ብሽም ህዝቢ እናመሓለ ንህዝቢ ዝጎድአ ጉጅለ

ህዝቢ ትግራይ ኣንፃር ብሄራዊን ደርባው ወፅዓ ምቅላስ ካብ ዝጅምር ነዊሕ እዋን ገይሩ ‘ዩ፡፡ኣብ ስርዓት ፊውዳል ኮይኑ’ውን ይቃለስ ነይሩ፡፡ነዚ ሓደ መርኣያ ቓልሲ ቐዳማይ ወያነ’ዩ፡፡እዚ ቓልሲ ቕኑዕ ዕላማ ዋላ ይሃልዎ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ከይተዓወተ ብምትራፉ እቲ ደርባዊን ብሄራዊን ጭቆና ድማ ቐፅሉ፡፡

ኣብ 1966 ዓ.ም ፊውዳላዊ ስርዓት ብናዕቢ ህዝቢ ኢትዮጵያ እንትእለ ሓዱሽን ሰብኣዊን ዴሞክራሲያዊን መሰላት ዘኽብር ስርዓት ንክህነፅ ትፅቢት ‘ኳ እንተነበረ ዝገደደ ወታደራዊ ስርዓት ናብ ስልጣን ደይቡ መከራ ህዝቢ ኢትዮጵያ ከምኡ ‘ውን ህዝቢ ትግራይ ቐፂሉ ‘ዩ፡፡ ደርጊ ናብ ስልጣን ምስመፅአ ከም ሃገር ይኹን ከም ትግራይ ብርክት ዝበሉ ፖለቲካዊ ፀቕጥታት ነይሮም ‘ዮም። ንዕኡ ንምእላይ ብዙሕ ፃዕርታት ይግበር ነይሩ፡፡ኮይኑ ግና ብቐሊሉ ክእለ ብዘይ ምኽኣሉ ህዝብታት ኢትዮጵያ ኣንፃር እቲ ስርዓት ቃልስታት ጀሚሮም፣ ህዝቢ ትግራይ’ውን ብረታዊ ቓልሲ ጀሚሩ፡፡

ደርጊ ኣፈላላይ ሓሳብ ዴሞክራሲያዊ ብዝኾነ መንገዲ ዘተኣናግድ ስለ ዘይነበረ ኣብቲ እዋን ንሱ ተዓጢቕካን ንህዝቢ ወዲብካ ምቕላስ ተዘይኮይኑ ካሊእ መማረፂ ኣይነበረን። ደርጊ ‹‹ኢትዮጵያ ትቕደም›› ዝብል ኣዋጅ ብምእዋጅ ነቲ ኣዋጅ ንሱ ዝቃወም ወይ ዝፃረር ከም ፀላኢ እናተራእየ ስጉምቲ ይውሰዶ ስለዝነበረ ዕጥቃዊ ቓልሲ ግድን ነይሩ፡፡ህዝቢ ትግራይ ቓልሱ ብምጥንኻር ን17 ዓመታት ልዕሊ 60 ሺሕ ዝኾኑ መላምል ቐያሕትን ፀለምትን ደቒ ሰዊኡ፤ብኣማኢት ኣሽሓት ድማ ጉድኣት ኣካል በፂሒዎም። መስዋእትነት ከፊሉ ንስርዓት ደርጊ ምስ ካልኦት ብሄራትን ብሄረሰባትን ኮይኑ ካብ ስልጣን ብምውጋድ ሓዲሽ ስርዓት ተተኺሉ፡፡

ናይ መወዳእታ ዕላማ እቲ ቓልሲ ኣብ ሃገርን ክልልን ዴሞክራሲያዊ ስርዓት በምትካል ህዝቢ ካብ ድኽነት ምንጋፍ ‘ዩ፡፡ብፍላይ ድማ ህዝቢ ትግራይ ካብ ደርባዊን ብሄራዊን ወፅዓ ብምንጋፍ ካብ ድኽነት ንክወፅእ ምግባር ‘ዩ፡፡ኮይኑ ግን ሐዚ ‘ውን ድሕሪ 50 ዓመታት ብሚሊዮን ዝቑፀር ህዝቢ ትግራይ ኣብ ፀገም ይርከብ፤በሊዑ ምሕዳሩ እርግፀኛ ዘይኮነ፣መሰሉ ዘይተሓለውን ብሰንኪ ሕድሪ ሰማእታት ዝጠለመን ብሽም ህዝቢ ንውልቀን ጉጅሌኣዊ ረብሓ ስልጣን ዓምሪሩ ብዝሓዘ ሓይሊ ህዝቢ ትግራይ ሓሳረ መከራኡ ይርኢ ኣሎ፡፡ኣብ ተደጋጋሚ ኹናት ክኣቱ ብምግባር ኣብ ከቢድ ፀገም ንክኣትው ገይርዎ ኣሎ፡፡ሐዚ ‘ወን ናብ ካሊእ ኹናት ከእትዎ ህጋዊ መገዲ ብዘይምኽታል ኣብ ስግኣት ኣእቲይዎ ይርከብ፡፡

እዚ ጉጅለ ድሕረትን ዓሌታዊን ብመዳይ ዴሞክራሲ ‘ውን ኣብ ትግራይ ተነሓናሒ ውድብን ሓሳብን ዘይተኣናገድ ስርዓት ንክነብር ብምግባር ከም ሃገር ኣብ ስልጣን ካብ ዝነበረሉ ዓመታት ጀሚሩ ክሳብ ሐዚ ንህዝቢ ብፀረ ዴሞክራሲያዊ መገዲ ይገዝእ ኣሎ። ቅኑዕ ዕላማ ዝሓዘ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ብጉጅሌዊን ዓሌትን ስልጣን ብዝበሓተ ሓይሊ ድሕረት ብዝተኸተሉ ዝተጋገየ ኣንፈትን መሪሒነት ብተደጋጋሚ ተሓንሺሹ’ዩ፡፡እዚ ሓይሊ ዕድላት ህዝቢ ትግራይ ብተደጋጋሚ ብዝተጋገየ መገዲ ናብ ኹናት ብምእታው ዝሓንሸሸ’ዩ፡፡ከም ውፂኢት ድማ ብሚሊዮን ዝቑፀር ህዝቢ ትግራይ ኣብ ድኽነት ክነብር ዝገበረ’ዩ፡፡ብሽም ህዝቢ እናመሓለ ንውልቀ ረብሓኡ ዝሰርሕ ጉጅለ’ዩ፡፡

እዚ ጉጅለ ንባዕሉ ወኪል ህዝቢ ገይሩ፤ ህዝቢ ክሰግደሉ ይግብር፤ ህዝቢ ዝኾነ ናይ ተቓውሞ ምልክት ከየልዕል ይዕፍን። ኣብ ኣጀንዳ ስርቂ ብደም ተጠልቕሊቑ እናሃለወ ነብሱ ሓራ ከውፅእ ዝፍትነሉ ኩነታት ብህዝቢ እናመሓለ፤ፀረ ህዝቢ ተግባራት እናፈፀመ ‘ዩ። ዜጋታት ሓሳቦም ከይገልፁን ከይነቕፉን ንሚድያታት ምቑፅፃር ጥራሕ እንተይኮነስ፤ ንኹሉ መስርሕ ኣተሓሳስባ ተቖፃፂሩ ንባዕሉ ጥራሕ ዝሰምዕ ኣመራርሓ ‘ዩ። ስለዝኾነ ንህዝቢ ኣብ ተደጋጋሚ ፀገማት እናእተወ ዕድመ ስልጣኑ ክነውሕ ዝገብር’ዩ።

እዚ ብሽም ህዝቢ ትግራይ እናምሓለ ኣንፃር ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ዝሰርሕ ጉጅለ ንህዝቢ ትግራይን ትግራይ ተወሳኺ ዓውደ ኲናት ከይገብሮም መንእሰይ ትግራይ ዓገብ ክብሎ ኣለዎ፡፡

ወጋሕታ 14 ጉንበት 2017 ዓ.ም

Recommended For You