ኣካዳሚ ማእኸል ባዮሜካኒክስ ንምጥያሽ ኣብ ኸይዲ ይርከብ

ኣካዳሚ ስፖርት ኢትዮጵያ ማእኸል ባዮሜካኒክስ ንምጥያሽ ኣብ ኸይዲ ከምዝርከብ ተገሊፁ።

እቲ ኣካዳሚ መበል ዓስራይ ዓመታዊ ጉባኤ መፅናዕትን ምርምርን ቕድሚ ትማሊ ኣብ ሃዋሳ ኣብ ዘካየደሉ ሰዓት ዋና ዳይሬክተር ኣይተ ኣንበሳው እንየው ኣብ ዝገበርዎ መደረ ከምዝሓበርዎ፤ እቲ ማእኸል ባዮሜካኒክስ ስፖርተኛታት ብሳይነሳዊ መገዲ ንምምርማርን ኣካላዊ ምንቅስቓሳት ንምምሕያሽን ወሳኒ ‘ዩ።

እዚ ‘ውን ብስፖርት ዝበፅሑ ጉድኣታት ንምክልኻል፤ ደረጃ ኣፈፃፅማ ንምዕባይን ስፖርታዊ ምንቅስቓሳት ብሳይንሳዊ መገዲ ንምርዳእን የኽእል ኢሎም። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ‘ውን እቲ ኣካዳሚ ኣብ በጀት ዓመት 2017 ዓ.ም ማእኸል ባዮሜካኒክስ ኣብ ናይ ምጥያሽ ኸይዲ ከምዝርከብ ኣረዲኦም።

ብተመሳሳሊ እቲ ኣካዳሚ ማእኸል መሕወዪ ስፖርተኛታት ኣዳሊዉ ኣብ ኸይዲ ምዝዛም ምዃኑ ዝሓበሩ እቶም ዋና ዳይሬክተር፤ እቲ ማእኸል መሕወዪ ምዝዛሙ ንኣትሌታትን ኻልኦት ተሓከምትን ኣድላዪ ናይ ሕክምናን ፊዝዮቴራፒን ግልጋሎት ንምሃብ የኽእል ኢሎም። እዚ ‘ውን ጉድኣት ዝበፅሖም ስፖርተኛታት ብቕልጡፍ ናብ ስፖርቶም ወይ ድማ ስሩዕ ህይወቶም ንኽምለሱ ከምዝሕግዝ ኣብሪሆም።

ኣይተ ኣንበሳው ኣብ መደረኦም ብሓፈሻ ኣብቲ በጀት ዓመት እቲ ኣካዳሚ ዝሰርሖም ዓበይቲ ጉዳያት ዝፀርሑ እንትኸውን፤ ዕድጊት ነቲ ኣካዳሚ ኣድለይቲ ዝኾኑ ናውቲ ላባራቶሪን ኣቑሑታትን ብምክያድ፣ ኣድለይቲ ብዝኾኑን ብዝተማልኡን ናውቲ ብምጥቃም ምርመራታትን ፈተነታትን ምሃብ ምኽኣሉ ገሊፆም።

እቶም ናውትን ኣቑሑትን ምምልኦም እቲ ኣካዳሚ ብቑዕን ውፅኢታውን ክኸውን ካብ ምግባር ብተወሳኺ ንካልኦት ኣብ ስፖርታዊ ዓውዲ ንዝተዋፈሩ መንግስታውን ውልቃውን ትካላት ብምስልጣንን ዓርሶም ከብቅዑን ብምግባር ዝሓሸ ስራሕ እናሰርሐ ከምዝርከብ ተዛሪቦም።

ከምገለፃ ኣይተ ኣንበሳው፤ እቲ ኣካዳሚ ዝሰርሖ ስራሕቲ መፅናዕትን ምርምርን ብቴክኖሎጂ ብምዝማን ዓለም ለኻዊ ተወዳዳሪ ንክኸውን ንምኽኣል ኣብ 2015 ዓ.ም ዘመረቖን ኣብ ኢትዮጵያ ፈላማይ ዝኾነን ጆርናል ስፖርት ኢትዮጵያ (Ethiopian Journal of Sport Sience) ማሕበራዊ ገፅ ብምምዕባል፤ ተምሃሮ ስፖርት ሃገርና ንኽጥቀሙሉ ገይሩ። በዚ ‘ውን ተመራመርቲ እቲ ዘፈር ተጠቀምቲ እናኾኑ ይርከቡ።

እቲ ኣካዳሚ ኣብ 2017 ዓ.ም ካብ ዝሰርሖም ቐንዲ ቐንዲ ንጥፈታት እቲ ሓደ ኣፍልጦ ጆርናል ካብ ሚኒስቴር ትምህርቲ ንሰለስተ ዓመታት ምርካቡ ዝሓበሩ እቶም ዋና ዳይሬክተር፤ እዚ ኣፍልጦ ’ውን ኣካዳሚያዊ ፅርየትን ተቐባልነትን እቲ ጆርናል ዘረጋግፅ እንትኸውን፤ ተመራመርቲ ስራሕቶም ንምሕታም ዘተኣማምን መድረኽ ካብ ምፍጣሩ ብተወሳኺ ዓቕሚ ምርምርን ምስልን እቲ ኣካዳሚ ልዕል የብል ኢሎም።

እቲ ኣካዳሚ ሞዴል መሰልጠኒ ኩዕሶ እግሪ ኣዳሊዉ ምዝዛሙ ‘ውን ኣይተ ኣንበሳው ገሊፆም። እዚ ሞዴል ንዕብየት ኩዕሶ እግሪ ሃገርና ወሳኒ ዝኾነ ሳይነሳዊ መሰረት ዘንብር እንትኸውን ኣፈፃፅማ ኣሰልጠንትን ተፃወትን ብምምሕያሽ ፅርየት እቲ ስፖርት ንምዕባይ ዓብዪ ኣበርክቶም ከምዘበርክት ትፅቢት ይግበር።

ብተመሳሳሊ እቲ ኣካዳሚ ኣብ 2016 ዓ.ም ናይ 5000 ሜትር ጉያን 3ሽሕ ሜትር መሰናኽል ጉያን ትካላዊ ስታንዳርድ ስርዓት ምፍላይን ምልማዕን ውህብቶ/ ታለንት ኣዳሊዉ ብምሕታም ምዝርግሑ ዝፍለጥ ‘ዩ። በዚ ‘ውን ኣብቲ ዘፈር ዘለዉ ሰብሞያ እናተጠቀሙሉ ይርከቡ ክብሉ ሓቢሮም።

ብተወሳኺ ‘ውን እቲ ኣካዳሚ ኽልተ ዓበይቲ ሃገራዊ መፅናዕትታትን መፈፀሚ ሜላታትን ብምፅናዕ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ናብ ሚኒስቴር ባህልን ስፖርትን ከምዘረከበ ገሊፆም። እቲ ኣካዳሚ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣሐቲሙ ዘውፅኦም ውፅኢታት መፅናዕትን ምርምርን ኣብ መደርደሪ ዘፈር ስፖርት ካብ ዝረኣዩ፤ ኣብ ዘፈር ስፖርት ለውጢ ንኽመፅእ ከም እታዎት ንኽጥቀሙሉ ንምግባር ዝምልከቶም ብዛዕባ ተግባራውነቱ ብትኽክልን ብድጋን ብምርግጋፅ፤ ኣብ ዘፈር ስፖርት ዝረኣዩ መሕንቖታት ብምፍታሕ ስፖርት ምስ ዝኾነ ልምዓት ማዕረ ትኹረት ተዋሂብዎ ንኽስርሐሉ፣ ዝተቐመጠ ኣንፈት መንግስቲ ውፅኢታዊ ንክኸውን ምርብራብ ኹሉ ከምዘድሊ፣ ነዚ ‘ውን ዝምልከቶም ላዕለዎት ኣመራርሓታት መንግስቲ ግቡእ ትኹረት ብምሃብን ኣንፈት ብምቕማጥን ክሕግዙ ከምዝግባእ ኣይተ ኣንበሳው ኣገንዚቦም።

ኣብቲ ንሓደ መዓልቲ ዝተኻየደ ጉባኤ መፅናዕትን ምርምርን ብዝተፈላለዩ ርእስታት ካብ መንጎ ዝተፀንዑ 13 መፅናዕትታት ዝተመረፁ 7 መፅናዕትታት ቐሪቦም፤ ኣብቲ ጉባኤ ብዝተረኸቡ መዳርግቲ ኣካላት መስተኻኸሊ ሓሳብን ርኢቶን ተዋሂብዎም።

በሪሁ ኣረጋ

ወጋሕታ 5 ሰነ 2017 ዓ.ም

Recommended For You