“ህዝብና ካብ ፀገም ንምድሓንን ሰላምና ንምጥንኻርን ምድግጋፍን ምትሕግጋዝን ክህሉ ኣለዎ” -ምኽትል ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ኣይተ ኣለምብርሃን ሃሪፈ

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታ ኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ተፈጥራውን ሰብ ስራሕን ሓደጋታት ምኽንያት ዝተፈላለዩ ፀገማት ይርኣየኡ ኣለው። ብፍላይ ኣብ ትግራይ ድማ ከቢድ መዕነዊ ኲናት ዝተኻደሉ ምስ ምዃኑን ካልኦት ተፍጥሮኣዊ ሓደጋታት ተደሚሮም ብዝገደደ መልክዑ ፀገማት ክደራረቡ ይረኣዩ ኣለው። ኣብ ዘፈር ሕርሻ እቲ ክልል እኳ እንተሪእና ብዝተፈላለዩ ብድሆታት ምኽንያት መፍረያይነት ሕርሻ ትግራይ ብጣዕሚ ቀኒሱ ‘ዩ ዘሎ። ካብ ‘ቶም ፈተናታት ሓደ እዋኑ ዘይሓለወ ዝናብ ‘ዩ። ሐዚ ዝርኣይ ዘሎ ዘይስሩዕ ዝናብ ፃዕፂዑ ዘሎ ድማ ኣብቲ ዝሐሸ ምህርቲ ክርከብ ‘ዩ ተባሂሉ ትፅቢት ዝግበረሉ ኣብ ሰሜን ምዕራብን ማዕኸላይን ‘ዩ።

እዚ ከም ዘሎ ኮይኑ እቲ ሓረስታይ ዘርእን ካልኦት እታወታትን ዝረክብ እንተኾይኑን እቲ ዘሎ ዘይስሩዕ ዝናብ ሓደግኡ ዘመዝን እንተኾነ ‘ውን ኣብ ክሊ እቲ ሓደጋ ኮይንካ ከም ዕድል ብዝተወሰነ መልክዕ ናብ ረብሓ እንቅይረሉ ዕድል ‘ውን ከም ዝህልው ናይቲ ዘርፊ ሰብ ሞያ ይሕብሩ። ብሓፈሻ ኣብዚ ዘለው ተደራራቢ ፀገማት እንታይ ‘ዮም ዝብልን ነዚ ንምክሕሓስ ወይ ንምቅናስ እንታይ ክስርሑ ኣለዎም ዝብሉን ካልኦት ተዛመድቲ ሓሳባትን ብምልዓል ምስ ናይ ሎሚ ጋሻና ዝኾኑ ምኽትል ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ኣይተ ኣለምብርሃን ሃሪፈ ከምዚ ዝስዕብ ፃንሒት ገይርና ኣለና። ሰናይ ንባብ።

ወጋሕታ:- ብሓፈሻ ሕርሻ ትግራይ ኣብ ምንታይ ኩነታት ኣሎ? ከመይ ይኸይድ ኣሎ?

ኣይተ ኣለምብርሃን:- ናይ ሎሚ ዘበን መፍረያይነት ሕርሻ ትግራይ ብዝምልከት ብሓፈሻ ናብ ሰለስተ ኣርባዕተ ዝኾኑ ፀገማት ኣለዉ። እዚ ድማ በቲ ዝተፈጠረ መዕናዋይ ኲናት ስዒቡ ቀሊል ዘይበሃል መሬት ትግራይ ኣብ ኢድ ዝተፈላለዩ ሓይልታት ምህላው ተኣሳሲሩ ሎሚ ዓመት ብዘርኢ ክሽፈን ካብ ዝግብኦ 1 ነጥቢ 3 ሚልየን ሄክታር ማለት ‘ውን 48 ሚእታዊ ጥራሕ ብዘሪኢ ዝተሸፈነሉ ኩነታት ከም ዘሎን ስለዚ ብሙሉእ መሬት ትግራይ ኣይዘራእናን። እቲ ሓደ ፀገም ድማ እዚ ‘ዩ።

ካልኣይ ዘሎ መሰረታዊ ፀገም ድርቂ ዝምልከት ‘ዩ። ሰፊሕ ድርቂ ኣሎ። እዚ ኣብ 31 ወረዳታት192 ጣብያታት 140 ሽሕ ሄክታር መሬት ብድርቂ ዝተጠቀዐሉ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ። ሳልሳይን መሰረታዊ ፀገም ድማ ዝተፈላለዩ ወረርቲ ባልዓት ኣለው። ብፍላይ ድማ ከም ኣምበጣ ኦምን ዘራእትን ዝበሉ ባልዓት ኣብ ከባቢ 50 ሽሕ ሄክታር ዝሽፍን መሬት ጉድኣት ዘብፅሕሉ ኩነታት ኣሎ። ከም ራብዓይ ገይርካ ክውሰድ ዝኽእል መሰረታዊ ፀገም ድማ ሐዚ ኣጋጢሙና ዘሎ ናይ እዋኑ ዘይሓለወ ዘይስሩዕ ዝናብ ‘ዩ።

ስለዚ በዞም ኣጋጢሞምና ዘለው ኣርባዕተ መሰረታዊ ፀገማት ምኽንያት፤ ሓደ ምህርቲ ኣብ ምቅናስ ዓብይ ተፅዕኖ ይፍጠር ኣሎ። ካልኣይ ኣብ ሃፍቲ እንስሳ ሕፅረት ቀለብን መስተ ማይን ከምኡ ‘ውን ኣብ ሃፍቲ እንስሳ ንሕማማት ንክቃልዑ ብምግባር ኣብ መፍረይነት ሃፍቲ እንስሳ ኣሉታዊ ፅዕንቶ ይፈጥር ኣሎ።

ብሳልሳይ ደረጃ ኣብ ሃፍቲ ተፈጥሮ ብፍላይ ኣብዚ እዋን እናለምዑ ኣብ ዝፀንሑ ሃፍቲ ተፈጥሮ ኣሉታዊ ፅዕንቶ እናስዐበ እንትኸውን፤ ብራብዓይ ብርኪ ድማ ከም ዝፍለጥ ብሰንኪ እቲ ኲናት ብዙሕ ካብ መረበቱ ዝተፈናቀለ ህዝቢ ኣለና። ብዙሕ ሓገዝ ዝደሊ ተፈናቃሊ ኣለና። ብሓፈሻ ብሰንኪ ኲናት ዝበፅሐ ኣብ ማሕበራዊ ኢኮንምያዊ ተወሳኽን ተደራራቢ ተፅዕኖን ዝፈጥረሉ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ።

ወጋሕታ:- ሕፅረት ዝናብ ኣብ ትግራይ ዘስዐቦ ፀገም እንታይ ይመስል?

ኣይተ ኣለምብርሃን:– ከምታ ዝብለካ ዘለኹ ብሰንኪ ሕፅረት ዝናብ ኣብ ሰለስተ ዞባታት፤ ኣብ 31 ወረዳታትን 192 ጣብያታትን ኣብ 140 ሽሕ ሄክታር መሬት ዝኸውን ፅዕንቶ ዝፈጥረሉ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ።

ነዚ ተኸቲሉ ኣብ ሃፍቲ እንስሳት ‘ውን ብተመሳሳሊፅንቶታት ይፈጥር ከም ዘሎን ብሰንኪ እዚ ድርቂ እንስሳት ንዝተፈላለዩ ሕማማት ይቃለዓ ከም ዘለዋን ካብተን ዝሐመማ ‘ውን ዝሞታ ከምዘለዋን ካብኡ ብተወሳኺ ድማ ብሓፈሻ ዕብራን እንስሳታት ብምህላው ኣብ ዋጋ ሃፍቲ እንስሳት ዓብይ ምትሓት ከም ዝተርአየን በዚ ምኽንያት ድማ እቲ ህዝቢ ንዝተፈላለዩ ማሕበረ ኢኮኖሚ ፀገማት ዝተቃልዓሉ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ።

ወጋሕታ:- ኣብ ትግራይ እዋኑ ዘይሓለወ ወይ ዘይስሩዕ ዝናብ ዘብፅሖ ዘሎ ጉድኣት እንታይ ይመስል? ናብ ረብሓ ዝቅየረሉ ዕድልከ ይህልውዶ?

ኣይተ ኣለምብርሃን:- ዘይስሩዕ ዝናብ ዘብፅሖ ዘሎ ጉድኣት ከዓ ብተመሳሳሊ ኣብ ስፍሕ ዝበሉ ከባቢታት ትግራይ እዋኑ ዘይሓለወ ዘይስሩዕ ዝናብ ኣሎ። ክሳብ ሐዚ ብዘለና መረዳእታ መሰረት ድማ ናብ 132 ሽሕ ሄክታር ዝኸውን መሬት ብዘይስሩዕ ዝናብ ኣሉታዊ ሳዕቤን ይበፅሖ ኣሎ።

በዚ መሰረት ብፍላይ ናይ ውሕጅን በረድን ካልኦትን ፅዕንቶታት ይበፅሖ ከምዘሎ እቲ ዘለና መረዳእታታት ዘመላኽት። ስለዚ በቀጥታ ኣብቲ ናይ ዝራእቲ ምህርትን መፍራይነትን መሰረታዊ ዝኾነ ኣሉታዊ ሳዕቤን ዘብፅሕ ዘሎ ሙዃኑ ኢና ንርዳእ ዘለና።

እዚ ጉድኣት ከም ዘሎ ኮይኑ ብኻሊእ ወገን ረብሓታት ‘ውን ኣለውዎ ‘ዮም። ብፍላይ ኣብዚ እቲ ሓረስታይ ዘርእን ካልኦት እታወታትን ዝረክብ እንተኾይኑን እቲ ዘሎ ዘይስሩዕ ዝናብ ሓደግኡ ዘመዝን እንተኾነ ‘ውን ኣብ ክሊ እቲ ሓደጋ ኮይንኻ ከምዕድል ብዝተወሰነ መልክዕ ናብ ረብሓ እንቅይረሉ ዕድል ‘ውን ኣሎ ‘ዩ። ንኣብነት ዝተወሰነ ንእንስሳት ማይን ቀለብን ዝኸውን ይጠቅም ካብኡ ብተወሳኺ ድማ ነቲ ወራሪ ዕስለ ኣምበጣ ፅዕንቶ ክፈጥረሉ ይኽእል ‘ዩ።

ወጋሕታ:- ብዘይስሩዕ ዝናብ ኣብ ዝራእቲ ዝበፅሕ ሓደጋ ንምቅናስ በቲ ሓረስታይ ይኹን ብቢሮ ሕርሻ ትግራይ እንታይ ይሰርሕ ኣሎ? ዘጋጥሙ ፀገማት ከ ኣለዉ ዶ?

ኣይተ ኣለምብርሃን:- እዋኑ ዘይሓለወ ዝናብ ብዝምልከት ክሳብ ሐዚ ዝስራሕ ዘሎ እንታይ ‘ዩ ኣብዝብል? ሓደ እቲ ዘሎ ሓደጋ እቲ ህዝቢ ንክፈልጦ ሓበሬታ ምሃብ ‘ዩ። ብተደጋጋሚ ብዝተፈላለዩ መራኸብቲ ሓፋሽን ብዋናነት ድማ ብቢሮ ብናይ ስሩዕ ኤክስተሽን መስርሕ ኣቢሉ ኩሉ ሓረስታይ እቲ ፀገምን ሓደግኡን ክርድኦ ሓበሬታ ናይ ምሃብ ስራሕ ‘ዩ ዝስራሕ ዘሎ።

እዚ ድማ ፅቡቅ ይኸይድ ኣሎ ኢልና ኢና ንወስዶ። ብኻሊእ ወገን ድማ እቲ ሓደጋ ንምቅናስ ህዝቢ ተወዲቡ ንክሰርሕ ናይ ምንቅስቃስ ስራሕ ይስራሕ ኣሎ ‘ዩ። እዚ ድማ ፕረዚደነት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብዝሃብዎ መግለፂ መሰረት ኩሉ ማሕበረሰብ ዘሳተፈ ወፍሪ ዓፂድን ምጅማር መስኖን ብሓደ ተኣሳሲሮም ዕላዊ ዝገበሩሉ ኩነታት ኣሎ።

እዚ ጥራሕ ዘይኮነስ ነዚ ኣጠቃላሊ ሓደጋታት ብፕረዝደንት ጌታቸው ዝምራሕ ዝተወደበ ክልላዊ ግብረሓይሊ ‘ዩ ዝምራሕ ብኡ እናተገምገመ ‘ውን ‘ዩ ክትትል ዝግበረሉ። ስለዚ ህዝባዊ ምልዕዓል ክፍጠር ስለዘለዎ ከዓ ከም ክልል ኣብ ዞባ ደቡባዊ ምብራቅ ወረዳ እንደርታ ከም መክፈቲ ተግይርሉ ‘ዩ።

ስለዚ እቲ ሓደጋ ንምምካት ህዝቢ በቢከባቢኡ ተወዲቡ ሰፊሕ ምንቅስቃስ ይገብር ኣሎ። ኣብዚ ናይ ፀጥታ ኣካላት፣ ተምሃሮ፣ መንግስቲ ሰራሕተኛታት መናእሰይን ካልኦት ዝተፈላለዩ ሕብረተሰብን ብኣውርኡ ድማ እቲ ህዝቢ ሓረስታይ እዚ ሓደጋ ንምምካት ሰፊሕ ናይ ወፍሪ ምንቅስቃስ እናገበረ ‘ዩ ዝርከብ።

እዚ ከም ዘሎ ኮይኑ ክሳብ ሐዚ ክሳብ (ጥቅምቲ 20/2016 ዓ.ም) ብዘለና መረዳእታ መሰረት ናብ ከባቢ 40 ሚኢታዊ ዝኸውን ናይቲ ክእከብ ዝግብኦ ዘራእቲ ተኣኪቡ ‘ዩ። 60 ሚእታዊ ዘኸውን ዘራእቲ ድማ ገና ኣብ ሓደጋ ኮይኑ ዝኸይድ ዘሎ ‘ዩ። ምስ እዚ ተኣሳሲሩ ሓደ ኣርባዕተ ሓሙሽተ ዝኾኑ ዘጋጠሙና መሰረታዊ ፀገማት ኣለዉ።

ኣብዚ ሓደ መሰረታዊ ፀገም ናይ በጀት ሕፅረት ኣሎ። ወፍሪ ዓፂድ ንክተንቀሳቅስ ፋይናንስ ወሳኒ ‘ዩ ዝኸውን። ምስ ፋይናንሻል ተኣሳሲሩ በጀት ጥራሕ ዘይኮነስ ብግዜ ኣንፃር ብቅልጡፍ ንምዕፃድ መከናዜሽን ክንጥቀም ትፅቢት ይግበር ነይሩ።

ይኹን እምበር መከናዜሽን ኣይንጥቀምን ዘለና። ስለዚ ኣብዚ ናይ ፋይናንስን ናይ ሎጅስቲስን ፀገም የጋጥመና ኣሎ። እቲ ኻልኣይ ፀገም ድማ ባዕሉ እቲ ዘይስሩዕ ዝናብ ኮይኑ በቢእዋኑ ይዘንብ ስለዘሎ ንክትዓፅድ ‘ውን ናብቲ ቦታ ከእትወካ ኣይኽእልን ‘ዚ ባዕሉ ዓብዪ ፈተና ኮይንና ኣሎ።

ካብ ናይ ፀሓይ ግዘ ናይ ዝናብ ዝበዝሐሉ ግዘ ‘ዩ ዘሎ። እዚ ድማ ፈተና ‘ዩ ኮይንና ዘሎ። ብሳልሳይ ደረጃ እነልዕሎ ፀገም ዋላ እቲ ከም ማዕፂድ ዝበሉ ባህላዊ መሳርሒታት ‘ውን ምስቲ ዝነበረ ኲናት ተተሓሒዙ እቲ ሓረስታይ ኣይረክብን ዘሎ፤ እዚ ‘ውን ካሊእ ፈተና ‘ዩ።

ብራብዓይ ደረጃ ድማ እቲ ማሕበረሰብ ዘኽብሮም ዝተፈላለዩ በዓላትን ማሕበራዊ ርክባትን ዝኣምሰሉ ‘ውን እንተኾነ፤ ግዘ፣ ጉልበትን እኽልን ዘባኽኑሉ ኩነታት ይፈጥሩ ስለ ዘለው እዚ ‘ውን ናይ ባዕሉ ነቲ ናይ ዓፂድ እዋን ኣዐርዩ ይደፍኦ ከም ዘሎ ንርኢ ኣለና። ስለዚ እዚአን ከም ፀገማት ይርኣያ ስለዘለዋ ብድምር እቲ ኣሉታዊ ሰዓቤኑ ብዝክኣል መጠን ክንቅንሶን ብዝክኣል ከኣ ናብ ረብሓ ክነውዕሎ ምኽኣል የድሊ።

ወጋሕታ:- እቲ ማሕረሰብ ብበዓላትን ማሕበራዊ ሂወትን ዝባኽኖ ዘሎ እዋን ንምቅናስ እንታይ ዝስራሕ ነገር ኣሎ?

ኣይተ ኣለምብርሃን:- ከምቲ ቅድም ክብል ዝበልኩኻ ‘ዩ። እዚ ዝሰርሕ ዝተወደበ ግብረሓይልን ናይ ቴክኒክ ጉጅለን ካብ ላዕሊ ክልል ጀሚሩ ክሳብ ታሕቲ ወረዳን ጣብያን ኣሎ። እዚ ሓደ ሓበሬታ ይህብ። ካልኣይ ከምዚ ዝበለ ፀገም ንምቅናስን ወፍሪ ዓፂድ ክካየደሉ ዝኽእል ምንቅስቃስ ‘ዩ ዝፍጠር ዘሎ። ዛጊድ ከዓ ኩሉ ይኸትት ኣሎ። ዘይኸተተ ሰራሕተኛ ክፋል ማሕበረሰብ የለን ምባል ይክኣል።

ሐዚ እቶም ዝግበሩ ዘለው ስራሕቲ ቅድሚ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ምግላፁ ከባቢ ሓሙሽተ ሚእታዊ ኢና ዓፂድና ነይርና ሐዚ ሰፊሕ ርብርብ ምስተገበረ ናብ ከባቢ ኣርብዓ በፂሕና ኣለና። ስለዚ እዚኦም ውፅኢት ናይቲ ምንቅስቃስ ‘ዮም። ከምኡ ‘ውን ቀልጢፎም ናብ ዝበፅሑ ዝራእቲ ናይ ሽንብራ ሳዕስዓን ከኣትውን ናብ ስራሕቲ መስኖን ቀልጢፉ ክኣትውን ካልኦት ስራሕትን ዝተሰርሑ ኣለው።

እዚ ከምዘሎ ኮይኑ ሐዚ ‘ውን እቶም ፈተናታት ብሓደ ግዘ ዝቅረፉ ስለዘይኮኑ ባህላዊ ነገራት ‘ውን ምስምዃኖም ተኣሳሲሮም እዚኦም ንምቅራፍ በቢወረድኡ ዝተፈላለዩ መድረኻት ይካየድ ኣሎ። ምስ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ሃይማኖት ዓበይቲ ዓዲን ህዝብን ምርድዳኣት ይግበሩ ኣለው ‘ዮም። ይኹን እምበር ብሓደ ግዘ ዝቅረፉ ኣይኮኑን።

ወጋሕታ:- ቅድም ኢሉ ኣብ ዘፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ኣጋጢሙ ዝነበረ ወራር ዕስለ ኣምበጣ ኣብ ምንታይ ኩነታት ኣሎ?

ኣይተ ኣለምብርሃን:– ጉዳይ ኣንበጣ ብዝምልከት እንታይ ‘ዩ እቲ ሓደጋ ኣብ ምብራቅ፣ ደቡብ ምብራቅን ክፋል ደቡብን ናብ ዓፋር መዋሰኒ ከባቢ ዘሎ ኣብ መጀመርታ ዝተወሰነ እኽሊ እናሃለወ ናይ በረኻ ኣንበጣ የጥቐዖ ነይሩ ደሓር ከዓ መሊኡ እቲ ድርቂ ኣጥቒዕዎ።

እዚ ምስ ሰገርና ናይ ሰሜን ምዕራብን ማእኸላይን እንብሎ ከባቢ ብኣንፀራዊ መፍረይነቱን ዝናብ ስርጭቱን ዝሐሸ ‘ዩ እንብሎ ‘ውን ናይ ኦም ኣምበጣ ዝብሃል ብኤርትራን ሱዳንን ዝኣተወ ዘጥቅዓሉ ‘ዩ ተፈጢሩ።

ሐዚ ከዓ ብኣውርኡ ዘይስሩዕ ዝናብ ፃዕፂዑ ዘሎ ኣብቲ ዝሐሸ ምህርቲ ክርከብ ‘ዩ ተባሂሉ ትፅቢት ዝግበረሉ ኣብ ሰሜን ምዕራብን ማዕኸላይን ‘ዩ። ስለዚ እቲ ፈተናታት ኮነ ተባሂሉ ብዝተወደበን ዝተሓሰቦን ብዝመስል መልክዕ ‘ዩ ዘሎ።

እቲ ናይ ወራር ኣምበጣ ከምቲ ዝብለካ ዘለኹ ብዋናነት ሓይሊ ሰብ ህዝቢ ብምንቅስቃስ ናይ ኬሚካል ስራሕቲ ድማ ካብ ፌደራልን ካብ ባዕልናን ዝረኸብናዮ ኣንቀሳቂስና እቲ ሓደግኡ ንምቕናስ ዝተኸየደ ርሕቀት ኣሎ። ዝፈጠሮ ሰፊሕ ኣሉታዊ ‘ውን ኣሎ ‘ዩ።

ክንድቲ ዝክኣል ሰፊሕ ናይ መንግስትን ህዝብን ርብርብ ገይርና ደው ክብለሉ ዝኽእል ኩነታት ተፈጢሩ ‘ዩ። ይኹን እምበር ብሓፈሻ እቶም ፀገማት መሊኦም ዝተቀረፉ ኣይኮኑን። ሐዚ ‘ውን ገና ኣምበጣ ተመሊሱ ይመፅእ ዶ ኣይመፅእን ዝብል ርግፀኛታት ኣይኮንናን። ሐዚ ግን ልዕሊ ኣምበጣ ካሊእ ኣምበጣ ነስተውዕል ኣለና።

ወጋሕታ:- ከምቲ ቅድም ኢሎም ዝገለፅዎ ብዝተፈላለዩ ብድሆታት መፍራይነት ሕርሻ ትግራይ ብጣዕሚ ቀኒሱ ‘ዩ ዘሎ። ስለዝኾነ ነዚ ንምክሕሓስ ዘኽእል ከም መስኖ ዝበሉ ወይ ካሊእ ኣመራፂታት ንምጥቃም እንታይ ይስራሕ ኣሎ?

ኣይተ ኣለምብርሃን:– እወ ናይ ምክሕሓስ ስራሕቲ ክንሰርሕ ክንኽእል ኣለና። ናይ ምክሕሓስ ስራሕቲ እንሰርሓሉ ሓደ መስና ‘ዩ። መስኖ ከም መንግስቲ ፌደራል ደገፍ እንደልየሎም ነገራት ኣለው። ናይ መካናዘይሽን፣ ናይ እታወታት፣ ከሚካላትን ዘርእን ደገፍ ኣዐርዩ የድልየና ኣሎ።

ብፍላይ ዘርኢ ዘይምህላው ተኣሳሲስሩ ዘርኢ እንድገፈሉ ኩነታት ክፍጠር ኣለዎ። ካሊእ ናይ ኤክስቴንሽን ሲስተም ክነጠናኽሮ ኣለና። ብተወሳኺ ንፅጉማት ዝኾኑ ማሕበረሰብ መተባብዒ ዝኸውን ናይ ሕርሻ እታዎታት ከም ዘርኢ ዘበናዊ ድኹዒ ዘድልየና ኩነታት ኣሎ። ብድምር እቲ ሕርሻ ከም ሕርሻን ከም ትካልን ተጠናኺሩ ስሩዕ ስራሕቲ ኤክስተንሽን ክንፈጥር ክንኽእል ኣለና።

ስለዚ በዚ ኣቢልና እቲ ኣብ ክራማት ዝሰኣናዮ እንተነኣሰ ብመስኖ ኣቢልና ብውሱን መልክዑ እቲ ሓደጋ ወይ እቲ ጉድለት ንምቅናስ ክንፈጥር ኣለና። ከምኡ ‘ውን ኣብ ከተማ ሕርሻ ኣዐሪና ክንሰርሕ ኣለና። ናይ ከተማ ሕርሻ ‘ውን ኣብ ምክሕሓስ ሓደ ናይ ባዕሉ ደጋፊ ስራሕ ተገይሩ ክውሰድ ይኽእል ‘ዩ።

ብሳልሳይ ደረጃ ኣብ ናይ ሃፍቲ እንስሳ ‘ውን ብፍላይ ኣብ ውሱን ቀለብ ዝሓቱ ከም ናይ ደርሆን ንህቢን ልምዓት ከም ምህጣር ጤለ በጊዕን ካልኦትን ዝመሳሰሉ ልምዓት ስራሕትና ‘ውን ኣጠናኺርና ክንቅፅለሉ ኢና። ብፍላይ ምስ ዙይ ተኣሳሲሩ ከዓ ብኽነት ክንቅንስ ከንኽእል ኣለና። ብዝተፈላለየ መንገዲ ዝፍጠር ናይ እኽሊ ብኽነት እቲ ህዝብና ‘ውን ዝተፈላለዩ ጉዳያት ካብ ምግባር ተቆጢቡ ቀለብ ዓመቱ ንክሕዝ ዘገብር ክንፈጥር ኣለና።

ብኻልእ ወገን እቲ ገጢሙና ዘሎ ሓደጋ ከም ሃገር ክፍለጥ ፌደራል መንግስቲ ክፈልጦን ክርደኦን ኢሉ ‘ውን ዓለም ለኸ ገበርቲ ሰናይ ክፈልጥዎን ክርድእዎን ብዋናነት ድማ እቲ ሓደጋ ንምቅናስ ዘግብር ተግባራዊ ግብረ መልሲ ብምሃብ ንክሕግዙ ኣብ እቶም ናይ ሰብኣዊ ሓገዛት ዘለዉ ናይ ምቁርራፅ ትኹረት እንተዘይገይርናሉ ብዙሕ ህዝቢ በቢእዋኑ ዝሞተሉ ኩነታት ‘ዩ ዝፍጠር ዘሎ። ስለዚ እዚ ኣቶም ተጠናኺሮም ክቅፅሉ ኣለዎም። እዚ እንተዘይገይርና ግና ካሊእ ናይ ህልውና ሓደጋ ‘ዩ ዝገጥመና ዘሎ።

ወጋሕታ:- እዞም ኣብ ላዕሊ መከሓሓሲ ተባሂሎም ክስርሑ ተሓሲቦም ዘለው ንክዕወቱ ካብ መን እንታይ ትፅቢት ይግበር ይብሉ?

ኣይተ ኣለምብርሃን:– ብዋናነት ካብ መንግስቲ ‘ዩ። ምኽንያቱ መንግስቲ ናይ ህዝቢ ድሕንነት ናይ ህዝቢ ልምዓት ከረጋግፅ ሓላፍነት ስለ ዘለዎ፤ መንግስቲ ፌደራል እዞም ፀገማት እዚኦም ተደራረብቲ ምዃኖም፣ ብሰንኪ ኲናት ዝተፈጠረ ጉድኣትን ጥፍኣትን ኣሎ እዚ ድማ ዓብዪ ሓደጋ ‘ዩ። ብኻሊእ ወገን በቶም ዝብለካ ዘለኹ ተደራረብቲ ፀገማት ዝተፈጠረ ኻሊእ ጉድኣት ኣሎ።

ስለዚ ጉድኣት ኣብ ርእሲ ጉድኣት ኣብ ዝደራረቡሉ ኩነታት ሐዚ ‘ውን ናይ ሕልውና ሓደጋ ኮይኑ ዝመፅአሉ ኩነታት ስለዘሎ፤ መንግስቲ ፌደራል ነዚ ብፍሉይ ሪኡ ፍሉይ ትኹረትን ደገፍን ክገብረሉ ኣልዎ ጥራሕ ዘይኮነስ ካልኦት ክልላት ‘ውን ከምቲ ቅድም ኢለን ጀሚሮንኦ ዝነበራ ክንዲ ዝክኣለን ነዚ ንምድጋፍ ክረባረባን እዚ ገጢሙና ዘሎ ድርቅን ፀገምን ሃገራውን ዓለማውን ኣጀንዳ ንክኸውን ናይ ምግባር ስራሕ የድሊ።

ኣብዚ ፌደራል መንግስቲ ባዕሉ ዝገብሮ ከም ዘሎ ኮይኑ ምስ ናይ ዓለም መንግስታትን ገበርቲ ሰናይን ተኣሳሲሩ ‘ውን ናይ ትግራይ ድርቂ፣ ጥምየትን ሓደጋን ብመሰረቱ ክድገፈሉ ዝኽእል ኩነታት ክፍጠር ኣለዎ። ብሳልሳይ ደረጃ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ነቲ ኩነታት ትኹረት ሂቡ ይሰርሐሉ ኣሎ። በቲ ዝጀመሮ ትኹረት ኣዕሚቁን ኣስፊሑን ዝኸደሉ ኩነታት ክህልው ኣለዎ ዝብል ‘ዩ።

ብፍላይ ከዓ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ መሪሕነት በቢደረጅኡ እዚ ሳዕቤን ንምቅናስ ቀትርን ለይትን ክሰርሕን ክረባረብን ነቲ ህዝቢ ‘ውን ከለዓዕል ናብ ዝሐሸ ብርኪ ከሰጋግር ትፅቢት ይግበር። ብዋናነት ከዓ እቲ ህዝቢ ባዕሉ ብዝተፈላለየ መንገዲ ዝተፈላለየ ናይ ናብራ መመሓየሺ እታወታት ዝኾኑ ስራሕቲ ብምስራሕ ኣቢሉ ካብቲ ፀገም ክወፅአሉ ዝኽእል ርብርብን ተግባራዊ ምንቅስቃስ ክገብር ክኽእል ኣለዎ ዝብል ‘ዩ።

ወጋሕታ:- ብኣይ ሒዘዮም ዝነበርኩ ሑቶታት ወዲአ ኣለኹ። ምናልባት ክተርፍ ዘይግበኦ ሓሳብ እንተልዩ ዕድል ክህቦም?

ኣይተ ኣለምብርሃን:- ኣብዚ ከሕልፎ ዝብሎ ሐዚ ‘ውን ከምቲ ዝበልክዎ፤ ትግራይ ኣካል እታ ሃገር ኮይና ‘ያ ትቅፅል ዘላ። ሓደ ኣካል ናይቲ ሃገር እያ ዘላ ስለዝኾነ ቅድም ኢለ ከም ዝበልክዎ ኣብ ትግራይ ብዙሓት ዝተፈጠሩ ተደራርብቲ ጉድኣታት ኣለው። እቲ ሓደ ጉድኣት ከይሓከምና ካሊእ ተመሳሳሊ ጉድኣት ተደራራቢ ጉድኣት ዘለውሉ ኩነታት ስለዘሎ፤ ብመሰረቱ ፍሉይ ትኹረት ክግበረሉ ክኽእል ኣለዎ።

ከምኡ እንተዘይተገይሩ ጥራሕ ዘይኮነስ ስለዘይተገበረ ‘ውን ሐዚ በቢእዋኑ ብዙሕ ህዝቢ ይመውት ኣሎ ‘ዩ። ኣብ ዝሓለፈ ከባቢ ሰለስተ ኣርባዕተ ወርሒ 2800፣ 2900 ከባቢ ህዝቢ ብሰንኪ ጥምየት ዝሞተሉ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ። መረዳእታ ካብ ሓደጋ ስግኣትን ድልውነትን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ስለዚ እዚ ሓደጋ ከምኡ ኢሉ እንተቀፂሉ ብመሰረት ነቲ ዘሎ ሰላም ‘ውን ናይ ባዕሉ ሓደጋ ስለዘልዎ ፈታኒ ዝኾነሉ ኩነታት ‘ዩ ዝፍጠር። ስለዚ እቲ ህዝቢ ሰላም ረኺበ ኣብ ዝበለሉ ኩነታት እዚ ሓደጋ እዚ ምግጣሙ ዝፍጠሩ ኢኮኖሚያዊ ማሕበራዊ ቅልውላው ምስ ምህላው፤ ብፍላይ ህዝብና ንምድሓን፣ ሰላም ንምጥንኻር፣ መፃኢና ‘ውን ብሩህ ንምግባር ዘግበር ምድግጋፍን ምትሕግጋዝን ክህሊ ክኽእል ኣለዎ ዝብል ‘ዩ።

ብዋናነት ከዓ እቲ ህዝብናን ኣመራርሓናን በቲ ሐዚ ገጢሙና ዘሎ ፈተና ዝተፈለየ ርብርብ ዝተፈለየ ምንቅስቃስ ክገብር ክኽእል ኣለዎ። ብፍላይ ከዓ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ትግራዋይን ፈታዊ ትግራይን ከምኡ ‘ውን ገበርቲ ሰናይን ነዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ሓደጋ ክፈልጦን ክርድኦን ነቶም ፀገማት ንምፍታሕ ምንቅስቃሳቱ ከሕይል ይፅውዕ።

ወጋሕታ:- ግዝኤም ሰዊዖም ንዝሃቡኒ ሓበሬታ የቐንየለይ።

ኣይተ ኣለምብርሃን:- ኣነ ‘ውን የቕንየለይ፡፡

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 29 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም

Recommended For You