ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ዘትረፎም ሰኸፈታት ወለድን ተምሃሮን

ትርሓስ ፍቃዱ

ተዘክሮታት ጥራሕ ኸብዲ …

ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ከባቢ ኣቧሬ ኣብ ዝሩያ ምላሽ ቤተ መንግስቲ ዝርከቡ፤ ወግሐ ፀብሐ ብተዘክሮ የስቆንቁኑ።ናብራ መብዛሕትኦም ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ዝዓይነቱ እዩ።ካብዘን ገዛውቲ ዝወፁ ህፃውንቲ እኽሊ ጥዒሞም ንምውዓል፣ቤት ትምህርቲ ውዒሎም ንምምላስ ውሕስና ነይርዎም ኣይፈልጥን።

ሱቕ ኢሎም ንማለቱ ናብ ቤት ትምህርቲ እንተኸዱ ‘ውን መብዛሕትኦም ብጥምየት ዝተሓለገ መዓንጠኦም እናሓሰዩ ብድኻም የህለውልዉ።ከምቶም ኻልኦት ተምሃሮ ቑርስን ምሳሕን ዝበሃል ልምዲ ኣይፈልጡን።ኣፎም ከይመሰሱ ይወፁ ጥራሕ ኸብዶም ብጥሙዮም ኸለዉ ተስፋ ብዝቖረፀ ስምዒት ናብ ገዝኦም ደኺሞም ይምለሱ ።

መብዛሕትአን ኣዶታት ናይዞም ቖልዑ ኣብ ፀሓይን ቑርን ዕዳጋ፤ ኣናእሽተይ ሸቐጣት እናሸቀጣ ዝውዕላ እየን።ዕዳጋ እንትበሃል ኹሉ ዘማልአ ዘይኮነስ ሒደት ሽጉርቲ፣ዝፀምለወ ጉዕን ኮሚደረን ሒዘን እናተጨነቓን ብሓሳብ ቀልበን ስኢነን እየን ዝውዕላ።ኣፍቲ ከባቢ ሸቀጥቲ ይኹና ዓደግቲ ኹላተን ፆመን እየን ዝሓድራ።መብዛሕትአን ህይወተን ዘይሰመረለንን ናብርአን ካብ ኢድ ናብ ኣፍ እዩ።ብሰንኪ ልቓሕን ዕዳን፤ ጭንቀትን ብኽያትን ኣይፍለየንን።

ናብ ቤት ትምህርቲ ካብ መንጎ ዝመፁ ተምሃሮ ሓደሓዲኦም ወለዶም ዝስኣኑ፤ብዘይ ኣቦን ኣደን ናብራ ዝደፍኡ፤ኣብ ትሕቲ ቢንቶ ጎዳና ዝውዕሉ ዝሓድሩ፤ኣካቢ ስድራ ዘይብሎም፤ሓጋይ ምስ ኽረምቲ ዝፅገሙ መሳኪን እዮም።

ኣብ መውዐሊ ህፃናትን ቐዳማይ ብርክን ቤት ትምህርቲ መስከረም ካብ መንጎ ዝመፁ ህፃውንቲ ኹነታቶም ልብኻ ዝትንክፍ እዩ።እዞም ቖልዑት እንትጠምዮም ብመሪር ብኽያት እዮም ዝገልፅዎ።እቶም ትርንዕ ዝበሉ እንተኾኑ ‘ውን ኣብ ጥራሕ ኸብዶም ኮፍ ኢሎም ንምምሃር ይፅገሙ እዮም።ምስ ጥምየት እናተቓለሱ፣ምንቕጥቃጥ ልምዲ ኾይኑዎም ዝፀንሐን እንትገዶም ድማ ዓርሶም ስሒቶም ዝወድቑ እዮም።

ቤቲ ኣፍቲ ሽዑ እዋን…

ኣብ ቐዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ መስከረም ተምሃሪት ሻብዓይ ክፍሊ፣ ንቕሕትን ጥዕምቲ ላዛን እያ ቤቲ ተካ።ኣኸዳድንኣ ሰሓባይ፣ጫምኣ ፅሩይን ብኣግባቡ ዝተዓረየን እዩ።ቤቲ ናይ ትማሊ ህይወታ ምስ ናይ ሎሚ ክተወዳድሮ ኸላ ብዙሕ ተዘክሮ ኣለዋ።ነገራት ፈፂማ ኣይተርስዕን።እቲ ናይ ትማሊ ኹነታት ዘኪራ ክተውግዕ ኸላ ተስቖንቑን።

ቕድሚ ሒደት ዓመታት ኣብ ናይ በዓል ቤቲ ቤት ትምህርቲ ከይበልዑ ዝመሃሩ፣ከይፀገቡ ዝመሃሩ ተምሃሮ ብርክት ዝበሉ እዮም ነይሮም።ኹሉ ግዘ ቤቲ ምስ ፈተውታ ኣብ ቕፅሪ ቤት ትምህርቲ እያ፤ኣጋጣሚ ኾይኑ ካብ መንጎኦም ምግቢ በሊዖም ወይ ድማ ጥዒሞም ዝመፁ ውሑዳት እዮም።እዚ ድማ ብበዓል ቤቲ ብርቂ ዝበሃል ኣይኮነን፤ናይ ኹሉ ግዘ ልምዲ ህይወት እዩ።

ቤቲ እኽሊ ከይጠዓመት ኣብ ጥራሕ ኸብዳ እተሕልፎ ዝነበረት ውዕሎ ፈፂማ ኣይትርሰዖን።ሓደሓደ እዋን ምሳሕ ዝሓዙ ቖልዑ እንተሃልዮም ኣይጨኻኸኑን፤ ሓደ ምሳሕ ተኣኪቦም ይጠዓዕሙ።እዚ እንድሕር ዘይተረኸበ ግና ሙሉእ መዓልቲ እስካዕ መውፅኢ ሰዓቶም ብጥምየት ፀምልዮም ይውዕሉ።

ኣብ ከምዚ ዝበለ እዋን ህይወት ትፍትኖም።ትምህርቲ ኣይርደኦምን፤ኣፍቲ እዋን ንዓኣቶም ዝዝከሮም ጨና ጥዑም ምግቢ ጥራሕ እዩ።ንዑኡ እናሓሰቡ ምራቖም ይውሕጡ፣ደጋጊሞም የምባህቑን ይደኽሙን።ናብ ገዛ እንትኣትዉ ኣዶ ካብ መሶብ ቖሪሳ እተኾልሶም እንጀራ ዘይክህልዋ ይኽእል፤ ይሓዝኑ፣ኣዒንቶም ብንብዓት ይመልእን ይጭነቑን።

ኣፍቲ እዋን ናይ ቤት ትምህርቲ ድቢዛ ዘማልኡ ውሑዳት እዮም ነይሮም።ካብኣቶም ‘ውን በብዓመቱ ነቲ ኣረጊት እናሰፈዩ ዝኽደኑ ይበዝሑ።ሰፊኻ ምኽዳን ዝሰልከዮም ድማ ኣዕሩኽቶም ከይስሕቕዎም ይፈርሑ በዚ ምኽንያት ድማ ካብ ቤት ትምህርቲ ይተርፉ።ንቤቲ እዚ ኹሉ ሓቃዊ ታሪኻ ኾይኑ ሓሊፉ እዩ።

ካፍቲ ናይ ትማሊ ሓቂ…

ኣብ ሎሚ ጠጠው ኢሎም እቲ ናይ ትማሊ ዝሓለፈ መገዲ እንትዝክሩ ዓይኖም ንብዓት ይመልእ።እቲ ዝሓለፈ ዘበን ምልስ ኢሎም ብተዘክሮ ይሓስብዎ።ብርክት ዝበሉ ውረድ ደይብ፣ውሑዳት ዘይበሃሉ መስካሕካሕቲ ታሪኻት፣ብቐሊሉ ዘይርስዑ ሕማቓት ተጓንፎታት ይዝከርዎም።ኣብዚ እዋን እዚ ብሓዘን ተዋሒጦም እቶም ዝሓለፉ ኣፀገምቲ እዋናት ይቖፅሩ።ፀገም፣ጥምየት፣ገፅ ሰብ ምርኣይ፣በብታራ እናመፁ ይዝከርዎም።

 ቕድሚ ዓማውቲ…

ወይዘሮ የሺእመቤት ንሽሙ ጎነን ዘዕርፋሉ መደቀሲ እንተሃለወንኳ ብዘይ ድቃስ እናተገላበጣ ምሕዳር ልማደን እዩ።ብዝወግሐ ቑፅሪ ብዛዕባ ዘሕልፍኦ ኣድኻሚ መዓልቲ ይሓስባ፤እዚ ድማ ዘይተርንዑ ደቀን ክዝካራ ይገብረን።

ሙሉእ ወርሒ እናዞራ ብዝሓፅበኦ ኽዳውንቲ ዝረኽበኦ ገንዘብ ናብራ ኣይመልእን።ገዛ ኽራይ፣ሸመታ ዕለታዊ ቐለብን ኻልኦት ዘይተርፉ ጉዳያት ኣለወን።

መዓልታዊ ሰራሕተኛ ኣቦ ካብ ወርሒ እስካዕ ወርሒ ረሃፆም ኣንጠብጢቦም ዝረኽብዎ ኣታዊ ድሌት ስድርኦም መሊእሎም ኣይፈልጥን።ቑርሲ እንትርከብ፣ምሳሕ ኣይርከብን፣ንምሳሕ እንትርከብ ድራር ኣይህልውን።እዚ ጋህዲ ታሪኽ መላእ ስድራ ካብ ዝኸውን ዓመታት ተቖፂሮም እዮም።

ወይዘሮ የሺእመቤት ብሓሳብ እናተሸቐላ ሓዲረን ኣንጊሀን ይልዓላሞ ዝደቀሱ ደቀን ይሪኣ።ኽልቲኦም ቖልዑት ድሕሪ ደቓይቕ ካብ ድቃሶም ክትስኡ እዮም፤ናብ ቤት ትምህርቲ ንምኻድ ድማ ክዳለዉ እዮም፤እዚ እንትሓስባ ኣዶ ኸብደን ይኣብየን።እቲ ዝተለመደ ንብዓተን ብሙዕጉርተን ገይሩ ናብ ኽሳደን ይሓልፍ።ከም ኣዶ ንደቀን ቑርሲ ምኹላስ፣ምሳሕ ኣትሒዘን ምስዳድ ብዘይምኽኣለን ብጣዕሳ ይነብዓ።

እቶም ቖልዑ ኣፎም ከይመሰሱ ጥራሕ ኸብዶም ናብ ቤት ትምህርቲ ምኻድ ለሚዶሞ እዮም።ወይዘሮ የሺእመቤት ኹሉግዘ ሙሉእ ለይቲ እናተጨነቓ ይሓድራ።ኣዕዋፍ ውጭውጭ እንትብላ ተሲአን ናብ ደገ ይጥምታ።ዓማዊለን ዝሕፀብ ኽዳውንቲ ኾሚረን ይፅበየአን።ደቀን ስዒመን ገዝአን ዓፅየን ይወፃ።

ድሕሪ ሕፅቦ ኽዳውንቲ እንትምለሳ ገዝአን ጥርሑ፣ኢድ ኢደን ዝጥምቱ ደቀን፣ ብመዓልታዊ ስራሕ ዝደኸሙን ሕማም ልቢ ዝተወሰኾም ኣቦ ይፅበይወን።ኹላቶም ኢደን ዝጥምቱ፣ኹላሶ ዝናፍቑ ተስፈኛታት እዮም።

እተን ኣዶ ኽዳን ዝሓፀባለን ዓማዊል ‹‹እዚኣ ጥዓምኣ››ኢለን ዝሃበአን ምግቢ ሓንቲ ከይጠዓማ ብላስቲኽ ኣሲረን ሒዘን ብምምፃእ ንኹሎም የማቕላ።እንትወግሕ ድማ ዝተለመ ህይወት ይቕፅል።ቖልዑት ናብ ቤት ትምህርቲ ኣቦ ናብ ስራሕ፣ኣዶ ናብ ሕፅቦ ኽዳውንቲ ይኸዱ።ህይወት ሐዚ’ውን ኣይመልእን።

ኣደን ኣቦን ሙሉእ ወርሒ ደኺሞም ካብ ዘምፅእዎ ውሑድ ገንዘብ፤መብዛሕትኡ ንገዛ ኽራይ ይኽፈል።ነዚ ዝሪኡ ቖልዑት ክራይ ገዛ ተዘይህሉ ከም ልቦም ምብላዕ እናሓሰቡ በሊዖም ዝፀግቡላ መዓልቲ ይናፍቑ።ከም መሓዙቶም ሓዱሽ ዲቢዛ ንምግባር ኣይተዓደሉን።ኣዶ በብዓመቱ እቶም ዝኣረጉ ብመርፍእ እናሰፈያን እናለገባን ይኸድነኦም።

ሓደሓደ እዋን እተን ኣዶ ኣብ ድግስ ፀብሒ ንምስራሕ ይፅውዓ።ካፍቲ ዝረኽብኦ ገንዘብ ወሲኸን ደቀን ይዕንግላ።እቶም ቖልዑ ፀጊቦም እንትሓድሩ ሩፍታ ኣይሰመዖምን፤ፀጊብኻ ምሕዳር ከምዘይፍቀድ ገይሮሞ ገዛ ኽራይ ከይውሰኾም እናሓሰቡ ይስከፉ።

ሎሚኸ…

ሎሚ ድኣ ግርማ ወይዘሮ የሺእመቤትን ህይወት ደቀንን ተቐይሩ እዩ።ሐዚ እተን ኣዶ ንደቀን እንታይ ክዕንግል?እንታይ ከትሕዞም? ኢለን ኣይስከፋን።ኣንጊሆም ንትምህርቲ ዝወፁ ደቆም ከምቲ ናይ ትማሊ ጥራሕ ኸብዶም ኣይወፁን።ቑርስን ምሳሕን ኣብ ቤት ትምህርቲ ይምገቡ።

ከምቶም ዝሓለፉ ዓመታት፣ጉዳይ ዩኒፎርም ኣየጨንቐንን፣ጫማ ደፍተርን ቦርሳን ኹሉ ናውቲ ትምህርቲ ዕዳ የብለንን።ቖልዑ ካብ ቤት ትምህርቲ እንትምለሱ ኣብ ገዛ ዝተረኸበ ኣማቒለን የሕድርኦም።ሐዚ ታሪኽ ጥምየትን ፀገምን ተዓፅዩ እዩ።ንብዓት የሺእመቤት ውን ብስሓቕን ፍሽኽታን ተሳዒሩ እዩ።

ተምሃሪት ቤቲ ተካ ንቡር ሪኣ ሕጉስትን ሰሓቒትን ኾይና እያ።ሐዚ ጥምየትን ፀገምን ዝሓለፈ ታሪኽ እዩ።ፅባሕ ሰዓሪት ንኽትኸውን ሎሚ እናፀዓረት እያ።እዚ ንኽኸውን ፅቡቕ መገዲ ንዘትሐዝዋ ናይ ፀገም መገዳ ንዘረስዕዋ ምስጋንኣ ልዑል እዩ።ደጋጊማ ‹‹የቐንየልና››ትብል።

ካብ ኣንደበት መማህራን…

ኣብ ቐዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ መስከረም ነዚ ሓቂ እናስተውዐሉ ዝፀንሑ መማህራን እቲ ናይ ትማሊ ታሪኽ ልክዕ ከም ናይ ሎሚ የውግዕዎ። መምህር ማለት ከም ኣቦን ኣደን እዩ። ስቓይን መከራን ተምሃሮኦም ክሪኡ ኣይደልዩን። ይኹን ‘ምበር ከይፈተዉ ነቲ ዝሓለፈ ፀገም ክሪእዎ ተገዲዶም እዮም።

መምህር መሰረት በዙ ቕድሚ ዓመታት ዝነበረ ኹነታት ተምሃሮ ክትዝክር ኸላ ኣዝያ ትሓዝን። ፍልጠት ደልዮም ናብ ቤት ትምህርቲ ዝመፁ ተምሃሮ ፀገሞምን ስቓዮምን ኣይትርስዖን። እስካዕ ሎምዓንቲ ጥምየቶምን መከረኦምን እናርኣየት፣ኣንቢዓ እያ። ሎሚ ድማ እዚ ፈታኒ እዋን ሓሊፉ ክትሪኦ ኸላ የሐጉሳ።

መምህር ፅጌ ሃይሉ ድማ ቕድሚ ዓመታት ኣፍቲ ቤት ትምህርቲ ዝነበሩ ፀገማት ተምሃሮ ይዝክሩ። ኣፍቲ እዋን እሱ እቶም ተምሃሮ ብኣግባቡ ዝመሃሩሉ ኣጋጣሚ ኣይነበረን። የግዲ ኾይኑዎም ፅቡቕ ኣጋጣሚ ኣይነበረን። ካብ መማህራን ዝዋፃእ ገንዘብን ሓገዝ ምግቢ ፀገም ንምፍታሕ እናተገበረ ፀኒሑ እዩ። ዝዓረቑ ተኸዲኖም እዮም።

ፀገም ድቢዛን ሕፅረት ምግብን ተምሃሮ ዝኸፍአ እዩ ነይሩ ዝብላ መምህር ወይንሸት በቀለ፤ድሕሪ ዝተወሰኑ ዓመታት ዝተጀመረ ምምጋብ ተምሃሮ መተሓባበሪት እየን። ምስዚ ሓዱሽ ለውጢ ከምዝሓብራ ብርግፀኝነት ይዛረባ። እቲ ናይ ትማሊ ሓዘን ብደስታ ምትክኡ ኣዝዩ የሐብነን። ሰሓቕ ናይቶም ቖልዑት ድማ ኣብ ገፀን እናደመቐ ይውዕል።

ምክትል ርእሰ መምህር ቐዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ መስከረም ድሪባ ዳዲም ኣፍቲ ቤት ትምህርቲ ቕድም ክብል ዝነበረ ፀገም፤ኣብ ኸይዲ ምምሃርን ምስትምሃርን ፈተና ከም ዝነበሮ የረድኡ። ሽዑ ብምኽንያት ጥምየት ትምህርቶም ዘቋርፁ፣ዝተርፉን ዘቋርፁን ብርክት ዝበሉ እዮም ነይሮም። ዲቢዛ ዘይብሎምን ነዚ ዝኸውን ዓቕሚ ዘይነበሮም ውሑዳት ኣይኮኑን።

ሎሚ ግና እዞም ፀገማት ታሪኽ ኾይኖም እዮም። ሐዚ ብሰንኪ ሕፅረት ምግቢ ኣብ ክፍሊ ዝወድቕን ዝተርፍን ተምሃራይ የለን። ንእግሩ ሳእኒ፣ንሰብነቱ ኽዳን፣ዝዓረቐ ኣይርኣይን። ከም እምነተን እዚ ፅቡቕ ትውልዲ ብብቕዓት ንምፍራይ ዘለዎ ግደ ዓብዪ እዩ።

ክሰርሕ ዝኽእል ዝመራመርን ሰብ ክቐርፅ ዝኽእል ኣእምሮ ብሰንኪ ሕፅረት ምግቢ እንትፍተን፤ብሰንኪ ስእነት እንትሰናኸል ምርኣይ ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ። ‹‹ዝሓበራያ ኣፃብዕትስ ኣርቃይ የፀምብዓ›› ከም ዝበሃል፤ቕኑዓት ልብታት እንትሓብሩን እንትሰርሑን ድማ ከምዚ ዝበለ ዘደንቕ ታሪኽ ጋህዲ ይኸውን።

ወጋሕታ 24 ሰነ 2013

Recommended For You