ንዝኽሪ ጀነራል ሰዓረ መኮንንን ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳን ዝተሃነፁ ሓወልቲ ኣብ ቀረባ እዋን ክምረቑ እዮም

ኣዲስ ኣበባ(ኤፍ ቢሲ) ፡- ነበር ላዕለዋይ ኢታማዡር ሹም ሓይሊታት ውግእ ፌዴሪኢ ጀነራል ሰዓረ መኮንንን ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳን ዝተሃነፁ ሓወልቲታት ኣብ ቀረባ እዋን ከምዝምረቑ ምክትል ከንቲባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ ‹‹ወታደር ብሄር የብሉ››ብዝብል ዘረቦም ናይ ዝፍለጡ ጀነራል ሰዓረ መኮንንን ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳን መዘከሪ ሓወልቲ ስርሑ ከምዝተዛዘመ እተን ምክትል ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን ፅሒፈን፡፡

እቶም ሓወልቲታት ኣብ ቀረባ እዋን ኣዝማዶም፣ ፈተውቶም፣ ዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ኣድነቕተምን ኣብ ዝተረኸቡሉ ከምዝምረቑ ገሊፀን፡፡

 ብተመሳሳሊ ዜና ንነበር ላዕለዋይ ኢታማዡር ሹም ሓይሊታት ውግእ ፌዴሪኢ ጀነራል ሰዓረ መኮንን ዝቐተለ ሓለቃ ዓሰርተ መሳፍንት ጥጋቡ ዕድመ ልክዕ ፅኑዕ ማእሰርቲ ተበይኑሉ።

ዓቃቢ ሕጊ ብሞት ንኽቕፃዕ ሕ ኣቕሪቡ ዝነበረ ይኹን ‘ምበር፡፡ ኣርባዕተ መቕለሊ ቅፅዓት ብምቕራቡ ቅፅዓቱ ብዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ንኽቐልል ቤት ፍርዲ ወሲኑ፡፡

እቲ ውሳነ ቅፅዓት ተመሓላሊፉ ዘሎ፣ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ጉዳያት ፀረ ግብረ ራዕዲን ሕገ-መንግስቲን ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝወዓለ መጋባእያ ከምዝኾነ ኢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

ወጋሕታ 24 ሰነ 2013

Recommended For You