ዝተጀመሩ ስራሕቲ  ዳግመ ሕውየት ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ዝተረኽበ ሰላም ክንዕቕብ ይግባእ

 ኣብ ክልል ትግራይ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ መንግስቲ ኣብ ዳግመ ሕውየት ትግራይ ብዙሓት ስራሕቲ እናሰርሐ ብምምፅኡ ኣብቲ ክልል ብዙሓት ለውጥታት ይረአዩ ኣለዉ። ዋላ ሙሉእ ኣይኹን ተጀሚሮም ዘለዉ ስራሕቲ ኣዝዮም ዝበረታትዑ ‘ዮም። ዓንዮም ዝነበሩ ሓደ ሓደ መሰረተ ልምዓታት ተፀጊኖም ናብ ስራሕ እናኣተዉ ‘ዮም ዝርከቡ።

ንኣብነት ብዙሓት ናይ ቱሪስት ቦታት ተጎዲኦም ፀኒሖም ሕዚ መንግስቲ ብዝገበሮ ርብርብ ናብ ንቡር ተመሊሶም ግልጋሎት ምሃብ ጀሚሮም ኣለዉ። ንቱሪስትታት ክፍቲ ብምዃኖም በፃሕቲ ዓዲ ናብቲ ክልል ዑደት ምግባር ጀሚሮም ኣለዉ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምንቕስቓስ ቱሪዝም ንምጅማር ታሪኻዊ ቦታታት ንቱሪስትታት ክፍቲ ከምዝኾኑ ሚኒስትር ቱሪዝም ገሊፁ ምንባሩ ዝዝከር ‘ዩ። በዚ መሰረት ኣብዚ ሕዚ እዋን ግልጋሎት ምሃብ ብምጅማሮም ዛሕቲሎም ዝነበሩ ምንቕስቓሳት ምንቕቓሕ ጀሚሮም ይርከቡ።

እዚ ክኸውን ዝኸኣለ ሰላም ስለ ዝተረኽበ ‘ዩ።ኣብ ሕዳር ፅዮን ብዙሓት በፃሕቲ ዓዲ ዝመፅሉ ወቅቲ ‘ዩ። ሕብረተሰብ እቲ ከባቢን ትካላት መጎብነይቲን ድማ ንበፃሕቲ ዓዲ ብኣግባቡ ብምቕባልን ጭውነት ብዝተመልኦ መንፈስ ከተኣናግዱ ይግባእ።

ብሰንኪ እቲ ዝነበረ ኩናት ሕዳር ፅዮን ኣብዝሓለፉ ክልተ ሰለስተ ዓመታት ብዝግባእ ዘይተኸበረሉ እዋን ‘ዩ ነይሩ። ሎሚ ዘበን ግና ሰላ እቲ ዝተረኽበ ሰላም ብስነ ስርዓት ንምኽባር ብዙሕ ምሽብሻባት እናተገበሩ ፀኒሖም ሕዚ ድሮ ሕዳር ፅዮን ኮይኑ ብድምቐት ምኽባር ተጀሚሩ ኣሎ።

እዚ ጥራሕ ኣይኮነን ካልኦት ተስፋ ዝህቡ ምንቕስቓሳት ‘ውን እናተረኣዩ ‘ዮም። ኣብ 2016 በጀት ዓመት ትግራይ ናብ 60 ሽሕን 748 ሄክታር ዝኸውን ልምዓት መስኖ ብምልማዕ ናብ 11 ሚልየን ዝኣክል ኩንታል ንምርካብ ትልሚ ሒዛ እናተንቐሳቐሰት እያ ትርከብ፤ እዚ ኣዝዩ ዝበራታታዕ ጉዳይ ‘ዩ።

ምስ እዚ ተተሓሒዙ ብመንግስትን ገበርቲ ሰናይን ዝቀረበ መዳበርያ ናብ ኩሉ ከባቢ እናተባፀሐ ይርከብ። ቢሮ ሕርሻ ክልል ትግራይ 82ሽሕ ኩንታል ዝኸውን ናብ ኢድ ሓረስታይ ብምብፃሕ እቲ ሓረስታይ ልምዓት መስኖ እናከናወነ ይርከብ።

ካልኦት ዝተፈላለዩ ነቲ ሓረስታይ ዘድልይዎ ነገራት ‘ውን ብዝተኸኣለ መጠን እታዎታት እናቀረብሉ ‘ዮም። ኣብዚ ገበርቲ ሰናያት ቀሊል ዘይበሃል ሓገዛት እናገበሩ ‘ዮም። ትካል መግብን ሕርሻን ንፅጉማት ሓረስቶት መዳባርያን ዘርእን ሓገዝ እናገበረ ይርከብ።

ብኻሊእ ወገን መበል 27 ጠቕላላ ጉባኤ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ‘ውን ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ተኻይዱ ‘ዩ፤ እዚ ቀሊል ዝበሃል ኣይኮነን። በቲ ዝነበረ ኩናት ስነልቦና ኣትሌታት ትግራይ ተጎዲኦም ፀኒሖም ‘ዮም። ካብ ስፖርት ርሒቖም ፀኒሖም ‘ውን ‘ዮም።

ሕዚ ግና ምንቕስቓስ ተጀሚሩ ኣሎ። እዚ ኣብቲ ክልል ዝግበር ናይ መሊስካ ምህናፅ ስራሕቲ ዘፈር ስፖርት ትኹረት ዝረኸበ ምዃኑ ዘማላኽት ‘ዩ። ጉድኣት ዝበፅሖ ዘፈር ስፖርቲ መሊስኻ ንምህናፅ ዝተፈላለዩ ፃዕርታት እናተገበሩ ከምዝኾኑ ‘ውን ኣብቲ እዋን ተገሊፁ ‘ዩ።

ከምኡ ‘ውን ብምትሕብባር ሰብ ሃፍቲ ኢትዮጵያን ቻይናን ብሽዱሽተ ቢሊዮን ብር ወፃኢ ሓፂንመፂን መፍረዪ ኢንዱስትሪ ኣብ ክልል ትግራይ ከምዝስራሕ ተገሊፁ ‘ዩ። እዚ ንብዙሓት መናእሰይ ዕድል ስራሕ ብምፍጣር ኣብ ኢኮኖሚያዊ ፀገም ምፍታሕ ዘለዎ ግደ ቐሊል ኣይኮነን። ንሽዱሽተ ሽሕ ንዝኾኑ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ከምዝፈጥር ኣብቲ እዋን ተገሊፁ ‘ዩ።

ብሓፈሻ እዚኦምን ካልኦት መሰረታዊ ልምዓታትን ንኽፍፀሙ ኣብ ሰላምን ድሕንነትን ኣበርቲዕና ከንሰርሕ ይግበአና። እዚ ኩሉ ደሚርካ እንትረአ ውፅኢት ሰላም ምዃኑ ተገንዚብና ንሰላም ዓብዪ ቖላሕታ ከንህቦ ይግባእ።

ምኽንያቱ ብዘይ ሰላም ዝኾነ ዓይነት ልምዓት ምክያድ ይቅረ ብሰላም ወፂኻ ብሰላም ክትኣቱ ‘ውን ከቢድ ‘ዩ። ስለዚ ተጀሚሩ ዘሎ ስራሕቲ ዳግመ ሕውየትን ካልኦት መሰረተ ልምዓታትን ክጠናኸሩ ተረኺቡ ዘሎ ሰላም ብዝግባእ ከንዕቕቦ ይግበአና።

ወጋሕታ 20 ሕዳር 2015 ዓ.ም

Recommended For You