በይናዊ ተኲሲ ጠጠው ምባል-ንረብሓ ህዝቢ

 ኣብ 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ብጉጅለ ህወሓት ኣብ እዚ ሰሜን ብዝበፅሐ መጥቃዕቲ ሲዕቡ ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ብሕገ-መንግስቲ ዝተውሃቦ ሉኣላውነትን ህልውናን ሃገር ናይ ምሕላው ሓላፍነት መሰረት ብምግባር ብዝወሰዶ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ፣ እቲ ጉጅለ ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ኮይኑ ኢዩ። ውዳብኡ ፈሪሱ፣ ወታደራዊ ዓቕሙ ተደምሲሱ፣ ኣመራርሑኡ ምሩኽ፣ ምዉትን ቁሱልን ኮይኑ፣ ዝተረፈ ድማ ተበታቲኑ ኢዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ እንትኸፍት ዕላምኡ ጉጅለ ህወሓት ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ብምግባር ንኢትዮጵያ ምድሓን ነይሩ። በዚ ዕላማ እቲ ጉጅለ ድሕሪ ሐዚ ኣብ ሃገር ሓደጋ ናብ ዘይድቅነሉ ብርኪ ወሪዱ፣ዝተረፈ ሓይሉ ድማ ዝተበተነ ተረፍ መረፍ ኮይኑ እዩ። ሓደጋ ዘብፀሐሉ ዝነበረ ኣፅዋር ኲናት ተመንዝዑ፤ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካውን ዓቅሙ’ውን ኢምንት ኮይኑ እዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ምስዛዘመ ገፁ ናብ መሊስካ ምጥያሽ ብምዟር ጉጅለ ህወሓት ብዘብፀሖ ጥፍኣት ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት ንምህናፅ ናይ ህይወት መስዋእቲ እንተይተረፈ እናኸፈለ ሰፋሕቲ ስራሕቲ ሰሪሑ ኢዩ።

እቲ ስራሕቲ መሊስካ ህንፀትን ሓገዝን ንምሕጋዝ መንግስቲ ፌዴራልን መንግስታት ክልላትን ልዕሊ ብር 100 ቢሊየን ወፃኢ ገይሮ ኢዮም። ልዕሊ 30 ዝኾና ትካላት ሓገዝን 400 ዝኾኑ ሰራሕተኛታቶም ናብቲ ክልል ኣቲዮም ሓገዝ ንኽገብሩ ገይሩ ኢዩ። ካሊእ ይትረፍ ፀገም መራኸቢ ከይህሉ ብፍሉይ መልክዑ ንዓለም ለኸ ትካላት ናይ ባዕሎም መሳርሒ ንምጥቃም ዘኽእል ዕድል ተፈጢሩሎም እዩ። ሃገር ለኸን ዓለም ለኻዊን መራኸብቲ ሓፋሽ እቲ ከይዲ ንኽዝግቡ ተፈቒዱ ኢዩ። ማሕለኻታት ቪዛን ጉዕዞን ከይህልዉ ኩሎም ኩነታት ተመዓራሪዮም ኢዮም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ህዝቢ ትግራይ ካብዝጉዳእ እቲ ፀውራ ፀይረ ምሕላፍ ይሐይሽ ብዝብል ቅዋም ፀገማት ተፃዊሩ ሓሊፉ እዩ። ፀገም ህዝቢ ትግራይ ናይ ምፍታሕ ቐዳማይን ዋናን ሓላፍነት ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ‘ምበር ረድኤት እንተይሃቡ ብዛዕባ ሓገዝ ዘውርዩ ኣካላት ከምዘይኮነ ብምእማን ዝተኸኣለ ኩሉ ገይሩ እዩ።

መላእ ህዝቢ’ውን ከምዝርደኦ፣ ዝተበታተነ ሓይሊ ጥፍኣት ህወሓት ኣብ ዝሃድመሎም ከባቢታት ሓ ተረጋጊኡ ናብ ሕርሻ ከኣቱ ኣይከኣለን። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እቲ ክልል ዕስለ ኣምበጣ ዘጥቀዖ ብምዃኑ ፍርያት ሕርሻ ብእኹል ኩነታት ኣይረኸበን። በቲ ኹነታት ናይዚ ዓመት ኽረምቲ ብዘይ ሕርሻዊ ስራሕቲ እንተሓሊፉ ንሓረስታይ ኣብ ልዕሊ ድኽነትን ምራኸን ትሞተን ክኾኖ እዩ። ሓይሊ ጥፍኣት ህወሓት ብዝነዝሖ ራዕዲ ምኽንያት ናይ ኲናት ጋሻ ኮይኑ እናተዳጎነ ይርከብ። እንትዋጋእ ሚሊሻ እንትጥቃዕ ሲቪል ዝኾን ሃይሊ እናተፈጠረ እዩ። ካብዚ ብምብጋስ ህወሓት ብዝፈጠሮ ቅልውላው ገዝኦም ዝፈረሶም፣ ስራሕቲ ሕርሽኦም ዝተኣጓጎሎም፣ ከባቢኦም ገዲፎም ዝተመዛበሉ ኩሎም ዝተረጋግዐ መነባብሮ ክነብሩ ኣይከኣሉን።

ብሓደ ወገን እዞም ነገራት ኣብ ግምት ብምእታው፤ ብኻሊእ መልክዑ ድማ ኣብ በረኻ ምስ ዝተበተነ ሓይሊ ኩነታት እንተተመዓራሪዮምሉ ናብ ሰላም ክመፅእ ዝኽእል ሓይሊ ይህሉ ኢዩ ተባሂሉ ስለዝተኣመነ፣ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዘቕረቦ ተኲሲ ጠጠው ምባል ሕቶ መንግስቲ ብኣወንታ ተቐቢሉዎ ኣሎ። መንግስቲ ነቲ ሕቶ ዝተቐበሉ ንረብሓ ህዝቢ ትግራይ ምዃኑ ክፍለጥ ኣለዎ።

‹‹ህወሓት ክነብር ዝኽእል ህዝቢ ትግራይ እንትሞትን መከራ እንትርኢን ጥራሕ እዩ፤ መንግስቲን ገበርቲ ሰናይ ትካላትን ሓገዝ ከየብፅሑ፣ ንሓረስቶት ምሩፅ ዘርኢን መዳበርያን ከየቕርቡ እናተዓናቐፈ ህዝቢ ጠምዩ እናበለ ባዕሉ ኢዩ ዘእዊ›› ክብሉ ዋና ስራሕ ፈፃሚ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዶክተር ኣብርሃም በላይ ኣብ ዘቕረብዎ ተኲሲ ጠጠው ናይ ምባል ሕቶ ገሊፆም እሎም። ስለዚ ሓረስቶት ትግራይ ኣብ እዋን ክረምቲ ናብ ሕርሻ እንተዘይኣቲዮም እዋን ዘርኢ ስለዝሓልፍ ኣብ ቀፃሊ እቲ ሓረስታይ ንዓመታት ተሓጋዛይ ኮይኑ ናይ ምንባር ዕድል ስለዘለዎ ንረብሓ ህዝቢ ክብሃል በይናዊ ተኲሲ ምባል ኣድላይ ኮይኑ ኣሎ።

እቲ እዋን ክረምቲ ክሳብ ዝዛዘም ዝፀንሕ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ቅድመ ኹነት ኣብ ሰብኣውነት ዝተመርኮሰ በይናዊ ምቁራፅ ተኹሲ ካብ 21 ሰነ 2013 ዓ.ም ጀሚሩ መንግስቲ ፌዴሪኢ ኣዊጁ ኣሎ። ናይዚ ኣዋጅ ዋና ዕላማ ህዝቢ ትግራይ ተረጋጊዑ ሕርሻዊ ስራሕቱ ንክሰርሕን ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይ ምንም ፀገም ንህዝቢ ንክበፅሕ እዩ። ስለዚ እቲ በይናዊ ተኲሲ ጠጠው ምባል ንረብሓ ህዝቢ ትግራይ ከምዝኾነ ምርዳእ የድሊ። ረስታይ

 ወጋሕታ 24 ሰነ 2013

Recommended For You