‹‹ፈፀግ፣ዓይኒዋናን ክሳራን››

ትርሓስ ፍቃዱ

ህዝቢ ዓለምና ኢሉ ‘ውን ሃገርና ኢትዮጵያ ኣብ ምድሪ እንትነብር ብወገነይ ከምዝተዓዘብክዎ ኣብ ሰለስተ ዓበይቲ ብርክታት ተመቒሉ ይርኣይ። እቶም ሰለስተ ብርክታት ናብራ ምድሪ ድማ ፈፀግ፣ዓይኒዋናን ክሳራን እንትኾኑ፤ብፍላይ ኣብ ንግዲ ዓለም ዝተለመዱ ኽስተታትን ኸይድታትን እዮም።

እዚ ብተፈጥሮ ክንሪኦ ኸለና ዓይኒ ዋና ክንብል ፈለማ እቲ ካብ ተፈጥሮ ዝረኸብናዮ ፈጣሪ ዝሃበና ሙሉእ ኣካልናን ጥዕናናን እንትኸውን፤ፈፀግ(profit) ድማ እቲ ዝተውሃበና ወይ ድማ ዝረኸብናዮ ወይ እውን ብዓይኒ ቢዝነስ ሃፍቲ፣ፀጋ (Asset) ናብ ልዕል ዝበለ ብርኪ ክነመሓይሾ ኸለና ወይ’ውን ብቑፅሪ ካፍቲ ዝነበረና ኣብዚሕናን ብፅሬቱ ‘ውን ብሉፅ ምግባርን እዩ።

ክሳራ (loss) ድማ ከምቲ ሽሙ ምስኣን፣ዝነበረና ከምዘይነበረ እንትኸውን ምርኣይን ዘይምርኣይን እዩ፤ ምርኣይ ማለት እቲ ዝነበረና ሃፍትን ፀጋን ክዓንው ኸሎ ኣንሕና ብዓይንናን ብሙሉእ ኣእምሮናን ምስትውዓል እንትኸውን፤ ዘይምርኣይ ድማ ምስቲ ፀጋናን ሃፍትናን እቲ ዓብዪ ካብ ፈጣሪ ዝተውሃበና ፀጋ ዓይኒዋና ህይወትን ጥዕናን ምስቲ ዘፍረናዮን እንውንኖ ዝነበርና መንነትን ሓቢሩ እንትዓኑ ዝፍጠር ኽስተት ዘይምርኣይ ወይ ሞት ይኸውን።

እሞ ብዛዕባ እዞም ሰለስተ ብርክታት መነባብሮ ዓለምና እዚ ካብ በልኩ እስኪ ናብ ፖለቲካን ኣብዚ ሰሙን እዚ ዝተኻየደ ሃገራዊ መረፃ ኢትዮጵያ ምልስ ኢለ ዘስተውዐልክዎ ክነግረኩም።

ሻድሻይ ሃገራዊ መረፃ ሃገርና ኣብ ዙርያ ኣዲስ ኣበባ ብስራሕ ኸይደ ዝተዓዘብክዎ ካፍቲ ዝተፀበኽዎ ኣዝዩ ዝተፈለየ እዩ ነይሩ፤ መናእሰይ ከባቢ ሰበታ ብንቕሓት ክመርፁ እንትሸባሸቡ ኣዴታትን ኣቦታትን ከምኡ ‘ውን ኣብ ትሑት መነባብሮ ዝርከቡ ማሕበረሰብ ዝነበሮም ሃንቀውታ ክርእይ ኸለኹ ሓደ ሕቶ ደጋጊመ ይሓቶም ነይረ፤ ክትመርፁ ዲኹም ንምንታይ ትመርፁ? ይብሎም ነይረ፤ መብዛሕትኦም ዓይኒዋና ህይወቶም ክስእኑ ስለዘይደልዩን ትፅቢት ዝገብርዎ ሰላም ከምዝኾነን ነዚ ዘስፍን ፓርቲ ግድን ከምዘድልዮም ይነግሩኒ ነይሮም።

እቶም መናእሰይ ድማ ድሕሪ ለውጢ ዝርኣናዮ ተስፋ ንደልዮ ኢና፤እቲ ተስፋ ድማ ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ኣብ መገዲ ስለዘለና ነዚ ኣጠናኺሩ ዘመሓድር ፓርቲ ክንመርፅ ግድን እዩ፤እናበሉ ሓሳቦም ብዘይሰኸፈት ይገልፁ፤ሓደ ኣካል ጉዱእ ድማ ተመሳሳሊ ተስፋ ከምዝገብርን ዓይኒዋና ሰላሙ ንኸይስእን መረፃ ግድን ከምዝኾነን ከምዝመርፅን ይዛረብ።

ኣነ ድማ ናይዞም ዜጋታት ርኢቶ እናተቐበልኩ ኹነታት መላእ ኢትዮጵያ ይሓስብ፤ብፍላይ ኣፍተን ሃገራዊ መረፃ ዘይተገበረለን ክፋላት ሃገርና ዘሎ ኸቢድ ኹነታት እንትሓስብ፤እዞም ቕድም ኢለ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስክዎም ብርክታት ማለት’ውን ክሳራ፣ዓይኒዋናን ፈፀግን የነፃፅር።

ኣብ ሓንቲ ሓድነት እትምነይ ጥራሕ ዘይኮነትስ ሓድነት ከም መምርሒ ገይራ እትስጉም ሃገር ክንዲ ሓጓፍ ዝኣክል ኣፈላላይ ምርኣይ ኣዝዩ ዘስግእ ይመስለኒ።

እቲ ዝተዓዘብክዎ ኣብ ማእኸል ዓዲ ዝርአኽዎን ዘረጋገፅክዎን ተስፋ ሰላምን ድሌት ብልፅግናን፤ምስ ኣብ ትግራይን ኣብ ኻልኦት ሰላም ዝሰኣና ከባብታት ሃገርና ዘሎ ክሳራ ከነፃፅሮ ከለኹ ኣዝዩ የስግአኒ፤ቐንዲ መንቀሊ ስግኣተይ ድማ እቲ ሓጓፍ ምግፍሑ ‘ምበር ዝተፈጠረ ፀገም ጥራሕ ኣይኮነን።

እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ሓጓፍ ኣፍቲ ክልል ብዘጋጠመ ዓብዪ ክሳራ ጥራሕ ዘይኮነስ፤ነቲ ዝተፈጠረ ክሳራ ዝምጥን ፍታሕ ይኹን ሓሳብ እስካብ ሐዚ ዘይምርኣይ እኳድኣስ ‹‹ክፍታሕያ እንተበልኽዎስ መሊሱ ይሕለኽ›› ዝዓይነቱ ሕልኽላኽ ኣዝዩ መደንፀውን መትሓዚ ጫፍ ዝተስኣኖን መሲሉ ይርኣየኒ።

እሞ ብሓፈሻ ኣብ ሃገርና ኢትዮጵያ ዘስተውዕሎ ዘለኹ ፖለቲካ ዝፈጠሮ ብርኪ መነባብሮ ኣብ ሰለስተ ቦታ ዝተመቐለ እዩ ዝመስለኒ፤እዚ ድማ ሓድነትን ሕብረትን ንዝብሉ ተግባራት ዝፃረር ስለዝኾነ ናብ ጋህዳዊ ናብራ ተንምለስ ዝበለፀ ምኾነ፤ ኣፋዊ ዝኾነ ወይ ድማ ቃልዓለማዊ ዘረባታት ዝህቡና ጥቐሚ የለን እንትርፊ ክሳራ።

ነዚ ድማ ዓብዪ ፍታሕ ከምፅእ ዝኽእል መንግስቲ ከምዝኾነ ርዱእ እዩ፤መንግስቲ ኢትዮጵያ እዞም ኣብ ሓንቲ ሃገር ተኸሲቶም ዘለዉ ሰለስተ ዝተፈላለዩ ብርኪ መነባብሮታት ብፍላይ ኣፍቲ ሳልሳይ ማለት ‘ውን ኣብ ክሳራ ወዲቑ ንዝርከብ ኢትዮጵያዊ ፍሉይ ጠመተ ንኽግበረሉን እንተንኣሰ ሰብ ብምዃኑ ሰብኣዊ መሰሉ ተኸቢሩሉ ንኽነብር ናይ ምግባር ተኽእሎ ስለዘለዎን ብፍላይ ድማ ከምቲ ተደጋጊሙ ዝዝረብ ሓድነት ኣድላዪ እንተኾይኑ ህዝቢ ኣብ ጎኒ ዝኸሰረን ዝተጎድአን ንክኸውን ናይ ምንቃሕ ስራሕቲ ክስርሑን ክትግበሩን ክገብር ኣለዎ በሃሊት እየ።

ተዘይኮይኑ ግና መሰከፊ እዩ ዝኸውን፤እዚ ማለት ፍትሓዊ ዘይኮነ ማለት እዩ። ኢትዮጵያውያን ብሰላምን ብሓድነትን ክነብሩን ክብልፅጉን እንተኾይኖም ፍትሕን ሰላምን ዘስፍን መንግስቲ ክህልው ግድን እዩ። ተዘይኮይኑ ግና መሰከፊ ጥራሕ ዘይኮነስ መስግኢ እዩ።

ወጋሕታ 24 ሰነ 2013

Recommended For You