‹‹ንመጀመርያ እዋን ዝካየድ ሃገራዊ ምኽክር ሓድሽ ጅማሮ ፖለቲካ መፍጠሪ ኣጋጣሚ ‘ዩ›› -ኮምሽነር ኮምሽን ሃገራዊ ምኽክር ሂሩት ገብረስላሴ

ሂሩት ገብረስላሴ ን14 ዓመታት ኣብ ዝተፈላለዩ ትካላት ሕቡራት መንግስታት ብላዕለዋይ ሓላፍነት ቦታታት ሰሪሐን ‘የን።

ናይ ምዕራብ ኣፍሪካን ሳህል ሕቡራት መንግስታትን ዋና ፀሓፊት ምክትል ወኪል ኾይነን ኣገልጊለን ‘የን። ንሽድሽተ ዓመታት ኮሚቴ ላዕለዋይ ኦፊሰር ሰላምን ልምዓትን ደቂ ኣንስትዮ ኣፍሪካ፣ ንሰለስተ ዓመታት ኣብ ኦክስፋም ኣህጉራዊ ህንፀት ሰላምን ናይ ጎንፂ ኣመራርሓን ኣማኻሪት ነይረን ‘የን።

ካብ ፈረንሳይ ሰርቦን ዩኒቨርሲቲ ናይ ሕጊ ሙሩቕ ‘የን። ኣብ ውሽጢ ሃገር ‘ውን ላዕለዋይ ቤት ፍርድን ዓቃቢ ሕጊ ነይረን። ንኽልተ ዓመታት ብሕግን ፍትሕን ሚኒስቴር ናይ ሕጊ ተንታኒት ባዓል ሞያ ኾይነን ዘገልገላ እንትኾና፣ ኣብ ሚኒስተር ጉዳይ ወፃኢ ኣብ ክፍሊ ኣፍሪካ ስሪሐን ‘የን።

ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ናይ ሕጊ መፅናዕቱ ኦፊሰር፣ ንኽልተ ዓመታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ናይ ክፍሊ ሕጊ ትምህርቲ ሌክቸረር፣ ንሸሞንተ ዓመታት ብውልቀ ናይ ውልቀ ትካል ላዕላወይ ኣማኻሪት ሕጊ፣ ንኣርባዕተ ዓመታት ዓለም ለኸ ኣማኻሪት ንግዲ ብምኳን ኣገልጊለን ‘የን።

ካብ ትካል ሕቡራት መንግስታት ጥራሕ እንተይኾነስ ካብ ዝተፈላለየ ዘይመንግስታዊ ዝኾኑ ትካላት ዓብይ ስራሕ ልምዲ ረኺበን ‘የን።ተወሊደን ዝዓበያ ኣዲስ ኣበባ ‘ዩ። ካብ መውዓሊ ህፃናት ፊደል ካብ ምቑፃር ጀሚረን ክሳብ ካልኣይ ብርኪ ትምህርተን ተኸታታለን ዘወደኣ ሊሴ ገብረማርም ቤት ትምህርቲ ‘ዩ።

ላዕለዋይ ብርኪ ቤት ትምህርተን ድሕሪ ምዝዛም ድማ ንትምህርቲ ሕጊ ንምምሃር ናብ ፈረንሳይ ብምኻድ፣ ብስትራቴጂ ውትድርና ከምኡ’ውን ብፖለቲካ ሳይንስ ትምህርተን ብምዝዛም ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሰን ‘የን። ምስ ኮምሽነር ኮምሽን ሃገራዊ ምኽክር ሂሩት ገብረስላሴ ዝተገበረ ፃንሒት ከምዝስዕብ ኣቅሪብና ኣለና። ሰናይ ንባብ!

ትፕኢ፡- ካብ ቁልዕነት ህይወተን ክንጅምር እሞ ኣተዓባብየአን ከመይ ነይሩ?

ኮምሽነር ሂሩት፡– ንቤተሰበይ ሳልሰይቲ ቆልዓ ‘የ። ዝተወለድኹ ትምህርቲ ካብ ዝፎትዮ ቤተሰብ ‘ዩ። በዚ ዕድለኛ ‘የ። ኣብ ናትና ገዛ ሰብ ዝኽበር ትምህርቲ ጥራሕ ‘ዩ ዝብል ኣተሓሳስባ ‘ዩ ዘሎ። ከምና ሕዚዚ ምቕባጥ የለን።

ኹሉ ነገር ስርዓት ኣለዎ፣ ንህይወት እቲ ቀዳማይ ጉዳይ ትምህርቲ ‘ዩ። ወለደይ ዕዮ ገዛ በቢ ማዓልቲ ‘ዮም ዝከታትሉ። ኣብ ዝተወለድኽሉ ገዛ ዓብይ ቤተ መፅሓፍ ኣሎ። ኣደይን ኣቦይን ኣንበብቲ ‘ዮም። መፅሓፍ ምንባብ ባህልና ንክኾን ገይሮም ‘ዮም።

ናይ መጀመርያ ዓባይ ሓፍተይ ዝተመሃረት ናይ እንግሊዛውያን ቤት ትምህርቲ ‘ዩ። ካልኤቲ ሓፍተይ ድማ ዝተፈለየት ብሩህ ኣእምሮ ዘለዋ ‘ያ። ኣብ እዋን ቀዳማዊ ሃይለስላሴ ብሩህ ኣእምሮ ዘለዎም ይሽለሙ ነይሮም። ትምህርቲ ካብ ዝጀመረት ጀሚሩ ዘመና ዘሕለፈቶ ብሽልማት ‘ዩ።

ዶክተር ገነት ገብረስላሴ ትባሃል። ሕዚ ስፔሻሊስት ማህፀን ‘ያ። ንዓይ ድሕሪ ገነት ምውላድ ፈተና ‘ዩ ነይሩ። ኣነ ‘ውን ከም ኣሕዋተይ ምሸት ገዛ ዕዮ ሰሪሐ ኣብ ክንዲ ምድቃስ ምንባብ ይጅምር። ምንባብ ስለዝፎቲ ብዙሕ ካብ ምንባበይ ዝተልዓለ ይኣኽለኪ እናበሉ መብራህቲ የጥፍእዎ ነይሮም።

ካልኣይ ብርኪ ትምህርተይ ምስ ወደኣኹ ናብ ፈረንሳ ከይደ። ኣብ ፈረንሳይ ሕግን ፖለቲካን ሳይንስን ትምህርተይ ተኸታቲለ ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሰ። ወለደይ ኣብ ዝደልይዎ ብርኪ በፂሕና ኢና። ኣቦይ ዝሞተ ደቁ ኻልኣይ ድግሪ ከምዝሓዙ ምስ ረኣየ ‘ዩ፤ ኣደይ ክሳብ ኸዚ ኣላ።

ትፕኢ፡- መጀመርያ ካብ ፈረንሳይ ምስ መፃ ናብ ሕጊ ስራሕ እንትኣትዋ እቲ ኩነታት ከመይ ነይሩ?

ኮምሽነር ሂሩት፡– ብጣዕሚ ቆልዓ ነይረ። ልዕል ኢለ ከምዝገለፅክዎ ህይወት ቁልዕነተይ ኣብ ትምህርቲ ጥራሕ ዘተኮረ ‘ዩ ነይሩ። ስለ ዓለም ብዙሕ ዘይፈልጦም ጉዳያት ነይሮም።

ብዕድመ ‘ውን ቆልዓ ነይረ ። ጠቕላላ ዓቃቢ ሕጊ ዝተወሳሰበ ጉዳያት ዝላኣኽሉ ‘ዩ። ፈተና ተፈቲነ፣ ብኣጋጣሚ ኣብዝሓ ናይ ኢትዮጵያ ሕጊ ዘርቀቕዎ ፈረንሳውያን ‘ዮም፤ ሓደ ሓዲኦም ኣርቀቕቲ መምህራነይ ነይሮም። ስለዚ እቲ ፈተና ኣይኸበደንን።

ኣብዝሓ ጉዳያት ናይ ነፍሲ ወይ ድማ ብጣዕሚ ዝረቐቑ ናይ ምጭብርባር ጉዳያት ‘ዮም ነይሮም። ኾይኑ ግና ዝተወሰኑ ግዝያት ምስ ሰራሕኹ ስረሐይ ክልውጥ ደልየ፤ ምኽንያቱ ፖለቲካ ሳይንስ ተማሂረ እየ። ኣብ ሚኒስተር ጉዳይ ወፃኢ ኣመልኪተ።

ትፕኢ፡- ኣብ ሚንስተር ጉዳይ ወፃኢ ዝተቖፀራሉ ኣጋጣሚ ከመይ ነይሩ? ካብ ዓቃቢ ሕጊ ናብ ጉዳይ ወፃኢ መስራቤት ከመይ ተዘዋዊረን ?

ኮምሽነር ሂሩት፡– ኣመልኪተ እንተበልኩ እንበር ብፅሑፍ ኣይሓተትኹን። ኣፍቲ ቢሮ ጉዳይ ወፃኢ ብምኻድ ብቃል ቁፀሩኒ ዝብል ሕቶ ኣቕሪበ። ‹‹ንሕና ገና ሰራሕተኛን ስራሕ እናረኽብና ኢና›› ዝብል መልሲ ሂቦምኒ።

‹‹ሰራሕተኛን ስራሕን ክሳብ ሕዚ ኣይተራኸበን ›› ኢለ እንትሓትት ‹‹ናይ ቅድሚ ሐዚ ነባር ስርዓት ‘ዩ ፡፡ሕዚ ነዚ ስርዓት ዝምችው መልክዑ ስራሕን ሰራሕተኛን ክነጋኒ ኢና ›› ኢሎም። ሽመይን ስልክ ቁፅረይን ሂበ ተመሊሰ። ተተፀበኹ ‘ውን ክፅዉዕኒ ኣይካኣሉን።

ድሕሪ ግዜ ተመሊሰ ብምኻድ ኣብቲ እዋን ዝነበሩ ሚንስትር ኣይተ ክፍሌ ወዳጆ እንታይ ክረድአኪ ኢሎም ሓቲቶምኒ። ኣነ ‘ውን ዓቃቢ ሕጊ ከምዝኾንኩን ፖለቲካል ሳይንስ ከምዝተምሃርኩ ኣፍቲ ትካል ምስራሕ ከምዝደሊ በዚ ድማ ንኣርባዓን ሓሙሽተ ደቒቓ ዝኾን ቃለ መሕተት ገይሮምለይ።

ንዘቕረብለይ ሕቶ መልሲ ኣቅሪበ። ብዝውውር ክንወስደኪ ኢና ኢሎምኒ በዚ ድማ ተሓጉሰ። ሓራስ እናሃለኹ ናብ ጉዳይ ወፃኢ ከምዝተዛወርኹ ተነጊሩኒ። በዚ ድማ በቲ ብሚኒስትር ትእዛዛ ዓበይቲ ስራሕቲ ይሰርሕ ነይረ፤ ኾይኑ ግና ብዙሕ ከይፀናሕኹ ክእሰር ተገይረ።

ትፕኢ፡- ከመይን ብምንታይ ምኽንያትን ተኣሲረን ?

ኮምሽነር ሂሩት፡- ከም ዝፍለጥ እቲ ግዜ እዋን ደርጊ ‘ዩ ነይሩ። ጉዳይ ወፃኢ ተቖፂረ ብዙሕ ከይፀናሕኹ ኣብ ክፍሊ ኣፍሪካ እናሰራሕኹ መሓዉር ተከሊሱ። ኣነ ጄኔቫ ተመዲበ። ኣብቲ እዋን ፈረንሳይ ተዛራቢ ዝኾነ ሰብ ብመኢሶን ይጥርጠር ነይሩ። ኣነ ‘ውን ዓብይ ገበን ክይፈፀምኩ ‹‹ኣተሓሳስባኺ ምስ ደርጊ ዝፃረር ‘ዩ›› ብዝብል ክእሰር ተገይረ ‘የ።

ስርዓት ደርጊ ንዓይን ኣነ ዝተጠርጠኹዎ ጉጅለ (መኢሶን) ኣተሓሳስባ ስለዘይጣዓሞ ፍርቁ ተቀቲሉ ፍርቁ ድማ ተኣሲሩ ኣነ ዕድለኛ ኾይነ ኣይሞትኩን ተኣሲረ። ሓሙሽተ ዓመት ተኣሲረ። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኾይንካ ቤት ፍርዲ ምቕራብ ዝሕሰብ ኣይነበረን። በቢ ማዓልቱ ክቕተል እየ እናበልካ ምስቓቕ ዝተለመደ ‘ዩ።

እቲ ግዜ ኣብ ዘመነይ ኹሉ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ንከይኣቱ ገይሩኒ ‘ዩ። ሰብ ብቀሊሉ ዝሞተሉ ግዜ ነይሩ፤ ኣብ ካልእ ሃገር ሰብ ይእሰር እንበር ኣይቕተልን። ቆልዑ ዘለዉዎ ሰብ ምእሳሩ ጥራሕ እንተይኾነስ ብቐሊሉ ክመውት ከም ዝኽል እናሓሰበ ንሓሙሽተ ዓመት ምሕላፍ ከቢድ ‘ዩ።

ስለዚ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወፃኹ ኣብ ዝኾነ ፖለቲካን ምስታፍን ኣብ ትካል መንግስቲ ውሽጢ ምእታው ኣየደልን ኢለ ወሲነ። ድሕሪ ግዜ ዓለም ለኸ ትከላት ንክቁፀር ወሲነ። በዚ ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ዘይምግስታዊ ልምዓታዊ ትካላት ሰሪሐ ‘የ።

ትፕኢ፡- ጉዳይ ወፃኢ፣ ድሕሪኡ ድማ ቤት ማእሰርቲ ካብዚ ብምውፃእ ድማ ዓለም ለኸ ትካላት ከመይ ምስራሕ ክኢለን?

ኮምሽነር ሂሩት፡- ካብ ቤት ምእሰርቲ ምስወፃኹ መጀመርያ ልምምድ ሕጊ ንምግባር ሓሲበ። ግና ካብ ቤት ማእሰርቲ እንትወፅእ ናይ ስራሕ ምልክታ እኳ ከመይ ከምዝፃሓፍ ጠፊኡኒ ነይሩ። ባዓል ገዛይ ፂሒፉለይ።

ባዓል ገዛይ ብቡዙሕ ነገር ኣብ ጎነይ ዝነበረ ሰብ ‘ዩ። ድሕሪ እዚ መታዓቢተይ‹‹ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እናምሀርኪ ስለዝነበርኪ ስራሕ ብምምሃር ተትጅምሪ ይሓይሽ›› ኢሎምኒ። ንዝተወሰነ እዋን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣምሂረ። ቀፂሉ ናይ ሕጊ ምልምማድ ቀፂለሉ።

ድሕሪ ግዜ ስለ ሕቡራት መንግስታት ንምቑፃር ሓሲበ ኣብ ኦክስፋም ውሽጢ ናይ ዓሰርተ ሓደ ሃገራት ኣማኻሪ ንክኾን ተፀዊዐ። መሳርሕተይ ዓለምለኸ ኾይኖም። እቲ ትካል ናይ እንግሊዝ ‘ዩ ነይሩ። ሕቡራት መንግስታት እንትኾን እንተናኣሰ ሃገረይ ኣባል እያ ኢለ ኣትየ። እንትኣቱ ምንም ሓገዝ ኣይረኸብኩን።

ትፕኢ፡- ላዕለዋይ ሓላፊት ኮሚቴ ሰላምን ልምዓትን ደቂ ኣንስትዮ ኣፍሪካ ኾይነን ሰሪሐን ‘የን ዝኣተዋሉ ምኽንያት ደቂ ኣንስትዮ ንምድጋፍ ሓሲበን ድዩ ወይስ ብኣጋጣሚ ?

ኮምሽነር ሂሩት፡- ሕቡራት መንግስታትን ሕብረት ኣፍሪካን በዚ ጉዳይ ክንሰርሕ ኣለና ኢሎም እቲ ትካል ኣጣይሾም። ኣብቲ ቦታ ዓበይቲ ታሪኽ ዝሰርሓ ደቂ ኣንስትዮ ንዐአን ቦርድ ኾይኑ ዝሰርሕ ዋና ቢሮ እናጣየሹ ነይሮም።

እቲ ቢሮ እንትጣየሽ ስራሕ ልምደይ ብምርኣይ ንዓይ ወሲዶምኒ። ኣብ ኣፍሪካ ብዙሕ ጎንፂ ኣሎ። ከም ዝፍለጥ ድሕሪ ኹናት ዝካየዱ ስምምዕነት ንደቂ ኣንስትዮ ዋጋ ኣይህብን። እቶም ምውጋእ ዝደልዩ ሰባት ይስብሰቡ፤ ግና ደቂ ኣንስትዮ ዝፃወተኦ ሚና ብጣዕሚ ዉሕድ ‘ዩ፤ ስለዚ እዚ ትካል ግደ ደቂ ኣንስትዮ ንምውፃእ ዝተጣየሸ ‘ዩ።

ናይ ደቂ ኣንስትዮ ኣሰራርሓን ኣመራርሓን ምስ ደቂ ተባዕትዮ ሓደ ኣይኮነን። ደቂ ኣንስትዮ ምክታት ጎንፂ የረጋጋዕ ‘ዩ ተባሂሉ ስለዝእመን እቲ ትካል ተጣይሹ። ናይዚ ቢሮ ሓላፊ እንትኾን እቲ ፕሮግራም ሙሉእ ብሙሉእ ዝምራሕን እንታይ ከምዝስራሕ ዝፍለይ ብኣየ ‘ዩ። ብልምዲ ኾነ ብዕድመ ዝበልፃኒ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ትሕተይ ተገይረን ሰሪሕና ኢና።

ማኖሪቨር ብዝባሃል ፕሮግራም ምዕራብ ኣፍሪካ ላይቤሪያ፣ ጊኒ፣ ሴራልዮን ኣብ ዝነበሩ ጎንፅታት ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ንክህሉ ዓብይ ኣስተዋፅኦ ኣካይድና። ኣብ ሶማል ውሽጢ ዝስብሰቡ መራሕቲ ጎሳ ‘ዮም። ንሶም ተሰብሲቦም ውፅኢት ኣየምፅኡን።

ኣብ መወደእታ መበል ሻብዓይ ጎሳ ደቂ ኣንስትዮ ይኹና ኢልና ሓሳብ ኣቕሪብና። ካብ ኹሉ ጎሳ ዝተሰብሰባ ደቂ ኣንስትዮ ክኾና ተገይሩ። እዚ ብምክያድና ድማ ብጣዕሚ ተጠቒምና። ቡሩንዲን ካልኦት ኸባቢታት በዚ መልክዑ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ንምምፃእ ፃዕሪ ገይርና ኢና።

ትፕኢ:- ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ዑደት ኣካይደን እየን። ኣብ ኢትዮጵያ ሕዚ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ሰፊሕ ግጭታት ተራእዮም ነይሮም ‘ዮም። ካብ ተመኩረአን ብምብጋስ እቲ ምኽንያት እንታይ እዩ ይብላ?

ኮሚሽነር ሒሩት፡– ኢትዮጵያውያን ከም ዕድል ኾይኑ ናይ ብዙሓት ሃገራት ረብሓ ኣብ ዘለዎ ቦታ ኢና ንርከብ። ብምኽንያት እዚ ብዘይጥርጥር ካብ ደገ ዝመፅእ ሕቡእ ጣልቃ ምእታዋት ንኢትዮጵያ ናብዚ ሕዚ ዘላቶ ኩነታት ኣብፂሕዋ ይርከብ።

ኣብ ዝሓለፈ እዋን ምግንፃል ናይ ኤርትራ ዘጋጠመ ኾነ እዚ ሕጂ ዘሎ ቅልውላው ካብ ደጋዊ ፅልዋታት ነፃ ከምዘይኮነ ክንፈልጥ ይግባእ። ሃገርና እዚ ሕጂ ዘለዋ ካርታ ዝሓዘት ካብ ቀረባ እዋን ናብዚ ‘ዩ። ኣብ ታሪኽ ሃገራት ካልኦት ሃገራት ምናልባት ዘለወን ካርታ ሓደ ክፍለ ዘመን ዘቁፀረ ‘ዩ።

ናይ ኢትዮጵያ ፍርቂ ክፍለ ዘመን ኣየቁፀረን። ንሱ ድማ ምስ ሃገራውነት ንክጥዓዓም ተገይሩ ብዝግባእ (ኔሽን ቢውልዲንግ) ከይተሰርሐ ካልኦት ባዕዳውያን ናይ ደገ ፅልዋታት ፀገም ፈጢሮምልና። እዚ ሎሚ እንፈልጦ ሽሕ ዓመት ዝገበረ ካርታ ‘ዩ። ግዜ ክወስድ ‘ዩ።

መጀመርያ ዝነበሩ መንግስታት ናይ ሓባር መንነት ኣብ ምህናፅ ዘባኸንዎ ግዜ ኣሎ ኢለ የኣምን። ንሶም ዝተወሰነ ነገር እንተሰርሑ ‘ውን፤ ብባዕዳዊ መግዛእቲ ዘይተገዝእሉ ምኽንያትን ናይ ደገ ፅዕንቶ ተወሲኽዎ ኣብዚ ሎሚ ንርእዮ ዘለና ኩነታት በፂሕና ኣለና።

እቲ ቁልፊ ጉዳይ ናይ ሓባር መንነት ‘ዩ። ናይ ሓባር መንነት ምስ ዝፍጠር ሰላም ምስኡ ‘ዩ ዝመፅእ። ናይ ሓባር መንነት ከይሃለወ። ኣብ ሓባራዊ ዝገብሮም ጉዳያት ከይሰራሕካ ኩሉ ሰብ መንነቱን ረብሓታቱን ክሕሉ ተበታቲኑ።

መንነትካ ንምሕላው ሕቶ ኣይተልዕሉ ምባል ኣይከኣልን ‘ዩ። እዚ ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርኣይ ዘሎ ዓይነት ሃገራዊ ወያነ ‘ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። ኩሉ ሰብ ብማዕረ ክረአ ኣብ ዝደልየሉ እዋን ኢና ዘለና። ንሕና ድማ ብግቡእ ክንገብሮ ኣለና።

ነዚ ክንገብር ኣብ እንፍትነሉ እዋን ከም ዜጋታት ማዕረ ዝገብሩና ክብርታት ከነሐይል ይግባእ። ንኽልቲኡ ብማዕረ ክነኽይድ ኣለና። ጉዳይ ሓባራውን ውልቃውን መንነት ጎና ጎኒ ብማዕረ ክኸይድ ይግባእ። ኣብቲ ናይ ሓባር ንምትኳር ተባሂሉ ሕቶ ውልቃዊ መንነት ደው ምባል ኣይከኣልን። ምኽንያቱ ናዕቢ ክስዕብ ‘ዩ።

ትፕኢ:- ምስ ቀይሕ ባሕሪ ዘሎና ርሕቀት ቀረባ ምዃኑ፤ ማለት ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝገለፀኦ ኣቀማምጣ ኢትዮጵያን መበገሲ ፈለግ ኣባይን ምዃና በረኸት ድዩ መርገም?

ኮሚሽነር ሒሩት፡– ኣብ ኣፍሪቃ ግጭትን ኲናትን ዝረኣየለን ዞባታት ዝበዝሓ ኣብ ሃፍታማት ሃገራት ‘የን። ሃፍቲ ዘይብለን ሃገራት ብዙሕ ኲናት የብለንን።

ነዚ ‘ዩ ድማ ሃፍቲ ሓደ ሓደ ግዜ መርገም ተባሂሉ ዝፅዋዕ። እቲ ዝተረኽበ ፀጋ ብኻልኦት ምስ ዝድለ ኣብ ልዕሊ ወናኒ እቲ ሃፍቲ ፀገማት ይፍጠር። ነዚ ሃፍቲ ብዘይግቡእ ንምጥቃም ኾነ ተባሂሉ ኣብታ ሃገር ዕግርግር ንክህልው ይግበር።

ነዚ ‘ዩ ድማ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ሃፍቲ መርገም ‘ዩ ዝብሃል። ንዓይ ኣባይ ብፈጣሪ ንኢትዮጵያ ዝተውሃበ ፀጋ እምበር መርገም ኣይኮነን። ኣብ ዓለም ክነብር ከለኹ ኹሉ ዝግብኣኒ ኣብ ሰሓነ ዘቅርበለይ የለን። ኣባይ ክንጥቀመሉ ንቐላጠፍ ኣለና።

እዚ ምስ ገበርና ጥቅምና ክጎድለና ‘ዩ ኢሎም ዝሓስቡ ኣካላት፤ ዘየልዕልዎ ነገር ኣይክህሉን ‘ዩ። ግብፃውያን መሰል ክህበና ‘ዩ ዝብልዎ ስምምዕ ኢትዮጵያ ከም ሃገር ዘይተሳተፈትሉ ስምምዕ ‘ዩ። ዋላ ናይ ገዛእ ርእሳ ሃፍቲ ክትጥቀም ኣብ እትፍትነሉ እዋን ‘ውን፤ ሱቅ ኢሉ ዝዕዘብ ዝኾነ የለን። እዚ ንባዕሉ ካልእ ናይ ውግእ ግንባር ‘ዩ።

ፀገም ዝፈጥራልና ዘለዋ ሃገራት ከም ቀሊል ዝረኣያ ሃገራት ኣይኮናን። ምኽንያቱ እተን ዝድግፈአን ሓያላት ሃገራት እየን። ይኹን እምበር ንሶም ፀገም ስለ ዝፈጠሩ ሃፍትና መረገም ኣይኮነን። ሃፍተን መርገም ካብ ዝኾነን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ናትና ዝተፈለየ ‘ዩ። ሃፍትታትና ኣዋዲድና ዘለና ፀጋ ክንጥቀመሉ ድሉዋት ኢና። ንሶም ግና ገና ሃፍቶም ከይተጠቐሙ ‘ዮም ኣሰሮም ኣጥፊኦሞም።

ብዓይኒ በሪ ባሕሪ እንትርአ ኢትዮጵያውያን ኣነ ከምዝኣምኖ ኣብ ታሪኽና ዓቢ ጥልመት ተፈፂሙ ‘ዩ። በሪ ባሕሪ ብዘይህልወና መንገዲ ዝተግበር ስምምዕ ካብ ክሕደት ዝንእስ ኣይኮነን። እቶም ከምኡ ዝገበሩ ሓይልታት ስለምንታይ ከምኡ ከም ዝገበሩ ንሶምን ፈጣሪን ይፍለጡ።

ኣብ ዓለም ክንድዚ ዝኣክል ህዝቢ ዘለዋ ወደብ ባሕሪ ዘይብላ ሃገር የላን። እታ ኣነ ዝነበርኩላ ኮንጎ ከይተረፈት ብፃዕሪ ዜጋታታ ጥራይ ዘይኮነስ ብኮሎንያሊስት ከይተረፈ ልዑል ድርድር ተገይሩ ቀጢን በሪ ባሕሪ ክህልዋ ተገይሩ ‘ዩ። ኣንሕና ብፍቓድና ዝኣተናዮ ኩነታት ዘደናግር ‘ዩ።

ንሱ ድማ ታሪኽና ኮይኑ። እዚ ብምንታይ መንገዲ ንዋፀኦ እንተተባሂሉ ዝተፈላለየ ሰላማዊ መንገዲ ብምድላይ ምቕፃል ይሓይሽ። ዓለምለኸ ሕግታት ብዝፈቅዶ ብመንገዲ ሰላም ተቃሊስካ ምፍታሕ ይሓይሽ። ካብኡ ወፃኢ ካልእ መንገዲ የለን።

ትፕኢ:- ናብቲ ዝሰርሓሉ ዘለዋ ኮሚሽን ንመለስ፤ ካብ ዝምስረት ሓደ ዓመትን ሸሞንተ ወርሕን ኮይኑ ኣሎ። ሽግር ኢትዮጵያ ክሳብ ክንደይ ዝኣክል ሰፊሕ እዩ? ንስኻትኩምከ ክንደይ ዝኣክል ትሰርሑ ኣለኹም?

ኮሚሽነር ሒሩት፡– መጀመርያ ኣብዚ ዝኾነ ሰብ ክርድኦ ዘለዎ እቲ ስራሕ ኣዝዩ ከቢድ ‘ዩ። እታ ሃገር ሰፋሕ ‘ያ። እቲ ህዝቢ ብዝሓነት ዘለዎ ኣዝዩ ዝተፈላለየ ‘ዩ።

ብዙሕ ዝተተኽለ ጎንፂታት ኣሎ። እቲ ዘሎ ዓውዲ እዚ ‘ዩ። ኣብዚ ዓውዲ እዚ ክንገብሮ ንፍትን ዘለና ላዕሊ ላዕሊ ንይምሰል ኣይኮነን። ብታሪኽ ኣጋጣሚ ነዚ ሓላፍነት ክወሃበና ከሎ ብቀሊል ክውሰድ የብሉን። ልዑል ተሓታቲነት ዘለዎ ስራሕ ‘ዩ።

ስለዚ እንተነኣሰ ስራሕና ብግቡእ ክንሰርሕ ይግባእ፤ ከምዚ ዓይነት ሃገራዊ ምምኽኻር ኣብ ካልኦት ሃገራት ተኻይዱሉ ዝወደቀሉ ቦታታት ብምፅናዕ እንታይ እንተገበርና ከምዝሰኻዓልና ኣፅኒዕና ብኡ ልክዕ ንምስራሕ ወሲና ተንቀሳቂስና ኢና።

እዚ ኣከያይዳና ኣዝዩ ኣድካሚ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። ይኹን እምበር እዚ ክትሰርሑ ከለኹም እዚ ኣጉዲልኩም ነይርኩም ክይንብሃል ንደሊ ኢና። እቲ ቀንዲ ነገር እዚ መስርሕ ምምኽኻር ኣብ ዘይብሉ ሃገር እንትስራሕ ብቅኑዕ መንገዲ ምጅማር ‘ዩ።

ስለዝኾነ ብመጀመርታ እዚ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ዝግበር ምምኽኻር ከመይ ትሪእዎ? ብኸመይ መልክዕ ክግበር ኣለዎ ትብሉ ዝብል ሓደ ዓመት ግዘ ዝወድአ ናይ ምኽክር ስራሕ ተሰሪሑ ‘ዩ? ከምኡ ምስ ገበርና ካብ ኩሉ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ወሲድና ሃገራዊ መስርሕ ምምኽኻር ንድፊ ነዲፍና ኢና።

ብተወሳኺ ብብርኪ ሃገር ንዘለዉ መዳርግቲ ኣካላት ‘ውን ሓሳብና ገሊፅናዮም ኢና። ካብኦም እታወታት ብምውሳድ ንኹሉ ዝሓቁፍ ክኸውን ንሰርሕ ኣለና ኢና። ሓቛፊ ወይ ኣሳታፊ ባዶ ቃል ዘይኮነስ ብጭቡጥ ህዝቢ ዘሳትፍ ‘ዩ፤ ንኹሉ ዝሓቁፍ ንክኸውን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወረዳ ንዝኾነ ሰብ ከይገደፍና ንሰርሕ ኣለና። ሐዚ ዝበፃሕናዮ ብርኪ ነቲ ተሳታፊ ነለልዮ ስለዘለና፤ እቲ ህዝቢ እዚ ናተይ ኣጀንዳ ‘ዩ ኢሉ ክነግረና ንገብር ኣለና።

ትፕኢ:- ንሰን ካብቲ ምምኽኻር እንታይ ተስፋ ይገብራ? ብርግፅከ ናይ ኢትዮጵያ ፀገም ብኣኹም ጥራይ ይፍታሕዶ?

ኮሚሽነር ሒሩት፡– ኣብዛ ሃገር ክሳብ ሎሚ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ፅዕንቶ ፈጠርቲ ፖለቲካዊ ውድባት ካብ ዝተፈላለዩ ብሄራት ዝመፁ ሰባትን መንግስቲ ‘ውን ሓዊሱ ተኣኪቦም ከም ሃገር ንክንቅፅል ክንሰማማዓሎም እንደልዮምን እንታይ ‘ዮም ኢሎም ኮፍ ኢሎም ተዘራሪቦም ኣይፈልጡን።

ከም መራሕቲ ሕብረተሰብን ፖለቲካን ተዘራሪቦም ኣይፈልጡን። ኩርናዕ ሒዝካ ዓው ዓው ጥራሕ ‘ዩ። ከም ሓደ ስድራቤት ኣቦ፣ ኣደን ወድን ተኣኪቦም ኣብ ሓደ ጉዳይ ንምውሳን ከም ስድራቤት ይመኽሩ። እንተወሓደ ኣብዞም መሰረታውያን ጉዳያት ከም ስድራቤት ብምምኽኻር ክንሰማማዕ ይግባእ ዝብል ዘረባ ኣይተገበረን።

እቲ ፈላማይ ሃገራዊ ምምኽኻር ሓድሽ ፖለቲካዊ ጅማሮ ንምፍጣር ዝሕግዝ ዕድል ክኸውን ‘ዩ። ኣብ ሓንቲ ሃገር ብሓባር ክንነብር ኣብ መሰረታዊ ሕግታት እታ ሃገር ክንሰማማዕ ኣለና። እዚ ክሳብ ሕጂ ኣይተገብረን።

እዚ ሃገራዊ ምምኽኻር ንመጀመርታ ግዜ ከም ሃገር ከመሓድሩና ዝግበኦም ሕግታትን ክብርታትን ኮፍ ኢልና ክንዛተየሉ ዕድል ዝፈጥር ‘ዩ። ፈጣሪ እንተሓጊዙና እቲ ምምኽኻር ንመጀመርታ ግዜ ከም ሃገር እንሓስቦ እዚ ‘ዩ ኢልና እነቅምጠሉ እዋን ክኸውን ‘ ዩ።

ካብ ሕድሕድ ወረዳታት እናወከልና መፂእና ኢና። ብድሕሪ እዚ ኣብ ጉባኤ ዝውሰኑ ውሳነታት ናይ ህዝቢ ኢትዮጵያ ውሳነታት ‘ዮም ማለት ‘ዩ። መንግስቲ ድማ ነቶም ውሳነታት ከተግብሮም ‘ዩ። ምርድዳእ ኣብ ዘይብሉ ኩነታት ብረፈረንደም ወይ ብኻልእ ኣማራፂ ክፍታሕ ይኽእል ‘ዩ።

እንተወሓደ ግን ክልተ ነገራት ኣሎ። እቲ ቀዳማይ ኮፍ ኢልካ ምምኽኻር ኣገዳሲ ምዃኑ ምእማንን ምቕባልን ‘ዩ። እዚ ቀሊል ነገር ኣይኮነን። ድምፀይ ጥራሕ ይሰማዕ ዘይኮነስ ድምፂ ካልኦት ምስማዕ ‘ውን ኣገዳሲ ምዃኑ ምፍላጥ፤ ብዛዕባ እዚ ንምዝራብ ምርድዳእ የድሊ።

ካልኣይ፤ ኣብ ኣዝዩ ውሱን ነገራት ስምምዕ እንተሃልዩ፤ ፃዕርና ዕዉት ኮይኑ ኣሎ ዝብል እምነት ኣለኒ። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝበልክዎ እቲ ምምኽኻር ሓድሽ ባህሊ ምምኽኻርን ዘተን ‘ዩ። ኩሉ ሰብ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኩርናዕ ኣብ ክንዲ ዝጭድር ናይ ምምኽኻርን ዘተን ባህሊ እንተተተኺሉ ከምዝቕፅል ይእመን። እዚ ምስ ዕድመ እዚ ኮሚሽን ዝተኣሳሰር ኣይኮነን። ናይዚ ኮሚሽን ሓላፍነት ቀዳማይ ምዕራፍ ምምኽኻር ምትግባር ‘ዩ።

ትፕኢ:- ድልውነት መንግስቲ ኮሚሽን ብምምስራት ጀሚሩ ኣሎ። ካብ ታሕቲ ወረዳ ክሳብ ላዕሊ ክትሰርሑ ከለኹም ካብ ህዝቢ ዝረኣኽንኦ ፀገም እንታይ ነይሩ? ኣብ ከባቢ ህዝቢ ኾነ መንግስቲ እንታይ ርኢኽን?

ኮሚሽነር ሒሩት፡– ሓደ ዓቢዪ ካብ ዘጨንቀና ነገር ህዝቢ ኣብዚ ኸይዲ ዘለዎ ምትእምማንን ኒሕን ‘ዩ። ህዝቢ ብዘይካ ምምኽኻር ካልእ መፍትሒ ከምዘየለ ተኣሚኑ ‘ዩ። ሕጂ እቲ ብድሆ ዝተፈላለዩ ማሕበረሰባት ኣለዉ።

ኣብ ገለ ክልላት ናብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝኣተዉ ኣለው። ህዝቢ ኣብ ምኽክር ይኣምን። ነዞም ዕጡቓት ተዋሳእቲ ምምፃእ ‘ውን ኣገዳሲ ‘ዩ። ሐዚ ድማ ነዚኦም ንምምላስ ኣበርቲዕና ንሰርሕ ኣለና። ምኽንያቱ ፀገማት ዝፍታሕ ኩሉ ህዝቢ ኢትዮጵያ ምስ ተማኸረ ‘ዩ። ዝበዝሑ ኢትዮጵያውያን ክሳተፉ ተስፋ ንገብር። እቲ ብድሆ ድማ ኣብኡ ‘ዩ ዘሎ።

ብመንግስቲ ወገን ዝሓተትናዮ ሓገዝ ስኢንና ኣይንፈልጥን። ብድሆና ነቶም ብዛዕባ እቲ ኸይዲ ዝጠራጠሩ ጉጅለታት ናብቲ ምምኽኻር ምምፃእ ‘ዩ። ካሊእ ኣብ ኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ዓለም ‘ውን ፀገም ዘስዕብ ዘሎ ናይ ሓሶት ሓበሬታን ናይ ሓሶት ዜናን ጉዳይ ‘ዩ።

ብዛዕባ ሓንቲ ፀገም ዘለዋ ሃገር ዝያዳ ናይ ሓሶት ዜና ብምዝርጋሕ ነገራት ዘተሓላልኹልና ሚድያታት ኣለው። እዚ ካልእ ብድሆና ‘ዩ። ብፍላይ እቲ ዝተምሃረ ማሕበረሰብ፤ ቅድሚ ኣብ ሓደ ጉዳይ መርገፂ ምሓዙ ቅኑዕ ሓበሬታ ምዃኑ ናይ ምርግጋፅ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ምርዳእ ኣገዳሲ ‘ዩ። እዚ ሎሚ ብዙሕ ኣይርአን፤ እቲ ዝተረኽበ እናሰማዕካ ምጉዋሕ ‘ዩ ዘሎ።

ይኹን እምበር ኣብዛ ሃገር ዝተማህረ፣ ኣንቢቡ ክርዳእ ዝኽእል ኩሉ፤ እቲ ዝሰምዖ ኣብ ቅኑዕ ሓበሬታ ዝተመርኮሰ ድዩ ኣይኮነን ኢሉ ክሓትት ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ቅኑዕ ሓበሬታ ዝተመስረተ ንምሕሳብ ይሕግዘና ‘ዩ። ኣብ ግጉይ ሓበሬታ ዝተመርኮሰ ስምዒታዊ ኣተሓሳስባ ምድንፋዕ ነቲ ፀገማት ዘጋድዶን ዘተሓ ላልኾን ‘ዩ።

ኩሉ ኢትዮጵያዊ ዝኾነ ክርድኦ ዘለዎ፤ ንግዚኡ ኣብ ቅድሜና ንዝተደራረቡ ፀገማት ካሊእ መማረፂ ከምዘየለ ‘ዩ። እዚ ኣማራፂ ታሪኻዊ ዕድል ምዃኑ ተረዲኡ ንኽሳኻዕ ክሕግዝ ኣለዎ። ንከይሳኻዕ ምኽልካል ንኢትዮጵያ ድሌታት ንምዕዋት ዝሕግዝ መንገዲ ኣይኮነን።

መብዛሕትአን እተን ካብ ዝረኣኹወን ዝፈረሳ ሃገራት ኣብ ሃገርና ካብ ዘሎ ሽግራት ሓደ ዓስራይ ‘ውን ብዘይከውን ምኽንያት እየን። ኣንሕና ብዙሕ ዕፅፊ ፀገም እንተሃለወና ‘ውን እንተነኣሰ ኣይፈራረስናን። እቲ ካልእ ካብቲ ኣባና ዘሎ ፀገም ኣዝዩ ዝነኣሰ ምኽንያት ክፈርሳ ርኢና ኢና።

ብሓገዝ ፈጣሪ ተሓዊስዎ ክሳብ ሕጂ ክንቅፅል ክኢልና ኣለና። ኣብ ቀፃሊ ዝኾነ ፃዕሪ ንገብር ብዘየገድስ እቲ ፀገማት ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ስለዝኾነ ሓገዝ ፈጣሪ እናለመና ኢና።

ትፕኢ:- ከማሓላልፈኦ ዝደልያ ዝኾነ ይኹን መልእኽቲ እንተሃልዩ ዕድል ክህበን?

ኮሚሽነር ሒሩት፡– ሃገር ዘይሙኻን ምስብባር ‘ዩ። ሃገር ኮይንና ክንቅፅል እንትብሃል ቀሊል ነገር ኣይኮነን። ብግርጭት ዝተበታተና ሃገራት ንፈልጥ ኢና። ዕድሎም ከይበፅሐና ከም ዜጋታት፣ ከም ኣባላት ስድራን ከም መራሕቲ ስድራን ኩላትና ነዛ ሃገር ክነድሕና ክንፅዕር ይግባእ። እዚ ባዶ ቃል ኣይኮነን።

ፅቡቕ ኣተሓሳስባ። ሃናፂ እምበር ኣሉታዊ ተስፋ ኣይኾነን፤ ኩሉ ሰብ ኣብቲ ሕብረተሰብ ዘለዎ ሓላፍነት ብግቡእ ክዋፃእ ይግባእ። እዚ ክብል ከለኹ ሱቅ ኢለ ኣይኮንኩን። ገለ ፅልኢ ዘምፅኡን ዘማዕብሉን ነገራት ካብ ነብስኻ ጀሚሩ ክእለዩ ይግባእ።

ሎሚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣዝዩ ዝጎድኣና ዘሎ ካብ ኣፍ ሰባት ዝወፅእ ቃላት ‘ዩ። ካብ ኣፍ ሰብ ዝወፅእ ቃል ይጎድእ፣ፋሕ የብል፣ የፃልእን ‘ዩ። ስለዚ ኣብ ኣዘራርባናን ኣካይዳንናን ኣብ እንወስዶ ኩሉ ስጉምትታትን ክንጥንቀቕ ይግባእ። እዚ ካብ ኢድና ከይወፅእ ክንሕልዎ ኣለና።

ብዙሕ ዝድለ ነገር የለን። ብጣዕሚ ነኒባዕልና ንክንፀላላእ ዝስራሕ ስራሕ ክነትርፎ ኣለና። ኣድላይ ዘይኮነ ስርሐይ ኢሎም ከም ሕብረተሰብ ንሓድሕድና ክንፅላእ ዝፅዕሩ ሓይልታት ኣለው። ካብዚ ክንርሕቕ ወይ ንክንነፅጎ ትፅቢት ይግበረና።

ትፕኢ:- ንዝነበረና ፃንሒት ብስም እቲ ምድላው ክፍሊ የቐንየለይ።

ኮሚሽነር ሒሩት፡- ኣነ ‘ውን የቐንየለይ።

 መሰረት ገብረዮሃንስ፣ ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 22 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም

Recommended For You