‹‹ሩሲያ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ዝግበር ኢድ ኣእታዊነት ኣይትድግፍን›› ሰርጌ ላቭሮቭ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ሩሲያ

ትርሓስ ፍቃዱ

 ኣዲስ ኣበባ፡- ኣብ ኢትዮጵያ ውሽጣዊ ጉዳያት ዝግበር ዝኾነ ኢድ ኣእታዊነት ሩስያ ከምዘይትድግፍ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ሩስያ ሰርጌ ላቭሮቭ ኣፍሊጦም፡፡ መንግስቲ ኣብ ትግራይ ብሓላፍነት ዝወሰዶም ስጉምቲታትን ዝሰርሖም ናይ ሰብኣዊ ሓገዝ ተግባራት ናይ መንግስቲ ልዕልና ሞራልን ብቕዓት ፖለቲካን መርኣያ ምዃኑ’ውን ገሊፆም፡፡

ካብ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ዝረኸብናዮ መረዳእታ ከምዘመልክቶ፣ምክትል ቐዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ሩስያ ሰርጌ ላቭሮቭ ኣብ ሞስኮ ተዛትዮም እዮም፡፡ ኣብቲ ዘተ ሰርጌ ላቭሮቭ ከምዝገለፅዎ፣ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ዝግበር ዝኾነ ዓይነት ኢድ ኣእታዊነት ሩስያ ኣይትድግፍን፡፡

ኣብ ክልል ትግራይ መንግስቲ ብሓላፍነት ዝወሰዶም ስጉምትታትን ዝሰርሖም ናይ ሰብኣዊ ሓገዝ ተግባራት ናይ መንግስቲ ናይ ሞራል ልዕልናን ብቕዓት ፖለቲካን መርኣያ እዮ ዝበሉ ሰርጌ ላቭሮቭ፣ሻድሻይ ሃገራዊ መረፃ ሩስያ በተዓዛብት ምስታፋ ናይ ክልቲአን ሃገራት ታሪኻዊ ርክብ ዘንፀባረቐ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡ መረፃ ብሰላማዊ መገዲ ውፂኢታዊ ኮይኑ ምዝዛሙ ከምዘሐጎሶም’ውን ኣፍሊጦም፡ ፡

ኣብ ጉዳይ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ብህብረት ኣፍሪካ ዝተጀመረ ድርድር ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዘለዎ ሩሲያ ከምተኣምን ዘፍለጡ ሩሲያ ሰርጌ ላቭሮቭ፣ንዚ’ውን ሩስያ ኣድላይ ናይ ቴክኒክ ሓገዝ ንምሃብ ድሌት ከምዝለዋ ጠቑሞም፡፡

 ምስ ሱዳን ዘሎ ጎንፂ ዶብ ኢትዮጵያ ሉኣላዊነታ ብሰላማዊ መገዲ ንምኽባርን ፀገማት በዲፕሎማሲ ንምፍታሕ እትኽተሎ ጥዕና ዘለዎ ኣካይዳ ዘድነቑ ሩስያ ሰርጌ ላቭሮቭ፣ኣብ ቐፃሊ ዓመት ፎረም ኣፍሪካ -ሩሲያ ኣብ ርእሰ ኸተማ ሕብረት ኣፍሪካ ኣዲስ ኣበባ ንክካየድ ኢትዮጵያ ድልውቲ ምዃና ኣድኒቖም፡፡ ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፆም፡፡

ኣብቲ ዘተ ምክትል ቐዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን፣ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ሩሲያ ከምቐደማ ኣብ መትከልን ሉኣላዊነት ሃገርን ብዘኽብር መልክዑ ንኢትዮጵያ እትህቦ ኩለንተናዊ ሓገዝን እትወስዶም ቅዋማት ኣድኒቖም፡፡ እዚ ሓገዝ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል’ውን እምነቶም ገሊፆም፡፡

 ኣብ ክልል ትግራይ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ስዒቡ ዳግም ምጥያሽ፣ዘይተገበደ ሰብኣዊ ሓገዝ፣ንመራኸቢ ሓፋሻት ሽፋን ንክህቡ ምምችቻው ከምኡ’ውን ምስ ሰብኣዊ መሰል ዝለዓሉ ውንጀላታት ናይ ምፅራይ ተልእኾን ሕጋዊ ስጉምቲ ናይ ምውሳድ ተግባራት ብትኹረት እናተኸናወኑ ምዃኖም ኣብሪሆም፡፡

ሻድሻይ ሃገራዊ መረፃ ብዝምልከት ድማ ሰላማዊ ኮይኑ ምዝዛሙን ብመርሃ ግብሪ ቦርዲ መረፃ መሰረት ውፂኢት ቆፀራ ድምፂ ንህዝቢ ዕላዊ እናተገበረ ምዃኑ ገሊፆም፣ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ድማ ዝለዓሉ ሕቶታት ኢትዮጵያ ሐዚ’ውን ኣፍሪካዊ ፍታሕ መሰረት ብምግባር ኣብ ፍትሓዊነት ዝተመስረተ መትከላ ኣጥቢቓ ከምትቕፅል ኣፍሊጦም፡፡

ምስ ሱዳን ዘሎ ጎንፂ ዶብ ኣብ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ፀገም ብሓባር ንምፍታሕ ዘኽእል ስርዓት እንተሃለወኳ፤ሱዳን ኣጋጣሚ ተጠቒማ ናብ ግዝኣት ኢትዮጵያ ምእታዋ ካብ ዓለምለኸ ሕጊ ወፃኢ ምዃኑ ኣብሪሆም፡፡ ምስ ሱዳን ዘሎ ጎንፂ ዶብ በዲፕሎማሲያዊ መገዲ ንምፍታሕ ኢትዮጵያ ዝጀመረቶ ፃዕሪ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፆም፡፡

ክልቲኦም ሚኒስትራት ኣብተን ሃገራት ክልቴኣዊ ርክብ ብፍላይ ብትምህርቲ፣ህንፀት ዓቕሚ፣ሳይንስን ቴክኖሎጂ ኣጠናኺሮም ንምቕፃል ዝተፈረሙ ስምምዓት ናብ ተግባር ንምእታው፤ ከምኡ’ውን ኣብ ከይዲ ዘለው ስምምዓት በህፁፅ ንክፍረሙ ኣብ ስምምዕ በፂሖም እዮም፡፡ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ሩሲያን ዝፀንሐ ታሪካዊ ርክብ ትርጉም ብዘለዎ ብርኪ ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ንምቕፃል ቁርፀኛ ምዃኖም’ውን ኣረጋጊፆም፡፡

ወጋሕታ 24 ሰነ 2013

Recommended For You