ካብ ተፀባይነት ረድኤት እኽሊ ንምውፃእ ኣብ ዘፈር ሕርሻ ዝረአ ዘሎ ኣወንታዊ ውፅኢት ተጣናኺሩ ክቕፅል ይግባእ

 ሕርሻ ኢኮኖሚ ሃገር ንምዕባይ ኣገደስቲ ካብ ዝኾኑ ዘፈራት ሓደ ‘ዩ። ብዙሓት ሃገራት ውሕስነት ምግበን ዘረጋግፃሉ እቲ ሓደ ዘፈር ሕርሻ ‘ዩ:: ብፍላይ ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ሕርሻ ዓንዲ ሑቀ ኢኮኖሚአን ‘ዩ:: ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣብ ገጠር ዝነብር ህዝቢ መነባብርኡ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ዝተመስረተ ምዃኑ ዝፍለጥ ‘ዩ:: ብፍላይ ብኢዱስትሪ ዘይማዕበላ ወይ ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት መብዛሕትኡ ኢኮኖሚአን ኣብ ሕርሻ ዝተመስረተ ‘ዩ::

ኢትዮጵያ እንተሪእና ‘ውን ካብ እተን ኣብ ምዕባይ ዝረከባ ሃገራት ሓንቲ ‘ያ:: ብምዃኑ መብዛሕትኡ ግዜ ውሕስነት መግባ እተረጋግፀሉ ብሕርሻ ‘ዩ:: ውሕስነት ምግቢ ንምርግጋፅ ኣብ ሕርሻ ቖላሕታ ሂባ እናሰርሐት ድማ ትርከብ:: ኣብቐረባ ግዜ ኣብዚ ዘፈር ጠመተ ሂባ ብምስርሓ እተርእዮ ዘላ ኣወንታዊ ውፅኢት ዝነኣድ ‘ዩ::

ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ ናይ ክረምቲ ፍርያት ብተወሳኺ ኣብ ናይ ሓጋይ መስኖ፣ ሌማት ትሩፋን ካልኦት ስራሕቲን ዓብዪ ውፅኢት እናመዝገበት ‘ያ:: ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናይ መጀመርታ መዳበርያ ሓመድ ዝፀዓነት ፈላመይቲ መርከብ ናብ ወደብ ጅቡቲ ከም ዝኣተወት ዝዝከር ‘ዩ:: እዚ ዘሪአካ ኣብ ናይ ሓጋይ መስኖ ‘ውን እንተኾነ ልዑል ጠመተ እናሰርሐት ምዃኑ ‘ዩ::

ከምኡ ‘ውን ኣብዚ ሰሙን እዚ ንሕርሻ ዘገልግላ ተሽከርከርቲ ንኽልላት ተበርኪተን ‘የን:: እዚአን ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ሕርሻ ዝተጣናኸረ ግልጋሎት ንምሃብ ከምኡ ‘ውን ካልኦት ስራሕቲ ልምዓት ሕርሻ ንምቅልጣፍ ልዑል ኣበርክቶ ዝገብራ ምዃነን ተገሊፁ ‘ዩ::

ብፕሮግራም ልምዓት ሕርሻ ኣብ 10 ክልላትን ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ከተማ ምምሕዳርን ዝርከባ ን53 ወረዳታትን ንገጠር ስራሕትን ምችው ዝኾና 97 መካይንን 350 ሞተር ሳይክላትን እንትኾና 5 ነጥቢ 1 ሚልዮን ዶላር ወፃኢ ከምተገብረለንን ኢትዮጵያ ብተርእዮ ዘላ ውፅኢት ስራሕቲ ሕርሻ ባንኪ ዓለም ኣብ ኣብዚ ዘፈር ንኢትዮጵያ ዝገብሮ ዘሎ ደገፍ ከም ዝቕፅል ገሊፁ ‘ዩ::

ክልላት ድማ ነዚ ኣጣናኺረን ብምቅፃል ህዝበን ካብ ተፀባይነት ረዲኤት ምግቢ ከውፀኣ በርቲዐን ክሰርሓ ይግበአን:: መንግስቲ ፌዴራል ዝገብሮ ዘሎ ብርቱዕ ስራሕ እንተተኸቲለን ሙሉእ ብሙሉእ ኢኮኖሚያዊ ፀገም ምቅራፍ እኳ እንተዘይተኸኣለ ብዓብይኡ ግና ምቅናስ ይከኣል ‘ዩ::

ብፍላይ ዘመናዊ ኣገባብ ሕርሻን ማለት መካናይዜሽንን ምስ ዝዝርጋሕ ፍርያት ሕርሻ ምድንፋዕ ይከኣል ‘ዩ:: ሰፊሕ ኣጠቓቕማ ሃፍቲ ሕርሻ፣ ምምሕያሽ ኣጠቓቕማ ድኹዒ፣ ፀረ-ባልዕ፣ ሙሩፃት ዘርኢን መስኖን ብምስፍሕፋሕ ለውጢ ክመፅእ ይኽእል ‘ዩ።

ኣብ ሕርሻ ብዝግባእ ብምስራሕ ዘላቒን ኩለመዳያውን ብልፅግና ዜጋታት ንምርግጋፅ ቖላሕታ ሂብካ ምስራሕ የድሊ:: ደረጃ መነባብሮ ህዝቢ ንምምሕያሽ ደረጃ እቶት ምምሕያሽ ኣድላይ ‘ዩ:: መነባብሮ ሕብረተሰብ ገጠርን ከተማን ምዕባይ ዝከኣል እቲ ሓደ ውፅኢት ፍርያት ሕርሻ ምድንፋዕ ‘ዩ::

ብሓፈሻ መንግስቲ ሕርሻ ንምዕባይ ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ናይ ክልላት መንግስታት ብዝግባእ ብምስራሕ ህዝበን ካብ ተፀባይነት ሓገዝ ከውፀአኦ ይግባእ:: ልክዕ መንግስቲ ሕርሻ ምዕባይ ኣብ ኢኮኖሚ ዘለዎ ግደ ብኣግባቡ ተረዲኡ እናሰርሐ ዝርከብ ኣብዚ ዘፈር ዝተዋፈሩ ይኹኑ ዘይተዋፈሩ ኣካላት ዝኸኣልዎ ኩሉ ክሰርሑ ኣለዎም::

ኣብዚ ዘፈር ከንነጥፍ እንተኺኢልና ዓርስና ካብ ምኽኣል ሓሊፍና ሰደድ ከንገብር ‘ውን ንኽእል ኢና:: ከም ዝፍለጥ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ስርናይ ትኹረት ሂባ ብምስራሓ ሰደድ ገይራ ‘ያ:: እዚ ብዓቕሚ ኢትዮጵያ ዝሕሰብ ኣይነበረን:: ኮይኑ ግና መንግስቲ ይከኣል ‘ዩ ብምባል ልዑል ቖላሕታ ሂቡ ብምስርሑ ዝተለሞ ትልሚ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ከሳኽዕ ክኢሉ ‘ዩ::

ኮይኑ ግና እዚ እኹል ስለ ዘይኮነ ካብዚ ንለዓሊ ምስራሕ የድሊ:: ኣብ ሕርሻ በርትዒና እንተዘይሰሪሕና ካብ ተፀባይነት ምግቢ ከንወፅእ ኣይንኽእልን:: ስለዚ ብፍላይ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝረአ ዘሎ ናህሪ ዋጋ ምግቢ ክፍታሕ እንተኾይኑ ኣብዚ ዘፈር እዚ ኩለን ክልላት ዓብዪ ቖላሕታ ሂበን ክሰርሓ ይግባእ::

ወጋሕታ 29 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም

Recommended For You