ኩነታት ፀጥታ ክልል ትግራይ ንምምሕያሽ ማሕበረሰብ ዘሳተፈ ስራሕ እናተሰርሐ እዩ

መሰረት ገ/ዮሃንስ

መቐለ፣ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ኩነታት ፀጥታ ንምምሕያሽ ሕብረተሰብ መሰረት ዝገበሩ ስራሕቲ እናተሰርሑ ምዃኖም ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብቲ ክልል ዝተሰርሑ ስራሕቲ ፀጥታ ግምጋም ኣመልኪቶም ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ምኽትል ዋና ስራሕ ፈፃምን ሓላፊ ምምሕዳር ቢሮ ፀጥታ ኮሚሽነር ግርማይ ካሕሳይ ንግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ(ግዜኢ) ከምዝገለፅዎ ፣ስራሕቲ ፀጥታ ንምምሕያሽ እቲ ማሕበረሰብ ባዓልዋና ምግባር ኣድላይ እዩ፡፡

‹‹ኣብቲ ክልል ዘሎ ኩነታት ፀጥታ እናተማሓየሸ እዩ›› ዝበሉ እቶም ኮምሽነር ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ከተማ ዝነበረ ሓይሊ ፖሊስ 42 ሚኢታዊ ከምኡ’ውን ኣብ ቤት ህንፀት ዝነበሩ 58 ሚኢታዊ ናብ ስራሕ ከምዝኣተዉ ተዛሪቦም እዮም፡፡

ፀጥታ ኣብ ዘለዎም ከባብታት ናይ ማሕበረሰብ ፖሊስ ንክውደቡ እናተገበረ ከምዝኾነ ኮምሽነር ግርማይ ጠቒሶም፣ንኣብነት እውን ኣብ ከተማ መቐለ ፣ማይጨዉ ፣ ዓዲግራትን ኣኽሱምን መናእሰይ ንክውደቡ ብምግባር ከባቢኦም ንክሕልዉ እናተገበረ ምዃኑ ኣረዲኦም እዮም፡፡

ተወካሊ ኣዛዚ ፖሊስ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ኮማንደር ሃፍቱ ገብረመስቀል፣ ክሳብ ኸዚ ኣብቲ ዞባ ዝነበሩ 500 ዝኣኽሉ ኣባላት ፖሊስ 227 ናብ ስራሕ ንክምለሱ ከምዝተገበረን በቢጣብይኡ ሕብረተሰብ ብምስታፍ ከባቢኡ ንክሕሉ እናተገበረ ከምዝኾነ ገሊፆም ፡፡

ክሳብ ኸዚ ኣብቲ ወረዳ ዝተፈፀመ ገበንን ሓደጋ ትራፊክን ስራሕ ምፅራይ እናተኻየደ ከምዝኾነ ኮማንደር ሃፍቱ ጠቒሶም ኣብ እንደርታ ወረዳን ከተማ ዓዲጉዶም ምውዳብ ማሕበረሰብ ፖሊስ ስራሕ ከምዝጀመረ ኣረዲኦም እዮም፡፡

ኣባል ኮማንድ ፖስት ዞባ ምብራቕ ኮማንደር ብርሃነ ቢሆን ብወገኖም ፤ኣብቲ ዞባ ውሽጢ ዝርከቡ 18 ወረዳታት ካብ ዝነበሩ 936 ኣባላት ፖሊስ እቶም 357 ናብ ስራሕ ብምእታውን ምስቲ ሕብረተሰብ ብምትሕብባር ኩነታት ፀጥታ እናሓለዉ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም እዮም፡፡ክሳብ ኸዚ ኣብ ዓዲግራትን ጋንታ ኣፈሹም ወረዳ ዝሓሸ ፀጥታ ስራሕ ከምዝተሰርሐ ኣረዲኦም እዮም፡፡

ንኽልተ መዓልቲ ኣብ ዝተኻየደ ገምጋም ዞባታት ደቡባዊ፣ምብራቃዊ ፣ደቡብ ምብራቕን ማእኸላይ ከምኡ’ውን ከተማ መቐለ ሓዊሱ ኣካላት ፀጥታ ዝተሳተፉ እንትኸውን ንሰለስተ ኣዋርሕ ዝፀንሕ ሓበራዊ ትልሚ ምውፆኦም ንምፍላጥ ተኻኢሉ እዩ፡፡

ወጋሕታ 7 ሚያዚያ 2013

Recommended For You