ታሪኽ ዘቐፅል ምድላው ኪነት ህዝቢ ንህዝቢ

ብ 1977 ዓ.ም ኣብ ኢትዮጵያ ተራእዩ ዝነበረ ድርቂ መበገሲ ብምግባር “ህዝቢ ንህዝቢ” ብዝብል ዝተመስረተ ጉጅለ ኪነት ታሪኽ፣ ባህልን ሕብረብሄራውነትን ኢትዮጵያ ንዓለምለኸ ማሕበረሰብ ኣብ ምፍላጥ ልዑል ግደ ምፅዋቱ ይግለፅ ‘ዩ።

ናይቲ ጉጅለ ኪነት ዋና ዕላማ ዝነበረ ኣብቲ እዋን ኣብ ሰሜን ክፋል ሃገርና ተራእዩ ንዝነበረ ሕሱም ሓደጋ ጥምየት ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ንዝገበሮ ናይ ምድሓን ነፍሲ ሓገዝ ምስጋና ንምብፃሕን ኣወንታዊ ምስሊ ኢትዮጵያ ንምፍላጥን ‘ዩ ነይሩ።

እዚ ጉጅለ ሽም ካብ ዘለዎም ሰብ ሞያ ኪነ-ጥበብ ፍልጠት፣ ልምድን ክእለት ፈጠራን ተጠቂሙ፤ ብቁፅሪ ተሳተፍቲ፣ ብድምቀት ዓይነት ሕብረ-ትርኢትን ከምኡ ‘ውን ብክዳውንትን ብምድላው መድረኽን ኣብ ታሪኽ ኪነት ኢትዮጵያ ውሽጢ ዓብይ ቦታ ዝወሃቦ ‘ዩ።

ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ኣብ ዝተፈላላዩ ሃገራት ብዝሕተሙ ጋዜጣታት ንኣብነት ብእንግሊዝኛ፣ ጣሊያንኛ፣ ፈረንሳይኛ፣ ጀርመንኛና ብኻልኦት ቋንቋታትን ብዛዕባ እዚ ጉጅለ ኪነት ብስፍሓት ንክፅሓፍ ኣኽኢሉ ‘ዩ። በዚ መሰረት ‘ውን እቲ ጉጅለ ኪነት ብመንፅር ምፍላጥ ኢትዮጵያ ውፅኢታማ ስራሕ ምስራሑ ይሕበር።

ብተመሳሳሊ ሎሚ ‘ውን “ህዝቢ ንህዝቢ” ዝብል ጉጅለ ኪነት ብሚኒስቴር ባህልን ስፖርትን “ኪን-ኢትዮጵያ፤ ብስራት ብራኸ ኢትዮጵያ” ብዝብል ቴማ ንሃገራት ብሪክስ ፕላስ ምርኢታት ንምቕራብ ምድላዋት ብምግባር ነቲ ጉጅለ ልኡኽ ድማ መርሃ ግብሪ መሰነይታ ኣብ ሙዝየም ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ተገይሩሉ ‘ዩ።ናይዚ ዋና ዕላማ ድማ ኣብ መንጎ እዘን ሃገራት ጥንኩር ማሕበራዊ ርክብ ንምፍጣርን ከምኡ ‘ውን ኣወንታዊ ምስሊ ኢትዮጵያን ንምፍላጥን ምዃኑ ተገሊፁ ‘ዩ።

ኣብቲ ምድላው ልዕሊ 50 ባህላዊ ምርኢታት ብሄር ብሄረሰባት ኢትዮጵያ ካብ ዝተፈላላዩ ብሄር ብሄረሰባት ዝተወፃፅኡ ሰብ ሞያ ጥበብ ከምዘቅርቡ ዝተገለፀ ኮይኑ፤ እዚ ድማ ኣብ ብሪክስ አባል ሃገራት ማለት ‘ውን ብናይ መጀመርያ ፊደል እተን ሃገራት ሒዙ ዝተመስረተ ሃገራት ኣብ ብራዚል፣ ሩሲያ፣ ህንድ፣ ቻይናን ደቡብ ኣፍሪካ ‘ዩ።

ሃገራት ብሪክስ ካብ ህዝቢ ዓለም 42 ሚእታዊ ዝሓዛን ካብ ሃገራት ዓለም ናይ ውሽጢ ዓዲ ሓፋሻዊ ዕብየት ምህርቲ 31 ሚእታዊ ዝሽፍና ሃገራት ‘የን። ናይቲ ሕብረት ዋና ሽቶ ቀፃልነት ዘለዎ ፣ ፍትሓዊን ንኹሉ ዝጠቅም ዕብየት ንምዕሳል ኣብ መንጎ ኣባል ሃገራት ዘሎ ምትሕብባር ምዕባይ ፣ ምጥንኻርን ምስፍሕፋሕን ከምዝኾነናን ‘ውን ይሕበር።

ብሪክስ ካብ ዝተመስረተሉ ሓደ ዕላማ ኢኮኖሚዊ ዕብየት ዝምልከት እንትኾን፤ ኢትዮጵያ ብብዝሒ ህዝቢ ካብ ኣፍሪካ ካልኣይ ምዃናን ተከታታሊ ዕብየት እናመዝገበት ዘላ ምዃና ናይ ‹‹ብሪክስ›› ኣባል ሃገራት ምስ ዝተኣኻኸብሉ ዕላማ ዝተጠዓዓመ ምዃኑ ኣብ በሪክስ ውሽጢ ንዝህልዋ ግደ ዓቅሚ ከምዝኾና ‘ውን ይእመን።

ኣብ መርሃ ግብሪ ምስናይ ልኡኽ ጉጅለ ኪነት ካብ ዝተረኸቡ ሓደ ዝኾኑ ኣፈጉባኤ ታገሰ ጫፎ ኣብቲ መድረኽ ከምዝበልዎ፤ ጥበብ ንሃገራዊ ሓድነትን ጥንኩር ምትእስሳር ህዝቢ ምስ ህዝብን ከምኡ ‘ውን ንህንፀት ምስሊ ሃገር ምጥቃም ይግባእ። ሓንቲ ሃገር ኣጉሊህኻ ንምርኣይ ዘፍር ባህልን ኢንዱስትሪ ምህዞን ግደኡ ዝዓዘዘ ‘ዩ።

ኢትዮጵያ በዓልቲ ብዙሕ ሃፍቲን ናይ ነዊሕ ዘበን ታሪኽ ሃገረ መንግሥቲ ዘለዋን ብዘፈር ባህሊ ዓሚቅ ሃፍቲ ካብ ዘለወን ሃገራት ብቀዳሚነት ዝትፅዋዕ ‘ያ፤ ብምዃኑ ዘለዋ ሃፍቲ ብግቡእ ብምጥቃም ምዕባይ ንክትኽእል ናይ ኩላትና ምትሕብባር ዝሓትት ‘ዩ ኢሎም።

ሎሚ ጥንኩር ኢኮኖሚ ክሃንፃ ዝኸኣላ ሃገራት ዓለም ጥበብ ብምጥቃም ዜጎታቶም ብዝደልይዎ ሃገራዊ ትልሚ ካብ ምቕራፆም ብተወሳኺ ኣብ ዓለም ህዝብታት ተፅዕኖ ፈጠርቲ ክኾኑ ክኢሎም ‘ዮም። ኣብዚ እዋን መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ዘፈር ብዝሃቦ ትኹረት ኣብ ዘፈር ባህልን ኪነጥበብን ብዙሕ መሠረተ ልምዓታት ተሃኒፁ ‘ዩ። ኣሰራርሓ ስርዓቱ ንምስላጥ ከዓ ፖሊሲታትን ስትራቴጂታትን ተቐሪፂም ምትግባሮም ኣብራሪሆም።

እቲ ምስናይ ዝተገበረሉ ልእኹ ጉጅለ ባህሊን ኪነጥበብን ታሪኽን ቅርስን ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ብምጉላህ ምትእስሳር ህዝቢ ንህዝቢ ብምጥንኻር ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ብምስሓብ ከምኡ ‘ውን ቱሪዝም ኣብ ምዕባይ ዓብይ ሃገራዊ ሓላፊነት ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቦም ‘ዮም።

ሚኒስትር ባህልን ስፖርትን ሸዊት ሻንካ ብወገነን፤ መድረኽ ኪን ኢትዮጵያ ጥንታውነት፣ ታሪኻውነትን ሕብረብሄራውነትን ኢትዮጵያ ንዓለም ብምፍላጥ ኣታዊ ኢንዱስትሪ ቱሪዝም ንኽምዕብል ዕዙዝ ኣበርክቶ ይገብር ብምባል፤ ቤት ዕዮ እቲ ሚኒስቴር ባህሊ፣ ቋንቋን እሴታትን ኢትዮጵያ ንምልማዕ፣ ንምፍላጥን ንምሕላውን ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ እናሰርሐ ፀኒሑ ‘ዩ ኢለን።

ኣብ ቀረባ እዋን ዝተኻየደ ፌስቲቫል ባህልን ጥበብን ምብራቅ ኣፍሪካ ሓዊሱ ባህሊ፣ ብዝሕነትን እሴታትን ኢትዮጵያ ዘፋልጡ ዓበይቲ ሃገራዊን ኣህጉራውን መድረኻት ብምትእንጋድ ዕውት ስራሕቲ ምስራሕ ምኽኣሉ ተዛሪበን።

ናይ ኦሮሚኛ ሙዚቃ ደራፊ ዝኾነ ኣባል እቲ ልኡኽ ኣርቲስት ኣደም መሓመድ ኣብ ዝሃቦ ርኢቶ፤ ሙዚቃ ባዕሉ መረዳድኢ ቋንቋ፣ መንገዲ መጉልሂ መንነትን ባህልን ‘ዩ ፤ኣብቲ ምድላው ባህሊ፣ ወግዕን ትውፊትን ኢትዮጵያ ንዓለምን ንብሪክስ ኣባል ሃገራትን ንምርኣይ ድልው ምዃኑ ብምግላፅ፤ዝተወሃበና ሃገራዊ ሓላፊነት ብብቅዓት ንምውፃእ ልዕሊ ሓደ ወርሒ ዝኾውን ግዘ ጥንኩር ምድላው እናገበርና ፀንሒና ኢና ኢሎም።

እቲ ልኡኽ ጉጅለ ልዕሊ 50 ብሄር ብሄረሰባትን ኢትዮጵያ የለውዎ ንኢትዮጵያ ዝውክል ‘ዩ።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 21 ጉንበት 2017 ዓ.ም

Recommended For You