ቦርዲ መረፃ ናብቲ ማእኸል ዝበፅሑ ውፅኢት መረፃ ክልል ዕላዊ ምግባር ጀሚሩ

  • ካብ 942 ውፅኢት መረፃ ሰነዳት 618 ናብ ማእኸል በፂሖም እዮም

 መሰረት ገ/ዮሃንስ

ኣዲስ ኣበባ፡- ብሄራዊ ቦርዲ መረፃ ኢትዮጵያ ናብቲ ማእኸል ዝበፅሑ ውፅኢት ክልል መረፃ ሰነዳት ዕላዊ ምግባር ከምዝጀመረ ናይቲ ቦርድ ኣካቢት ወይዘሪት ብርትኳን ሚደቅሳ ገሊፀን። ካብ 942 ውፅኢት መረፃ ሰነዳት ናይቶም 618 ሰነዳት ኣብቲ ማእኸል ከምዝበፅሑ ኣፍሊጡ።

ወይዘሪት ብርትኳን ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ ፤ውፅኢት መረፃ ሰነዳት ብዝርዝር ምቕራብ ቅድሚ ኸዚ ዝተለመደ ተዘይኾነ’ውን ንግልፅነት ክባሃል ብዝርዝር ምቕራብ ከምዝተደለየ ኣፍጠን እየን ። ውፅኢት ናይ ምፅራይ ስራሕ ብሰለስተ ዙር ብጥንቃቀ ከምዝተሰርሐ ገሊፀን፤ቅሬታ ዝቐረበሎም ምፅራይ ዝግበረሎም ምስተዛዛመ ዕላዊ ክኾን እዩ ኢለን።

ኣብ 160 ክልላት መረፃ ፓርትታት ቅሬታ ከምዘቕረቡ ዝገለፃ ወይዘሪት ብርትኳን፤ ተቐባልነት ዘለዎምን ዘይብሎምን ቅሬታ ናይ ምፍላይ ስራሕ እናተሰርሐ እዩ ኢለን። ውፅኢት ዘቐይር ዝኽእል ቅሬታ እንተሃልዩንኻልኣይ እዋን መረፃ ክካየድ ከምዝኽእል ኣመልኪተን እየን። በቲ ቦርድ ውሳነ ዘይስማዕማዕ ፓርቲ እንሃለወ ‘ውን እቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ምውሳድ ከምዝኽእል ኣፍሊጠን እየን።

ፓርትታት ካብ ዘቕረብዎም ቅሬታ መረፅቲ ድምፂ ንከይህቡ ዝተኸልኸሉ፣ መሰል ዘይብሎም ዝመረፁ፣መሰል እናሃለዎም ዝተኸልኸሉ፤ምኽልካል ተዓዘብቲ፣ወኪል ኣብ ዘይብሉ መረፃ ምክያድ ከምዝርከብዎም ሓቢረን፤ገዛኢ ፓርቲ ሓዊሱ 30 ፓርትታት ቅሬታ ከምዝቕረቡ ገሊፀን እየን።

‹‹እቲ ቦርዲ ቀልጢፉ ውፅኢት ከይገልፅ ዕንቅፋት ዝኾኖ ቅሬታ ብፓርቲ ወገን ምቕራቦም እዩ›› ዝበላ እተን ኣካቢት፤ ዝተረጋገፁ ክልላት መረፃ ውፅኢትን ውሑዳት ጥርዓን ዘለዎምን ብቕልጡፍ ውሳነ ዝዋቦም ግዝያዊ ውፅኢት መረፃ ዕላዊ ምግባር ተጀሚሩ እዩ ኢለን።

ተፃርዩ ናብቲ ማእኸል ዝመፀ ቤት ምኽርን ክልልን ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝብን ሙሉእ ዝርዝር ውፅኢት ካብቲ ቦርድ ድህረ ገፅ ምርካብ ከምዝካኣል ኣመልኪተን እየን።

ወጋሕታ 24 ሰነ 2013

Recommended For You