
ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከቢድ ፅዕንቶ ድሕሪ ኵናት ዘሎ ህዝቢ’ዩ። ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ፀገም ኣለዎ። ቅድሚ ሐዚ ብዝተኻየዱ ኹናታት ካብ ሓደ ስድራ ብዙሕ ሰብ ዝተጎድኦ ማሕበረሰብ ዘለዎ’ዩ። ስለዚ ሐዚ ኣብ ትግራይ ዘሎ ፖለቲካዊ ወጥሪን ደበና ኹናት ዳግማይ ንቲ ህዝቢ ናብ ከቢድ ፀገም ከእትዎ ዝኽእል ምዃኑ ምርዳእ ይግባእ፡፡
ኣብ ትግራይ ኾነ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ምህላው ንቡር’ዩ። ስለዚ ትግራዋይ ኣብ ዝሃለየ የሃሊ ዘየረዳድእዎ ኣጀንዳታት ንጎኒ ብምፅናሕ ኣብ ረብሓ ህዝቢን ኣብ ዘረዳዳኡ ጉዳያትን፤ ንትግራይን ህዝቢ ትግራይን ኣብ ዝረብሑን ስራሕትን ጉዳያትን ብሰላማዊ መገዲ ክሰርሕ ይግባእ። በዚ ድማ ሐዚ ኣብ ትግራይ ኣንፀላሊዮ ዘሎ ደመና ኵናት ደው ምባል የድሊ።
እዚ ኣንፀላልዩ ዘሎ ደመና ኹናት ደው ክብል እንተዘይክኢሉ ኣብ ትግራይ ከቢድ ዕንወትን ጥፍኣትን ከምዝፈጥር ርዱእ’ዩ። ትግራይ ዳግማይ ናብ ኵናት እንተኣትያ ብጣዕሚ ከቢድ ከምዝኸውን’ወን ምፍላጥ የድሊ፡፡ ስለዚ ንዚ ዘትርፍ ስራሕቲ ምስራሕ ካብ ህዝብን መንእሰይን፤ ሊህቅን ፖለቲከኛ ትግራይን ትፅቢት ይግበር።
ህዝቢ ትግራይ ባህጉን ድሌቱን ሰላምን ልምዓት’ዩ። ብሰላምን ልምዓትን ዝደራደር ህዝቢ’ውን ኣይኮነን። ካብ ኣዕናዋይ ኹናት ንክናገፍ ዕድል ዝፈጠረሉ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ ክፈርስ’ውን ኣይደልን፡፡ እቲ ስምምዕነት ንህዝቢ ትግራይ ካብ ኵናት ኣውፂኡ ብዛዕባ ሰላምን ልምዓትን ክሓስብ ዝገበረ ስለዝኾነ ድሌት ህዝቢ ሙሉእ ብሙሉእ ንክትግበር ‘ዩ፡፡ ስለዚ ሐዚ’ውን ንዚ ስምምዕነት ተገዛኢ ብምዃን ሕግን ሕገመንግስትን ሃገርን ብምኽባር ዘላቒ ሰላም ኣብ ትግራይ ንክህሉ ምስራሕ ይግባእ፡፡
ቅድሚ ሐዚ ዝተኻደ ኹናት ስዒቡ ኣብ ህዝቢ ትግራይን ክልል ትግራይ ዝበፅሐ ኪሳራ ክሳብ ሕዚ በሰላኡ ኣሎ፤ ብሰንኪ ዓንቃፋይ ከይዲ ነበር መሪሕነት ጉጅለ ህወሓትን ሓገዝቱን ሐዚ’ውን ደበና ኹናት ኣንፀላልዩ ኣሎ፡፡ ስለዚ ኣንፃር እዚ ንውልቃዊን ጉጅሌኣዊ ረብሓ ክብል ብሽም ህዝቢ ናብ ኹናት ዝሕምበብ ዘሎ ሓይሊ ጠጠው ብምባልን ብሰላማዊ መገዲ ብምቅላስን ኣብ ትግራይን ከባቢኡን ጎንፅን ኹናትን ከይህሉ ምግባር ይግባእ፡፡
ሰላም ትግራይ ሰላም ኢትዮጵያ’ዩ፡፡ሰላም ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ’ውን’ዩ። ስለዝኾነ ኣብ ትግራይ ኣንፀላልዩ ዘሎ ደበና ጎንፂን ኹናትን ጠጠው ክብል ይግባእ። ኣብ ትግራይ ብተደጋጋሚ ብዘጋጠመ ኵናት ህዝቢ ትግራይ ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካዊን ዝጉዳእ ምዃኑ ሊሂቅን ፖለቲከኛታት ትግራይ ብዝግባእ ክርድእዎ ግድን ይኸውን፡፡
ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ህዝቢ ትግራይ ድማ ብፍላይ ከምኡ’ውን ዓለምለኸ ማሕበረሰብ እዚ ሐዚ ኣንፀላልዩ ዘሎ ደበና ጎንፅን ኹናትን ብግልፂ ክፈልጥዎን ክኹንንዎን ግድን’ዩ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ንናይ ውሕዳት ውልቐ ሰባት ስልጣንን ረብሓን ንምሕላው ክብል ምስ ዝኾነ ሓይሊ ናብ ኩናት ክኣትው ኣይግባእን፡፡
ስለዚ ብቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ዝተሰረዘ ውሑዳት ነበር መሪሕነት ጉጅለ ህወሓትን ሰዓብቶምን ንህዝቢ ትግራይ ናብ ጎንፅን ኹናትን ንኸየእትዎ ምቅላስ ይግባእ። ኣብዚ ሐዚ እዋን ኮነ ንሓዋሩ ህዝቢ ትግራይ ኹናት ኣይደልይን፡፡ ኣይግብኦን፡፡
ባህግን ድሌትን ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ቅሳነትን’ምበር ህወከት፣ ዕግርግርን ጎንፅን ኣይኮነን። ዝተረጋገዐ ናብራ ‘ምበር ስግኣትን ዘይምርግጋዕ ኣይኮነን። ስለዚ ንህዝቢ ትግራይ ጠጠው ዝበልኩ ‘የ ዝብል ዝኾነ ፖለቲካዊ ውዳበ ወይ ሓይሊ ህዝቢ ትግራይ ሰላም ክኸውን ክሰርሕ ይግባእ ‘ምበር ንውልቃዊ ስልጣኑን ረብሓኡን ክብል ህዝቢ ናብ ስግኣትን ኹናትን ክመርሕ ኣይግብኦን። ገበን’ውን’ዩ፡፡ ካብቲ ክልል ሓሊፉ ጎረባብቲ ክልላት ኮነ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዝህልዎ ፅልዋ ከቢድ’ዩ።
ዝኾነ ሓይሊ ምስ መንግስቲ ፈዴራል ኮነ ካልኦት ሓይልታት ዘለዎ ኣፈላላያት ብሕግን ሕገ መንግስቲ ሃገርን ብዴሞክራሲያዊ መገድን ብምርድዳእ ንምፍታሕ ድልው ክኸውን ኣለዎ። ኣፈላላያት ሓሳብ ከም ኣፈላላይ ሓሳብ ብምውሳድ ሕጊ ሃገርን ውሳነ ህገ መንግስታዊ ትካላት ኣኺቢርካ ምስራሕ የድሊ።
እዚ መገዲ ብፍላይ ንህዝቢ ትግራይ ሰላምን ምርግጋዕን ዝፈጥር፤ ሐዚ ኣብ ትግራይ ተፈጥሩ ዘሎ ደበና ኹናት ዘትርፍ፤ ኣዴታት ካብ ጭንቀትን ራዕድን ኣላቒቑ ራህዋ ዘስፍን ‘ዩ፡፡ ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ሰላምን ቅሳነትን ስለዝግብኦ ኣብ ትግራይ ብዘሎ መሪሕነት ነበር ህወሓት ኣንፀላሊዩ ዘሎ ደበና ኹናት ንምቕንጣጥ ተግባራዊ ምላሽ የድሊ፤ ይግባእ’ውን፡፡ ምኽንያቱ ህዝቢ ትግራይ ናብ ዳግማይ ኹናት ክኣቱ የብሉን፤ ኣይግባእን፡፡
ወጋሕታ 21 ጉንበት 2017 ዓ.ም