«በቲ ኩናት ዝተጎድአ ዘፈር ቱሪዝም ትግራይ ናብ ዝነበሮ ንኽምለስ መዳርግቲ ኣካላት ዕዙዝ ተሳትፎ ክገብሩ ይግባእ» -ኣይተ ዮናስ ታደለ፣ኣብ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ላዕላዋይ በዓል ሞያ ዕደጋን ምልላይን

“በቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኣንፃራዊ ሰላም ትግራይ ንክጉብንዩ ዝሓቱ በፃሕቲ ዓዲ ኣለው ‘ዮም። እቲ ዝነበረ ናይ ቱሪዝም ቦታት ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ ዝበፅሐ ዕንወት ክሪኡ ዝደልዩ በፃሕቲ ዓዲ ‘ውን ኣለው ‘ዮም። ኣብዚ እቶም በፃሕቲ ዓዲ ናይ መጀመርያ ዝሓትዎ ሕቶ ውሑስ ሰላምን ትራንስፖርትን ምህላው ‘ዩ።”

“ኣብዞም ዝቅፅሉ ሰለስተ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ካብ መስከረም ክሳብ የካቲት ዘሎ እዋን ብጣዕሚ ብዙሓት በፃሕቲ ዓዲ ቱሪስት ናብ ክልልና ዝመፅእሉ ግዘ ‘ዩ። በዚ መሰረት ዋላ እኳ ንዕኡ ብግቡእ ተዓፃፂፍካ ንምስራሕ እኹል ፋይናንሻል ዓቅሚ እኳ ዝሓትት እንተኾነ፤ ብዝተኽኣለ ዓቅሚ ምችው ባይታ ይፍጠር ኣሎ ‘ዩ”።

ቱሪዝም ትግራይ ከመይ ኢልና ነሕውዮ፣ ከመይ ገይርና ተዓፃፂፍና ሰሪሕና ናብ ዝነብሮ ክንምልሶ ንኽእል? በቲ ዘለና ዓቅሚ ፋይናንስ እንታይ ክንሰርሕ ንኽእል? ነየኖም ቀዳምነት ተዋሂብዎም ይስርሑ? መን እንታይ ክሕግዘና ይኽእል? ዝብል መፅንዓታት ብምግባር ትልሚ ወፂኡ ይስራሐሉ ኣሎ ‘ዩ። እዚ ዝበሉ ናይ ሎሚ ጋሻና ኣብ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ላዕላዋይ በዓል ሞያ ዕደጋን ምልላይን (ማርኬቲንግ ፕሮሞሽን) ዝኾኑ ኣይተ ዮናስ ታደለ ‘ዮም። ኣብዚ ዙርያ እዚ ኣይተ ዮናስ ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ። ሰናይ ንባብ።

ወጋሕታ;- ቅድሚ እቲ ዝተፈጠረ ኵናት ምንቅስቃስ ቱሪዝም ትግራይ ኣብ ምንታይ ኩነታት ነይሩ?

ኣይተ ዮናስ:- ቕድሚ ኲናት ከም ሃገር ተታሒዙ ዝነበረ ስትራተጂ ቱሪዝም ብፍላይ ቱሪዝም ትግራይ በቢ ዓመቱ ናይ ደገን ናይ ውሽጥን ጎብነይቲ ከባቢ 15 ሚእታዊ ይዓቢ ነይሩ ‘ዩ። ንኣብነት ቅድሚ እቲ ኵናት ናብ መወዳእታ 2010 ዓ.ም ኣከባቢ ናብ 2ሽሕ ከባቢ ናይ ደገ በፃሕቲ ዓዲ መፂኦም ነይሮም።

ብድሕሪኡ ግና በቲ ዝመፅአ ኮሮና ምኽንያት ‘ቲ ቱሪዝም ደው ናብ ምባል ከይዱ። ቀፂሉ ብዝመፅአ ኲናት ድማ ዘፈር ቱሪዝም ክዓንው ከምኡ ‘ውን ሃፍቲ ቱሪዝም ዝዓነወሉ ‘ዩ ኾይኑ።ማሕበረሰብ ዓለም ምስ ቱሪዝም ተኣሳሲሩ ኣብ ኲናት ዘለዎ ኣመለኻኽታ ብዙሓት በፃሕቲ ዓዲ ዝሰኣናሉን ቱሪዝም ትግራይ ናብ ዜሮ ዝወረደሉን ‘ዩ ኮይኑ።

ወጋሕታ;- እቲ ዝተፈጠረ ኵናት ኣብ ዘፈር ቱሪዝም ትግራይ ዘብፅሖ ጉድኣት እንታይ ይመስል? በቲ ዘፈር ሂወቶም ዝመርሑ ዝነበሩ ክፋል ማህበረሰብ ኣብ ምንታይ ኩነታት ይርከቡ?

ኣይተ ዮናስ:- ከም ዝፍለጥ ዘፈር ቱሪዝም ብዙሕ ስራሕ ዝፈጥር ‘ዩ ነይሩ። ካብ ታሕቲ ዘለው ማሕበረሰብ ጀሚሩ ክሳብ ላዕሊ ዘለው ሰብ ሃፍቲ ትካላት ሆቴል፣ መጎብነይቲ፣ ትራንስፖርት ስራሕ ዝፈጠረ ‘ዩ ነይሩ።

በቲ ዝተፈጠረ ኵናት ኹሉ ነገር ደው ስለዝበለ በቲ ዘፈር ዝመሓደሩ ዝነበሩ ክፋል ማሕበረሰባት ዝተፀገሙሉን ካብ ካሊእ ሰብኣዊ ሓገዝ ተፀበይቲ ዝኾኑሉን፤ ከምኡ’ ውን ብሂወት ንምንባር ዝተሰደዱሉን ገሊኦም ስራሕ ዝቀየሩሉ ኩነታት ‘ዩ ተፈጢሩ።

እቲ ኵናት ዝፈጠሮ ካብቶም ምስሕብ ቱሪዝም ዝኾኑ ቦታት ጀሚሩ ግልጋሎት ወሃብቲ ትካላት ኸቢድ ዕንወትን ኪሳራን ኣጋጢምዎ ‘ዩ። ካብኡ ብተወሳኺ ብስእነት ኢኮኖምያዊ ዓቅሚ ምኽንያት ኣብኡ ዝነጥፉ ዝነበሩ ኣካላት ካብቲ ዘፈር ብምውፅኦም ትካላቶም ዝተሰረቁሉን ቀጥታ በቲ ኲናት ክዓንውን ኩነታት ተፈጢሩ ‘ዩ።

ንኣብነት ካብ ግልጋሎት ወሃብቲ ትካላት ናይ ደገ ሰብ ሃፍቲ ኢንቨስት ዝገበሩሎም ናይ ገርዓልታ ሆቴላትን ሎጃትን ሙሉእ ብሙሉእ ብዝብሃል ዝዓነውሉ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ። ኣብኡ ዝሰርሑ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ድማ ንዝተፈላለየ ፀገም ተቃሊዖም ናይ ቤተሰቦም ፅግዕተኛታት ንክኾኑ ዝተገደድሉ ‘ዩ ተፈጢሩ ።

ወጋሕታ;- በቲ ዘፈር ቱሪዝም ሂወቶም ዝመርሑ ዝነበሩ ሰብ ሞያታት ብምጉድኦም ኣብ ቀፃሊ ምንቅስቃስ እቲ ቱሪዝም እንታይ ፅልዋ ይፈጥር ይኸውን?

ኣይተ ዮናስ:- እዚ ማለት ቱሪዝም ትግራይ ከም ብሓዱሽ ሀ ኢሉ ‘ዩ ክጅምር ማለት ‘ዩ። ከም ብሓዱሽ መነቃቅሒ ስልጠናታት የድሊ፤ ዝተፈላለዩ ድጋፋት የድሊ፤ ዝጎደሉ መሰራሕታት ምትካእ የድሊ፤ ቅድም ክብል ምስ ዝተፈላለዩ ናይ ውሽጢ ዓድን ናይ ወፃእን መሳርሕቶም ወይ መሻርኽቶም ዝነበሮም ርክብ ስለዝቋረፅ ነዚታት ንምትዕርራይ ብዙሕ ፃዕሪ ይሓተካ ‘ዩ።

እዚ ንምግባር ድማ መጀመርያ መዳርግቲ ኣካላት ሓዊሱ ብዛዕባ ኣብቲ ዘፈር ዝዋስኡ ኣካላት እኹል መፅናዕቲ ክትገብር ኣለካ። ካብቲ ዝነበረ ዝጎደለ ነገር እንታይ ‘ዩ? ብሂወት ዘለውን ብሂወት ዘየለውን ምልላይ፤ ፋይናንሳል ማተርያል ዘድልዮም ሓገዛት ዝብሉ ምስ ተፀንዑ ናብ ተግባር ንምእታው ትልሚ ተዳሊዩ በቲ ትልሚ መሰረት ድማ ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ይስራሕ።

ኣብዚ ምስ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ብሙዃን ብዝተፈላለዩ መንገድታት ከም ናይ ውሽጢ ዓድን ናይ ወፃእን ምድያታት ብምልላይን ከም ሆቴላት ዝበሉ ሰብ ሃፍቲ ዘድልዮም ልቃሕ ንክረኽቡ ብምምችቻው ዝበሉ እናገበርካ ብዙሕ ፃዕርታት ብምግባር ‘ዩ ቀስ እናበልካ ናብቲ ዝነበሮ ዝምለስ።እዚ ንምግባር ድማ ኣብ ትራንስፖርት ዘለውን ናይ ፀጥታ ኣካላትን ሓዊሱ ናይ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ተሳትፎ ዝሓትት ‘ዩ። እዞም ኣካላት ኩሎም ብግቡእ እንተዘይተሳቲፎም ዝዕወት ኣይኮነን።

ወጋሕታ;- ቅድም ክብል ዘፈር ቱሪዝም ኣብ ኢኮኖሚ ትግራይ ዝነበሮ ግደ እንታይ ይመስል ነይሩ ይብሉ?

ኣይተ ዮናስ:- እቲ ዘፈር ክንዲ ዝድለይን ክንድቲ ዘለና ሃፍቲ ቱሪዝምንዶ ኢኮኖምያዊ ግደኡ ይፃወት ነይሩ እንተይልና ቅድም ‘ውን ብዙሕ ስራሕ ‘ዩ ዝተርፈና ነይሩ።

ግደ ቱሪዝም ኣብ ኢኮኖሚ ንምፍላጥ ክስራሕ ከሎ ኢንታይ ኢና ንገብር፤ ሓደ ናይ ወፃኢ በፃሒ ዓዲ ብማእኸላይ ውፅኢት ኣብ ማዓልቲ ክንደይ የውፅእ ዝብል ኢና ንርኢ። ንሊስትሮ ካብ ዘውፅኦ ጀሚሩ ንትራንስፖርት፣ ሆቴልን ምግብን ካሊእን ሓሲብና ክስላሕ ከሎ ኣብ ዓድና ብማእኸላይ ውፅኢት 230 ዶላር የውፅኡ ‘ዮም ኢልና ኢና ንሓስብ።

ብማእኸላይ ውፅኢት ኣብ ትግራይ ዝነበሮም ፃንሒት ድማ 5 መዓልቲ ‘ዩ። ስለዚ ንኣብነት በዝሒ በፃሓይ 93 ሽሕ እንተነይሩ ክባዛሕ ብዝነበሮም ፃንሒት 5 መዓልቲ ክባዛሕ ብዘውፅእዎ ማእኸላይ 230 ዶላር ብምስላሕ ክንደይ ዝኣክል ሚልየን ዶላር ተረኺቡ? ኣብ ኢኮኖሚ ክንደይ ዝኣክል ግደ ነይርዎ ዝብል ይስራሕ ነይሩ። በዚ መሰረት ድማ ዘፈር ቱሪዝም ኣብ ኢኮኖሚ ትግራይ ካብ ግብርና ኢንዱስትሪን ቀፂሉ ዝሐሸ ግደ ከምዝነበሮን ‘ዩ ዝፍለጥ።

ወጋሕታ:- ቱሪዝም ትግራይ ንክሓዊ ኣብ ዝግበሩ ምንቅስቃሳት ከም ብድሆታት ዝልዓሉ እንታይ ‘ዮም ? ‘ዞም ብድሆታት ብምንታይ ክፍትሑ ይኽእሉ?

ኣይተ ዮናስ:- ሓደ ብድሆ እንታይ ‘ዩ እቲ ኲናት ዝፈጠሮ በሰላ ኣሎ። ከም ዝፍለጥ ዘፈር ቱሪዝም ኣብ ሰላም ተረጋጊዕኻ ዝስራሕ ስራሕ ‘ዩ። ናይ ደገ በፃሕቲ ብቀዳምነት ካብ ዝሓቱና ሕቶ ሓደ ውሑስ ሰላምን ፀጥታን ኣሎዶ? ክንቀሳቀስ ንኽእልዶ ዝብል ‘ዩ።

ካሊእ ባዕልኻ ዝተሽጠሉ (ዝተላልየሉ) ዕድላት የድልዮ። ከምኡ ‘ውን ዓለም ለኸ ሚድያታት ይኹና ናይ ውሽጢ ዓዲ ሚድያታት ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ሰላም ዝገብርኦ ፀብፃባት ናይ ባዕሉ ዓብይ ፅልዋ ኣለዎ። ሳልሳይ ግልጋሎትይ ትራንስፖርት ከም ኣየር መንገድን ናይ መሬት ምጎዓዓዝያን ብፍላይ ካብ ሓደ ክልል ናብ ካሊእ ዝኸዱ መስመራት ክፍቲ ኾይኑ በፃሕቲ ዓዲ ብዘይገደብ ካብ ኣዲስ ኣበባ ተበጊሶም ናብ ትግራይ ክኸዱ ዝኽእሉ እንተኾይኖም፤ ቱሪዝም ትግራይ ብቅልጡፍ ናብ ዝነበሮ ናይ ምምላስ ዕድል ኣለዎ።

ካሊእ ልቃሕ ብዝምልከት ንሆቴላት፣ ንትካላት መጎብነይቲ ካልኦት ኣብቲ ዘፈር ግደ ዘለዎም ኣካላት ልቃሕ ብምሃብ ወይ ቅድም ኢሎም ዝተለቅሕዎ ናይ ምምላስን ወለድን እፎይታ እንተተመቻችይሎም እቲ ዘፈር ክነቃቃሕ ይኽእል ‘ዩ።

ወጋሕታ:- ሐዚ ዘሎ ኣንፀራዊ ሰላም ኣብ ትግራይ ቱሪዝም ንምጅማር የኽእል ዶ ይብሉ?

ኣይተ ዮናስ:- እወ፣ ምህላው ኣንፃራዊ ሰላም ንምጅማር ቱሪዝም ዓብዪ ዕድል ‘ዩ። ናይ’ቶም ቱር ኦፕሬተራት ፊድባክ ከምዘርእየና ‘ውን ንሱ ‘ዩ። በቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኣንፃራዊ ሰላም ትግራይ ንክጉብንዩ ዝሓቱ በፃሕቲ ዓዲ ኣለው ‘ዮም። እቲ ዝነበረ ናይ ቱሪዝም ቦታት ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ ዝበፅሐ ዕንወት ክሪኡ ዝደልዩ በፃሕቲ ዓዲ ‘ውን ኣለው ‘ዮም።

ኣብዚ እቶም በፃሕቲ ዓዲ ናይ መጀመርያ ዝሓትዎ ሕቶ ውሑስ ሰላምን ትራንስፖርትን ምህላው ‘ዩ። ካብኡ ቀፂሎም ዝሓትዎ እቶም ዘለው መዕረፊ ኣጋይሽ ክንድምንታይ ናብ ንቡር ተመሊሶም ዝብል ‘ዩ። ምኽንያቱ ጋሻ መዕረፊ ሰላምን ፅጥታን ትራንስፖርት ይደሊ ‘ዩ። እዚ ድማ ብኣንፃራዊ ካብ ግዘ ናብ ግዘ እናተመሓየሸ ‘ዩ ዝመፅእ ዘሎ።

ኣብዞም ዝቅፅሉ ሰለስተ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ካብ መስከረም ክሳብ የካቲት ዘሎ እዋን ብጣዕሚ ብዙሓት በፃሕቲ ዓዲ ቱሪስት ናብ ክልልና ዝመፅእሉ ግዘ ‘ዩ። በዚ መሰረት ዋላ እኳ ንዕኡ ብግቡእ ተዓፃፂፍካ ንምስራሕ እኹል ፍይናንሻል ዓቅሚ እኳ ዝሓትት እንተኾነ፤ ብዝተኽኣለ ዓቅሚ ምችው ባይታ ይፍጠር ኣሎ ‘ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ።

ወጋሕታ:- ቱሪዝም ትግራይ ንምሕዋይ ካብ መን እንታይ ትፅቢት ይግበር? እንታይከ ይግበር ኣሎ?

 ኣይተ ዮናስ:– ከም ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ክሳብ ሐዚ ቱሪዝም ትግራይ ከመይ ኢልና ነሕውዮ? ከመይ ገይርና ተዓፃፂፍና ሰሪሕና ናብ ዝነብሮ ክንምልሶ ንኽእል? በቲ ዘለና ዓቅሚ ፋይናንስ እንታይ ክንሰርሕ ንኽእል? ነየኖም ቀዳምነት ተዋሂብዎም ይሰርሑ? መን እንታይ ክሕግዘና ይኽእል ዝብል መፅንዓታት ብምግባር ትልሚ ወፂኡ ይስራሐሉ ኣሎ።

ኣብቲ ትልሚ ድማ ዝተፈላለዩ ዝንቅሳቃሱ ኣካላት ‘ውን ኣለዉ። እቲ ማሕበረሰብ ብምንቅቃሕ ናብ ኑቡር ምምላስ እቲ ዘሎ ሰላም ቀፃልነት ንክህልዎ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ምዝርራብን ከምኡ’ ውን ትካላት ፋይናንስ፣ ጉምሩክ፣ ኢትዮጵያ ኣየር መንገዲ፣ ሚኒስትራት ባህልን ቱሪዝምን ትራንስፖርትን ሓዊሱ ኩለን ሚኒስተራትን ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትርን ናይ ባዕሎም እጃም ክዋፅኡ ትፅቢት ይግበር። ብተወሳኺ ትካላት ሚድያ ናይ ውሽጢ ዓዲ ይኹና ዓለምለኸ ብዓብዪ ቱሪዝም ብምፍላጥን እቲ ዘሎ ምምሕያሽ ሰላም ብምግዋሕ ናይ ባዕለን እጃም ክህልወን ‘ዩ።

ብሓፈሻ ቱሪዝምን ትግራይ ንምሕዋይ ናኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ጥምረት ስራሕ ‘ዩ ዝኸውን ዘሎ ማለት ‘ዩ። ሐዚ እቶም ቱር ኦፕሬተራት ካብ ቀረፅ ወፃኢ ዝኾነ እታወታት ይደልዩ ‘ዮም። ምኽንያቱ ካብ ስራሕ ደው ኢሎም ‘ዮም ነይሮም። ከምኡ ‘ውን ትካላት ፋይናንስ ድማ ልቓሓት ከመቻችዋሎም የድሊ።

ሚኒስተር መንገዲ ትራንስፖርት ድማ ኣብ ትግራይ ዓንዮም ዘለው ዓበይቲ መንገድታትን መዕረፊ ኣየርን ተፀጊኖም ናብ ስራሕ ንክኣትው ምስራሕ የድሊ። ከምኡ ድማ ምኒስተር ቱሪዝምን ዝተፈላለዩ ኣብ ቱሪዝም ዝነጥፉ ማሕበራት ብሞያ ይኹን ብፋይናንስ ክገብርዎ ዝኽእሉ ሓገዝ እንተገይሮም ዘይዕወተሉ ምኽንያት የለን።

ወጋሕታ:- ንቱሪዝም ዕብየት ሰላም ከምዘድልዮ ኹሉ ምስ ኣብ ጎሮባብቲ ዘለዋ ናይ ቱሪዝም ቦታት ብሓባር ምስራሕ ኣድላይ ‘ዩ እሞ፤ ኣብዚ እንታይ ክግበር ኣለዎ ይብሉ? ብፍላይ ናይ ፖለቲካ ኣካላት ኣብዚ እንታይ ክገብሩ ትፅቢት ይግበር?

ኣይተ ዮናስ:– ቱሪዝም ዝጉብንዩ በፃሕቲ ዓዲ ምንም ናይ ቦርደር ገደብ የብሎምን። ከም ኢትዮጵያ እንትመፅኡ ኣብ ኢትዮጵያ እንታይ ዝጉብነይ ኣሎ ኢሎም ‘ዮም ዝመፅኡ።

ንኣብነት ታሪካዊ መስሕባት ክሪኡ እንትመፅኡ ብንኡሱ ኣብቲ ከባቢ ዝተኣሳሰረ ታሪኻዊ መስሕባት ዘለዎም ስለዝኾኑ ብኣምሓራ ጀሚሮም ብትግራይ ዓፋር እናበሉ ብሓደ ‘ዮም ዝጉብንዩ። ስለዝኾነ ኣብዚ እቶም ፖለቲከኛታት ኣብ ሐባራዊ ነገር ናይ ምውሳን ዓቅሞም ክጥቀሙ ኣለዎም።

ንኣብነት ካብ ዓፋር ይኹን ካብ ኣምሓራ ናብ ትግራይ ዘእትዉ መንገድታት ኩሉ ግዘ ንቱሪስታት ክፍቲ ክኸውን ኣለዎ። ከምኡ ‘ውን ኣብ ጎረባብቲ ክልላት ዘሎ ሃፍቲ ቱሪዝም ሓቢርካ ናይ ምልላይ ስራሕቲ ዝስርሐሉ ኩነታት ክመቻቸው እንተኽኢሉ ቱሪዝም ናብ ዝነበሮ ዘይምለሰሉን ዘይ ዓብየሉን ምኽንያት የለን ‘የ ዝብል።

ወጋሕታ:- ኣብ መወዳእታ ኣብዚ ዘይተገለፀ ግን ክግለፅ ኣለዎ ዝብልዎ እንተሃልዩ ዕድል ክህበኩም?

ኣይተ ዮናስ:- ኣብ ምሕዋይ ቱሪዝም ግደ ሚድያ ቀሊል ስለዘይኮነ ሚድያታት ኣብ ምሕዋይ ቱሪዝም ትግራይ ሓቢሮምና ክሰርሑን ንስኹም ‘ውን ኣብዚ እጃምኩም ንክትዋፅኡ በዚ ኣጋጣሚ ፃውዒተይ የቅርብ የቐንየለይ።

ወጋሕታ:- ኣነ ‘ውን ንዝሃብኩምና ሓበሬታ የቐንየለይ።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 8 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም

Recommended For You