ኢትዮጵያ ሓንቲ ካብተን ኣዝዮም ጥንታውያን ዝዀኑ ስልጣነታት ዓለምና እትውንን ዝነበረት ሃገር ‘ያ። ጥንታውያን ፅሑፋት ግእዝን ብራናን ካብ እቶም ናይ ቐዳሞት ወለዲ መግለፂ ጥበብ ዝኾኑ ውሑዳት ኣብነታት ‘ዮም፡፡
ገሊኦም ቕርስነቶም ዓቂቦም ክሳብ እዚ ዘለናዮ ዘመን ዝተፈላለዩ ፈተናታት ሓሊፎም ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ተዓቒቦም ይርከቡ። ሓደ ካብዞም ድንቂ ኣብነታት ስልጣነታት ሃገርና ካብ ከውሒ ተፀሪቦም ዝተሃነፁ ገዳማታት ምጥቓስ ይከኣል ‘ዩ፡፡
ንሕዚ ብዛዕባ ኣብ ብዙሓት ጥንታውያን ገዳማትን ኣድባራትን ዝርከቡ ፅሑፍ ግእዝን ብራናታትን ከንርኢ፡ ፡ ግእዝ ኣብ ብራናታት ዝሰፈረ ሓደ ሓድጊ ጥበብ ፅሑፍ ‘ዩ። ብዙሓት ጥንታውያን ኣድባራትን ገዳማትን ሃገርና ዕድሚኦም ብንፁር ዘይፍለጡ ኣብ ብራናታት ዝሰፈሩ ፅሑፋዊ ትሕዝቶታት ዓቒቦን ይርከቡ።
እዞም ኣብ ብዙሓት ኣድባራትን ገዳማትን ሃገርና ዝርከቡ ጥንታውያን ብራናታት ምስ ጥንታዊ ምዕባለ ስነ-ፅሑፍ ግእዝ ተኣሳሲሩ ዝርኣይ ባህላውን ሃይማኖታውን ትሕዝቶታት ሓዚሎም ይርከቡ።
ቐዳሞት ወለድና ከም ናይሕዚ ንምፅሓፍ ወረቐት ስለ ዘይነበረ ኣዝዩን ጠንካርን ንነዊሕ እዋን ክፀንሕ ዝኽእል ከም ወረቐት ኮይኑ ዘገልግል ካብ ቖርበት ዝተሰርሐ ብራና ዝበሃል ሚሒዞም ‘ዮም፡፡ ኮይኑ ግና ገሊኦም ብሰንኪ ጉድለታት ኣታሓሕዛን ንውሓት ግዜን እዞም ውፅኢት ቆርበት እንስሳታት ዝዀኑ ብራናታት ግእዝ ናይ ዕንወት ሓደጋ ዘንፀላለዎም ‘ዮም።
ምዕባለ ስነ-ፅሑፍ ግእዝ ንልዕሊ 2 ሺሕ ዓመታት ከይተለወጠ ብምፅንሑ መበቆልን ምዕባለን ጥበብ መስርሕ ምድላው ብራናታትን ምስኦም ዝዛመድ ፅሑፋዊ ትሕዝቶን ምስ እዚ ፍፃመታት ከምዝተኣሳሰር ይግለፅ።
ስነ- ፅሑፍ ግእዝ ኣብ 4ይ-5ይ ክፍለ-ዘመን ዘለዎ ህሉው መልክዕ ከምዝሓዘን፣ ኣብ ዳሕረዋይ ዘመናት ብፍላይ ከዓ ካብ 12- 17 ክፍለ-ዘመን ምስ ምዕባለ መስርሕ ምድላው ብራናታት ኣብ ማእከላይ ዘመን ወርቃዊ ዘመን ከም ዘሕለፈን ዝተፈላለዩ ተመራመርቲ ይሕብሩ።
ኣብ ሃገርና ዝርከቡ ጥንታውያን ገዳማትን ኣድባራትን ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ዘለዎም ኣብ ብራናታት ዝሰፈሩ ፅሑፋት ግእዝ ዓቂቦም ይርከቡ። ከም ጥንታዊ ገዳም እንዳባ ፃህማ ዓድዋ፣ ዝነውሐ ዕድመ ዘቑፀረ ኣብ ብራና ዝሰፈረ ፅሑፍ ግእዝ ዓቂቡ ይርክብ፡፡እዚ ከምኣብነት ንምጥቓስ እምበር ብዙሓት ጥንታዊያን ገዳማት ብዙሓት ብራናታት ግእዝ ፅሑፍ ኣቒቦም ከምዝርከቡ ዝፍለጥ ‘ዩ፡ ፡
ኣብዞም ጥንታውያን ገዳማትን ኣድባራትን ሃገርና ዝርከቡ ጥንታውያን ብራናታት ግእዝ ሃይማኖታውን መንፈሳውን ኣገልግሎት ዝህቡ ትሕዝቶታት ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ታሪኽ ስነ-ፅሑፍ ግእዝ፣ ታሪኽን መበቆል ምዕባለ ዝተፈላለዩ ጥበባት ወዘተ ኣገዳሲ ተራ ክፃወቱ ዝኽእሉ ፅሑፋት ሓቚፎም ብምፅናሕ ጥበብ ቐዳሞት ወለዲ ከይጠፍኡ ገይሮም ‘ዮም፡፡
መብዛሕትኦም እዞም ብራናታት ኣብ ዝተፈላለዩ ዘመናት እናተቐድሑ ዝመፁ ምዃኖም ዝግለፅ እኳ እንተዀነ፣ ኣቓልቦ ሞያውያን ምሕደራን ዕቃበን ባህላዊ ውርሻታት፣ ታሪኽ፣ ስነዳት ወዘተ ዝረኸቡ ‘ዮም። ንጥበባዊ መስርሓት መበቆልን ኣመዓባብላን ምድላው ብራናታት ግእዝ ከምኡ ‘ውን ዘለዎም ታሪኻዊ ኣገዳስነት ምስ እንምልከት እዞም ጥንታውያን ፅሑፋት ዓቂቦም ዘለዉ ብራናታት ግእዝ ድንቂ ኣብነታት ባህላዊ ውርሻታት ጥበብ ሃገርና ምዃኖም ምፍላጥ የድሊ።
ኣብ ዙርያ ጥበባዊ መበቆልን ኣመዓባብላን መስርሕ ምድላው ብራናታት ግእዝ ከምኡ’ውን ታሪኻዊ ትሕዝቶኦም ዝግበር መፅናዕቲ ኣገዳስነት እዞም ጥንታውያን ወርስታት ታሪኽን ጥበብን ኣቦታትና ከንፈልጥን ዘኽእሉና ‘ዮም።
ንጥበባዊ መስርሓት መበቆልን ኣመዓባብላን ምድላው ብራናታት ግእዝ ምርኩስ ዝገበሩ መፅናዕትታት ኣብ ዙርያ ጥበብ ፅሑፍን ምውቃብ ገፃት እዞም ብራናታት ግእዝ ካብቶም ኣብ ኣህጉር ኤውሮፓ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ዝተዳለዉ ብራናታቶም ዝፈልዮም ብዙሓት ኣብነታት ኣለዉ።
እዞም ፍልልያት ብቐንዲ ኣብ ዝተፈላለዩ መስርሓት ኣገባብ ምድላውን ኣብ ዓይነታት ንመስርሕ ምድላው ናብ ጥቕሚ ዝወዓሉ ቆርበትን ከምዘመንጨዉ ይግለፅ። ብራናታት ግእዝ ብቐንዱ ካብ ቆርበት ኣጣል ከምዝተዳለዉ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ይሕብሩ። ብኻልእ ወገን ብራናታት ግእዝ ብተዛማዲ መሰረታዊ ናይ ምድላው ኣገባብ ዝሓለፉ ኰይኖም ኬሚካላዊ መስርሓት ዘለዎም ‘ውን ‘ዮም። ብራናታት ግእዝ ካብቶም ኣብ ኣህጉር ኣውሮፓ ብተመሳሳሊ እዋናት ዝፈረዩ ብራናታት ብተዛማዲ ኣብ ዓይነቶም ይፍለዩ ‘ዮም።
ብኻልእ ሸነኽ ኣብ መስርሕ ምትሕሓዝ ገፃት ብራናታት ግእዝ (binding process) ዝርኣይ ቅርፂ ምስቶም ብኦርቶዶክሳዊ ኢደ-ፅሑፋት (Orthodox Codices) ዝፍለጡ ልምድታት ማእከላይ ምብራቕን ስልጣነታት ዝመሳሰል ‘ዩ። ካብዚ ብዘይፍለ ኣብ ጥበባዊ መዳይ መስርሕ ምድላው ብራናታት ግእዝ ዝርኣዩ ምስ ኣጠቓቕማ ባእታታት (adhesives) ዝተኣሳሰሩ መስርሓት ኣገደስቲ መረዳእታታት መስርሕ ናይዞም ድንቂ ኣብነታት ባህላዊ ውርሻታትና ጥበብ ‘ዮም።
ኣብ መስርሕ ምድላው ብራናታት ዝርኣዩ ሒደት ግን ኣገደስቲ ፍልልያት ምንፅብራቕ ኣሳእልን ኣጠቓቕማ ኣብ ፅሑፍን ምውቃብ ገፃት እዞም ብራናታት ዝርኣዩ ዝተፈላለዩ ሕብሪ ዝህቡ ባእታታትን ንጥበባዊ መስርሕ ምድላው እዞም ኣካል ባህላዊ ውርሻታትና ዝዀኑ ብራናታት ግእዝ ንምርዳእ ዘገድሱና መዳያት ‘ዮም። ያታዊ ኣተዓቓቕባ እዞም ጥንታውያን ብራናታት ግእዝን ኣገባባት ምዕራይን ዝተበላሸዉ ገፃቶም ’ውን ካብዚ ብዘይፍለ ምሉእነት መስርሕ ምድላው እዞም ብራናታት ንምፍላጥ ይሕግዙ።
ስለ’ዚ ጥበባዊ መዳይ መስርሕ ምድላው ብራናታት ግእዝ ሓደ ካብቶም ኣብ ዘመናት ዝተጠርዩ ኣገደስቲ ባህላውን ስነ-ጥበባውን ክእለታት ሕብረተሰብ ቐዳሞት ወለዲ ‘ዮም። እቶም ንዘመናት እናተወራሪሱ ታሪኻውን ባህላውን ውርስታት ሕብረተሰብና ክስነድ ዘኽኣሉ ልዕል ኢሎም ዝተጠቕሱ ጥበባት ብቕዓት ክብሪ የድልዮም፡፡
መኣርግ ገ/ሄር
ወጋሕታ 13 ሕዳር 2016 ዓ.ም