‹‹ኣብ ትግራይ ዘለዉ መብዛሕትኦም ማኑፋክቸሪንግ ኢንዱስሪታት ናብ ስራሕ ንምእታው ፀገም ፋይናንስ እቲ ዋና ዕንቅፋት ‘ዩ›› -ምክትል ሓላፊ ቢሮ ኢንዱስትሪ ክልል ትግራይ ኣይተ መሓሪ ገብረሚካኤል

ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ብሰንኪ ዝተፈጠረ ኹናት ብዙሓት ትካላት ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ከም ዝኾኑ ዝፍለጥ ‘ዩ፡፡ ምስ እዚ ተተሓሒዙ ኣብዞም ትካላት እዚኦም ዝሰርሑ ዝነበሩ ብዙሓት ዜጋታት ካብ ስራሕ ወፃኢ ኮይኖም ‘ዮም።

ነዚኦም ናብ ዝነበርዎ ንምምላስ ድማ ዘድልዮ ገንዘብን ግዜን ቐሊል ኣይኮነን፡፡ ሓደ ነገር ንምህናፅ ‘ዩ ዝኸብድ እምበር ንምፍራስ ዝኸብድ ኣይኮነን። ደጊምካ ንምህናፅ ከም ምፍራስ ቐሊል ኣይኮነን። ብፍላይ ድማ ኢትዮጵያ ኣብ ዕብየት ዘላ ሃገር ምስ ምዃና መጠን ዝዓንዉ ትካላት ናብ ዝነበርዎ ንምምላስ ብዙሕ እዋን ክወስደላ ይኽእል ‘ዩ።

እዞም ብሰንኪ ኹናት ዓብይ ጉድኣት በፂሕዎም ካብ ስራሕ ወፃኢ ኾይኖም ዝርከቡ ትካላት ማኑፋክቸሪንግ ኢንዱስትሪታት ናብ ስራሕ ንምእታው ብዙሕ ርብርብ ዝጠልቡ ‘ዮም። ምኽንያቱ ዝበፅሖም መጠን ዕንወት ቀሊል ዝባሃል ኣይኮነን፡፡

ብዙሕ ወፃእን ሓገዝን ዝደልዩ ‘ዮም፡፡ ምስ እዚ ተተሓሒዙ ምክትል ሓላፊ ቢሮ ኢንዱስትሪ ክልል ትግራይ ኣይተ መሓሪ ገብረሚካኤል ምስ ትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበርዎ ቃለመሕተት ከምዝስዕብ ቐሪቡ ኣሎ። ሰናይ ንባብ፡፡

ትፕኢ፡- ኣብ ክልል ትግራይ ምንቅስቃስ ኢንዱስትሪ እንታይ ይመስል? ናብ ስራሕ እናተመለሱ ድዮም?

ኣይተ መሓሪ፡- ውስን ጉድኣት ዝበፅሖም ኢንዱስትሪታት ተፀጊኖም ናብ ስራሕ ዝኣተዉ ኣለው። ከም ክልል እንትንርኢ ማኑፋክቸሪንግ ኢንዱስትሪታት ናብ ስራሕ ንመእታው ፃዕሪ እናተገበረ ‘ዩ። ይኹን እምበር ናብ ስራሕ ንምእታው ፀገም ፋይናንስ እቲ ዋና ዕንቅፋት ኮይኑ ኣሎ።

ስራሕ ንምክያድ ገንዘብ ብዘይምህላዉን እቶም ብዙሓት ኢንዱስትሪ ቅድሚ እቲ ኹናት ዕዳ ዝነበሮም ብምዃኑ ተወሳኺ ዕዳ ምውሳድ ኣፀጋሚ ብምዃኑ ከምኡ ‘ውን ሕፅረት ኣቕርቦት ኣቅሓ ፀገማት እቶም ማኑፋክቸሪንግ ኢንዱስትሪ ናብ ስራሕ ንከይኣቱ ዕንቅፋት ኮይኖም ‘ዮም።

ኣብዚ ሰዓት ከም ዝፍለጥ ብምኽንያት ኹናት ዓብይ ጉድኣት ካብ ዝበፅሖም እቲ ሓደ ኢንዱስትሪታት ማኑፋክቸር ‘ዮም ፡፡ ኹሎም ብዝባሃል ብርኪ ካብ ስራሕ ወፃኢ ‘ዮም ኾይኖም ።እዚ ፀገም ንምቕራፍ ድማ ገና ናብ ስራሕ ንምእታው ኣብ ጅምር ኢና ንርከብ፡፡

መጀመርያ ሓበሬታ ናይ ምፍላይ ስራሕ ኢና እናሰራሕና ዘለና፡፡ ሙሉእ ብሙሉእ ምስራሕ ዘይኽእሉ፣ ብዉስኑ ምስራሕ ዝኽእሉ ማለት ‘ውን ሓገዝ ተገይርሎም ናብ ስራሕ ምእታው ዝኽእሉ ብዝብል እናፈለናዮም ንርከብ።

ሓደሓዲኦም ቁሩብ ጥረ ኣቅሓ ተዋሂብዎም ተፀጊኖም ናብ ስራሕ ኣትዮም ኣብ ምንቅስቃስ ዝርከቡ ኣለዉ፡፡ ብሓፈሻ ከም ክልል ክንሪኦ ከለና ግና እቲ ማኒፋክቸር ናብ ስራሕ ንምእታው ምችው ኩነታት ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣሎ ኢልና ኣይንወስድን፡፡ ምኽንያቱም ብዙሕ ሕቶታት ዘይተመለሱ ስለዘለዉ ማለት ‘ዩ፡፡

ትፕኢ፡- ብሓፈሻ ክንርኢ ከለና ክሳብ ሕዚ ናብ ስራሕ ዝኣተዉ ዳርጋ የለዉን ክንብል ንኽእል ዶ? ናብ ስራሕ ንምእታውስ እንታይ ስራሕቲ እናተሰረሐ ይርከብ?

ኣይተ መሓሪ፡- ንሕና እዞም ኢንዱስትሪታት ናብ ስራሕ ንምእታው ብዙሕ ፃዕሪ እናገበርና ኢና። እቶም ኢንዱስትሪታት ዘለዎም ችግር ካብ ምፍላይ ጀሚሩ ዘለዎም ሕፅረት ብምፅናዕ ናብ ስራሕ ንክኣትዩ ግቡእ ምንቅስቃስ እናገበርና ኢና፡፡

ይኹን እምበር ገሊኦም ናብ ስራሕ ከእትዎም ዘይኽእል ኩነታት ኣሎ ‘ዩ፡፡ እቲ ሓደ ጉዳይ ፋይናንስ ‘ዩ፣ ንመካየዲ ስራሕ ዝባሃል ገንዘብ የለን፤ ኣይተጀመረን፤ መብዛሕትኦም ዕዳ ዝነበሮም እንትኾን ብምኽንያት ኹናት ድማ ዘይሰርሑ ብምኳኖም ዕደኦም ኣይመለሱን፡፡

ዕደኦም እንድሕር ዘይመሊሶም ድማ ተወሳኺ ዕዳ ንምውሳድ ‘ውን እናተፀገሙ ስለዝኾነ ‘ዩ፡፡ እቲ ካልኣይ ፀገም ሕፅረት ኣቕርቦት ጥረ ኣቅሓ ‘ዩ፤ ገሊኦም ካብ ወፃኢ ‘ዮም ዝመፁ ‘ዮም፡፡ ገሊኦም ድማ ኣብ ማእኸል ዓዲ ዝረከቡ ‘ዮም፡፡ ካብ ወፃኢ ኾነ ካብ ማእኸል ዓዲ ኣቅሓ ንምቕራብ ‘ውን ስራሕ ንምክያድ ፀገም ፋይናንስ ኣሎ ‘ዩ፡፡

ስለዚ ከም ክልል ኣቕርቦት ጥረ ኣቅሓ ፈተና ‘ዩ ዘሎ፤ እዚ ንምፍታሕ ድማ እንታይ ‘ዩ ዘድልዮም እናበልና ናይ ምፍላይ ስራሕ እናሰራሕና ኢና። ኹሎም ማኑፋክቸሪንግ ናብ ስራሕ ንምእታው ሕፅረት ጥረ ኣቅሓ ዘለዎም ክንደይ ‘ዮም? እንታይ ‘ዮም ዝደልዩ ዝብል ናይ ምፍላይ ስራሕ እናሰራሕና ኢና፡፡

ሳልሳይ ዕንቅፋት ኮይኑ ዘሎ ፀገም ትራንስፎርመር ‘ዩ፤ እቶም ዝነበሩ ትራንስፎርመራት ተቓፂሎምን ተዘሪፎምን ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ስለ ዝኾኑ እዚኦም ንምትካእ ትራንስፎርመር የድሊ ‘ዩ፡፡ ንኣብነት ንእከለ ንእከለ ኢልና ተዘይፈለናዮም ‘ውን ልዕሊ ኽልተ ሽሕ ዝኣክል ትራንስፎርመር ኣብ ትግራይ የድሊ ‘ዩ።

ነቲ ሕብረተሰብ ‘ውን ግልጋሎት መብራህቲ ዝህቡ ሓዊስኻ ማለት ‘ዩ፡፡ ካብዚ ንማኑፋክቸሪንግ ስራሕ ክንደይ ‘ዩ ዝኾን ዝብል ስራሕ እናፈለና ኢና ንርከብ። ምኽንያቱ ብበዝሒ ዝወስድዎ ሓይሊ እዞም ኢንዱስትሪታት ስለዝኾኑ።

ስለዚ ጉዳይ ማኑፋክቸሪንግ ኢንዱስትሪታት ናብ ስራሕ ንምእታው ዓብይ ፀገም ኮይንና ስለዘሎ፣ መስራቤታት ፌደራል፣ ካብ መዳርግቲ ኣካላት ሓገዝ እንድሕር ዘይተገይርሎም ኣብ ፀገም ስለዝወድቁ ዓብይ ምርብራብ የድሊ ‘ዩ፡፡

ኣብዚ ሰሙን እግዚብሽነ ክነካይድ ሓሳብ ኣሎ እዚ እግዚቢሽን ርክብ ህዝቢ ንዝህቢ ንምጥንኻር፣ ካብ ማእኸል ዓዲ ዝመፁ ምህርቶም ሒዞም ብምምፃእ ምህርቶም ዘፋልጥሉን ዕዳጋ ዝረኽብሉን ‘ዩ ኢልና ንሓስብ ፡፡

ትፕኢ፡- ዓብይ ሕፅረት ፋይናንስ ከምዘሎ ገሊፆም ነይሮም እሞ እዚ ፀገም ብምንታይ መገዲ ንምፍታሕ ኢኹም ሓሲብኹም ?

ኣይተ ማሓሪ፡- እዚ ንምፍታሕ ናብ ቢሮ ቀዳማይ ሚኒስተር ‘ውን ደብዳቤ ፅሒፍና ኢና፤ ንፋይናስ ፅሒፍና ኢና፤ ናብ ብሄራዊ ባንኪ ‘ውን ፅሒፍና ኢና፤ ዘሎ ፀገም ንክፈልጥዎ ገይርና ኢና። ምኽንያቱ ካብ ዝበፅሐ ጉድኣት ኣንፃር ብናትና ዓቕሚ ዝፍታሕ ነገር ኣይኮነን፡፡

ሐዚ እንታይ እናሓሰብና ኢና ኣብ ክልል ዝርከቡ ትካላት ፋይናንስ ዘሎ ፀገም ከመይ ገይርና ብምስትኽኻል ማፋክቸሪንግ ኢንዱስትር ናብ ስራሕ ንክኣትዉ እንገብሮ ዝብል ሓደ መድረክ ከም ክልል ንምፍጣር እናሓሰብና ኢና ዘለና፡፡

ትፕኢ ፡- ኣብዚ ሐዚ እዋን ኢንድስትሪታት ስራሕ ንምጅማር ኩነታት ሰላም እቲ ክልል ኣብ ምንታይ ኩነታት ይርከብ?

ኣይተ መሓሪ፡- ኩነታት ፀጥታ ምንም ፀገም የለን። ብመንፅር ሓገዝ እንበር ብመንፅር ሰላም ምንም ፀገም የለን፡፡ ካብ ሕገ መንግስቲ መሰረት ናብ ቦታኦም ዘይተመለሱ ቦታታት ክህልዉ ይኽእሉ ‘ዮም፤ ብካልኦት ሓይልታት ዝተትሓዙ ከባቢታት ኣለዉ ‘ዮም፤ ግና ኣብዝሓ ቦታታት ሐዚ ብዘሎ ኩነታት ምንም ዘፀግም ነገር የለን።

ኣብ ትሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ‘ውን ስለ ዘለዉ ምንም ዘፀግም ነገር የለን ኢንቨስት ንምግባር ‘ውን እናመፁ ‘ዮም፡፡ ንኣብነት ኢታካ ዝባሃል ኩባንያ ጣልያን ኣብዚ ሐዚ ሰዓት ስራሕ ጀሚሩ ‘ዩ፤ ስለዚ ኤክስፖርት ምግባር ክጅምር ‘ዩ ማለት ‘ዩ፡፡

ኢንዱስትሪ ፓርክ ‘ውን ንምምፃእ ኣብ ምፅዓር ‘ዮም ዘለዉ፡፡ ስለዚ ኹሎም ንክመፁ እናመቻቸና ኢና ዘለና፡፡ እቲ ዓብዪ ነገር ኣብቲ ክልል ዘለዉ መጀመርታ ስራሕ ክጅምሩ ኣለዎም፡፡ ካብ ወፃኢ ዝመፁ መልዕዓል ዝረኽቡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ መጀመርታ ብዝተረጋገዐ መልክዑ ስራሕ ክሰርሕ ከሎ ‘ዩ።

ስለዚ እዚ ፀገም ንምፍታሕ ሓገዝ እንድሕር ተረኺቡ ዓብዪ ናይ ፍታሕ ቁልፊ ተረኺቡ ማለት ‘ዩ። እቶም ጠጠው ኢሎም ዘለዉ ኢንዱስትሪታት ናብ ስራሕ እንድሕር ኣትዮም ካልኦት ‘ውን እናተኸተሉ ‘ዮም ዝመፁ፡፡

ስለዚ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ዝተጠናኸረ ሓገዝ እንድሕር ገይርና ካብ ወፃኢ ዝመፁ ‘ውን በሪ ዝኸፍት ‘ዩ ዝኸውን። ብዝተረፈ ግና ጉዳይ ሰላም ዘስግእ ኣይኮነን። ምናልባት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝላዓሉ ሓቂ ዘይኾኑ ሓበሬታት ክህልዉ ይኽእሉ ‘ዮም ግና ብተግባር ምንም ነገር የለን፤ ሰላም ‘ዩ ዘሎ።

ትፕኢ፡- ቅድሚ ሐዚ ኣብ ስራሕ ዝነበሩ ማኑፋክቸሪንግ ኢንዱስትሪታት ክንደይ ‘ዮም?

ኣይተ መሓሪ፡- ቅድሚ ሐዚ ዝነበሩ ኸባቢ 6 ሽሕን 300 ነይሮም፤ እዚኦም ማእኸላይን ኣነእሽተይን ‘ዮም ዓበይቲ ከይሓወሰ፤ ክሳብ ሚኢቲ ዝበፅሑ ድማ ዓበይቲ ዝባሃሉ ነይሮም፡፡ ኣብዚ ሰዓት እዚ ስራሕ እናሰርሑ ዘለዉ ዉሑዳት ብኣፃብዕቲ ዝቑፀሩ ‘ዮም፡፡

እዚኦም ድማ ጥረ ኣቅሓ እንትረኽቡ ምስራሕ ይጅምሩ እንትስእኑ ድማ ዝዕፀዉ ‘ዮም። እዚኦም ኢንዱስትሪ ልዕሊ ሚኢትን ዒስራን ሽሕ ሰራሕተኛታት ነይርዎም። ኣብዚ ሐዚ ልዕሊ ሚኢትን ዓሰርተን ሽሕ ዝኾኑ ሰራሕተኛታት ካብ ስራሕ ወፃኢ ኾይኖም ‘ዮም፡፡

እዚ ንምስትኽኻል ብሓፈሻ ሚኒስተር ኢንዱስትሪ፤ ተፀዋዕቲ ኣካላት፣ መዳርግቲ ኣካላትን ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ሰላም ብዝፈጠሮ ኣጋጣሚ መሰረት ብምግባር ንዝዓነዉ ኢንዱስትሪታት ክድግፉ ይግባእ፤ እዚ ድጋፍ ንምግባር ድማ ናብቲ ክልል ብምምፃእ ኣብቲ ክልል ዘሎ ኩነታት ብምፅናዕ፣ ብምትሕግጋዝ፣ ሓበሬታ ብምውሳድ ሓገዝ ንክገብሩ ንደሊ ኢና።

ሕዚ እቲ ዘሎ ሰራሕተኛ ኣብ እምኒ ‘ዩ ኮፍ ኢሉ እናሰርሐ ዘሎ፤ ወንበር የለን፤ ጠረጴዛ የለን፤ ሪፖርት ንምፅሓፍ ወረቀት ‘ውን የለን፤ ስለዚ እቲ ፀገም ክሳብ እዚ ዝበፅሐ ስለዝኾነ ኹላትና ተደጋጊፍና ትኹረት ክንገብረሉ ይግባእ፡፡

ትፕኢ፡- ንዝነበረና ፃንሒት የቐንየለይ።

ኣይተ መሓሪ፡- ኣነ ‘ውን የቐንየለይ፡፡

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 6 ሕዳር 2016 ዓ.ም

Recommended For You