
ኣዲስ ኣበባ:- ሓለሓሊፉ ምስ ዝህልው ተደጋጋሚ ዝኾነ ከቢድ ማይ ተተሓሒዙ ንውሕጅ ተቓላዕቲ ኣብ ዝኾኑ ተፋሰሳት፣ ከባቢታት ገጠርን ከትርማን ቕፅበታዊ ውሕጅ፣ ምምላእ ሩባታትን ከስዕብ ይኽእል ‘ዩ ክብል ኢንስቲትዩት ሚቲዎሮሎጂ ኢትዮጵያ ገሊፁ፡፡
ኢንስቲትዩት ሚቲዎሮሎጂ ኢትዮጵያ ንትፕኢ ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ፤ማይ ኽረምቲ ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ሃገርና እናተጠናኸረ ከምዝኸይድ ብምግላፅ፤ ኣብ ሓደ ሓደ ቦታታት ዝሓሸ መጠንን ዝርግሐን ማይ ከምዝስትውዐል ተሓቢሩ።
ኣብ ሰሜን ምብራቕ፣ ማእኸላይን ምዕራብን ከባቢታት ሃገርና ክስተታት ኩነታት ኣየር ሓለሓሊፉ ከምዝጠናኸሩ ዝገለፀ እቲ ኢንስቲትዩት፣ ቕፅበታዊ ውሕጅ ከስዕብ ዝኽእል ከቢድ መጠን ዘለዎ ዝናብ ከምዝህልው ኣመላኺቱ።
ማይ ዝህቡ ክስተታት ሚቲዎሮሎጂ ኣብ ኹሎም ናይ ኽረምቲ ማይ ተጠቀምቲ ዝኾኑ ከባቢታት ሃገርና ብዝበለፀ ከምዝጠናኸር ገሊፁ። ኣብ ደቡብ ምዕራብ፣ ምዕራብ፣ ሰሜን ምዕራብ፣ ሰሜንን ማእኸላይን ክፍልታት ሃገርና ከቢድ መጠን ዘለዎ ማይ ከምዝበዝሕ ተገሊፁ።
ራሕሱ ንምንቅስቓስ ስራሕቲ ሕርሻ እቲ ወቕቲ ብኣብዝሓ ኣዎንታዊ ግደ ከምዝህልዎ ብምግላፅ፤ ስግኣታት ንምንካይን ዝህልዉ ሰናይ ኣጋጣሚታት ንምጥቃምን ምኽረሓሳባት ሚቲዎሮሎጂ ሕርሻ ምትግባር የድሊ።ኣብ ዝቕፅሉ መዓልትታት ኣብ መብዛሕቲኦም ተፋሰሳት ካብ መጠነኛ ክሳብ ልዑል መጠን ዘለዎ ፍሰት ማይ ገፀ ምድሪ ከምዝህልው ዘመላኸተ እቲ መግለፂ፤ ሓለሓሊፉ ምስ ዝህልው ተደጋጋሚ ዝኾነ ከቢድ ማይ ተተሓሒዙ ናብ ውሕጅ ተቓላዕቲ ኣብ ዝኾኑ ተፋሰሳት ከምኡ ‘ውን ኣብ ከባቢታት ገጠርን ከተማን ቕፅበታዊ ውሕጅ፣ ምምላእ ሩባታት ከስዕብ ይኽእል ‘ዩ ኢሉ።
ብምዃኑ ‘ውን ዝምልከቶም ኣካላት እቲ ዘፈር ነቲ ክህልው ዝኽእል ሓደጋ ንምንካይ ኾነ ሰናይ ዕድላት ንምጥቃም ምኽረ ሓሳባት ተፋሰስ ተኮር ሚቲዎሮሎጂ ማይ ተግባራዊ ክገብሩ ከምዘለዎም ኣተሓሳሲቡ።
በሪሁ ኣረጋ
ወጋሕታ 10 ሓምለ 2017 ዓ.ም