‹‹ሃገራት ቐርኒ ኣፍሪካ በሪ ባሕሪ ሓቢረን ብምጥቃም ኣብቲ ዞባ ድልዱል ኢኮኖሚ ንምምስራት ዝሕግዝ’ዩ›› -ኣይተ ያሲን ኣሕመድ ባዕጋይ

ብዛዕባ በሪ ባሕሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ንባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፤ ቀንዲ መዛረቢ ዛዕባ ኮይኑ ፀኒሑ’ዩ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዝሃብዎ ሓሳብ ጉዳይ በሪ ቀይሕ ባሕሪ ብደረጃ ኣባላት ፓርላማ ከይተረፈ ንምልዓል ከም ነውሪ ገይርና ኢና ንሓስቦ፣ ኮይኑ ግና ብዛዕባ ግድብ ህዳሰ፣ ካልኦት ኣካላት እናተዘራረብሉ፣ ንሕና ግና ቀይሕ ባሕሪ ዝኣክል ነገር ከም ሓሳብ ክንዘራረበሉ ስለምንታይ ነውሪ ይኸውን?” ብምባል እቲ ጉዳይ ምልዓሉ ፈትሓዊ ከምዝኾነ ተዛሪቦም ነይሮም።

ብመሰረት ታሪኽ፣ ጆኦግራፊን ዓሌትን ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣፍደገ ናይ ምርካብ ዘለዋ ሕቶ ዳግማይ ክርአ ኣለዎ ክብሉ ኣብሪሆም ‘ዮም። ኢትዮጵያ ንወደብ እተውፀኦ ክፍሊት ኣዝዩ ልዑል ምዃኑ ብምጥቃስ፤ ናይ ሰለስተ ዓመት ወፃኢታት ጥራይ ግድብ ህዳሰ ክሃንፅ ዝኽእል’ዩ ብምባል ኣፍደገ ባሕሪ ዘይምህላው ዘለዎ ጉድኣት ከምዘረድኡ ዝዝከር ‘ዩ።

ጐረባብቲ ሃገራት ካብቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝፍልፍሉ ሩባታት ማይ ረብሓ ከምዝረኽባ ብምዝኽኻር፤ ኢትዮጵያ ምስ ቀይሕ ባሕሪ ዝውንና ሃገራት ብሓባር ብምጥቓም ንምዕባይ ኣሚቱ ዝተሓሰበ ‘ዩ።

ኣይተ ያሲን ኣሕመድ ባዕጋይ ፕረዝደንት ኢንስቲትዩት ርክብ ህዝቢ ንህዝቢ ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ ‘ዮም። እዚ ትካል ረብሓ ኢትዮጵያ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ መድረኽ ንክኽበር ዝሰርሕ’ዩ።

ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊን ኢኮኖምውን ዝኣመሰሉ ረብሓ ኢትዮጵያ ንምሕላው ዝሟገትን ንዚ ዕላማ ሒዙ ዝጓዓዝ ትካል ‘ዩ። ናይዚ ትካል ፕሬዝዳንት ኣይተ ያሲን ኣሕመድ ባዕጋይ ኣልጀዚራ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓለምለኸ ሚድያታት ብዛዕባ ግድብ ዓባይን ክንዲ ኢትዮጵያ ኾይኖም ረብሓ ኢትዮጵያ ንክኽበር ክሳብ ሐዚ ብሓሳብ ዝምጉቱ ‘ዮም።

ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ብዛዕባ ወሰን ባሕሪ ንኢትዮጵያ ኣድላይ ከም ዝኾነ ኣብ ዝሃብዎ ሓሳብ መሰረት ብምግባር ዲፕሎማስያዊ ርክብ ካብ ምጥንካር ሓሊፉ ንኢትዮጵያ ኢኮኖሚን ፖለቲካን ዘለዎ ረብሓ ኣመልኪቶም ኣይተ ያሲን ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት ከም ዝስዕብ ኣቕሪብናዮ ኣለና። ሰናይ ንባብ!

ወጋሕታ ፡- ኢትዮጵያን ቀይሕ ባሕርን ዘለዎም ርክብ ብመንፅር ታሪኽን ጂኦግራፍን ከመይ ይገልፅዎ?

ኣይተ ያሲን ፡- ታሪኸ መዛግብት ከምዝገልፅዎ እንተኸይኑ ኢትዮጵያን ርክብ ቀይሕ ባሕርን ካብ ኣክሱም ስርወ መንግስቲ ወይም ግዝኣት ኣቢስንያ ማለት ‘ውን ኣብ ግዜ ናይ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣብ ዘይተካተተሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ጀሚሩ ስለዝነበረ ታሪኻዊ ከምኡ ድማ ምድራውን ስነ ህዝባውን ርክብ ዘለዎ ከምዝኾነ ይገልፁ።

ብተወሳኺ ‘ውን ኣብቲ ግዜ ንቀይሕ ባሕሪ ዝተውሃበ ሽም ‹‹ባሕሪ ነጋሽ›› ይባሃል ከምዝነበረ ሊቃውንት ይገልፁ። ከም ዝፍለጥ ናይ ኣውሮፓውያን ባዕዳዊ መግዛእቲ ስርዓት ካብ ዘምፀኦም መዘዛት እቲ ሓደ ከምዝኾነ ዝቑፀር ‘ዩ።

ኣብቲ ዞባዊ (ቀርኒ ኣፍሪካ) ኣብ መንጎ ሃገራትን ህዝብታትን ንሳቶም ከም ዝሓስብዎ(ባዕዳዊ መግዛእቲ) ድልየትን ረብሓ ዘማእኸለ ዶብ ምኽላል ‘ዩ ነይሩ። እዚ ድማ ኢትዮጵያ ባሕሪ በሪ ዘይብላ ሃገር ክትኾንን ምስ ቀይሕ ባሕሪ ዘለዋ ርክብ ‘ውን ንክቋረፅ ተገዲዳ ‘ያ።

ብተወሳኺ ‘ውን ኢትዮጵያ ናይ ኤርትራ፣ ጅቡቲ፣ ሶማልያ፣ ሶማሊላንድን ሱዳንን ሓዊሱ ኣዋሳንቲ ቀይሕ ባሕሪ ዝኾኑ ሃገራት ልኣላውነት ተቐቢላ ‘ያ። ኾይኑ ግና ዓለም ለኸ ሕጊ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብዘሎ ስምምዕነት መሰረት ኣብ ረብሓ ምልውዋጥ ማዕቐፍ ውሽጢ ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ባሕሪ መሰል ንክህልዋ እንትገልፅ እዚ ድማ ናይ ኽልቲኦም ሃገራትን ህዝብታትን ናይ ሓባር ጥቕሚ ካብምዕባይ ሓሊፉ ሕውነታዊ ዘጠናኽር ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- ኢትዮጵያ ተረባሒት በሪ ባሕሪ ንከይትኾንን ንክትርሕቕን ተገይራ ‘ያ ዝብሉ ሓሳባት ይላዓሉ ‘ዮም፤ ኣብዚ ናቶም ሓሳብ እንታይ ይመስል?

ኣይተ ያሲን ፡- ከም ናተይ ግምት ኣብ ዝሓለፉ ንኢትዮጵያ እናማሓደሩ ዝነበሩ መንግስታት ዝተኸተልዎ ዝተሰሓሓተ ኢ-ፍትሓዊ ፖሊሲ ምኽንያት ናይ ኢትዮጵያ ጉዳያት ወፃእን፤ ውፅኢት ብቅዓት ምምራሕ ብዘይምኽኣሎም ጥራሕ ‘ውን ተዘይኾነ ናይ ኢትዮጵያ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ምጥቃም መሰል ንምኽባር ዝግበር ምንቅስቓስ ሙሉእ ብሙሉእ ብምኽንያት ዕሽሽ ምባል ገዲፎምዎ ነይሮም ‘ዮም።

ብተወሳኺ ‘ውን ዝሓለፈ ዘመን ኢህኣዲግ ኣብ 1993 ዓ.ም በሪ ቐይሕ ባሕሪ ንኤርትራ ጥራሕ ኣሕሊፉ ምሃብ እምበር ናይ ኢትዮጵያ ቀይሕ ባሕሪ ምጥቃም መሰል ዘረጋግፅ ዋሕስ ዝኾነ ስምምዕነት ኣይነበረን። ብቀሊሉ ምርካብ ዝካኣል ጥቕሚ ብዘይምኽባሩ ክርሳዕ ዘይካኣል ታሪኻዊ ስሕተት ስሪሑ ‘ዩ። ምኽንያቱ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝነበረ ስምምዕነት ልዕሊ ሓምሳ ዓመት ዝነበረ ‘ዩ።

ወጋሕታ ፡- ኢትዮጵያ ቀጥታ በሪ ባሕሪ እንተሃልይዋ ኣብ በዝሒ ህዝብን ኢኮኖሚን ስዒቡ ዝመፅእ ፅዕንቶ ንምቕናስ ዘለዎ ግደ ከመይ ይገልፅዎ?

ኣይተ ያሲን፡- ብናተይ ግምት ኢትዮጵያ ብቀይሕ ባሕሪ ምምሕዳር ኣብ ውሽጢ ቁፅፅር ብምእታው ብወደብ እተምፀኦምን እትልእኾም ኮንቲነራት ወፃኢ ብምቅናስ ዓብይ ረብሓ ኢኮኖሚ ትረክብ ‘ያ። ኢትዮጵያ ናይ ዞባዊ ሃገራት ኢኮኖሚ ምስ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ብምትእስሳር ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዘለዋ ዞባዊ ምትእስሳር ፅዕንቶ ንምሕዳር ኢኮኖሚኣ ንምጥንኻር ዝሕግዝ ‘ዩ።

ምኽንያቱ ድልየት ኢትዮጵያ ኣህጉራውን ዓለምለኸ ኢንቨስትመንታት ወፃኢን ማእኸል መስሕብ ምግባር ‘ዩ። ብምዃኑ ኢትዮጵያ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዘሎ ዞባዊ ምትሕብባርን ሓድነትን ኢኮኖሚን ኣብ መንጎ ሃገራትን ህዝብታትን ዘሎ ኣጋርነት ንምዕባይ ዘለዋ ግደ ክብ ዘብል ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- ሃገራት ቐርኒ ኣፍሪካ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ጉዳይ ኣባይ ይኹን ቀይሕ ባሕሪ ሚዛናዊ ዝኾነ ሓበራዊ ጥቕሚ (ሂብካ ምቕባል) ኣሰራርሓ ተዝኽተሉ ተረባሕቲ ክኾኑ ‘ዮም ኢሎም ዶ ይሓስቡ?

ኣይተ ያሲን፡- እወ ትኽክል ‘ዩ። ምኽንያቱ ኢትዮጵያ ዘለዋ ስፍሓትን በዝሒ ህዝብን ኣብ ምስራቕ ኣፍሪካ እቲ ዓብዪ ዕዳጋ ክትኾን ዘኽእላ ‘ዩ። ኢትዮጵያ ንዞባውን ኣህጉራውን ካብ ዘለዋ ረብሓ ብተወሳኺ ናይ ሕብረት ኣፍሪካ ዋና መስራቤት ቀዋሚ መቐመጢት ‘ውን ‘ያ። በዚ መንፅር ናይ ውልቀን ሓበራውን ጥቕምታት ኣለዉዎ።

ወጋሕታ፡- ወሰን ባሕሪ ዝተልዓለ «ንዛተየሉ» ብዝብል ‘ዩ፤ እዚ ምስ ጎረቤት ሃገራት ዘሎ ርክብ ዲፕሎማሲ ኣብ ምጥንኻር ዘለዎ ረብሓ ከመይ ይሪእዎ?

ኣይተ ያሲን ፡- ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ንዓመታት ዘይንካእን ዝነበረ ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ ጥሒሶም ብምውፃእ ኣብ ጉዳይ ማለት ‘ውን ንኢትዮጵያ ብቀይሕ ባሕሪ ናይ ባሕሪ ወሰን ኣድላይነት ብዕሊ ሓሳብ ብምቕራብ ናይ መጀመርያ ኾይኖም ‘ዮም።

እዚ ድማ ብሓደ ጎኑ ኣብ መንጎ ኣብ ሃገር ውሽጥን ወፃእን ዘለዉ ኢትዮጵያውያን ዘተን ምኽክር ንክገብሩ ሓሳብ ብምቕራብ ብካልእ ጎኑ ድማ ኣብ ዙርያ ኢትዮጵያን ቀይሕ ባሕርን ዝርከቡ ካልኦት ሃገራት ግልፂ ዘተን ምኽክርን እንግዶት ኣቕሪቦም ‘ዮም።

ናይ ኢትዮጵያ ናይ ባሕሪ ወሰን ጉዳይ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ካብ ብሱቕታ ካብ ዝተቐመጡ ጉዳያት እቲ ሓደን ንዘተ ካብ ዘይቐርቡን ጉዳያት እቲ ቀንዲ ‘ዩ ነይሩ። በዚ ድማ ኣብ ኢትዮ-ኤርትራ ርክብ ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ብፖለቲካ ምኽንያት ካብ ዝተሸፈኑ ጉዳያት እቲ ሓደ ከም ዝነበረ ገይርና ክንወስዶ ንኽእል ኢና።

ሕዚ ግና እቲ ጉዳይ ንቀርኒ ኣፍሪካ ህዝብታትን ሃገሮምን ኣብ መንጎ መራሕቲ ፖለቲካ ኣብ ጥቅሚ ልውውጥ ዝተመስረተ ንኹሉ ዘማእኸለ፣ ንኹሉ ዘዕግብ ስምምዕነት ንምግባር ሰላማውን ዲፕሎማስያውን ፍታሕ ንምርካብ እቲ ጉዳይ ንዘተ ክፍቲ ኾይኑ ‘ዩ። እዚ ‘ውን ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካን ሓበራዊ ዝኾነ ጥቕሚ ምዕባይ ይካኣል ‘ዩ።

ስለዚ ሃገራት ኾኑ ህዝብታት ወታደራዊ ጎንፅታትን ኣዕናዊ ኹናትን ከም ሃገር ከም ፍታሕ ኣማራፂ ወይ ድማ ኣንፈት ዘይምኳኑ ብጥልቀት ምግንዛብ ብጣዕሚ ኣድላይ ‘ዩ። ምኽንያቱም ብቀይሕ ባሕሪ ዘሎ ናይ ባሕሪ ወሰን ፀገም ብሰላማዊ መገዲን ፍፁም ዲፕሎማስያዊ ብዝኾነ ኣካይዳ እንድሕር ዘይተኸይዱ ንሃገር ዓብዪ ዋጋ ከኽፍል ዝኽእል ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃኒሒት የቐንየለይ።

ኣይተ ያሲን፡- ኣነ ‘ውን የቐንየለይ።

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 13 ሕዳር 2016 ዓ.ም

Recommended For You