መንግስቲ ፌዴራል በይናዊ ኩናት ጠጠው ናይ ምባል ሕቶ ብኣወንታ ምቕባሉ ዝድነቕ እዩ ተባሂሉ

መኣርግ ገ/ሄር

ኣዲስ ኣበባ፡- መንግስቲ ፌዴራል ኣብ መንጎ ሓይሊ ጥፍኣት ህወሓትን ማእኸላይ መንግስትን ዘሎ ኵናት ጠጠው ንኽብል ኣመልኪቱ ብግዝዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝቐረበ ሕቶ ብኣወንታ ምቕባሉ ዝድነቕ እዩ ክብሉ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ትግራይ ዲሞክራስያዊ ፓርቲ ኣይተ ሙሉብርሃን ሃይለ ገሊፆም።

ኣይተ ሙሉብርሃን ብፍላይ ንጋዜጣ ወጋሕታ ከምዝበልዎ፣ መንግስቲ ሰላም ናይ ኩሉ መሰረት ምዃኑ ተረዲኡ ኵናት ጠጠው ንኽብል ውሳነ ምሕላፉ ዝነኣድ እዩ። ሰላም እንተሃልዩ እዩ ወዲ ሰብ ብሰላም ወፂኡ ብሰላም ሰሪሑ ክኣቱ ዝኽእል። ካብ ኵናት ዕንወት’ምበር ረብሓ ኣይርከብን።

እቲ ዘለናዮ እዋን ናይ ክራማት ወቕቲ ምስ ምዃኑ ተተሓሒዙ መንግስቲ ነዚ ውሳነ ምሕላፉ ብፍላይ ንህዝቢ ትግራይ ዓብዪ ረብረሓ ኣለዎ። ሓረስታይ ተረጋጊዑ ኣብ ናይ ሕርሻ ስራሕቱ ክነጥፍ ዝሕግዝ እዩ። ከምዝፍለጥ ህዝቢ ትግራይ መነባብርኡ ኣብ ሕርሻ ዝተመስረተ ምስ ምዃኑ ተተሓሒዙ ሓረስታይ ናብ ስርሑ ተረጋጊዑ ንኽዋፈር ዝሕግዝ እዩ ኢሎም።

ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተጎዲኡ ኣብ ቐፃሊ ዓመት ‘ውን ንኻልኣይ ግዜ ከይጉዳእ መንግስቲ ኣብ ግምት ብምእታው ነዚ ዕድል እዚ ምምችቻዉ ዝድነቕ እዩ ዝበሉ እቶም ሓላፊ፣ ኮይኑ ግና እዚ ኣብ ተግባር ውዒሉ ህዝቢ ትግራይ ክርባሕ ዝኽእል ብወገን ህወሓት ተመሳሳሊ ቅዋም ክህሉ እንተሎ እዩ ኢሎም።

ጉጅለ ህወሓት ብተፈጥርኡ ሰላምን ዕርቕን ዝደሊ ውድብ ስለ ዘይኮነ ነዚ ውሳነ እዚ ክቕበሎ ይእኽል ዶ ኣይኽእል ዝብል ስኽፍታ ኣለኒ ክብሉ ርኢትኦም ሂቦም። ነዚ ውሳነ እዚ እንተዘይተቐቢልዎ እቲ ፀገም ህዝቢ ክቕፅል ይኽእል እዩ ኢሎም።

እቲ ውግእ ሓረስታይ ፍርያት ኣብ ዝሓፍሰሉ እዋን ብምውልዑ ብዙሕ ህዝቢ ተፀጊሙ ምፅንሑ ዘዘኻኸሩ እቶም ሓላፊ፣ መንግስቲ ብግዝያዊ ምምሕዳር ኣቢሉ ክሕገዝ ዝግበኦ ህዝቢ ክሕግዝ ዋላ ይፅናሕ ዝሕገዝ ህዝቢ ብጣዕሚ ብዙሕ ምስ ምዃኑ ተተሓሒዙን ከምኡ ‘ውን ሓሓሊፉ ምስቲ ዝነበረ ውግእ ኣብ ኩሉ ቦታታት ሰብኣዊ ሓገዝ ክንድትዝድለ ኣይባፃሕን ነይሩ ኢሎም።

ሕዚ ግና በዚ ውሳነ እዚ ሙሉእ ብሙሉእ እቲ ኵናት ጠጠው እንተይሉ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ዘድሊ ከባቢታት ንምብፃሕ ዘፀግም ኣይኸውንን ኢሎም። ብተወሳኺ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት ‘ውን ስሩዕ ግልጋሎቶም ንኽህቡ ዝሕግዝ እዩ ኢሎም።

ብዙሕ መንእሰይ ወለዶ ትግራይ ኣብ ዘይፈልጦ ኵናት ተጎቲቱ ኣትዩ እዩ ዝበሉ ኣይተ ሙሉበርሃን፣ ሕዚ ግና እዚ መንእሰይ ወለዶ እዚ ነዚ ዕድል እዚ ተጠቒሙ ካብ ናይ ኵናት መንፈስ ወፂኡ ኣብ ናይ ሕርሻ ንጥፈታትን ካልኦት ኢኮኖሚያዊ ስራሕቱ ክዋፈር ኣለዎ ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።

ትዴፓ ብኵናት ዘላቒ መፍትሒ ከምዘይርከብ እዩ ዝኣምን፤ በዚ መሰረት እዚ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ጠጠው ብምባል ኣብ ትግራይ ሰላም ክረጋገፅ እናሰርሐ ይርከብ ኢሎም። ብፍላይ ኣብ ትግራይ ዲሞክራሲያዊ ዝኾኑ ትካላት ክህነፁ፣ ህዝቢ ካብ ፀገም ክሳብ ዝወፅእን ፍትሓዊ ዝኾነ መንግስቲ ክሳብ ዝፍጠርን ትዴፓ ቓልሱ ኣጠናኺሩ እናቐፀለ ምዃኑ ተዛሪቦም።

ህዝቢ ትግራይ ክርባሕ ዝኽእል ካብ ሰላም ስለ ዝኾነ ነዚ ኩነታት እዚ ብንቕሓት ብምክትታል እጃሙ ከበርክት ኣለዎ ፤ ክሳብ ሕዚ ብዙሕ ሂወት ሰብን ንብረት ጠፊኡ እዩ፤ እዚ ተመሊሱ ከይመፅእ ህዝቢ ኣብ ሰላም ፀቒጡ ክሰርሕ ኣለዎ ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

ወጋሕታ 24 ሰነ 2013

Recommended For You