‹‹ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ግቡእን ሕጋውን’ዩ›› – ኣምባሳደር ኣሌክሲስ ላሜክ

ኣዲስ ኣበባ፡- ብመሰረት ዓለምለኸ ሕጊን ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ብዝግበር ምኽክርን ክሳብ ዝተሰራሕ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ግቡእን ሕጋውን ‘ዩ ክብሉ ኣምባሳደር ፈረንሳይ ኣብ ኢትዮጵያን ቀዋሚ ወኪል እታ ሃገር ኣብ ሕብረት ኣፍሪካን ኣሌክሲስ ላሜክ ገሊፆም ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ግብሪ ዘውዓሎ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ዘርኣዮ ተወፋይነት ኣድኒቆም፡፡

እቶም ኣምባሳደር ምስ ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት፣ ‹‹ኢትዮጵያ ተጠቃሚነት ንኣፍደገ ባሕሪ ዘቕረበቶ ሕቶ ብዝምልከት “ሓንቲ ሃገር ብፍላይ ድማ ሓንቲ ዓባይ ሃገር ንኣፍደገ ባሕሪ ተበፃሕነታ ኣማራፂታት ከተስፍሕ ሕጋዊ ‘ዩ›› ኢሎም።

‹‹ብመሰረት ዓለምለኸ ሕጊን ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ብዝግበር ምኽክርን ክሳብ ዝተሰራሕ ሕቶ እቲ ሕቶ ግቡእን ሕጋውን ‘ዩ ፤ግቡእነት ናይቲ ሕቶ ንርዳእ ኢና። እዚ ሕቶን ድሌትን ኢትዮጵያ ምስ ጎረባቢቲ ሃገራት ብፅቡቕ ምትሕብባር ምላሽ ክወሃቦ ‘ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ›› ኢሎም።

ኢትዮጵያ ሓይሊ ባሕሪ ምጥያሻ ኣብ ምዕቃብ ኣህጉራዊ ሰላምን ፀጥታን ኣበርክቶ ክትገብር ከምዘኽእላ ብምጥቃስ፣ ፈረንሳይ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝቐረ ሕቶ ንሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ናይ ስልጠና ደገፍ ትገብር ከምዘላ ገሊፆም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ግብሪ ዘውዓሎ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ዘርኣዮ ተወፋይነት ኣዝዩ ዝድነቕ ኮይኑ ኣሎ ዝበሉ እቶም ኣምባሳደር፣ መንግስቲ ነቲ ቁጠባዊ መመሓየሺ ንምትግባር ብዘለዎ ተወፋይነት ከምተደነቑ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ኢኮኖሚኣ ንምዕባይ ዝወሰደቶ ስጉምትታት ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ዝገለፁ እቶም ኣምባሳደር፣ ብዙሓት ቑጠባዊ ዓውድታት ንምኽፋት ዝውሰዱ ስጉምትታት ቁጠባ ዘመናዊ ንምግባርን ፅሬት ፍርያትን ኣገልግሎትን ንምምሕያሽ ዝሕግዙ ምዃኖም ገሊፆም።

ፈረንሳይ ንኢትዮጵያ ቁጠባዊ ምምሕያሻት ትድግፍ ምዃናን ኣብ ንግድን ኢንቨስትመንትን ዓብይ ተፀዋታይ ክኸውን ዝኽእል ድልዱል ኢኮኖሚ ንምህናፅ ምድጋፍ ከምዘድልያ ኣመልኪቱ።

“እዚ ስለዝኾነ ኢና ንትግባረ ቁጠባዊ ምምሕያሽ ክንድግፍ ዝወሰንና ዝበሉ እቶም ኣምባሳደር፡፣ ፈላማይ መደብ ሃገር በቖል ቁጠባዊ ምምሕያሽ ደጊፍና ኢና። ካልኣይ መደብ ውሽጣዊ ቁጠባዊ ምምሕያሽ ‘ውን ክንድግፍ ኢና። ንልምዓት ሃገር ዓብይ ረብሓ ኣብ ዘለዎም ፕሮጀክትታት ልምዓታዊ ተሳትፎና ብቐፃሊ ክንሕይል ኢና” ኢሉም።

ፈረንሳይ ኣብ መስርሕ ምሽግሻግ ዕዳ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ማዕቀፍ ዳግመ ምሽግሻግ ዕዳ G20 ከምዝተሳተፈት እቶም ኣምባሳደር ገሊፆም። በዚ ከይዲ’ዚ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኸተመ ናይ ምርድዳእ ስምምዕነት ምሽግሻግ ዕዳ ኢትዮጵያ ክግበር ኣኽኢሉ። እዚ ድማ ብዙሓት ሃገራት ንኢትዮጵያ ዝኸውን ካልእ ልቓሕ ከፅድቓ ዘኽእል ኣገዳሲ ስጉምቲ ምዃኑ ኣመልኪቶም።

ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዙሓት ክኢላታት ፈረንሳውያን ከምዘለዉ ዝገለፁ እቶም ኣምባሳደር፣ ፈረንሳይ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ዕቀባ ቅርስታት ብዙሓት ስራሕቲ ትሰርሕ ከምዘላ ኣብሪሆም።

ንኣብነት ኣብ ላሊበላ ብከውሒ ዝተቖርፁ ኣብያተ ክርስቲያናትን ሃገራዊ ቤተ መንግስቲን ምሕዳስ ጠቒሶም። ማእኸል መፅናዕቲ ኢትዮጵያ ፈረንሳይ ‘ውን ምትሕብባር ክልቲአን ሃገራት ዘዕብዩ ስራሕቲ የሰላስል ምህላዉ ሓቢሮም።

ኢትዮጵያን ፈረንሳይን ናይ 125 ዓመት ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ዘለወን ምዃነን ዘዘኻኸሩ እቶም ኣምባሳደር፣ ኣብ መንጎ እተን ሃገራት ዘሎ ርክብ ታሪኽ ጥራይ ዘይኮነስ ዓሚቕን ዝጭበጥን ናይ ምሕዝነት ምትእስሳር ‘ውን ምዃኑ ገሊፆም።

ፕረዚደንት ኣማኑኤል ማክሮንን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድን (ዶ/ር) ኣብ ኢትዮጵያን ፈረንሳይን ዑደት ኣካይዶም፣ ዓሚቕን ምትእምማን ዘለዎን ዘተ ኣካይዶም፣ ኢትዮጵያን ፈረንሳይን ብዙሓት ናይ ሓባር ትካላት ከምዘጣየሻ ‘ውን ገሊፆም።

ኣብ መንጎ ህዝብታት፣ ትካላት ንግድን ትካላት ትምህርትን ‘ውን ድልዱል ምትእስሳር ከምዘሎ፣ ኣብ ክልቲአን ሃገራት ዝርከባ ሚድያን ሲቪላዊ ማሕበራትን ዝምድናአን ንምጥንኻርን ፈረንሳውያን ሰብሃፍቲ ናብ ኢትዮጵያ ንምስሓብን ነንሕድሕደን ይተባብዓ ከምዘለዋ ኣመልኪቶመረ።

ኣምባሳደር ላሜክ “ፈረንሳይ ምስ ኢትዮጵያ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ዝፈጠረት ካልኣይቲ ሃገር ‘ያ። ነዊሕ ታሪኽ ንካፈል፤ በዚ ድማ ንሕበን” ኢሎም።

በሪሁ ኣረጋ

ወጋሕታ 10 ሓምለ 2017 ዓ.ም

Recommended For You