ግደ ጥበባውያን ኣብ ምዕባይ ባህልን ቋንቋን ሕብረተሰብ

ጥበብ ማለት ንሓሳባት፣ስምዒታት ከምኡ ‘ውን ትዕዝብትታት ብመሳጢ ኣገባብ ክተንፀባርቕ ምኽኣል ማለት ‘ዩ፡፡ ብዓቢዪኡ ጥበብ ማለት ምርዳእን ምስትውዓልን ክኸውን ከሎ ኣብ ዕለታዊ መነባብሮ ወዲሰብ ድማ ፅልውኡ ግዙፍ ‘ዩ፡፡

ጥበብ መልእኽቲ ካብ ምምሕልላፍ ሓሊፉ ባህልን ቋንቋን ሓደ ሕብረተሰብ የንፀባርቕን የማዕብልን፡፡ ምኽንያቱ ጥበብ ዝይትንክፎ ኩርናዕ ሂወት ወዲሰብ የለን፡፡ ፍልይ ዝበለ ጥበብ ብተፈጥሮ ዝርከብ ፍሉይ ትዕድልቲ ‘ውን ‘ዩ፡፡ ምኽንያቱ ጥበብ ኣብ ኩሉ ሰብ ንረኽቦ ማለት ኣይኮነን፡፡

ገሊኦም ሰባት ካብ ንእስነቶም ንዝተዋህቦ ጥበብ ብሓገዝ ናይ ስድራቤቶም፣ ኣከባቢኦምን ካብ ህፃንነቶም ጀሚሮም የዕብይዎ፡፡ ይሰርሓሉን ፍሉጣትን ውሩያትን ክኾኑ ይሕግዞምን፤ ፍሪኡ ድማ ናይ ዘመናት ሓድጊ ይኸውን። ኩሉ ፍጡር ወዲሰብ ካብ ፈጣሪኡ ዝወሃቦ ትዕድልቲ ድማ ብዝግባእ ከዕብዮን ክጥቐመሉን ይግባእ። ጥበብ ዋላ ብተፈጥሮ እትረኽቦ ይኹን ብትምህርቲ ክተዐብዮ ትኽእል ‘ውን ኢኻ፡፡

ጥበበኛ ምዃን ድማ ዝወሃበካ ፀጋ እምበር ሰባት ዝገበርዎ ክግበር ይከኣል ‘ዩ ኢልካ ንስኻ ብትፅዕሮ ብምልምማድ ጥራይ ዝመፅእ ኣይኮነን፡፡ ጥበበኛታት ፍሉይ ክእለት ኣለዎም፤ ብኡ ኣቢሎም ድማ ዝደለይዎ ሓሳቦም ይገልፁ፡፡

ነቶም ልዕል ኢልና ዝተመልከትናዮም ሓሳባትና፣ ስምዒታትናን ትዕዝብትታናን ኣብ ልዕሊ ሂወትን ትሕዝቶታትን ብቅልል ዝበለ በቲ ዝተዋህቦም ጥበብ ኣቢሎም ክገልፅዎም፣ ከንፀባርቅዎን ከምህሩሎምን ይኽእሉ፡፡

ቋንቋን ባህልን ‘ውን ከዕብይሉ ይኽእሉ፡፡ ስነጥበባውያን ነቶም ዝርድኡናን ዘይርድኡናን ረቀቅቲ ስምዒታት፣ሓሳባት በዝተፈላለየ ኣገባባት ብመልክዕ ግጥሚ፣ ማሰ፣ሙዚቃ፣ቅርፃቅርፂ፣ ፅሑፍን ካልእ ኣቢሎም ንብዙሕ ስሚዒታትና፣ ሓጎስ፣ ሓዘን፣ ፍቅርን ንኣጋጣሚታትን ግዜን ብጥበብ ብምርቓቕ ሰሪሖም ንኣስተማቀርቲ ዘዳልውልና ንቁሓት ክፋል ናይ ሕብረተሰብ ጥበባውያን ‘ዮም።

ሓደ ጥበበኛ በቲ ዘለዎ ፀጋ ንባህሉ፣ መንነቱን ክብርታቱን ዓቂቡ ምስ ካልእ ሕብረተሰብ ዘላልን ዝፀሉን ክኸውን ኣለዎ እምበር ነቲ ካልእ ሕብሪ ናይ ካልኦት ሕብረተሰብ ንክመስል ንናይ ገዝኡ ክርስዕን ንሕብረተሰቡ ዘይውክል በራዚ ባህሊ ናይ ባዕዲ ክላበስ ክሰርሕ የብሉን።

መበቆላውነት ባህሊናን መንነትናን ዝሕሎ ንምስልና ምስ እንሰርሓሉን እንመራመረሉን ‘ዩ። ጥበበኛ ሕብረተሰብ ይሃንፅ፣ የፋቅር፣ የንቅሕ፣ ቋንቋ ክዓቢ ይገብርን የውርስን፡፡ ካብዚ ሓሊፉ ብናይ ካሊእ ዝብልክ እንተኾይኑ ግና ኣሉታዊ ፅልዋ ‘ዩ ዘሕደር፡፡

 ምኽንያቱ ጥበበኛ ድልድል መሳጋገሪ ካብ ኣቦታቱ ናብቲ ቀፃሊ ወለዶ ስለዝኾነ ‘ዩ፡፡ ንሕናኸ እዞም ጥበባውያን ባህሊ፣ ጥበብ፣ ቋንቋን ናብ ወለዶ ኣብ ምህናፅ ዘለዎም ግደ ኣስተማቒርናዮ ዶ ንፈልጥ? እዚኦም ክባራታትዑ ዝግበኦም ‘ዩ፡፡

ህዝቢ ትግራይ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ናይ ገዛእ ርእሱ ዝልለየሉ ክዕቀብ ዘለዎ ባህሊ፣ ጥበብን ክብርታትን ዝውንን ሃፍታም ህዝቢ ‘ዩ። ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝተጠቅሰ ድማ እዚ ወለዶ እዚ ካብቲ ዝቀደመ ወለዶ ተቀቢሉ ነቲ ስዒቡ ዝመፅእ ወለዶ ዘሰጋግር ድልድል ስለዝኾነ እዚ ተዘይገይሩ ተሓታቲ ‘ዩ፡፡

ጥበብ ንሓደ ሕብረተሰብ ሓይሊ፣ ልሳንን መምህርን ‘ዩ። እዚ ኣብ ሕሉፍ ታሪኽናን ተመክሮናን ብጋህዲ ተንፀባሪቁ ‘ዩ። ጥበባውያንና ነዚ ዝበሃል ዘሎ ዝውክሉን ዝተላበሱን ባህልና፣ ክብርታትና፣ ታሪኽናን ምስልናን ዘንፀባርቁን ዘላልዩን ‘ዮም፡፡

ፍቅሪ፣ ስኒት፣ ንቅሓት፣ሰላምን ምክብባርን ብምግላፅ ባህልና ተዓቒቡ ክስጉም ይገብሩ። ሓሳብና፣ ባህልናን ቋንቋናን ብሙዚቓ ከንገልፅ ንኽእል ኢና፡፡ ሙዚቃ ንሰምዕ፣ ፅሑፋት ነንብብ፣ ነስተማቅርን ንዛናጋዕን በዚ ኣቢሉ ድማ ባህልናን ቋንቋናን ይዓቢ፡፡

ጥበባውያን ካብ ኣፎም ዝኸፈትሉ ቋንቋ ሓሊፎም ብዝተዓደሎም ክእለት ካሊእ ቋንቋ ‘ውን የማዕብሉ ‘ዮም። ብትግርኛ ኣፎም ዝፈትሑ ፍሉጣት ሰብ ውዕለት ስነፅሑፍ ኣምሓርኛ ኣለዉ ‘ዮም፡፡ ከም ‘ውሩያት ደረስቲ እኒ ስብሓት ገብረእግዚኣብሄር ምጥቓስ ይከኣል ‘ዩ፡፡

እኒ በዓል ስብሓት ገብረእግዚኣብሔር ኣዝዮም ውሩያት ስነ ጥበባውያን ደረስቲ ‘ዮም፡፡ ከም እኒ በኣሉ ግርማ፣ ፀጋየ ገብረመድህን፣ ሰሎሞን ደሬሳ፣ ገበየሁ ኣየለ፣ ኣማረ ማሞ፣ ሙልጌታ ሉሌን ታቦር ዋሚን ምፅራሕ ይከኣል ‘ዩ። እንዚኦም ፅሑፍ ኣምሓርኛ ኣብ ዝላዕለ ብርኪ ክበፅሕ ዝገበሩ ኮይኖም እዞም ፀሓፍቲ እዚኦም ብኣምሓርኛ ኣፎም ዘይከፈቱ ውሩያት ጥበባውያን ‘ዮም።

ካብ ትግራይ ስብሓት፣ ካብ ኣምቦ ፀጋየ፣ ሰለሞን ካብ ወለጋ፣ ኣሰፋ ጫቦ ካብ ጨንቻ፣ ኣብ ድርሰትን ዝተፈላለዩ መራኸብቲ ሓፋሽን ብምስታፍ፣ ቋንቋ ኣምሓርኛ ንስነፅሑፍ ምችው ንክኸውን ዘበርከትዎ ግደ ቀሊል ከምዘይኮነ ጋህዲ ‘ዩ፡፡

ናብ ትግራይ ከንመፅእ እንተለና ቋንቋ ትግርኛ ኣብ ምንታይ ብርኪ ይርከብ እንተይልና ገና ዘይማዓበለ ብዙሕ ዝቀርዮ ቋንቋ ‘ዩ፡፡ በዝሒ ተዛራቢ ምዉናን፣ ስነ ፅሑፍን ስነ ጥበብን ምዕባይን ኣድማስ ተበፃሕነቱ ምስፋሕን ህልዉና ሓደ ቋንቋ ዝረጋገፀሎም መገዲታት ‘ዮም። ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ሰኣን ተዛራቢ ዝሞቱ ቋንቋታት ቑፅሮም ዝነዓቕ ኣይኮነን።

ትግርኛ ኣብ ትግራይን ኤርትራን ካብ ዘሎ ተዛራቢ ብተወሳኺ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ‘ውን ብመጠኑ ዋላ ይኹን ይዝረብ ‘ዩ፡፡ ደርፊ ቋንቋ ትግርኛ ብወሳናይ መልክዑ ይዝረብ ‘ዩ፡፡ ኮይኑ ግና ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ትግራይ ዘለዎ ሃለዋት ኣብ ሓደጋ ‘ዩ ዝርከብ ይብሉ ዳይሬክተር ኣካዳሚ ቋንቋታት ትግርኛ ዶክተር ዳኒኤል ተኽሉ።

ትግርኛ ከም ኩሉ ቋንቋ ሓደ ዓርሱ ዝኸኣለ ቋንቋ ‘ዩ ዝብል ድማ ሙሁር ቋንቋን ስነ ጽሑፍን ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዶክተር ሓጎስ ኣብርሃ ‘ዩ፡፡ ቋንቋ ትግርኛ ንኽምዕብል ዝግበር ፀዕሪ ግና ኣፅጋቢ ከምዘይኮነ እቶም ሙሁራት ይሰማምዑ።

ንዝሓለፉ 3ሽሕ ዓመታት ወለዶ እንትትካእ እቲ ዝሓልፍ ወለዶ ኣብቲ ቋንቋ ዓቕሙ፣ ፍልጠቱ፣ ክእለቱ፣ ታሪኹን ፍልስፍንኡን እናሓደገ’ዩ ኸይዱ። “ስለዝኾነ ዓሚቕ ዉሁሉል ዓቕሚ ኣብቲ ቋንቋ ኣሎ” ዝብል ዶክተር ዳኒኤል፤ እቲ ቋንቋ ዝሓዞም ተረኻት ኮነ ክዓብዩ እንተድኣ ኾይኖም እቲ ቋንቋ ክብሪ ረኺቡ ክዓቢ ኣለዎ ዝብል እምነት ከምዘለዎ ይዛረብ፡፡

“ከምኡ ክኸዉን እንከሎ ናብ ሳይንስን ቴክኖሎጅን ክመጣጠር ይኽእል’ዩ፡፡ ስለዚ ስነ ጥበባውያን ቋንቋ ትግርኛ እንተስ ብሙዚቓ፣ እንተስ ብድርሰት ወዘተ ንምዕባይ ፃዕሪታት የድሊ ይብሉ፡፡

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 6 ሕዳር 2016 ዓ.ም

Recommended For You