ህዝቢ ትግራይ ሰላሙ እናሓለወ ኣብ ዳግማይ ህንፀት ክረባረብ ይግባእ

 ብዘይ ሰላም ልምዓትን ዕቤትን ወይ ራህዋን ቅሳነትን ዝበሃል ነገር ዝሕሰብ ኣይኮነን፡፡ ሰላም መማረፂ ዘይብሉ መሰረት ህላወ ናይ ወዲ ሰብ ‘ዩ። ቅድሚ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምንታይ ኩነታት ከምዝነበረ ኩሉ ዝፈልጦ ጉዳይ ‘ዩ፡፡

ብዘይ ሰላም ብዛዕባ ናይ ፅባሕ ዕብየትን ምዕባለን ይቅረ ብዛዕባ ህላወ ዘተሓሳስብ ‘ዩ፡፡ ናይ ፅባሕ ህላወ ይኹን ዕቤት ክትሓስብ እንተኾይንካ መጀመርታ ሰላም ክተረጋግፅ ኣለካ፡፡ ቅድሚ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ዝነበረ ኩነታት እኹል ትምህርትን ምስክርነትን ‘ዩ። ሰላም እንተዘይ ሃልዩ ውፅኢቱ ጥምየት፣ ሞት፣ ስደት፣ ምፍንቃልን ድኽነትን ‘ዩ፡፡

ህዝቢ ትግራይ ቅድሚ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ኣብ ከቢድ መከራን ስቃን ነይሩ ጥራሕ እንተይኮነ ሕዚ ‘ውን እቲ ኩናት ዝገደፎ በሰላ ኣሎ ‘ዩ፡፡ ነዚ በሰላ ንምሕካም እቲ ዝተረኸበ ሰላም ክጥንክር ምስራሕ የድሊ፡፡

መጀመርታ ሰላም እንተዘይሰፊኑ ብዛዕባ ሰላምን ልምዓትን ዝሕሰብ ኣይኮነን፡፡ ብሰላም ክትኣቱን ክትወፅእን እትኽእል ከምኡ ‘ውን ናብ ልምዓት ክትኣቱ እትኽእል ሰላም እንትህሉ ‘ዩ፡፡ ብዛዕባ ናይ ፅባሕ ዕብየትን ምዕባለን ክትሓስብ እትኽእል ሰላም እንትረጋገፅ እምበር ኣብ ውሽጢ ኩናት ኮይንካ ዝከኣል ኣይኮነን።

ሰላም እንተሃልዩ ብዛዕባ ናይ ፅባሕ ልምዓት ከትሓስብ እትኽእል ኢኻ፤ ኣቓልቦና ናብ ሰላምን ልምዓትን ክኸውን ይኽእል ‘ዩ፡፡ መጀመርታ ሰላም እንተዘይሰፊኑ ዳግመ ህንፀት ክረጋገፅ ኣይኽእልን፡፡ ከምኡ ‘ውን ካሊእ ተወሳኺ ልምዓት ምክንዋን ኣይካኣልን፡፡

ኣብ ኩናትን ጎንፅን ኮይንካ ልምዓት ክተረጋግፅ ዝሕሰብ ኣይኮነን፤ ኣይትኽእልን፡፡ ሰላም ክሰፍን ንኹሉ ነገር ብትዕግስትን ጥበብን ብምምልካት ናብ ልምዓት ምእታው የድሊ፡፡ ልምዓት መሰረት ህይወት ወዲሰብ ‘ዩ። ብፍላይ ኩልና ተጋሩ ሳለም ኣፅንዒና ብምሓዝ ኣብ ዳግመ ሕውየት ከንረባረብ ኣለና፡፡

ልዕሊ ኩሉ ንሰላም ዓብዪ ዋጋ ብምሃብ በቲ ኩናት ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት መሊስና ብምህናፅ ህዝቢ ከንክሕስ ይግባእ፡፡ ምትሕግጋዝን ምትሕብባርን ኣዝዩ ኣገዳሲ ጉዳይ ‘ዩ።

እቲ ዝነበረ ኩናት ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ብፍላይ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ገዚፍ ማሕበራውን ንዋታውን ክሳራ ዓስዒቡ ‘ዩ፡፡ ብምዃኑ ናብ ቁጠባዊ ቅልውላው ዝተሳጠሐ ህዝቢ ቐሊል ዝበሃል ኣይኮነን። እዚ ከይድገም ጥንቃቐ የድሊ፡፡ ድሕሪ ሕዚ ብዛዕባ ሰላምን ልምዓትን ጥራሕ ምሕሳብ የድሊ፡፡ ተመዛበልቲ ዜጋታት ናብ ናይ ቀደም ማሕበራዊ ናብረኦም ክምለሱ ሰላም የድሊ፡፡

እተን ዝዓነዋ መሰረተ ልምዓታት ናብ ንቡር ንኽምለሳ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ሓቢርና ከንሰርሕ ይግባእ። መንግስቲ ፌዴራልን ክልላትን ብዙሕ ምትሕብባር ይገብሩ ኣለዉ ‘ዮም፡፡ እዚ ተጣናኺሩ ክቕፅል ህዝቢ ትግራይ ምስ መራሕቱ ኢድን ጓንትን ኮይኑ ኣብ ሰላምን ምልዓትን ከድህብ ይግባእ፡፡

ዳግመ ሕውየትን ካልኦት ልምዓታትን ክረጋገፁ እንተኾይኖም ናይ ኩሉ ሰብ ፃዕሪ ይሓትት። ኩሉ ህዝቢ እቲ ክልል ማለት ምሁራን፣ ፖለቲከኛታት፣ ዲያስፖራትን ኣብዚ ጉዳይ እዚ ዓብዪ ግደ ክፃወቱ ይግባእ። ምእንተ ሰላምን ልምዓትን ምሕሳብ የድሊ፡፡ ኩሉ ሰብ በቲ ኩናት ዝዓነዋ ትካላት ዳግም ንምህናፅ ክተግህ ኣለዎ፡፡ ዝተፈላለዩ መሻርኽቲ ኣካላት ‘ውን ኣብ ዳግመ ህንፀት ትካላት ትግራይ ዓቅሞም ብዝፈቀዶ ክሳተፉ ምእንቲ ተዋዲድካ ምስራሕ የድሊ፡፡

ወጋሕታ 6 ሕዳር 2016 ዓ.ም

Recommended For You