‹‹ትግራይ! ናይ ቁርፂ መዓልቲ ህይወት ኣድሐንቲ ደቃ ንመከራ ነጋዶታት ኣይትግብርን!›› ግዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ

ኣዲስ ኣበባ፡- ኣብ ልዕሊ መናእሰይ ትግራይ ዘነፃፀረን መናእሰይ ኣብ ጉዳይ ሃገሮም ዝገብርዎ አወንታዊ ተሳትፎ ንምሽቑራር ዝተዘርግሑ በትሪታት ጥፍኣት ምስ ኣካላት ፀጥታን ደሕንነትን ብዝተዋደደ ስጉምቲ ክነኽሽሞም ኢና ክብል ግዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣፍሊጡ።

እቲ ግዜያዊ ምምሕዳር ንግዜኢ ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ፣ ‹‹ትግራይ! ናይ ቁርፂ መዓልቲ ህይወት ኣድሕን ደቃ ንመከራ ነጋዶታት ኣይትግብርን!›› ክብል ገሊፁ።

ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ትግራይ ዝበፅሕ ግፍዒ ደው ንምባል፣ ተወሳኺ ጥፍኣት ህይወት ንከየጋጥም ኣጥቢቕካ ናይ ምስራሕ ጉዳይ፣ ሐዚ እውን ብዙሓት ፈተናታት ዘለውሉ ናይ ዝተፈላለዩ ተዋሳእቲ ተግባራት’ውን እንተነኣሰ ብሰብኣዊነትን ህይወት ኣብ ምድሓንን ጉዳይ ዘረዳድእ ክኸውን ይገባእ ነይሩ ኢሉ። ይኹን’ምበር በቢዕለቱ ዘጋጥሙ ፀገማት እንትረኣዩ ካብ ሰብኣዊነትን ዝተለመደ ኩነታትን ዝወፅኡ ከምዝኾኑ ንዕዘብ ኣለና ኢሉ። በዚ ድማ ሓዘን ከም ዝስምዖ ገሊፁ።

ኣብ ትግራይ ኣብ ዝካየዱ ወተሃደራዊ ምንቅስቓሳት በዝምልከት ብማሕበራዊ ሚዲያን ካልኦት መራኸብቲ ሓፋሽን ብውሱናት ኣመራርሓ እቲ ጉጅለ ዕጡቕ ብትልሚ ኣብዚ ሰሙን ብተኸታታሊ ዝተመሓላለፉ ቃለ መሕትታት ውፅኢታት ወፍሪ፤ ናይ ባዕልቶም ዝተፈለየ ዕላማ ንምፍፃም ዝተዘርግሑ ንፁሃን ግዳያት ንምግባር ዝተሃቀኑን ከምዝኾኑ እቲ መግለፂ ኣረዲኡ።

እቶም ናይ ፅልኢን ምፍርራሕን ፃውዒታት ህይወት በዓል ሞያን ነብሲ ኣድሕንን መንእሰይ ትግራይ ጭካነ ብዝተመልኦ መገዲ ምቕንፃል ምጅማሮም ከምዘሕዘኖ ብምግላፅ፣ ናይዚ ምላሽ ኣዝዩ ቅልጡፍ፣ ዝተሰልሐን ኣምሃሪን ከምዝኾን ንኣጥፋእቲ ካብ ብሕዚኡ ብፅኑዕ ነገንዝብ ኢሉ።

ቅድሚ ክልተ መዓልታት ኣብ ከተማ መቐለ ብግምት ድሕሪ ሸውዓተ ሰዓት ካብ ቢሮ ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባነጋ ንምጉዓዝ ኣብ ምድላው ዝነበረ ንግዚኡ መንነቶም ዘይተፈለጡ ዓፈንቲ ሓይሊታት ብሓይሊ ተወሲዱ ከምዝተሰወረ እንትንገረሉ ዝነበረ መንእሰይ ኢንጅነር እምብዛ ታደሰ፣ ጭካነ ብዝተመልኦ ኣፈፀምቲ ልኡኽ ግብረ ራዕዲ ከተማ ገበነኛታት ተቐቲሉ ብሓይሊታት ፖሊስ ፌዴራል ብዝተገበረ ዳህሳስ ብዕለት 17 ሰነ 2013 ዓ.ም ኣስታት ሓሙሽተ ሰዓት ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ዓይደር ፍሉይ ስሙ ቤት ህንፀት ኣብ ዝበሃል ከባቢ ተቐቲሉ ጥራሕ ዘይኮነስ ንኣዛብእ ኣብ ዝተውሃበሉ ከባቢ ዝተቖራረፀ ኣካላት ሰውነቱ ብምፍላይ ብተወሳኺ ብምርመራ ብኣረመኔያዊ ኣፈፃፅማ ብጭካነ ከምዝተቐተለ ምርግጋፅ ከምዝተኽኣለ እቲ መግለፂ ሓቢሩ።

እዚ ተግባር ካብ ሰብኣዊ ፍጡር ትፅቢት ዘይግበረሉን ዝውገዝን እዩ ዝበለ እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ዝሃቦ መግለፂ፣ እቲ ኣረመኒያዊ ገበን ቅትለት ዝፍፀም ዘሎ ግዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ህዝቢ ኣጋጢሙዎ ካብ ዘሎ ፀገም ንምውፃእ ዓሊሙ ብመልክዕ ወፍሪ ሓገዛት ምግቢን ሕክምናን ተበፃሕቲ ንምግባር ኣብ ዝንቀሳቐሰሉ ዘሎ እዋን ከምዝኾነ ገሊፁ።

ብተወሳኺ ሓረስቶት እዋን ማሕረስ ንከይሓልፎም ማሕረስ ንክጅምሩ፣ መሰረተ ልምዓታትን ፋብሪካታትን ናብ ስራሕ ንምእታው፣ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ዳግም ንምጅማር፣ ተበፃሕነት ጥዕና ንምምሕያሽ፣ ፋብሪካታት ትእምት ናይ ህዝቢ ምዃኖም ንምርግጋፅ ርብርብ ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ እዋን ንብዓት ትግራይ ዘጋድድን ተወሳኺ መስዋእትነት ዘስዕብን ናይ ጭካነ ተግባር ምፍፃሙ አውጊዙ።

ስለዝኾነ ክሳብ ሐዚ ብዝተፈፀመ ኣረመኒያዊ ተግባር ልኡኽ ህዝቢ ብምሽካም ንህዝቢ ዝሕግዙ ዝነበሩን ካብ ፖለቲካ ወገንተኝነት ይኹን ወተሃደራዊ ተሳትፎ ፍፁም ነፃ ዝነበሩ ልዕሊ 50 ንፁሃን መናእሰይ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናትን ቦታታትን ብኸንቱ ህይወቶም ምስኣኖም ከምዘሕዘኖ ገሊፁ። መላእ ሕብረተሰብ ብንቕሓት ክከታተሎ ዝግባእ ጉዳይ ከምዝኾነ’ወን ሓቢሩ።

ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ህዝባዊ ሓላፍነትን ወገንተኝነትን ብምቕዳም ዝተፈላለዩ ሰብኣዊ ተግባራት ኣብ ዝፍፅመሉ ዘሎ እዋን እዚ ተግባር ምፍፃሙ ድማ እኩይ ዕላማ እቲ ጉጅለ ሓይሊ ጥፍኣት ልዕሊ ህልውና ህዝቢ ከምዝሰርዐ ብግልፂ ዘርእይ ኢዩ ኢሉ።

ህዝቢ ብፍላይ መንእሰይ ነቶም ነጋዴታት መከራ በቃ ክብሎም ዝግበአሉ ኣብ ናይ መወዳእታ ደቒቓ ከምዘሎ ብፅኑዕ ዘርእይ ኢዩ ኢሉ።

ግዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፥ ኣብ ልዕሊ መናእሰይ ትግራይ ዘነፃፀረን መናእሰይ ኣብ ጉዳይ ሃገሮም ዝገብርዎ እወንታዊ ተሳትፎ ንምሽምቓቕ ዝተዘርግሑን በትሪታት ጥፍኣት ምስ ኣካላት ፀፅታን ደሕንነትን ብዝተዋደደ ስጉምቲ ክነኽሽፎም ኢና ክብል እውን ኣፍሊጡ።

በዚ ኣጋጣሚ ኣብ ልዕሊ ኢንጅነር እምብዛን ብሓፈሻ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣገልግሎት ዝህቡ ዝነበሩ ንፁሃንን ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ብምውጋዝ፥ በቶም ግዳያት ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊፁ።

ንቤተሰብን ደገፍቲን እቶም ወገናት ድማ ምፅንዕናዕ ተመኒዩ።

ወጋሕታ 24 ሰነ 2013

Recommended For You