ንኣሰልጠንቲ ባህሊ ስፖርት ስልጠና ተዋሂቡ

 መሰረት ገ/ዮሃንስ

ባህላዊ ስፖርትታት ኣብዚ ኸዚ እዋን ኣብ ዓለም ተፈታውን ኩልግዜ ዝካየድ ዝኾነ ዓይነት ስፖርት መሰረት ከምዝኾኑ ዝፍለጥ እዩ። ኣብ መላእ ዓለም ካብ ሰለስተ ሽሕ ዝበልፁ ባህላዊ ስፖርት ከምዝርከቡ መፅናዕቲ ይገልፁ። ሕቡራት መንግስታት ናይ ትምህርቲ፣ሳይንስን ትካል ባህልን እዚኦም ስፖርት ብቅርስነት ዝመዝገቦም እንትኾን ፣ዓለም ለኸ ስፖርት ንኹሉ ማሕበርን ኣፍልጦን ተዋሂብዎም ዝሕለዉ እዮም።

ፀወታታት ፣ኣካላዊ ምቅስቃስና፣ንሕንሓት ፣ዳንሲ ከምኡ’ውን ናይ ኣክሮባት ምንቅሳቃሳት ኣብ ባህላዊ ስፖርት ዝጠቃለሉ እዮም። እቲ ትካል ብሕብረት ከምኡ’ውን ብውልቀ ብምዃን ዘዳልይዎም ዝተፈላለዩ መድረኻት ባህሊ ስፖርት ኣፍልጦን ካልኦት ተግባራት ይስርሑ እዮም። ከም ኢትዮጵያ ዝበሉ ብሄር ብሄረሰባት ዝርከብሎም ፤ባህልን ታሪኽን ፀገብ ዝኾኑ ሃገራት ድማ ዝተፈላላዩ ባህልታትን እሴታትን ኣለዉዎም። እዚኦም እሴታትን መግለፂ መንነት ባህላዊ ስፖርት ስራሕቲ’ውን ምክታት ይካኣል እዩ። ከም ከባባኡን ናብራ ዘይቤን ዝተፈላላዩን ካብ ቀደም ካብ ትውልዲ ናብ ትውልዲ እናተቐባበሉ ዝነበሩ ባህላዊ ስፖርትታት ብዙሓት እዮም። ርግፅ ካብ ስልጣነ ዘመናውነት ተደሓሒዙ ባህላዊ ስፖርት እናተረስዑን ብዝግበኦም ልክዕ እናተዘዋዋሩ ተዘይኾይኑ’ውን ካብ ከተማ ወፃኢ ኣብ ዝኾኑ ግና ኸዚ እውን ይስርሑ እዮም።

ኣብ ከባቢ ከተማ ንሕንሓት ብምድላው እዚ ትውልዲ ባህሉ ንክፈልጥ ስራሕቲ ጎስጓስ ይስርሑ እዮም። ከም ኣዲስ ኣበባ ዘለዉ ከተማታታት ክሳብ ኸዚ እዚ ስፖርት ኣፍልጦ ረኺቡ ኣብ ነበርቲ ኣትዩ እዩ ኢልካ ንምዝራብ ኣየደፍርን። ብምዃኑ ፌዴሬሽን ባህሊ ስፖርት ኢትዮጵያ እዚኦም ስፖርት ከይጠፍኡን ህዝቢ ንክለምዶም ንምግባር ዝተፈላለዩ ምቅስቃሳት እናሰርሐ ይርከብ። ካብዚ እቲ ሓደ ኣሰልጠንትን ደያኑ ብምስልጣን ስፖርት ደንብን ሕግን ሃልይዎ ብስልጠና ንክሕገዝ ምግባር እዩ። ኣብዚ ሰሙን ኢትዮጵያ ባህላዊ ስፖርት ምስፍሕፋሕን ተሳታፍቲ ዜጋታት ንምፍጣር መሰረት ዝገበረ ባህላዊ ስፖርት ኣሰልጠንቲ ስልጠና ተኻይዱ እዩ።

እቲ ስልጠና ብምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ፌደሬሽን ባህሊ ስፖርት ምስ ፌደሬሽን ባህሊ ስፖርት ኢትዮጵያ ብምሕባር እናሰርሐ እንትኾን፤ብስፖርት ባህሊ ካልኣይ ብርኪ አሰልጠንቲ ምዃኑ ስፖርት ኮምሽን ምምሕዳር ከተማ አዲስ ኣበበ ኣብ ማሕበራዊ ገፅ ኣፍሊጡ እዩ። ናይቲ ስልጠና ዕላማ ባህላዊ ስፖርት ካብ ምስፍሕፋሕ ዝሰገረ ፤ባዕሉን እሴቱን ዝፈለጠ ተወዳዳሪ ከምኡ’ውን ተሳታፊ ዜጋ ንምፍጣር እዩ። በዚ መሰረት ኣብ ክፍለ ከተማታት ፤ኣብ ወረዳን ቤት ትምህርትን ንምስፋሕ እዩ።

ንተኸታታሊ ዓሰርተ መዓልቲ ኣብ ዝፀንሐ ስልጠና ፤23 ሰልጠንቲ ካልኣይ ብርኪ ኣሰልጠንቲ ስልጠና ምውሳዶም ብቅዓት መረጋገፀፂ ኣፍልጦ ምስክር ወረቐት ረኺቦም እዮም። ካብቶም ሰልጠንቲ እተን ሰላስተ ደቂ ኣንስትዮ እንትኾና ፤እቶም 20 ድማ ደቂ ተባዕትዮ ከምዝኾኑ ተዘጊቡ እዩ። እቶም ተሳተፍቲ ዝተውሃቦም ተግባራዊ ልምምድ ናይ ንድፈ ሓሳብን ፅሑፍ ፈተናን ብብቅዓት ዛዚሞም እዮም።

እቲ ስልጠና ብ 11 ባህላዊ ስፖርት ማለት’ውን በቓርሳ፣ብቕልስ፣ብገበጣ ባዓል 12ን 18 ጉድጓድ ብፈረስን ብቀስትን ከምኡ’ውን ካልኦት ባህላዊ ፀወታታት ዝተውሃበ እዩ። እዚ ስልጠና ብንድፈ ሓሳብን ብተግባርን ልምምድ ዝተውሃበ’ውን በቲ ዘፈር ብዙሕ ልምድን ፍልጠትን ዘለዎም ከምዝኾኑ ቤት ሓላፊ ፅሕፈት ፌደሬሽን ባህልን ስፖርትን ኣይተ በላይነህ ሃይሌ ገሊፆም እዮም።

እቲ ስልጠና ብዋናነት ስፖርት ታሪኻዊ ኣመፃፅኣ ፣መንነት ፣ኣብ ኢትዮጵያ ኣጀማምራ ፣ኣድላይነትን ጥቑሙን ከምኡ’ውን ካብ ኣሰልጣኒ ዝፅበዩ ባህሪታት ፤ተግባርን ሓላፍነትን፣ ናይ ስልጠና ትልምን ስልጠናን፣ሜላታትን ኣመራርፃን ኣድሂቡ ከምዝነበረ ዝገለፁ ድማ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፌደሬሽን ስፖርትን ባህልን ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ፈቃደ ጫካ እዮም።

ስልጠና ዝሃቡ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ፌዴሬሽን ስፖርትን ባህልን ኢትዮጵያ ኣይተ በላይነህ ሃይሌ ብወገኖም ፤ባህል ስፖርት ሳይንሳውነት ብምኽታል ንዘመናዊ ስፖርት ንክፍጠሩ ምኽንያት ከምዝኾኑ ገሊፆም እዮም። ኣብ ኢትዮጵያ 293 ሕግን ደንብን ዘይወፀሎም ከምኡ’ውን በቢኸባቢኡ ዝዝውተሩ ባህላዊ ስፖርት እንተሃለዉ’ውን ፤ካብዚኦም ውሽጢ ሕጊ፤ደንብን ኣተገባባራ መምርሒ ወፂእሎም ዝተለመዱ 11 ባህላዊ ስፖርት ጥራሕ ከምዝኾኑ ገሊፆም እዮም።

ወጋሕታ 24 ሰነ 2013

Recommended For You