ሙዚቃ ሓደ ካብ ዘይንፀል ኣካል ሂይወትና ‘ዩ እንተተብሃለ ዝተጋነነ ኣይከውንን። ግጥሚ ህርመትን መሳርሒታት ድምፂን ብምውህሃድ ክሳብ ኣገዳሲ ኣካል ናይ ሓደ ማሕበረሰብ መግልፂ ማንነት ‘ውን ‘ዩ።
ሙዚቃ ግዜን ቦታን ከይገደቦ ኣብ ገዛ፣ ኣብ ጉዕዞን ኣብ ስራሕን ‘ውን ከይትረፈ ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋንን ቦታን ኮይንና ኣዳሚፅና ካብ እንዘናገዐሎምን እንህደሰሎምን ብሰሓባይን መሳጣይን ድምፂ ተዋዲዱ ዝተፈላለየ ሓሳባትን መልእኽታትን ዘሕልፍ ‘ውን ‘ዩ።
ንዝተፈላለዩ ማሕበራዊ መልእኽትታት ሱር ክሰድድን ኣብ ብዙሓት ሰባት ተቐባልነት ንክህልዎን ዝለዓለ ግደ ካብ ዝፃወት ‘ዩ። ሙዚቃ ሰሚዕና ወይ ኣዳሚፅና ጥራሕ እንሓልፎ ዓይነት ድምፂ ዘይኮነስ ኣብ ውሽጥና ዝተርፍን ብኡ ልክዕ ድማ ነቲ ኣርቲስት ልዑል ፍትወትን ኣክብሮትን ንክህልወና ዝገብር ‘ዩ።
ኣብዚ ፅሑፍ እነልእሎ ዛዕባ እንታይነት ሙዚቃ ንምትንታን ዘይኮነስ ብዛዕባ ግዘ ከይገደቦም ኣብ ልቢ ኣዳመፅቲ ተሓቲሞም ዝነብሩ ሙዚቃታት ገዲፎምልና ካብ ዝኸዱ ኣርቲስታት ሓደ ዝኾነ ንጉስ ሙዚቃ ትግርኛ ኣርቲስት ዶ /ር ኪሮስ ኣለማዮ ዝኽሪ 30 ዓመታት ብምምልካት ‘ዩ።
ከምዚ ወርሒ ቅድሚ 30 ዓመታት ጥቅምቲ 1986 ዓ/ም ዝዓረፍሉ ምኽንያት ብምግባር ኣብዚ ሰሙን ብዝተፈላለዩ ሚድያታትን ማሕበራዊ ሚድያን እናተገልፀ ቀንዩ ‘ዩ። ካብ መፅሓፍ ኪሮስ ኣለማዮ ጠቂሱ ደራሲ ሰሎምን ገብረ እግዚኣብሄር ከም ዝፀሓፎ፣ ኪሮስ 19 ሓምለ 1944 ዓ.ም. ተወሊዱ፡፡ ቆልዓ ኣባኪሮስ (ስእለት) ‘ዩ፡፡
ፍርቂ ፀጉሩ እናተላፀየ፣ ፍርቂ ፀጉሩ እናተገደፈሉ… ናይ ሓደ ብዙሕ ኮይኑ ዓበየ። ልክዕ ከም’ቲ ብልምዲ ዓድና፣ ቆልዓ ኣባ-ኪሮስ ሓንቂቑ፤ ኣጥፊእኻ ተባሂሉ ከይተወቐዐ፣ ዝሓተቶ ኩሉ እናተመለሰሉ ዝዓብየሉ ኣተዓባብያ ዓብዩ። ኣብ ‹ሳዕሲዕ ፃዕዳ እምባ› ወረዳ ‹ሰንደዴ› ጣቢያ ‹እንዳ ወይዘሮ› ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ ግዜ ህፃንነቱን ቁልዕነቱን ኣሕሊፉ።
ኪሮስ ዓለማየሁ ኣብ ገዝኡ ፈለገ-ሕይወት(ትምህርቲ ቤተ ክህነት) ተማሂሩ ‘ዩ፡፡ ዘመናዊ ትምህርት ዝጀመረ ግና ኣብ እታ ናይ ብቀደም ኣፀዋውዓ ‹ስንቃጣ› ብ ሎሚ ‹ከተማ ፍረወይኒ› ኣብ ትበሃል ከተማ ‘ዩ ዝጀመረ:: ዝተፈላለየ መሳርሒ ሙዚቃ ከም ክራርን ጭራን ሓዊሱ ካልኦት ይፃወት ዝነበረ ኪሮስ ፈለማ ምስ ህዝቢ ዘላለየቶ ካሴት
“ኣንጎዓይ ፍስስ”
“ውነይ ክምስ፤ ኣንጉዐይ ፍስስ
ልሳነይ ልጉም፤ ስነይ ክምስ”
ዝትብል ኮይና መብዛሕተኦም ዜማታት ኪሮስ ኣብ ዝኾነ ሓቃዊ ዛንታ ተደሪኾም ከምዝተሰርሑ ‘ዩ ዝእመን።
ኪሮስ ኣብ ዘመኑ ካብ ዝነበሩ ደረፍቲ ዝፈልዮ ሓደ ነባር ወረዳታት ትግራይ ብእርይ ቁፅር እንትፅወዐን ‘ዩ። ካብ ወልቃይት ጀሚሩ ክሳብ ኢሮብ ሓንቲ ከየትረፈ ኣዚሙለን።
ብላዘአን ድማ ደሪፉለን።
“ሰላም ዓዲ ገብሩ ቆራሮ
ዓዲ ነብሪ ዓዲ ዳዕሮ
ሰለኽለኻ ምስ ሸራሮ፤
ዓዲ ‘ውዓለ ምስ ባድመ
ዓዲ ሃገራይ . .
ንስኻትክን ዕባይ ትግራይ”
ኪሮስ፣ ንመላእ ትግራይ፣ ከም ‘ሽላ ሰማይ’ እናዛወነ፤ ካብ ሽረ ጀሚሩ ብኣክሱም ኣቢሉ በቲ ዘይምኖ ላዝኡ
ንኹለን ይኾለን፤ ይጥብረን።
“ኣክሱም ዓደይ ውቕሮ ማራይ
ዛና ዓዴት ማይጨው ታሕታይ
ናዕዴር ዓደይ መሬት ትግራይ”
ካብ ምዕራብ ትግራይ ብማእኸላይ ጥሒሱ ንዓጋመ፣ ብገርዓልታ ኣቢሉ ንእንደርታ ይጓዓዝ ‘ሞ ንደቡብ ትግራይ ራያ ዓዘቦ እንትሓልፍ፤ ንኹለን “ሰላም” ጥራሕ ኣይኮነን ዝብለን።
እንተስ ምስ ጅግንነት እንተስ ምስ ጥንታዊ ታሪኽ፤ እንተስ ምስ ካሊእ ክብርታትን ፀጋታትን እናዛመደ፣ እናዋዘየ፣ ይሳለመን። ንሱን ተልሂቱን፤ ምዕሩግ አከዳድንኡን ተሓዊስዎ፤ ማዕሪጉ የማዕርገን። ምሕዝነተን፣ መስተአንን ምግበንን እናልዐለ ‘ሰላም’ እናበለ ይሽልመን። ንገሊአን ዓዲ ፅራይ ንገሊአን ዓዲ ስረ፤ ንገሊአን ዓይኒ ትግራይ እናበለ ‘ዩ ዝገልፀን።
ኪሮስ ‘ስቕ ኢሉ ዝመፀሉ ኣይኮነን ዝገጥም’ ይብል ኣብ ትሕዝቶ ግጥምታቱ መፅናዕቲ ዘካየደ ሰለሞን ገብረ እግዚኣብሄር ፍሉይ መፅናዕትን፤ ኣድህቦን ከም ዝገብር ብምግላፅ ብሓፅሩ “ኪሮስ ኣብዘይ እዋኑ ዝነበረ ሰብ ‘ዩ ይብል።
“ኣይሞነኽዋን” ኣብ ዝብል ደርፉ
“ዓዲ ኩዕንቲ ተባሂልኪ
ዓዲ በለስ ተባሂልኪ
ዓዲ እምኒ ተባሂልኪ
እንተንኣኺ የኹረዐኪ
ትግራይ ዓደይ ኮሪዐልኪ” እናበለ 360 ድግሪ እናዞረ ነታ ዝፈትዋን ዝሕለቐላን ዓዱ ኣፍ ልቡ እናወቕዐ እቲ ‘እምኒ’ ዝተብሃለ ወርቂን እምነ በረድን ከምዝኾነ ኣዚሙ። ‘ዓደየ ሓውዜን’ እትብል ዝሕንዝሕ ተንብዕ ደርፉ፤ ‘ክራር ሃቢ’ እንትብል ድማ ‘ንትግራይ ካብዚ ንላዕሊ እንታይ ክበሃል ይካአል?’ ዘብል ‘ዩ። ‘ሎሚነየ’ ኣብ ዝብል ደርፉ ናውቲ ገዛ ሓደ ትግራዋይ እሪ ቁፅር ኣቢሉ ንሕፅይቱ ተማልአለይ ይብላ።
ኣብቲ እዋን ናይ ኪሮስ ካሴትያ ወፂኡ እንትበሃል ሰብ መስርዕ ሒዙ ይገዝኦ ከም ዝነበረ ገለ ሰባት ይዝክሩ። ኪሮስ ንህዝቢ ትግራይ ኣፀቢቑ ‘ዩ ዝፈልጦን ኣብ ባህሉ ኾነ ኣብ መንንቱ ፅኑዕ ነይሩ ይብሉ ገለ ዝፈልጥዎ ናይቲ ዓውዲ ሙሁራት።
ኣብርሃ ሓጎስ
ወጋሕታ 29 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም