ግና እቲ ሓረስታይ ስለዝኾነ፤ ኣብዚ ትፅቢት እንገብሮ እቲ ሓረስታይ በቢናቁጣ መስኖኡ ክውደብ፣ ናቁጣ መስኖ መሰረት ዝግበረ ልምዓት መስኖ ክትግብር፣ ብሓባር እናተዛተዩ ትልሚ ከውፅኡ፣ ብሓባር ከተግብሩ፣ ነኒሕድሕዶም ክመሃሃሩን ፀጋማቶም ብሓባር ንክፈትሑን እቲ ውዳበ ብትኽክል ክጥቀሙሉን ኣለዎም።

ሐዚ ብሓባር ተወዲቦም ብዙሓት ፀገማት ዝፈትሑ ኣለው ‘ዮም። ብሓባር ኮይኖም ገንዘብ ኣዋፂኦም ዓበይቲ ጎዳጉድ ዘኽዕቱን ትራስፎርመር ዘግጥሙን ኣለው። ስለዚ ከምዚ ዝበለ ክጠናኸር እንተኽኢሉ ዘሎ ፀገማት ክፍታሕ ይኽእል ‘ዩ። እዚ ንምግባር ድማ ናይ ሞያ ድጋፍ ኣድላይ ‘ዩ። ኣብዚ ዘሎ በዓል ሞያ ነዚ ከጠናኽር ክሰርሕ ኣለዎ።

ሐዚ ዘሎ ኩነታት ማሕበራዊ ናብራ መንግስቲ ሰራሕተኛ ከቢድ ‘ዩ። ናብራ ብጣዕሚ ኸቢድዎ ‘ዩ ዘሎ ከምኡ ኸይኑ ግና ነዚ ተፃዊሩ ነቲ ሓረስታይ ንክሕግዝ በዚ ኣጋጣሚ መልእኽተይ ከሕልፍ ይደሊ። እቲ ዋንነት ድማ ናይ መሪሕነት ጉዳይ ‘ዩ።

በዓል ሞያ ‘ውን ናብ ስራሕ ንክኣትው በቢደረጅኡ ክሳብ ወረዳ ዘሎ ኣመራርሓ ብዝግባእ እንተመሪሕዎ ‘ዩ። ኣብዚ ክሕግዘሉ ዝኽእል ዕድል ገፊሕ ‘ዩ። ናይቲ ሕብረተሰብ ፀገም ተረዲእኻ በዓል ሞያ ንክሕግዝ ምትብባዕ መድረኻት ብምምችቻው ፀገማት ዝፍትሕሉ ኩነታት ምፍጣር።

ሐዚ እቲ ቅድም ኢለ ናይ ፍራምረ ፀገም ፈልሲ ንምፍታሕ እቲ ሓረስታይ ባዕሉ ንከፍልሕ ዝግበረሉን ኩነታት እንተተፈጢሩ መፍትሒ ክርከበሉ ይኽእል ‘ዩ። ናይ ከሚካል ቀረብ ‘ውን ከምኡ ሕብረት ስራሕ ማሕበራት ኣዋዲድካ እንተሰሪሕካ ናይቲ ሓረስታይ ሃፍቲ ናብ ባዕሉ ዝመፅአሉ ክፍጠር ይኽእል ‘ዩ። ኣብዚ ናይ ኣመራርሓ ግደ ዓብዪ ‘ዩ።

ወጋሕታ:- ሕርሻ ትግራይ ኣብዚ ዓመት ካብ ልምዓት መስኖ ክንደይ ዝኣክል ምህርቲ ክርከብ ይግመት?

ኣይተ በሪሁን:- እንሰርሕ ዘለና ናብ 60 ሽሕ ሄክታር ዝኸውን ክነልምዕሞ ካብኡ 11ሚልየን ኩንታል ዝኣክል ክንረክብ ኢና ከምትልሚ ሒዝና ዘለና። እዚ ንምርካብ እቲ ቅድም ዝበልክዎ። ቀረብ እታወታትን ዘርእን ምጥቃም ናይ ሞያን ድጋፍ ኣሎ።

ናይ መሪሕነት ጉዳይ፣ ናይ ሓረስታይ ኣወዳድባን ክላስተርን እቶም ቅድም ዝልዐልክዎም ማሕለኻታት እንተተወጊዶም እዚ ክንረክብ ንኽእል ኢና (እቲ ዝተተለመ)። ኣብዚ ዓብይ ማሕነቆ ፀገም ኮይንና ዘሎ ግና፤ ክሳብ ሐዚ ነፃ ዘይኮና ግዝኣታት ትግራይ ‘ዩ።

ነዚ ‘ዩ ብሙሉእነት ናብ ልምዓት ዘይኣተወ ዘሎ። ከምዞባ እንተሪእኻ ዞባ ምዕራብ ኣብ ኢድ ኻልኦት ሓይሊ ‘ዩ ዘሎ። እቲ ኣብዚ ዝነበረ ሓረስታይ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ተመዛቢሉ ‘ዩ ዘሎ። እዚ ሓረስታይ ናብ መረበቱ ከይዱ ናብ ማሕረሱ እንተዘይተመሊሱ ዓብዪ ፀገም ‘ዩ።

ከምዞባታት ብክፋል እንተወሲድና ‘ውን ላዕላይ ፀለምቲ ታሕታይ ፀለምቲ ማይ ፀብሪ ዝሓዘ ኣብ ዞባ ደቡብ ‘ውን ራያ ኣላማጣ ኦፍላ ዛንታ ኣብ ኢድ ካልኦት ሓይልታት ‘ዩ ዘሎ። ስለዚ ካብዚ ምህርቲ ዘይምርካብ ናይ ባዕሉ ፅዕንቶ ኣለዎ። እዚ ከምመንግስትን ፖለቲካ ፓርትታትን ዝሪእዎ ‘ዩ ዝኸውን። ክፍታሕ ግና ኣለዎ። ብሻዕብያ ከምኡ ዝተተሓዛ ጣብያታት ኣለዋ። እዚ ዓብይ ማሕነቆ ‘ዩ ዝኸውን ዘሎ።

ወጋሕታ:- ብሓፈሽ እቲ ዘሎ ሰላም ንሕርሻ ትግራይ ብፍላይ ድማ ንዕውት ልምዓት መስኖ ትግራይ እንታይ ግደ ኣለዎ? እዚ ዘሎ ሰላም ከመይከ ናብ ረብሓ ክነውዕሎ ኣለና ይብሉ?

ኣይተ በሪሁን:- ከምቲ ዝበልክዎ ሐዚ ‘ውን ብሓደ ገፅ ሰላም ዘይረኸበ ክፋል ሕብረተሰብ ኣለና ‘ዩ። ከምኡ ኾይኑ ‘ውን እቲ ዘሎ ሰላም ረብሓኡ ቀሊል ኣይኮነን። እቲ ልምዓት ግደፎ እሞ ካብ ሰላም ወፃኢ ተንኸውን ክንደይ ሰብ ክሃልቀሉ ዝነበረ ሪእና ሂወት ‘ዩ ድሒኑሉ ዘሎ።

ካልኣይ እቲ ናይ መስኖ ምንቅስቃስ ብዝግባእ እንተሰሪሕናሉ ክንደይ ሂወት ሰባት ከድሕን ዝኽእል ‘ዩ። ዝተወሰኑ ተመዛበልቲ ‘ውን ክሽከም ዝኽእል ‘ዩ። ከምቲ ዝሓለፉ 2 ዓማውቲ ትግራይ ኣብ ዕፅዋን ክባን እናሃልወት እቲ ሓረስታይ ትግራይ ተሽኪምዋ ዝወፅአ፤ ሐዚ ‘ውን እቶም ተመዛበልትን ነቲ ዕዳጋ ‘ውን ምቅቃሕ ንክፈጥር ዕድል ዝህብ ‘ዩ።

ሰላም ነቲ ዘሎ ልምዓት ‘ውን ዓብዪ ግደ ኣለዎ። ብፍላይ ድማ ንልምዓት መስኖን ብሓፈሻ ድማ ልምዓት ሕርሻ ዓብዪ ግደ ዘለዎ ‘ዩ። ነዚ ክንጥቀመሉ ኣለና ንዝብል ሓደ እቲ ሓረስታይ ቀትርን ለይትን ኣብ ስራሕ ‘ዩ ዝውዕል ዘሎ።

ሐዚ እቲ ሓረስታይ ሙሉእ ብሙሉእ ናብ ስራሕ ገፁ ከይዱ እታወታት ይቅረበለይ፣ ሞያዊ ድጋፍ ይገበረለይ፣ ዝፈረሰ መትረብ ይፀገነይ እናበለ ኩሉ ናይ ልምዓት ኣጀንዳ ዩ ዘልዕል ዘሎ። ስለዚ እቲ ሓረስታይ ናይ ልምዓት ሕቶ ዘልዕል ዘሎ ሰላም ብምምፅኡ ስለዝኾነ ናይ ሰላም ረብሓ እዚ ‘ዩ ኢልካ ዘይግመት ‘ዩ።

ኣንሕና ‘ውን ከም ውልቅናን ከምቢሮናን ሓረስታይ ንምሕጋዝ ልዕሊ ታሕቲ እንብል ዘለና ሰላም ስለዘሎ ‘ዩ። እዚ ከምዘሎ ኮይኑ ኩሉ ሓረስታይና ናብ ልምዓት ንክኣትውን ንባዕሉ ኮይኑ ንኻሊእ ‘ውን ክተርፍ ስለዘለዎ ሙሉእ ሰላም ንክኸውን ኢና ትምኒት እንገብር።

ወጋሕታ:-ብኣይ ወገን ሒዘዮ ዝነበርኩ ወዲአ ኣለኹ፤ ምስዚ ተተሓሒዙ ዝተረፈ ክግለፅ ኣለዎ ዝትብልዎ እንተሃልዩ ናይ መወዳእታ ዕድል ክሕበኩም?

ኣይተ በሪሁን:- ኣነ ውን ዳርጋ ወዲአ እየ፤ ከም ቢሮ ሕርሻ መሓውርና ክሳብ ታሕቲ ስለዘሎ ሓረስታይ ዝሓተና ሕቶ ብጣዕሚ ብዙሕን ሰፊሕን ‘ዩ። ድልየት ንክነማልእ ላዕልን ታሕትን እንተዘይልናን በቶም ዝግጥሙና ዘለው ወድዓዊ ፀገማት ጠጠው እንተይልና ዘሎ ፀገም ንምፍታሕ ከቢድ ‘ዩ።

ኣብ ማእቶት ሰፊሕ ክፍተት ‘ዩ ዘሎ። ኣብ ምህርቲ ዓቢ ፅልዋ ስለዝገብር ኣብዚ ድጋፍ ምሃብ ዝዓበየ ለውጢ ስለዘለዎ፤ እቶም ዘለው ፀገማት ተፃዊርና ቀትርን ለይትን ነቲ ሓረስታይ ክንድግፍ ኣለና ዝብል መልእኽቲ እየ ከሕልፍ ዝደሊ። የቐንየለይ

ወጋሕታ: ኣነ ውን ግዝኦም ሰዊኦም ንዝሃቡኒ ሓበሬታ የቕንየለይ

ኣብርሃ ሓጎስ  

ወጋሕታ 20 ሕዳር 2015 ዓ.ም

Recommended For You