ፍረታት ኣካዳሚ ተስፋ ከምዘለዎም ዘርአይሉ ቻምፕዮና

ምስ ዕድመ ዝተኣሳሰሩ ቅሬታታት ዘተኣናግድ ዝፅንሐ ችምፕዮን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ትሕቲ 18ን 20ን ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ተዛዚሙ። 8 ክልላት፣ 2 ምምሕዳር ከተማታት፣ 35 ክለባት፣ ማእኸላት መሰልጠንን ዝተፈላለያ ትካላትን ኣብ ድሬዳዋ ንተኸታተልቲ 7 መዓልታት ኣብ ዝተኻየደ ሻምፕዮን መናእሰይ ተሳቲፈን።

ኣብ ናይ ትሕቲ 20 ዓመት ውድድር ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ብኽልቲኡ ፆታ 248 ነጥቢ ብምምዝጋብ ሓፈሻዊ ተዓዋቲት ኮይና ኣላ። መቻል ብ215 ነጥቢ ካልኣይቲ ፣ ኢትዮጵያ ኤሌክትሪክ ድማ ብ189 ነጥቢ 3ይ ደረጃ ሒዘን ዛዚመን። ኣብ ውድድራት ትሕቲ 18 ዓመት ኢትዮጵያ ስፖርት ኣካዳሚ ብኽልቲኡ ፆታ 279 ነጥቢ ብምምዝጋብ ሓፈሻዊ ተዓዋቲት ኮይና ኣላ፤ ማእኸል መሰልጠኒ ጥሩነሽ ዲባባን ክልል ኦሮምያን ካልኣይን ሳልሳይን ኮይኖም ውድድሮም ዛዚሞም።

ምክትል ፕረዚደንት ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣትሌት መሰረት ደፋርን ካልኦት ዕዱማት ኣጋይሽን ንተዓወቲ ዝተዳለወ ሜዳልያን ገንዘባዊ ሽልማትን ኣበርኪቶም። እዚ ቻምፕዮን ንኢትዮጵያ ወኪሎም ኣብ ናይጀርያ ኣብ ዝካየድ ቻምፕዮን ኣትሌቲክስ ኣፍሪካ ትሕቲ 18 ዓመትን ትሕቲ 20 ዓመትን ዝሳተፉ ኣትሌታት ከምዝምረፁ ትፅቢት ይግበር።

ምስ ዕድመ ዝተኣሳሰር ዓቢይ ፀገም ብፍላይ ኣብ ውድድራት ትሕቲ 20 ዓመት ጎሊሁ ተራእይ ‘ዩ ። ውድድራት ትሕቲ 18 ዓመት ካብቲ ፀገም ነፃ ‘ኳ እንተዘይነበረ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ርሕቀት ኣብ ዝተኻየዱ ውድድራት ግን ብተነፃፃሪ ዝሓሸ ‘ዩ ነይሩ። እዚ ናይ ዕድመ ፀገም ኣብ መሰናኽል፣ ነዊሕ ርሕቀትን ከምኡ’ውን ናይ ሜዳን ውድድራት ጎሊሁ ዝተርኣየ ኮይኑ፣ ብተዛማዲ ብዙሓት መንእሰያት ኣብ ውድድራት ሓፂርን ማእከላይን ርሕቀት ብርክት ዝበሉ መናእሰይ ተራእዮም’ዮም።

ምስ ዕድመ ኣብ ዝተረኣየ ፀገም ኣብ ዝተፈላለዩ ውድድራት ብክለባት፣ ክልላትን ትካላትን ኣብ ዝተፈላለዩ ውድድራት ዘቕረብዎም ኣትሌታት ተጠቀስቲ ‘ዮም። ብኻልእ ወገን ዕላማ እተን ኣካዳሚታት ተተካእቲ መናእሰይ ንምፍራይ ‘ኳ እንተኾነ ዝሓሸ ቁፅሪ መናእሰይ ከምዘለወን ተረጋጊፁ ኣሎ። እዚ ማለት ግን ምሉእ ብምሉእ ካብቲ ፀገም ነፃ ‘ዮም ማለት ኣይኮነን። እንተኾነ እቶም ፍረ ኣካዳሚ ዝኾኑ ስፖርተኛታት ኣብ ቻምፕዮን መንእሰያት ጠንካራ ተፎኻኸርቲ ኮይኖም ኣብ ብዙሓት ውድድራት ዘርአይዎ ተስፋ ምኽሓድ ኣይከኣልን።

ዋላ’ኳ ኣብ ክለባት ጉዳይ ዕድመ እንተሃለወ፣ ኣትሌታት ኣካዳሚን ትካላት መሰልጠኒ ማእኸላት ብምሕባል ብምውሳዶም ውፅኢት ክሳብ ምስራዝ ዝበፅሐ ውዝግብ ኣብ ተራኣየሉ ቻምፒዮና ፤ኣካዳሚ ስፖርት ኢትዮጵያን ኣካል ናይዚ ኣካዳሚ ሓደ ኣካል ዝኾነ ኣብ ኣሰላ ዝርከብ መሰልጣኒ ኣትሌታት ጥሩነሽ ዲባባን ብፍላይ ኣብ ውድድራት ትሕቲ 18 ዓመት ዝሓሸ ምዃኑ ኣርእዮም። ሓፈሻዊ ውፅኢቶም ድማ ተስፋ ዝህብ ‘ዩ።

እቲ ኣካዳሚ ኣብ ውድድራት ትሕቲ 18 ዓመት 33 ደቂ ተባዕትዮን 27 ደቂ ኣንስትዮን ብድምር 60 ኣትሌታት ኣሳቲፉ ‘ዩ። ኣብ ውድድራት ትሕቲ 20 ዓመት 27 ደቂ ተባዕትዮን 27 ደቂ ኣንስትዮን ብድምር 54 ኣትሌታት ተሳቲፎም። ብድምር 54 ደቂ ኣንስትዮን 60 ደቂ ተባዕትዮን ብድምር 114 ሰልጠንቲ ኣትሌቲክስ ኣብ ሓፂር፣ ማእከላይን ነዊሕን ርሕቀት ጉያን ሜዳን ውድድራት ክሳተፉ ክኢሎም። በዚ ድማ 10 ወርቂ፣ 11 ብሩርን 8 ነሓስን ሜዳልያታት ብምእካብ ኣብ ትሕቲ 18 ዓመት ውድድራት ቀዳመይ ኮይኑ ክዛዝም ክኢሉ።

ብበጀት መንግስቲ ዝንቀሳቐሳ ብዙሓት ክለባት፣ ክልላትን ትካላትን ካብ ሰገናት ጀሚሩ ተተካእቲ ሓብሒቦም ብምዕባይ ንስፖርት እጃመን ከበርክታ ከምዘለወን ግልፂ ‘ዩ። በዚ መዳይ ብዕቱም ይሰርሑ ከምዘይለው ቻምፕዮን መንእሰያት ናይዚ ምስክር ‘ዩ።

ከምቲ ዝሓለፉ ዓመታት ኣሰልጠንቲ ብዛዕባ ዝረኽብዎ ውፅኢትን ግዝያዊ ውልቃዊ ረብሓን ዘይኮነስ ብዛዕባ ጉዳይ ተተካእቲ ትኹረት እናገበሩ ከምዘይኮነ እቲ ቻምፕዮ መርኣያ’ዩ። ኣብ ድሬዳዋ ዝተኻየደ ሻምፕዮን መናእሰይ ብእምነት ምስራሕን ኣብ መናእሰይ ትኹረት ምግባርን እንተተኻኢሉ ውፅኢት ምርካብን ነቲ ስፖርት ኣብ ነዊሕ እዋን ክጠቅም ዝኽእል ባህሊ ምፍጣርን ከምዝከኣል ክለባትን ክልላትን መምሃሪ ኮይኑ ተዛዚሙ ኣሎ።

ወጋሕታ 28 ግንቦት 2017 ዓ.ም

 

Recommended For You