ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኣብ ክልል ትግራይ ማሕበረሰብ ተኮር ስራሕቲ ይሰርሕ ከም ዘሎ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፡- ብምኽንያት ኵናት ዝተጎድአ ማሕበረሰብ ንምሕጋዝ ዘኽእል ስራሕ እናሰርሐ ከም ዝርከብ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ቤት ፅሕፈት ጨንፈር ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ፡፡

ሓላፊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ቤት ፅሕፈት ጨንፈር ክልል ትግራይ ኣይተ ብርሃኑ መኮንን ንትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ከም ዝገለፅዎ፤ኣፍቲ ክልል ብዘሎ እዋናዊ ኹነታት እቲ ማሕበር ካብ ማሕበረሰብን ኣባላቱን ክእክቦ ዝግባእ እቶት ክእክብ ኣይከኣለን፡፡

ይኹን ‘ምበር ምስ ዋና ቤት ፅሕፈት ብሕብረት ብምስራሕ ነቲ ማሕበረሰብ ተጠቃሚ ዝገብሩ ስራሕቲ እናሰርሐ ይርከብ ምስ በሉ፤እቲ ቤት ፅሕፈት ካብ ዝተፈላለዩ ትካላት ሓገዝ ንምርካብ ይሰርሕ ከም ዘሎ ኣፍሊጦም፡፡

ቤት ፅሕፈት ጨንፈር ትግራይ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ዝህቦም ኹለመዳያዊ ሓገዛት እናሃበ ከም ዝርከብ ብምሕባር፤እቲ ጨንፈር ዓቕሙ ብምጥንኻር ብሰብ ሰራሕን ብተፈጥሮን ዝተጎድኡ ወገናት ሓገዝ ጥዕና፣መፅለሊ፣ ምግብን ገንዘብን እናገበረ ከም ዝርከብ ገሊፆም፡፡

ኣብ ዘፈር ጥዕና መሰረታዊ ቐረብ መድሓኒት እቲ ክልል ብተመጣጣኒ ዋጋ እናቐረበ ምዃኑ ዝገለፁ እቶም ሓላፊ፤ዋና መለለዪ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ዝኾነ ግልጋሎት ህይወት ምድሓን ኣንቡላስ ነቲ ማሕበረሰብ ክባፃሕ እናተገበረ ‘ዩ ክብሉ ሓቢሮም፡፡

ኣብ 2017 ዓ/ም ካብ መንጎ ዝተኻየዱ ዋና ዋና ተግባራት፤ ናይቲ ማሕበር መሓወር ዳግም ይስራሕ ከም ዘሎ ብምሕባር፤ስሩዕ ግልጋሎታት ንክቕፅል እቲ ቤት ፅሕፈት ሕፅረት ዓቕሚ እንተሃለዎ’ኳ፤ህፁፅ ሓገዝ ኣብ ምሃብ፣ ኣብ ቐረብ ዝስተ ማይን ዝተጎድኡ ጣብያታት ጥዕና ብምፅጋን ኣድላዪ ቐረብ ንኽማላእ ብትኹረት እናተሰርሐ ይርከብ ክብሉ ገሊፆም፡፤

ማሕበር ቀይሕ መስቀል ሰብኣዊ ሓገዝ ዝህብ ካብ ማሕበረሰብን ኣባላት እቲ ማሕበርን ብዝእክቦ እቶት ‘ዩ ዝበሉ እቶም ሓላፊ፤እቲ ማሕበር ተጠናኺሩ ንክቕፅልን ካብ ናይ ወፃኢ ሓገዝ ሓራ ወፂኡ ንኽናገፍ ኹሉ ክረባረብ ከም

ዝግባእ ብኣፅንኦት ተዛሪቦም፡፡

ቀይሕ መስቀል ወሃቢ ሓገዝ ‘ምበር ፤ድጋፍ ዘየድልዮ ትካል’ዩ ዝብል ኣተሓሳስባ ክስተኻኸል ከምዘለዎ ፤ካብ ወፃኢ ዝመፅእ ሓገዝ ‘ውን እናነከየ ስለ ዝርከብ፤ ዜጋታት ኣባል እቲ ማሕበር ብምዃን ሓገዝ ንኽገብሩ ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡እቲ መንእሰይ ድማ ሰብኣውነት ዝተላበሰ ወለዶ ብምዃን ሰብኣዊ ግልጋሎት ሰናይ ተግባራትን ንኽፍፅም እቶም ሓላፊ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም፡፡

ሄርሞን ፍቃዱ

ወጋሕታ 10 ሓምለ 2017 ዓ.ም

Recommended For You