ዜና ጠዓሞት

 

ዜና ጠዓሞት

ምድላው ምላሽ ክረምታዊ ሃንደበታዊ ሓደጋታት

ኣብ እዋን ክረምቲ ንዘጋጥሙ ሃንደበታዊ ሓደጋታት ምላሽ ንምሃብ እኹል ምድላው ከምዝተገበረ ኮሚሽናት ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ፌደራል ገሊፁ።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሽፈራው ተክለማርያም(ዶ/ር) ንግዜኢ ከምዝበልዎ፤ ብመሰረት ትንበያ ኢንስቲትዩት ሚቲዎሮሎጂ ኣብ ክረምቲ ትፅቢት ዝግበር ስሩዕን ልዕሊ ስሩዕን ዝናብ ንስራሕ ዝራእትን ማይ ንምሓዝን ምችው ኩነታት ዝፈጥር ‘ዩ።

ልዕሊ ስሩዕ ዝናብ ኣብ ዘጋጥሞም ከባብታት መልእኽትታት ቅድመ መጠንቀቕታ ነቲ ማሕበረሰብ ናይ ምብፃሕ ስራሕቲ ኣብ ክልላት ብዝተጠናኸረ መንገዲ እናተሰርሑ ‘ዮም ኢሎም።

ንሃንደበታዊ ሓደጋታት ምላሽ ንምሃብ እኹል ምድላው ከምዝተገበረ ብምሕባር፤ ፀገም ከጋጥሞም ኣብ ዝኽእል ከባብታት ቅልጡፍ ምላሽ ንምሃብ ኣድላይ ናውቲ ካብ ሕዚ ጀሚሩ እናተባፅሑ ከምዝኾኑ ኣረዲኦም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ከባቢ 10 ክልላት ካብ መንግስቲ ፌደራል ካብ ዝለኣኸሎም ስሩዕ ሰብኣዊ ሓገዝ ብምውፃእ ብናይ ባዕሎም ዓቕሚ ምሽፋን ከምዝኸኣሉ ተዛሪቦም።

ኣብ ክልል ትግራይ ንዓቕሚ ዘይብሎም ወገናት ዝተሃነፁ መንበሪ ኣባይቲ

ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትርን ተፀዋዕቲ ትካላትን ኣብ ክልል ትግራይ ከተማታት መቐለን ውቕሮን ንዓቕሚ ዘይብሎም ወገናት ዘህነፅዎም መንበሪ ኣባይቲ ኣረኪቦም።

ህንፀት እቶም ኣባይቲ ምዝዛም ስዒቡ ሚኒስትር ዲኤታ ኣማኻሪ ጉዳያት ብሄራዊ ድሕንነት እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ቀነኣ ያደታ (ዶ/ር) ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም እቶም ኣባይቲ ነቶም ነበርቲ ኣረኪቦም።

ኣብ ውቕሮ 5 ከምኡ ‘ውን ኣብ መቐለ 15 ኣባይቲ ብፅሬትን ብቕልጡፍን ተሃኒፆም ብምዝዛሞም ሎሚ ነቶም ነበርቲ ተረኪቦም።

ብኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትርን ተፀዋዕቲ ትካላትን ንዝተሃነፁ 20 መንበሪ ኣባይቲ ልዕሊ 23 ሚልዮን ብር ወፃኢ ከምዝተገበረ ‘ውን ተገሊፁ።

ቪዚት ኢትዮጵያመተግበሪ ዕላዊ ኮይኑ

ኢትዮጵያ ዘለውዋ ሃፍቲታት ንምፍላጥን ንምሻጥን ዘኽአል ‘ቪዚት ኢትዮጵያ’ ዝተብሃለ ሃገር ቦቆል መተግበሪ ቱሪዝም ዕላዊ ኮይኑ።

ሚኒስትር ቱሪዝም ሰለማዊት ካሳ፣ እቲ መተግበሪ ኣብ ሃገርና ንዝርከቡ ኣገልግሎታት ቱሪዝም ብስፍሓት ንምፍላጥ ዝሕግዝ ‘ዩ ኢለን።

እተን ሚኒስትር፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ባህላዊን ተፈጥሮኣዊን ቅርስታት ብምልማዕን ብምፍላጥን ዝተፈላለዩ ተግባራት የካይድ ከምዘሎ ሓቢረን።እቲ መተግበሪ ኣብ ምድላው ኢንሳ ንዝገበሮ ደገፍ አመስጊነን።

ዋና ዳይሬግክተር ምምሕዳር ኢንፎርሜሽን መረብ ድሕንነት (ኢንሳ) ትእግስት ሃሚድ በግደአን፣ ዘመነ ዲጂታል ዝሓቶ ምምላእን ተወዳዳሪ ምዃንን ዘድሊየሉ እዋን ኢና ዘለና ኢለን።

131 ሺሕ 14 ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣብ በጀት ዓመት 2017 ዓ.ም 131 ሺሕ 14 ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ንክምለሱ ተገይሩ ኢሉ፡፡

ውሃቢ ቃል እቲ ሚኒስቴር ኣምባሳደር ነብያት ጌታቸው ዓመታዊ ተግባራት ዲፕሎማስያዊን ሰሙናዊ ንጥፈታትን ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፤ ኣብዚ በጀት ዓመት 131 ሺሕ 14 ዜጋታት ናብ ሃገሮም ንክምለሱ ምስርሑን ብክልተኣውን በዓል ብዙሕ ብዙሕነታውን ዲፕሎማስያዊ ስራሕቲ ከምዝተኻየዱን ሓቢሮም።

ኣምባሳደር ነብያት ብተወሳኺ ኣብዚ በጀት ዓመት ሓባራዊ ረብሓ ዘረጋግፁ 198 ስምምዕነት ምፍፃሞም ገሊፆም፡፡

347 ግልጋሎት ዲጂታላይዝ ብምግባር ቅሬታ ክንክዩ ተገይሩ

ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ 347 ግልጋሎት ዲጂታላይዝ ብምግባር ቅርታ ክንክዩ ተገይሩ ኢለን ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ።

3ይ ቤት ምኽሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባ 4ይ ዓመት ዘመን ስራሕ 4ይ ስሩዕ ጉባኤ እንትካየድ፣በጀት ዓመት 2017 እቲ ምምሕዳር ሪፖርት ኣፈፃፅማ ኣብ ዘቕረባ እተን ከንቲባ፤ ኣብ ትካላት ዝርከቡ 347 ኣገልግሎታት ዲጂታላይዝ ብምግባር፣ ምንግልታዕ ተገልገልቲን ምልልስን ብምትራፍ ቅርታ ክቅንሱ ተገይሩ፡፡

ኣብ ትካላት ምቹው ናይ ስራሕ ሃዋህው ንምፍጣር ልዕሊ 2 ሺሕ147 ሰራሕተኛታት መንግስቲ መፅንሒ ክንክን ህፃናት ተጠቀምቲ ክኾኑ ምግባር ምኽኣሉ ኣረዲኤን።

ብተወሳኺ ትካላት ልዕሊ 185 ካፍቴሪያታት ግልጋሎት ክውሃቦም ብምግባርን 150 ድኳናት ናብ ስራሕ ብምእታውን ሰራሕተኛታት መነባብሮ ዋጋ ክፃወሩ ዘኽእል ምቹእ ኩነታት ተፈጢሩ ኢለን።ልዕሊ 21 ሺሕ 46 መዕረፊ ተገልገልቲ ብምድላው ምችው ኣገልግሎት መውሀቢ ትካላት ምህናፆም ሓቢረን፡፡

ወጋሕታ 10 ሓምለ 2017 ዓ.ም

Recommended For You