‹‹ኣብ ዘፈር ትምህርቲ ትግራይ ዝበፅሐ ዕንወት ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ብዙሕ ምትሕብባር የድሊ›› -ኪሮስ ጉዕሽ (ዶ/ር)

ኪሮስ ጉዕሽ (ዶ/ር) ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ‘ዮም። ከም ዝፍለጥ ኣብ ትግራይ ብሰንኪ እቲ ንኸባቢ ክልተ ዓመት ዝፀንሐ ደማዊ ኩናት ስዒቡ ኣብ ሰብን ንብረትን ዓብዪ ጉድኣት በፂሑ ‘ዩ።

ብዙሕ ንብረት ዓንዩ፤ ብዙሕ ሰብ ኣካሉ ጎዲሉ፤ ህይወቱ ስኢኑ፤ ተሰዲዱን ስነልቦንኡን ተጎዲኡ ‘ዩ። ካብቶም ከቢድ ዕንወት ዝበፅሖም ትካላት ድማ እቲ ሓደ ትካል ትምህርቲ ‘ዩ። ንሕዚ ኣብ ዙርያ ትምህርቲ ዘሎ ኩነታት እንታይ ከምዝመስል ምስ ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ዶክተር ኪሮስ ጉዕሽ ቓለ መሕትት ገይርና ኣለና። ሙሉእ ትሕዝትኡ ድማ ከም ዝስዕብ ቐሪቡ ኣሎ። ሰናይ ንባብ፡፡

 ኢፕድ፡-ኣብ ትግራይ ዕንወት ካብ ዝበፅሖም ትካላት እቲ ሓደ ትካል ትምህርቲ ‘ዩ። ምስ እዚ ተተሓሒዙ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ትምህርቲ ትግራይ ዘሎ ኩነታት እንታይ ይመስል?

ዶክተር ኪሮስ፡– ከም ዝፍለጥ ኣብ ትግራይ፣ ኣብ ትምህርቲ ከንርኢ እንተለና ብሰንኪ ኮቪድን ኵናትን ስዒቡ 2 ነጥቢ 4 ሚልዮን ዝኾኑ ህፃናት ካብ መኣዲ ትምህርቲ ወፃኢ ኮይኖም ፀኒሖም ‘ዮም።

እዚ ምስ ጠቕላላ በዝሒ ህዝቢ ትግራይ እንትነፃፀር ብጣዕሚ ብዙሕ ‘ዩ። እዞም ህፃናት እዚኦም ካብ ትምህርቲ ወፃኢ ምዃን ጥራሕ እንተይኮኑስ በቲ ዝነበረ ኩናት ኣዝዮም ተጠቒዖም ‘ውን ‘ዮም። ኣብ ወለዶም፣ ሓቶም፣ ጎረቤቶምን ኣብ በዓሎምን ብዙሕ ጉድኣት በፂሕዎም ‘ዩ።

ኣብ ሴክተር ትምህትርቲ ከንርኢ እንተለና እቶም ዓምዲ ትምህርቲ ዝበሃሉ ሙሉእ ብምሉእ ዓንዮም ‘ዮም። እቲ ሓደ ሓይሊ ሰብ ‘ዩ፤ ኣብ 2012 ዓ.ም ልዕሊ 46 ሺሕን 500 ዝኾኑ መምህራን ነይሮም ‘ዮም። ኮይኑ ግና በቲ ኩናት ምኽንያት ልዕሊ 14 ሺሕ ዝኾኑ መምህራን ኣብ ስረሖም የለውን።

ብዙሓት መምህራን ተሰዊኦም፣ ኣካላቶም ጎዲሎም፣ ከምኡ ‘ውን ብምኽንያት ፀገም ኢኮኖሚ ተማዛቢሎምን ተሰዲዶምን ‘ዮም። ዝተጎድኡን ዓዶም ገዲፎም ዝተሰደዱን ብዙሓት ‘ዮም። እቶም ዘለዉ መምህራን ‘ውን እንተኾነ ዝተፈላለየ ናይ ስነ ልቦና ጉድኣት ዝበፅሖም ‘ዮም።

ብፍላይ በቲ ዝነበረ ኩናት ምኽንያት ደሞዝ እናተኸፈሎም ብዘይምፅንሑ ብኢኮኖሚ ኣዝዮም ተጎዲኦም ‘ዮም። ስለዚ እቲ ዘሎ መምህር በቲ ኩናት ስዒቡ ብሞራልን ኢኮኖሚን ኣዝዩ ዝተጎድአ ‘ዩ።

እቲ ካልኣይ ቤት ትምህርቲ ‘ዩ፤ ኣብያተ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ኣዝዩ ዓንዩ ‘ዩ። መብዛሕተኦም ኣብያተ ትምህርቲ ዳርጋ ሙሉእ ብሙሉእ ዓንዮም ‘ዮም፤ ኣዝዮም ውሱናት ጥራሕ ‘ዮም ሙሉእ ብሙሉእ ዘይዓነዉ።

ኣብ ውሽጦም ዝነበሩ መሳርሒ ትምህርቲታት ገሊኦም ተቓፂሎም፣ ገሊኦም ተሰሪቖም ከምኡ ‘ውን ተሰባቢሮምን ‘ዮም። ከም ላብራቶሪ፣ ኮምፒዩተር፣ መፅሓፍቲ፣ ወንበር፣ ሰሌዳ ወዘተ ዳርጋ ሙሉእ ብሙሉእ የለዉን። ብፍላይ ሕዚ ከም ሃገር ሓዱሽ ካሪኩለም ስለ ተቐረፀ ኣብዚ ብዙሕ ተወሳኺ ስራሕ የድሊ ‘ዩ።

ብሰንኪ ኮሮናን እቲ ዝነበረ ኩናትን ስዒቡ ህፃናት ትግራይ ኣብ ትኽክለኛ ዕድሚኦም ናብ ትምህርቲ ኣይኣተዉን። ሕዚ ሳልሳይ ወይ ራብዓይ ክፍሊ ክበፅሑ ዝግበኦም ዝነበረ ኮይኑ ግና ሕዚ ቐዳማይ ክፍሊ ‘ዮም ዝኣትዉ ዘለዉ። እዚ ከም ዘለዎ ኮይኑ ካሊእ ብዙሓት ህፃናት ማለት ልዕሊ 800 ዝኾኑ ህፃናት ተፋናቒሎም ስለ ዝኾኑ ካብ ትምህርቲ ወፃኢ ‘ዮም ዝርከቡ።

ሕዚ ትምህርቲ ንምጅማር  ዝግበር ዘሎ ምንቕስቓስ ብጣዕሚ ኣብ ዝተጎድአ ዘፈር ትምህርቲ ‘ዩ። እዚ ንምጅማር ዝግበር ዘሎ ምንቕስቓስ ምስ እዞም ኩሎም ፀገማት ማለት መዋቅር ሙሉእ ብምሉእ ኣብ ዝዓነወሉ ኩነታት ‘ዩ። ከምኡ ‘ውን እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ዝተረከቦም ቦታታት ጥራይ ‘ዩ።

በዚ መሰረት ኣብዚ ሕዚ እዋን ልዕሊ 500 ኣብያተ ትምህርቲ ካብ ግዝያዊ ምምሕዳር ወፃኢ ‘ዮም ዝርከቡ። ልዕሊ 800 ተማህሮ ብሰንኪ ካብቲ ክልል ወፃኢ ዝኾኑ ዕጡቓት ሓይልታት ዝተተሓዙ ቦታታት ዝተፈናቀሉ ‘ዮም።

እቲ ሳልሳይ መሰረት ዓምዲ እንብሎ ካሪኩለም ትምህርቲ ‘ዩ፤ ኣብዚ ብርክት ዝበሉ ተወሰኽቲ መሳርሒ ትምህርቲታት የድሊ ‘ዩ። ስለዚ ኣብቶም ዝጅመረሎም ኣብያተ ትምህርትታት መፅሓፍ፣ ኮምፒዩተር፣ ላብራቶሪ፣ ሰሌዳ፣ ወንበር ወዘተ የለዉን። ተሰሪቖም፣ ተቓፂሎምን ተሰባቢሮምን ‘ዮም።

ካሊእ እቲ ኩናት ተዘይፍጠር ነይሩ ሎሚ ዘበን 12 ክፍሊ ዝተፈተኑ ተማህሮ ሕዚ ኣብ ዪኒቨርስቲ ኣትዮም ሳልሳይ ወይ ራብዓይ ዓመት ‘ዮም ክኾኑ ነይሮም። ስለዚ ኣብ ትግራይ ዘለዉ ኣብያተ ትምህርቲን ተማህሮን ኣዝዮም ተጎዲኦም ‘ዮም።

ኣብዚ ኩነታት እዚ ኮይና ኢና ንምጅማር ኣብ ምንቅስቓስ ንርከብ ዘለና። ሚያዝያ 23 ትምህርቲ ከንጅምር እንተለና እዞም ልዕል ኢለ ዝገለፅኩዎም እታዎታት ትምህርትን ካልኦትን ሙሉእ ብሙሉእ ኣብ ዝዓነውሉ ኩነታት ኮይና ኢና።

ከምቲ ቅድም ኢለ ዝገለፅክዎ ናብ ስራሕ ዝኣትዋ ዘለዋ ኣብያተ ትምህርቲታት ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ዝተረከቦም ቦታታት ጥራሕ ‘ዩ። ካብቶም ዕንወት ዝበፅሖም ኣብያተ ትምህርቲ ብተወሳኺ ግዝያዊ ምምሕዳር ዘይተረከቦም 552 ዝኾኑ ኣብያተ ትምህርቲ ኣለዉ። ኣብዚኦም ምጅማር ኣይተኸኣለን ምኽንያቱ ክሳብ ሕዚ ኣብ ካልኦት ሓይልታት ‘ዮም ዝርከቡ።

222 ኣብ ምዕራብ ትግራይ ‘ዮም ዝርከቡ። እዚኦም ኣብኢድና ኣይርከቡን። ኣብ ሰሜን ምዕራብ ዝርከቡ 90 ኣብያተ ትምህርቲ ብኻልኦት ሓይልታት ተታሒዞም ይርከቡ። ኣብ ማእኸላይ ዞባ 12 ከምኡ ‘ውን 46 ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ዞባ ምብራቕ ጉሎ መኻዳን ኢሮፕን ብሰራዊት ኤርትራ ተታሒዞም ይርከቡ።

ከምኡ ‘ውን ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ 182 ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ትሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣይርከቡን። ኣብዞም ኣብያተ ትምህርቲ እዚኦም ኣትዮም ክመሃሩ ዝግበኦም ዝነበሩ ተማህሮ ልዕሊ 8 ሺሕ ተማህሮ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ወፃኢ ኮይኖም ይርከቡ። ካብዚኦም ዝተማዛበሉ ህዝቢ ድማ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ዝተረከቦም ቦታት ‘ዮም ዝርከቡ።

ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ 110 ኣብያተ ትምህርቲ ተዓቂቦም ይርከቡ። ኣብ ሸራሮ፣ ሽረ፣ ኣክሱም፣ ዓድግራት፣ መቀለ ማይጨው ወዘተ። እዚኦም ብርክት ዝበለ ዝተመዛበለ ህዝቢ ሒዞም ዝርከቡ ኣብያተ ትምህርቲ ‘ዮም። እዚ ኩነታት እዚ ንነካይዶ ዘለና ምንቅስቓስ ትምህርቲ ዓብዪ ምትእጉጓል እናፈጠረልና ይርከብ።

ብድምር ክረአ እንተሎ 552 ኣብያተ ትምህርቲ ብኻልኦት ሓይልታት ዝተትሓዙ ‘ዮም። ማለት ኣብ ትሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዘይርከቡ ኣብያተ ትምህርቲ ‘ዮም። 110 ኣብያተ ትምህርቲ ድማ ብተመዛበልቲ ዝተተሓዙ ‘ዮም። ስለዚ 662 ዝኾኑ ኣብያተ ትምህርቲ ካብ ስራሕ ወፃኢ ‘ዮም ማለት ይከኣል። ኣብ እንዚኦም ዝመሃሩ ዝነበሩ ተማህሮ ብሓፈሻ 2 ነጥቢ 4 ተማሃሮ ካብ ትምህርቲ ወፃኢ ኮይኖም ይርከቡ።

እዚኦም ናብ ትምህርቲ ንምምላስ ልዕሊ 50 ሽሕ መምሀሪ ክፍልታት የድሊ። እዚ ማለት ልዕሊ 50 ሽሕ ሰሌዳ የድሊ፤ ልዕሊ 800ሽሕ ዴስክ ወይ ተገዳሚ ወንበር የድሊ። ቅድሚ ሕዚ ዝመሃርሉ ብዝነበረ ኮምፑዩተር መሰረት ልዕሊ 30ሽሕ ኮምፕዩተር የድሊ። ስለዚ ጠቅሊልካ ናብ ስራሕ ንምምላስ ብዙሕ ንዋይ የድልየና ‘ዩ።

ካሊእ ገንዘብን ከምኡ ‘ውን በቲ ኩናት ምኽንያት ዝጎደሉ መምህራን ስለ ዘለዉና ተወሰኽቲ መምህራን የድልዩና ‘ዮም። 14 ሽሕ መምህራን ጎዲሎምና ‘ዮም። ልዕሊ 30ሽሕ መምህራን ብምስልጣን ናብ ስራሕ ምእታው የድሊ። ሓደ ሚልዮን ዝኸውን ተማሃራይ ናብ ማኣዲ ትምህርቲ ንምምላስ ፃዕሪ ገይርና ኢና። ከምዚ ከንብል እንተለና ግና ብዙሓት ፀገማት ብምፅዋር ‘ዩ።

ኢፕድ፡- ከምዝፍለጥ ሓዱሽ ስርዓተ ትምህርቲ ወይ ካሪኩለም ተቐሪፁ ኣብ ተግባር ይርከብ። እዚ ኣብ ትግራይ ኣብ ምንታይ ኩነታት ይርከብ?

ዶክተር ኪሮስ፡– ከም ሃገር ሓዱሽ ስርዓተ ትምህርቲ ንምትግባር ተዳልዩ ይርከብ። ነዚ ሓዱሽ ስርዓተ ትምህርቲ ክልላት ካብ ቐዳማይ ክሳብ ሻምናይ ክፍሊ ወይ ካብ ኬጂ ክሳብ ሻሙናይ ክፍሊ ዘሎ ናይ በዓሎም ስርዓተ ትምህርቲ ከዳልዉ ትፅቢት ይግበር። ካልኦት ክልላት ነዚ ብምድላው ትምህርቲ እናምሃሩ ይርከቡ።

ንሕና ግና ሕዚ ነዚ ክነትግብር ኣይንኽእል። 2016 ዓ.ም ኢና ስርዓተ ትምህርቲ እነዳልው፤ ኣብ 2017 ዓ.ም መፃሕፍቲ ብምድላው ኣብ 2018 ዓ.ም ኢና ናብቲ ሓዱሽ ስርዓተ ትምህርቲ ክንኣቱ ንኽእል። እዚ ምስ ትምህርቲ ሚኒስቴር ተረዳዲእና ኢና። ናይ ካልኣይ ብርኪ ተማሃሮና ዝተፈተኑ ካብቲ ነባር መፅሓፍ ‘ዩ።

ኣብ ካልኦት ግና ካብቲ ሓዱሽ መፅሓፍ ማለት በቲ ሓዱሽ ካሪኩለም ዝተዳለወ መፅሓፍ ‘ዮም ተፈቲኖም። ከምዚኦም ዝበሉ ጉዳያት ኣለዉና ምስ ትምህርቲ ሚኒስቴር ብሓባር ከንሰርሖም ዝግበአና። ክሳብ 2018 ዓ.ም በቲ ነባር ትምህርቲ ኢና ክንቕፅል።

ኢፕድ፡-ብሰንኪ ኩናት ኣብ ትምህርቲ ዝበፅሐ ጉድኣት ንምሕካም ዝተሰርሑ ስራሕቲ እንተልዮም ወይም ዝስርሑ ዘለዉ ነገራት ተዝገልፁልና?

ዶክተር ኪሮስ፡- ኣብ ዘፈር ትምህርቲ ክልል ትግራይ በቲ ኩናት ዝበፅሐ ጉድኣት ሰፊሕ ‘ዩ። ዳርጋ ሙሉእ ብሙሉእ ‘ዩ ዓንዩ ዘሎ። ካብ እታዎታት ትምህርቲ ጀሚሩ ክሳብ ስርዓተ ትምህርቲ ይኹን ሓይሊ ሰብ ኣዝዩ ተጎዲኡ ‘ዩ። ብምዃኑ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ኣዝዩ ሰፊሕ ስራሕቲ ምስራሕ የድሊ፤ ምፅጋን ህንፃን ምምላእ እታዎታትን፣ መምህራን ብዝተኸኣለ መጠን ንምሕዋይ እናሰራሕና እንርከብ።

እታዎታት ንምምላእ ኣብ ምንቅስቃስ ኢና ንርከብ። ነዚኦም ንምስራሕ ግና ኣዝዩ ብዙሕ ሃፍቲ ‘ዩ ዘድሊ። ይኹን እምበር ክሳብ ሕዚ እዚ ‘ዩ ዝባሃል ገንዘብ ኣይተረኽበን ወይ ኣይመፀናን። ክንዲ እቲ ዝድለ ገንዘብ ክርከብ ኣይተኸኣለን። ስለዚ ኣብ ዘይተማለአ ኩነታት ኮይና ኢና ንምምሃር ንፍትን ዘለና።

ናይ መምህራን ናይ ስነ ልቦና ምሕዋይ የድሊ ‘ዩ። ማለት ሳይኮ ሶሻል ስልጠና የድሊ ‘ዩ። ኣብዚ ጉዳይ እዚ ብዝተወሰነ እንገብሮ ስራሕቲ ኣለዉ፤ ኮይኑ ግና ኣብ ስነ ልቦና ተወሳኺ ምህናፅ የድሊ ‘ዩ። ምኽንያቱ ከቢድ ጉድኣት ‘ዩ በፂሑ።

እዚ ከምዚ እናሃለወ እቲ መምህር እቶም ዘለዉ ፀገማት ተሸኪሙ ‘ዩ ንምምሃር ዝፍትን ዘሎ። ትምህርቲ ኣድላይ ስለ ዝኾነ ጥራሕ ኣይኮናን ምስ እዞም ኩሎም ፀገማት ንምምሃር ንሰርሕ ዘለና። እቲ ዝተኣተወ ስምምዕ ሰላም ንምፅናዕ ‘ውን ‘ዩ። ምኽንያቱ ሰላም መሰረት ኩሉ ነገር ‘ዩ።

ህፃናት ናብ ትምህርቲ ክኣትዉ ኣለዎም። ኣብዚ ጉዳይ እዚ መንግስቲ ፌዴራል ፍሉይ ድጋፍ ክገብር ኣለዎ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ብፍላይ ኣብ ትግራይ ዘሎ ተማሃራይን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ተማሃራይን ኣብ ጉዳይ ኣክሰስ ማዕረ ‘ዮም እትብሎ ኣይኮነን። ምስቲ ዘሎ ጉድኣት ተተሓሒዙ ኣብ ትግራይ ዘሎ ተማሃራይ ዝተፈለየ ሓገዝ የድልዮ ‘ዩ።

ነዚ ተሓሳቢ ብምግባር ዝተፈላላዩ ሓገዝ ክግበር ኣለዎ። ምስቲ ጉድኣት ኣብ ግምት ብምእታው ልዑል ሓገዝ የድሊ ‘ዩ። ኮይኑ ግና እዚ ፌዴራል ጥራሕ ክሽፍኖ ኣይኽእል፤ ምኽንያቱ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ክኾን ይኽእል ‘ዩ። ካልኦት ዓለም ለኸ ትካላት ‘ውን ክሳተፉ ይግባእ። ኣብዚ ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ክሕግዝ በዚ ኣጋጣሚ ፃውዒተይ ከቕርብ እፈቱ።

ኩሉ ዜጋ ከምሃገር ትሕብብር ክገብር ኣለዎ። ክሳብ ሕዚ ዝተገብሩ ሓገዛት ግና በዚ ኣጋጣሚ ከም ስግን እፈቱ። ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ተማሃሮ ናብ ትምህርቲ ንምምላስ ኣብ ንገብሮ ምንቅስቓስ ሓገዝ ገይሩልና ‘ዩ፤ ከምኡ ‘ውን ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ሓገዝ ገይሩልና ‘ዩ።

ብምዃኑ ሓገዝ ንዝገበሩልና ኩሎም ኣካላት ከመስግን እፈቱ። ኮይኑ ግና እቲ ዝበፅሐ ጉድኣት ከቢድ ብምዃኑ እሞ ድማ ዝተገብረ ሓገዝ እኹል ስለ ዘይኮነ ዝተጀመረ ሓገዝ ተጣናኺሮም ክቕፅሉ ኣለዎም። ሰብ ሓፍቲ ይኹኑ ካልኦት ኣካላት ‘ውን ብዝኸኣልዎ ሓገዝ ክገብሩ ፃውዒተይ ከቅርብ እደሊ።

ኢፕድ፡- ሎሚ ዘበን ኣብ ካልኦት ክልላት ኣብ ፅቡቕ ስነ ልቦና ኮይኖም ዝተፈተኑ ተማሃሮ 12 ክፍሊ ውፅኢቶም ፅቡቕ ኣይነበረን። ኣብ ትግራይ ዝተፈተኑ ተምሃሮ ኸ ሓፈሻዊ ምድላውን ውፅኢትን እንታይ ይመስል?

ዶክተር ኪሮስ፡– ከምቲ ኩልና እንፈልጦ ኣብ ትግራይ ሕዚ ‘ዮም ተፈቲኖም ዘለዉ። ሎሚ ዘበን 12 ተፈቲኖም ዘለዉ ተማሃሮ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣትዎም ክምረቑ ዝኽእሉ ዝነበሩ ‘ዮም ሕዚ 12ክፍሊ ተፈቲኖም ዘለዉ።

ሰነ 30 ከባቢ ጀሚሩ በቢከባቢኦም ኣብ ዝርከቡ ዩኒቨርስቲታት ዝተወሰነ ሓገዝ ክግበረሎም ፀኒሑ ‘ዩ። ኣብ መወዳእታ ሓምለ ኣብ ዪኒቨርስቲ ራያን ዓድግራትን ኣትዮም ሓገዝ እናገበርናሎም ፀኒሕና ኢና። ኮይኑ ግና ብዘይ ምንም እታዎታት ትምህርቲ ማለት ከም መፅሓፍን ካልኦትን ኣብ ዘይብሉ ‘ዮም ክመሃሩ ፀኒሖም።

ኣብዚ 9 ሺሕን 514 ተምሃሮ ‘ዮም ፈተና ወሲዶም። እዚኦም እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ዝተረከቦም ቦታታት ዝርከቡ ተማሃሮ ‘ዮም። ካብ ቑፅፅርና ወፃኢ ኣብ ዝርከቡ ቦታት ተማሃሮ ፈተና ንምውሳድ ዕድል ኣይረኸቡን።

ብሓፈሻ ምስቲ ዝነበረ ከቢድ ኩነታት ብዝተኸኣለ መጠን እቶም ተማህሮ ዝተወሰነ ሓገዝ ተገይሩሎም ናይ ስነ ልቦና ምድላው ክገብሩ እናሰራሕና ድሕሪ ምፅናሕ ፈተና ክወስዱ ተገይሩ ሕዚ ውፅኢት ኣብ ምፅባይ ኢና ንርከብ።

ኢፕድ፡- ንዝሃቡና ሓበሬታ የቕንየልና።

ዶክተር ኪሮስ፡- ኣነ ‘ውን የቕንየለይ።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 15 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም

Recommended For You