‹‹ፀገም ህዝቢ ትግራይ ብሓደ ፖለቲካዊ ሓይሊ ዓብላላይነት ክፍታሕ ዝክኣል ኣይኮነን›› -ኣይተ መስፍን ደሳለኝ

ህዝቢ ትግራይ ቕድሚ ኸባቢ ክልተ ዓመታት ዘጋጠሞ ኵናት ብውዕል ፕሪቶሪያ ዋላ መዕለቢ እንተረኸበ፤ኮይኑ ግና ኣብ መራሕቲ ህወሓት ካሊእ ፖለቲካዊ ትኩሳት ክፍጠር ብምኽኣሉ እቲ ህዝቢ ኣብ ካሊእ ስግኣት ክውድቕ ክኢሉ ‘ዩ፡፡

መራሕቲ ህወሓት ውዕል ፕሪቶሪያ ካብ ዝፍረም ጀሚሩ በቲ ውዕል መሰረት ክስርሑ ዝግበኦም ኣብ ክንዲ ምስራሕ ግዚኦም ኣብ ፖለቲካዊ ውጥጥ ከሕልፍዎ ብምኸኣሎም እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ክሰርሖም ዝግባእ ስራሕቲ ከይተወድአ ዕድመ ስልጣን ብኣይተ ጌታቸው ረዳ ዝተመርሐ ናይ መጀመርታ ግዝያዊ ምምሕዳር ተወዲኡ ነቲ ስራሕ ንምቕፃል ሌ/ጀ/ ታደሰ ወረደ ናብ ፕረዚዳንት ክመፅእ ተገይሩ ‘ዩ፡፡

እቶም ፕረዚዳንት ሸሞንተ ነጥቢታት ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ውእል ፕሪቶሪያ መሰረት ብምግባር ንምፍፃም ቓል ዝኣተዉ ኮይኖም ኮይኑ ግና ምስ ምጥያሽ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ተተሓሒዙ ገና ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ተቓውሞ እናበፅሖም ይርከብ፡፡ ብፍላይ ብዙሓት ፖለቲካዊ ውድባት እቲ ዝተጣየሸ ሓዱሽ ካቢኔ ካብ ፍንጫል ውድብ ህወሓት ጥራሕ ‘ዩ ብምባል ተቓውሞኦም ካብ ምስማዕ ዓዲ ኣይወዓሉን፡፡

ብምዃኑ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብዚ ጉዳይ እዚን ካልኦት ተተሓሓዝቲ ጉዳያትን ኣድሂቡ ርኢቶ ንምቕባል ብፍላይ ኣብ ጉዳይ ፖለቲካ ትግራይ ትኹረት ገይሮም ምስ ዝንቀሳቐሱ ነበር ምክትል ኣቦመንበር ትግራይ ዲሞክራስያዊ ፓርቲ (ትዴፓ) ኣይተ መስፍን ደሳለኝን ቓለ መሕትት ብምግባር ከም እዚ ዝስዕብ ኣዳልዩዎ ኣሎ። ሰናይ ንባብ!

 

 ወጋሕታ፡- ካብ ፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ እንታይ ትፅቢት ይግበር ይብሉ? ከምኡ’ውን ኣብ ፖለቲካዊ ኩነታት ትግራይ ዘለዎም ትዕዝብቲ ተዝገልፁልና፤

ኣይተ መስፍን፡- እቲ ቕድሚኡ ዝነበረ ፕረዚዳንት በቲ ፍንጫል ጉጅለ ህወሓት ዳርጋ ብሓይሊ ‘ዩ ወሪዱ ምባል ይከኣል ‘ዩ። ማሕተም ብዘይ ኣግባብ ምምንጣል፣ ኣይንእዘዝን ምባል ወዘተ ነይሮም ‘ዮም። ብዙሓት ዘይሕጋዊ ምንቕስቓሳት ነይሮም ‘ዮም።

እዚ ሓዱሽ ግዝያዊ ምምሕዳር ድማ ነዞም ከምዚኦም ዝበሉ ፀገማት ክፈትሕ ትፅቢት ይግበረሉ። እዚ ምስ ምኽባር ሕጊ ዝተተሓሓዘ ‘ዩ። ብተወሳኺ ፕረዚደንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ናብ ስልጣን ኣብ ዝመፅሉ እዋን ዓለምለኸ ኣካላት ኣብ ዝተሳተፍሉ ሸሞንተ ነጥቢታት ክፍፅሙ ተዋሂብዎም ቃል ኣትዮም ‘ዮም። ናይ ፕሪቶርያ ስምምዕነት ኢንተርናሽናል ስምምዕነት ስለዝኾነ በዚ መሰረት ዝነበሩ ፀገማት ብምፍታሕ ዝተሃዋሃቦም ዕዮ ገዛ ከትግብሩ ትፅቢት ይግበረሎም።

ፕረዚዳንት ታደሰ ወረደ ካብቶም ዝፈረምሎም ነጥቢታት እቲ ሓደ ሕጊ ምኽባር ‘ውን ‘ዩ። ሕጊ ምኽባር ከንብል እንተለና ቕድሚኡ ማሕተም ካብ ምምንጣል ጀሚሩ ብዙሕ ምስሕሓብ ነይሩ ‘ዩ። እዚ ከይድገም ክሰርሑ ኣለዎም። ፀገም ድሕንነትን ፀጥታን ዝኾኑ ነገራት ክፍትሑን ክስተኻኸሉን ይግበኦም።

ኮይኑ ግና ናይ ፀጥታ ፀገም ኮይኖም ዝርከቡ ኣካላት ጠጠው ከብሉን ሕጊ ‘ውን ከኽብሩን እናተገበኦም ቐጥታ፣ ዘተ ብሄራዊ ዕርቒ ወዘተ ናብ ዝብሉ ነገራ ‘ዮም ኣትዮም። ከምዚ ዘይኮነ ክኸውን ዝግበኦስ ብሕጊ ክሕተቱ ዝግበኦም ኣካላት ክሕተቱ ክገብሩ ይግበኦም ነይሩ። ምኽንያቱ ብሕጊ ክሕተቱ ዝገበኦም ኣካላት ኣለዉ ‘ዮም።

እቶም ዝተፈንጨሉ ኣካላት ህወሓት ብሕጊ ክሕተቱ ዝግበኦም ‘ዮም። ምኽንያቱ ማሕተም ምምንጣልን ካልኦት ኢ-ሕጋዊ ተግባራትን እናፈፀሙ ዝነበሩ ‘ዮም። ብዓብይኡ ድማ ብቦርዲ መረፃ ፖለቲካዊ ምንቕስቓሳት ከይገብሩ ዝተኣገዱ ‘ውን ‘ዮም። ዘይሕጋዊ ጉባኤ ‘ውን ዘካየዱ ኣካላት ‘ዮም። እዞም ኣካላት እዚኦም ብሕጊ ክሕተቱ ኣለዎም። ዘይሕጋዊ ምንቕስቓስ ዝገብር ኣካል ኣብ ዘለዎ ብሄራዊ ዕርቒ እንተይኮነ ዘድልስ ብሕጊ ክሕተት ምግባር ‘ዩ ዘድሊ።

ኣብዚ ብዘተ ክፍታሕ ‘ዩ ዝብል እምነት የብለይን። ብመራሕቲ ሃይማኖትን ካልኦት ዓበይቲ ኣካላትን ተፈቲኑ እኮ ክፍታሕ ኣይከኣለን። ብኸምዚ ክፍታሕ ዘይከኣለ ጉዳይ ቐጥታ ሕጊ ብምኽባር ‘ዩ ክፍታሕ ዝኽእል። ብሄራዊ ሓድነት ከይህሉ ገይሮም ‘ዮም። ብሄራዊ ሓድነት ኣብ ዘይብሉ ዘጋጠመ ፀገም ብዘተ ክፍታሕ ዝኽእል ኣይኮነን።

እቲ ፀገም ብፍላይ ህወሓት ኣብ ክልተ ምስ ተመቐለ ኣዝዩ እናበኣሰ ‘ዩ ከይዱ። ሕዚ እቲ ህዝቢ ‘ውን ሓደ ዓይነት ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ የብሉን ዘሎ። ሕዚ ከም ናይ ቕድሚ ሕዚ ሓደ ዓይነት ኮይኑ ንህወሓት ዝድግፈሉ ኩነታት የብሉን። ምኽንያቱ እቲ ፍንጫል ጉጅለ ህወሓት ኣብ ህዝቢ ሓድነት ከይህሉ ስለዝገበረ። ህወሓት በይኑ ከም ድሌቱ ቸቸ ዝብለሉ ኩነታት ጠጠው ኢሉ ‘ዩ። ሕዚ እቲ ፍንጫል ጉጅለ ህወሓት ‘ዩ ከምድሌቱ ክገብር ዝፍትን ዘሎ። እዚ ክኸውን ድማ ህዝቢ ዝፈቕድ ኣይኮነን።

ሕዚ እቲ ፕረዚዳንት ክገብሮ ዘለዎ ንኹሉ ሓቋፊ ወይ ኣካታቲ ዝኾነ ካቢኔ ‘ዩ ከጣይሽ ዝግበኦ። እቲ ዝተጣየሸ ከምእቲ እንሪኦ ዘለና ግና ዳርጋ ሚኢቲ ፐርሰንት ካብቲ ተፈንጪሉ ዘሎ ሓይሊ ‘ዩ ገይሩ ዘሎ። ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ንኹሉ ዝሓቑፍን ዘካትንን ካቢኔ ክምስረት እናተገበኦ ካብ ሓደ ጉጅለ ጥራሕ ምጥያሹ ትኽክል ኣይኮነን፤ እዚ ክእረም ዘለዎ ጉዳይ ‘ዩ።

እቲ ካቢኔ ኣብ ትሕቲ እቲ ፍንጫል ጉጅለ ህወሓት ክኸውን ‘ዩ ፈቒዱ ዘሎ። እዚ ዘሪአካ ድማ እቶም ፕረዚደንት ምስቲ ፍንጫል ጉጅለ ህወሓት ሓደ ከምዝኾኑ ‘ዩ። ስለዚ እዚ ኣካይዳ እዚ ምስ ማሕበረሰብ ይኹን ምስ ካልኦት ኣካላት ብፍላይ ምስ መንግስቲ ፌዴራል ናብ ግጭት ዘአቱ ‘ዩ።

ብሓፈሻ ፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ታደሰ ወረደ፣ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ንምፍታሕ ቓል ዝኣተወሎም ነጥቢታት ክፍፀሙ ምእንቲ ንኹሉ ብዘሳትፍን ዝሓቑፍን ኣሳራርሓ ክኽተሉ ኣለዎም። ከምኡ ‘ውን ፀገም ህዝቢ ትግራይ ክፍታሕ እንተኾይኑ ቃል ዝተኣወሎም ነጥቢታት ክፍፀሙ ኣለዎም። እቶም ነጥቢታት ክፍፀሙ ድማ ምስ ኩሎም ኣካላት ብምቕርራብ ምስራሕ ኣድላይ ‘ዩ።

ምኽንያቱ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ክፍታሕ ዝኽእል ብሓደ ፍንጫል ጉጅለ ህወሓት ዓብላላይነት ዘይኮነስ ብመላእ ተሳትፎ ህዝቢ ትግራይን ፖለቲካዊ ውድባትን ‘ዩ። ብቀንዱ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ቓል ዝኣተወሎም ነጥቢታት ብምፍፃም ፀገም ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምፍታሕ ኣድሂቡ ክሰርሕ ይግባእ ‘ምበር ካሊእ ጎንፂ ዝፈጥሩ ኣካይዳ ክኽተል የብሉን።

ፀገም ህዝቢ ትግራይ ክፍታሕ ዝኽእል ንኹሉ ፖለቲካዊ ሓይሊ ብምስታፍን ተቐራሪብካ ብምስራሕን ‘ምበር ብሓደ ፍንጫል ፖለቲካዊ ሓይሊ ዓብላላይነት ከምዘይኮነ ምርዳእ የድሊ። ፕረዚዳንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ንኹሉ ዘካትት ካቢኔ ከጣይሹ እናተገበኦም መብዛሕተኦም ካብ ኣባላት ፍንጫል ህወሓት ምጥያሾም ሕጊ ዘይተኸተለ ምስ ምዃኑ ተተሓሒዙ ናብ ካሊእ ፖለቲካዊ ጎንፂ ዘአቱን ፀገም ህዝቢ ትግራይ ዘጋድድን ‘ዩ ኢለ ‘የ ዝኣምን።

እዚ ናይ ምድፍፋእ ኣካይዳ ከይዱ ከይዱ ከቢድ መዘዝ ዘምፅእ ‘ዩ፤ ከምዚ ዓይነት ናይ ምድፍፋእ ፖለቲካዊ ኣካይዳ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ካብ ምግዳድ ሓሊፉ ፍታሕ ከምፅእ ይኽእል ‘ዩ ኢለ ኣይኣምንን። እዚ ምስ ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላት ዘሎ ርክብ ‘ውን ዘተሓራርፍን ናብ ግጭት ከምርሕ ዘኽእልን ኣካይዳ ‘ዩ ኢለ ‘የ ዝኣምን። ብፍላይ ቑልፊ ቢሮታት ንኣባላት ፍንጫል ጉጅለ ህወሓት ጥራሕ ምሃብ ኮነ ተባሂሉ ዝተሰርሐ ‘ዩ ዝመስል፤ እዚ ድማ እቲ ፍንጫል ጉጅለ ህወሓት ኣምባገነን ንኽኸውን ዕድል ዝኸፍት ‘ዩ።

ኣብ ሓንቲ ሓሳብ ተሸኺልካ ምቕራይን ዝተፈለየ ሓሳብ ዘይምትእንጋድን መሰረታዊ ፀገም ኣመራርሓታት ህወሓት ‘ዩ። እዚ ባህሪ እዚ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ከቢድ ፀገም እናፈጠረ መፂኡን ሕዚ ‘ውን ይፈጥር ዘሎን ‘ዩ። ህወሓት ኣብ ውልቓዊን ጉጅለኣዊን ረብሓ ጥራሕ ትኹረት ገይሩ ዝሰርሕ ፖለቲካዊ ሓይሊ ‘ምበር ካብ ሕሉፍ ጌግኡ ተማሂሩ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ንምፍታሕ ዝሓስብን ዝፍትንን ፖለቲካዊ ሓይሊ ኣይኮነን። ነዚ ‘ውን ‘ዩ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ፀገም ዝርከብ ዘሎ።

ኣብ ፖለቲካዊ ሓይሊ ይኹን ካብ ፖለቲካ ወፃኢ ዘሎ ትግራዋይ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምፍታሕ እጃሙ ክፃወት ፕረዚዳንት ታደሰ ወረደ ፖለቲካዊ ሃዋህው ኣብ ምስፋሕ ክሰርሑ ይግባእ ‘ምበር ካሊእ ፖለቲካዊ ጎንፂ ዘስዕብ ኣካይዳ ክኽተሉ የብሎምን። እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትፅቢት ዝግበረሉ እቲ ሓደ ሕጊ መሰረት ገይሩ ክሰርሕ ኣለዎ፤ ካብ ምድፍፋእን ፖለቲካዊ ሽርሕን ብምውፃእ ንህዝቢ ኣብ ዝጠቕሙ ጉዳያት ቖላሕታ ክገብር ይግባእ።

ኣብ ጉዳይ ትግራይ የግድሰና ‘ዩ ዝብሉ ኣካላት ዘሳትፍን ዝሓቑፍን ፖለቲካዊ ሃዋህው ንምስፋሕ ክሰርሕ ኣለዎ። ምኽንያቱ በይኑ ፍንጫል ፖለቲካዊ ህወሓት ፀገም ህዝቢ ትግራይ ክፈትሕ ዝኽእል ሓይሊ ኣይኮነን። ብፍላይ ድማ እዚ ግዝያዊ ምምሕዳር ቓል ዝኣተወሎም ነጥቢታት ኣብ ምፍፃም ትኹረት ገይሩ ብምስራሕ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ንምፍታሕ በርቲዑ ክሰርሕ ይግባእ። እዚ ክኸውን እንተኾይኑ ድማ ኣብ ጉዳይ ትግራይ የግድሰና ‘ዩ ዝብሉ ኣካላት ከሳትፍን ክሓቑፍን ትፅቢት ይግበረሉ።

ወጋሕታ፡- እቲ ካቢኔ ንኹሉ ሓቋፍን ኣካታቲን ክኸውን ብቐንዱ እንታይ ክግር ኣለዎ?

ኣይተ መስፍን፡- መጀመርታ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዲሞክራስያዊ ሃዋህው ትግራይ ከስፍሕ ኣለዎ፤ ቓል ዝኣተዎሎም ነጥቢታት ብዘይ ተሳትፎ መላእ ፖለቲካዊ ውድባትን ህዝብን ከሳኽዕ ከምዘይኽእል ተረዲኡ እቲ ካቢኔ ከም እንደጋና ንኹሉ ብዘካትት መልክዑ ከጣይሾ ኣለዎ። ሕጊ መሰረት ገይሩ ክሰርሕ ኣለዎ። ብናይ

ቕድሚ ሕዚ ዝኽየድ ዝነበረ ናይ ሸፈጣት ኣካይዳ ጠጠው ክብል ኣለዎ። ኣብዚ ጉዳይ እዚ ድማ ሙሁራት፣ ሲቪል ሶሳይቲ፣ ፖለቲካዊ ውድባት ይኹኑ ካልኦት ብዛዕባ ትግራይ የግድሰና ‘ዩ ዝብሉ ኣካላት እቲ ካቢኔ ኣሳታፊ ክኸውን ፀቕቲ ክገብሩ ኣለዎ።

ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ይኹን ኣብ ደገ ኣሳታፊን ሓቋፊን ኣካይዳ ክህሉ ኣበርቲዑ ክሰርሕ ኣለዎ። ካብቲ ዝተለመደ ኣካይዳ ወፂእኻ ሓቃዊን ንህዝቢ ኣብ ዝጠቕም ኣካይዳን መሰረት ገይርካ ምኻድ ተዘይሃልዩ ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ዝኣተዎ ፀገም ክወፅእ ኣይኽእልን። ብፍላይ ድማ ውዕል ፕሪቶሪያ መሰረት ገይርካ ምኻድ ናይ ግድን ‘ዩ።

ናይ ኩሉ ሰብ ሓሳብ ክድመፅን ብሓሳብ ዝኣምንን ምችው ፖለቲካዊ ሃዋህው ኣብ ትግራይ ክህሉ ኩልና እጃምና ከንዋፃእ ኣለና። ንትግራይ ዝጠቕማ ናይ ኩሉ ተሳትፎን ተቐራሪብካ ምስራሕን ‘ዩ። ብምድፍፋእ ለውጢ ክመፅእ ስለዘይኽእል ሓቢርካ ምስራሕ ክልመድ ኣለዎ። ሕጊ መሰረት ገይሩ ዘይሰርሕ ኣካል ድማ ናብ ሕጊ ክቐርብ ኣለዎ። ነዚ ድማ ኩሉ ብንቕሓት ብምስታፍ ግጉያት ኣካይዳ ክእረሙ ክገብር ኣለዎ።

ናይ ትግራይ ፖለቲካ ብዘላቕነት ክፍተሐሉ ዝኽእለሉ ነገራት ክህሉ ኣለዎ። ብፍላይ ተፈጥሮ ናይ ህወሓት ኣፀጋሚ ስለዝኾነ ብዘይ ቓልሲ ክስተኻኸል ስለ ዘይኽእል ኩልና ከንቓለሶ ኣለና። ምኽንያቱ ባዕሉ ሓሲቡ ዘስተኻኽል ኣይኮነን። ንሓምሳ ዓመት ሒዝዎ ዝመፀ ሓደ ዓይነት ባህሪ ‘ዩ ዘለዎ።

ወጋሕታ፡- ምስ ፖለቲካዊ ኩነታት ትግራይ ተተሓሒዙ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ብዘላቕነት ብኸመይ ክፍታሕ ይኽእል ይብሉ?

ኣይተ መስፍን፡- እቲ ቐንዲ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ፖለቲካዊ ሕመቕ ‘ዩ። እዚ ድማ ቐጥታ ምስ ባህርን ተፈጥሮኣዊን ህወሓት ዝተሓሓዝ ‘ዩ። ን50 ዓመት ሙሉእ ንህዝቢ ትግራይ ብኣተሓሳስባ፣ ፖለቲካ፣ ኢኮኖሚያውን ማሕበራውን ጎዲእዎ ‘ዩ። ሓንቲ ኣተሓሳስባ ክህልዎ ገይርዎ ‘ዩ።

መማረፂ ፖለቲካዊ ውድብ ከይረክብ ናይ ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ኣምላኺ ክኸውን ገይርዎ ፀኒሑ ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ብሰንኪ እዚ ውድብ እዚ ብዙሕ ዋጋ ክኸፍል ገይርዎ ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ኣብ ፍትሓዊን ሓቓዊን ዝተመስረተ ፖለቲካዊ ውድብ የድልዮ ‘ዩ። ህልኽ ዝተመልኦ ፖለቲካ ትግራይ ንህዝቢ ተደጋጋሚ ዋጋ እናኽፈሎ ይርከብ።

ምኽንያታዊ ፖለቲካን ኣብ ፍልጠትን ቕንዕናን ዝተመስረተ ፖለቲካ ‘ምበር ኣብ ህልኽ ዝተመስረተ ፖለቲካ ኣየድልን። ህዝቢ ትግራይ ብናይ ህልኽ ፖለቲካ ተደጋጋሚ ዋጋ እናኸፈለ ይርክብ። ትግራይ ግዜን ኩነታትን ዘገናዝብ ስልጡን ፖለቲካ ሓይሊ የድልያ። ክሳብ ሕዚ ኣብ ትግራይ ዘሎ ፖለቲካዊ ሓይሊ ኣርሒቑ ዘይሓስብ ንግዝያዊ ረብሓ ክብል ንህዝቡ ዝጎድእ ‘ዩ።

ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ፀገም ክወፅእ ኣለዎ ኢሉ ዝሓስብ ፖለቲካዊ ውድብ የድሊ። ከምዚ ክህሉ ድማ ሕጊ ተኸቲሉ ኩሉ ዝሳተፈሉ ፖለቲካዊ ሃዋህው ክህሉ ፀቕቲ ክግበር ኣለዎ። ህዝቢ መማረፂ ፖለቲካዊ ውድብ የድልዮ ‘ዩ። ካብ ዘረባን ፅሑፍን ሓሊፉ ለውጢ ዘምፅእ ፖለቲካዊ ሓይሊ የድሊ። መንግስቲ ፌዴራል ‘ውን ሙዑሩይ ፖለቲካዊ ሃዋህው ክህሉ ፀቕቲ ክገብር ኣለዎ። ዝኹሉ ፀገም ዘጋጥመና ዘሎ ሓቋፊ ፖለቲካዊ ሃዋህው ዘይምህላው ‘ዩ። ትግራይ ናይ ኩሉ ዓቕሚ የድልያ ‘ዩ። ብሓደ ፖለቲካዊ ውድብ ዓብላላይነት ፀገም ህዝቢ ትግራይ ክፍታሕ ዝኽእ ኣይኮነን።

ዝሓሸ ኣተሓሳስባን ቕንዕናን ዘለዋ ፖለቲካዊ ሓይሊ ናብ ቐድሚት ክመፅእ ኣለዎ። ሕዚ ዝረኣይ ዘሎ እቲ ፍንጫል ጉጅለ ህወሓት ሙሉእ ብሙሉእ ኣምባገነን ኮይኑ ዝወፀሉ ኩነታት ዝፍጠር ዘሎ ይመስል። ህወሓት ንህዝቢ ዝሓስብ ፖለቲካዊ ውድብ ብዘይምዃኑ ማእለያ ዘይብሉ መንእሰይ ፎቖድኡ ስደት ተበቲኑ ይርከብ። ገሊኡ ‘ውን ኣብ ዝሓሰቦ ቦታ ከይበፀሐ ኣብ ባሕሪ እናጠለቐ ይርከብ። ምኽንያቱ ነዚ መንእሰይ እዚ ስራሕ ከትሕዝ ዝሓስብ ፖለቲካዊ ሓይሊ የለን። ንበዓሉ ጥራሕ ዝሓስብ ‘ዩ። እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ሓይሊ መንእሰይ መማረፂ ከይህልዎ እናገበረ ይርከብ።

ናይ ትግራይ ፀገም ኣይሽንኳይዶ ኵናት ተወሲኽዎን ፖለቲከኛታት ህወሓት ኣብ ናይ በዓሎም ኣጀንዳ ተፀሚዶምን ብሓባር ሰሪሕኻ ‘ውን ብቐሊሉ ዝፍታሕ ኣይኮነን። ብትኽክል ሰሪሕኻ ‘ውን እንተኾነ ቐልጢፉ ዝፍታሕ ኣይኮነን። ፀገም ፖለቲካን ኢኮኖሚን ትግራይ ክፍታሕ ሓገዝ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ‘ውን የድልይ ‘ዩ። ብናይ ትግራይ ዓቕሚ ጥራሕ ክፍታሕ ‘ዩ ዝብል እምነት የብለይን። ስለዚ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ብዝተኸኣለ መጠን ንምፍታሕ ዲሞክራስያዊ ፖለቲካዊ ሃዋህው ብምስፋሕ ኩሉ ንትግራይ ክጠቕም ኣብ ዝኽእል ክሳተፍ ብምግባር ‘ዩ።

ወጋሕታ፡– ንዝሃቡና ርኢቶ የቕንየልና።

ኣይተ መስፍን፡- ኣነ ‘ውን ርኢቶም ንምግላፅ ስለዝጋበዝኩምኒ የቕንየለይ።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 23 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም

Recommended For You