ዝተጀመሩ ዳግመ ህንፀት ተጣናኺሮም ክቕፅሉ ኣብ ሰላምን ፀጥታን ኣበርቲዕና ክንሰርሕ ይግባእ

ኣብ ትግራይ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ዝበራታትዑ ናይ ዳግመ ህንፀት ስራሕቲ ተሰሪሖም ‘ዮም። ሕዚ ‘ውን ይስርሑ ኣለዉ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ብመሰረት ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ ብዙሓት ስራሕቲ ከምዝተሰርሑን ዝቐረዩ ነገራት ‘ውን ብሰላምን ብምትሕብባርን ከምዝስርሑ ንኣባላት ተወከልቲ ህዝቢ ገሊፆም ነሮም።

ምስ እዚ ተተሓሒዙ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ስእነት ሰላም ሙሉእ ብሙሉእ ጠጠው ኢሉ ዝነበረ ምንቕስቓስ ቱሪዝም ንምጅማር ታሪኻዊ ቦታታት ንቱሪስትታት ክፍቲ ከምዝኾኑ ‘ውን ሚኒስትር ቱሪዝም ገሊፁ ‘ዩ።

እዚ ክኸውን ዝኸኣለ ሰላም ስለ ዝተረኽበ ‘ዩ። እዚኦምን ካልኦት መሰረታዊ ልምዓታትን ንኽፍፀሙ ኣብ ሰላምን ድሕንነትን ኣበርቲዕና ከንሰርሕ ይግበአና። ከም ዝፍለጥ ትግራይ ንመስሕብ ቱሪስትታት ዝጠቕሙ ብዙሓት ባህላዊን ተፈጥሮኣዊን ቅርስታት ዘለዋ ክልል ‘ያ።

ኮይኑ ግና ብሰንኪ ተወሊዑ ዝነበረ ኩናት ግልጋሎት ካብ ምሃብ ወፃኢ ኮይኖም ፀኒሖም ‘ዮም። ሕዚ ግና ሳላ ሰላም ተፈጥረ ተጎዲኦም ዝነበሩ ሓድግታት ወይ መስሕባት ቱሪስት ብተሳትፎ ሕብረተሰብን መዳርግቲ ኣካላትን ፅገናታት ተገይርሎም ግልጋሎት ክህቡ ጀሚሮም ኣለዉ።

ቱሪዝም ንምንቅስቓስ ምዕቓብ ቅርሲ ጥራሕ እኹል ኣይኮነን። ሰላም ምንጋስ ‘ውን እቲ ቐንዲ ጉዳይ ‘ዩ። ቱሪዝም ዘላቒ ማሕበራዊ፣ ፖለቲካውን ቁጠባውን ንጥፈታት ንምንቕስቓስ ዘለዎ ግደ ቐሊል ዝበሃል ኣይኮነን።

ቱሪዝምን ሰላምን ዘይነፃፀሉ ምዃኖም ተገንዚብና ኣብ ዙርያ ሰላምን ድሕንነትን ኣበርቲዕና ከንሰርሕ ኣለና። ሰላም ንልምዓት ቱሪዝምን ካልኦትን ኣገዳሲ ስለዝኾነ ኩሉ ሰብ ንሰላም ቆላሕታ ክህብ ይግባእ። ሃገርና ካብ ሃፍቲ ቱሪዝም ዝያዳ ተጠቃሚት ክትኸውንን ዓውዲ ቱሪዝም ንምምዕባልን ሰላም ዘላቒ ምግባር ኣገዳሲ ‘ዩ።

ቱሪዝምን ሰላምን ኣዝዮም ዝተኣሳሰሩ ‘ዮም ከንብል እንተለና ሰላም ዘይምህላው ንልምዓት ቱሪዝም ብዓብይኡ ስለዝፀሉ ኩሉ ሰብ ንሰላም ቀዳምነት ክህቦ ይግባእ። ሰላም እንተዘይሃልዩ ዘፈር ቱሪዝም ንሓደጋ ተቓላዓይ ‘ዩ። ሰላምን ምርግጋዕን እንተሃልዩ ሃፍቲ ቱሪዝምን ኢንቨስትመንትን ብምድንፋዕ ዕድላት ስራሕ ምስፋሕ ይከኣል ‘ዩ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ሰላም ንምርግጋፅ ብዝተሰርሑ ስራሕቲ ኣቢልና ነቲ ዓውዲ ከነዕብዮ ንኽእል ኢና፤ ካብ ቱሪዝም ዝርከብ ረብሓ ንምዕባይ ድማ ኩልና ንሰላም ደው ከንብል ይግበአና።

ብሰንኪ ፀገም ፀጥታ ኣብቲ ክልል ዝርከቡ መስሕባት ቱሪዝምን ሆቴላትን ካልኦት ግልጋሎት ወሃብትን ካብ ስራሕ ወፃኢ ኮይኖም ፀንኒሖም ‘ዮም። ሕዚ ግና መስሕባት ቱሪዝም እቲ ክልል ንጎብነይቲ ክፍቲ እናተገበሩ ‘ዮም።

ብዝተፈጥረ ሰላም ስዒቡ መንግስቲ ስራሕቲ ፅገና ቅርስታት እናከናወነ መፂኡ ‘ዩ። ኣብዚ ዘፈር እዚ ዝነጥፉ ኣካላት ብምስታፍ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናሰርሐ መፂኡ ‘ዩ። ሆቴላትን ትካላት መጎብነይትን ‘ውን ግልጋሎት ንምሃብ ተዳልዮም ‘ዮም።

መንግስቲ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ኣብ ዳግመ ሕውየት ትግራይ ብዙሓት ስራሕቲ እናሰርሐ ብምፅንሑ በፃሕቲ ዓዲ ናብቲ ክልል ተዘዋዊሮም ዑደት ምግባር ጀሚሮም ኣለዉ።

ሕብረተሰብ እቲ ከባቢን ትካላት መጎብነይቲን ንበፃሕቲ ዓዲ ብኣግባቡ ብምቕባልን ብምትእንጋድን ካብ ፀገም ፀጥታ ነፃ ዝኾነ ስርዓት ዑደት ንኽህሉ ድማ ክሕግዙ ይግባእ።

ብፍላይ ኣብ ቀንዲ መባፅሒ ቱሪዝም ዝርከቡ ብዙሓት ክፋላት ሕብረተሰብ መነባብሮኦም ኣብ ዘፈር ቱሪዝም ዝተደረኸ ምዃኑ ዝፍለጥ ‘ዩ። እዚኦም ሰላም እንተዘይ ሃልዩ እተቶም ጠጠው ስለ ዝብል ናብ ኢኮኖሚያዊ ፀገም ክቓልዑ ስለዝኽእሉ ሰላም ኣብ ምንጋስ ኣበርቲዕና ከንሰርሕ ኣለና።

ሰላም እንድሕር ዘይነጊሱ ካብቲ ዓውዲ ዝርከብ ረብሓ ከንረክብ ኣይንኽእልን። በፃሕቲ ዓዲ ብምስሓብ ዓውዲ ቱሪዝም ክዓቢ እንተኾይኑ ኣብ ሰላምን ድሕንነትን ፀቒጥና ከንሰርሕ ይግባእ።

ወጋሕታ 13 ሕዳር 2016 ዓ.ም

Recommended For You