‹‹ብዛዕባ መረፃ ዝሰብኩ መንግስታት ዓለም ዋና መዐቀኒኦም ሰላምን ብልፅግናን ኣፍሪካውያን ኣይኮነን›› ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ

 መኣርግ ገ/ሄር

ኣዲስ ኣበባ፡- ብዛዕባ መረፃ ብሰፊሑ ዝዛረቡን ዝሰብኩን መንግስታት ዓለም ቐንዲ መዐቀኒኦም ልምዓት፣ ሰላም፣ ብልፅግናን ዲሞክራስን ኣፍሪካውያን ከምዘይኮነ ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ኣፍሊጦም። መዐቀኒኦም ንሶም ብዝደልይዎ መገዲ ንዕኦም ዝተመቻቸና ከንኸውን ከምዝኾነ ኣመልኪቶም።

ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ‹‹ኣካዳሚ ልህቀት ኣመራርሓ ኣፍሪካ›› መሪቖም እንትኸፍቱ ኣብ ዝገበርዎ መደረ ከምዘፍለጥዎ፣ መረፃ ኢሎም ብስፍሓት ዝዛረቡን ዝሰብኩን መንግስታት ዓለም መረፃ ምስ ዘይገበሩን ብሓይሊ ወተሃደር መንግስቲ ገልቢጦም ስልጣን ምስዝሓዙ ሃገራት ብቐረባ ዝሰርሑ እዮም ።

ኣብ ውሽጢ ኣፍሪካ መረፃ ምስ ዘይገብሩ ወይ ኣካይዶም ኮይኖም ኮይኑ ግና ብሓይሊ ስልጣን ዝሓዙ ሃገራት ተስማዕሚዖም እንትሰርሑ ይረአ እዩ ዝበሉ እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር፣ ናታቶም ዋና መዐቀኒኦም ናይና ናይ ኣፍሪካውያን ልምዓት፣ ሰላም፣ ብልፅግናን ዲሞክራሲን እንተይኮነስ ንናታቶም ድሌት ምምችው ምዃን እዩ ኢሎም።

ኣፍሪካ ልዑል ሃፍቲ ማእድን፣ ክለምዕ ዝኽእል መሬት ሒዛ ንምንታይ እያ ድኻን ናይ ድኽነት ኣብነትን ኮይና ዝብል ሕቶ ብስፍሓት ይለዓል እዩ ዝበሉ እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር፣ ነዚ ሕቶ እዚ መብዛሕትኡ ብባዕዳውያን መግዛእቲ ዝተገዝአት ኣህጉር ስለ ዝኾነት እዩ ዝብል መልሲ እዩ ዝወሃብ። ስለዝኾነ ‘ውን ልዕሊ ምኢቲ ሃገራት ብባዕዳውያን ገዛእቲ ተገዚኦም እዮም። ኮይኑ ግና ኣፍሪካ ብገዛእቲ ደርቢ ምግዛኣ ከም ምኽንያት ወሲዳ ካብ ፀልማት ንምውፃእን ንምስግጋርን ተፀጊማ ፀኒሓ እያ ኢሎም።

እቲ ሓቒ ከምዚ እንተኾይኑ ኢትዮጵያ ብባዕዳዊ መግዛእቲ ዘይተገዝአት ሃገር እንደሃለወት ንምንታይ እያ ከም እተን ተገዛእቲ ሃገራት ምልክት ፀልማት ኮይና ዝብል ሕቶ ከምዘልዕል ዘማላኸቱ እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር፣ ብባዕዳዊ መግዛእቲ ምግዛእ ጥራሕ ንድኽነትን ዓርስኻ ንባዓርስኻ ምግጫው እኹል ምኽንያት ክኸውን ከምዘይኽእል ዘማላኽት ከምዝኾነ ጠቚሞም።

ሃገራት ኣፍሪካ ስልታዊ ብዝኾነ መገዲ ካብ ገዛእቲ ደርቢ ነፃ ዘይወፁ ብምዃኖም ኣህጉሮም፣ ሃገሮምን ህዝቦምን ዝጠቕሙ ሓሳባት ፈጢሮም ክጥቐሙ ስለዘይከኣሉ እዩ ዝብል መከራኸሪ ተወሳኺ ሓሳብ ከምዝለዓል ኣመልኪቶም።

 ኢንዱስትሪ ምስ ምጅማር ተተሓሒዙ ኣብ 18ን 19ን ክፍለ ዘመን ብሰፊሑ ይጎዓዝ ዝነበረ ጥረ ኣቕሓን ሃገር ከቕንዕ ዝሽየጥ ዝነበረ ዜጋ ኣፍሪካ ድሓረ ግና ኢንዱስትሪ እናተስፋሕፈሐ ብምኻዱ ድሌት ሓይሊ ሰብ እናቐነሰ እንትኸይድ እንተሎ ጥረ ኣቕሓ’ምበር ሰብ ኣየድልን ኢሎም ዘዝኣመኑ ሓይልታት ስርዓት ባርያ ዘፈፅም ኣህጉር ኣፍሪካ ክህሉ የብሉን። ስርዓት ባርያ ሓደገኛ ስርዓት እዩ። ስርዓት ባርያ ጠጠው ክብል ኣለዎ ዝብል ሓዱሽ ሓሳብ ሒዞም መፂኦም እዮም ኢሎም።

ካብዚ ብግፍዒ ሰብ እናላኣኽና እንረኽቦ እቶት እንትቕንስ ክባራት መኣድናት ነዳዲ ሓዊሱ ብጥረ ኣቕሓ ዝደልዩ ሓይሊታት ሐዚ ‘ውን ኣፍሪካ ነንባዕላ ብሽም ብሄር፣ ሃይማኖትን ዶብን እንትጓነፁ ንሳቶም መተዓረቕቲ እናኾኑ ሃፍታ ንምውሳድ ምምችቻዎም ኣፍሊጦም።

ኣፍሪካውያን መጀመርያ ሓሳብ ክወሃበና እንተሎ ተቐዳዲምና ወሲድና ከንትግብር እንተለና ዝሰልጠና፣ ዝበቓዕናን ዝሓሽናን ከምዝኾና እናተነገረና፣ ንሕና ‘ውን እናተቐበልና ዝሓሰብዎ ነገር ምስ ሸጡልናን እንተኣኽሎም እንተሎ ጠጠው ኣብሉ ክብሉና እንተለዉ ጠጠው እንተቢልና ከም ዘመናዊ ንሕሰብ፤ ነቲ መሸጣ ብዘለዎ ከቕፅል ዝደሊ ድማ ትኽክለኛ መንግስቲ ከምዘይኮነ እናነገሩና፣ እናፃሉእናን እናጓነፁናን ዳርጋ ንዝሓለፉ 200ዓመታት ናይ ፀልማት፣ ጎንፅን፣ ድኽነትን ኣብነት ኮይና ፀኒሕና ኢና ኢሎም።

እዞም ሓሳባት እዚኦም መልከዖም ቐይሮም ሕዚ ‘ውን ኣብ ኣፍሪካ ይስንዘሩ እዮም ዝበሉ እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር፣ ንዘይተመቸዎም ሃገራትን መንግስትን ሓደሽቲ ስያመ ብምሃብ፣ የምናልባሽ ነቒሕና ኢና እንለወጥ ዝበሉ ሃገራት ኣፍሪካ ብምጥቓዕን ርእሶም ክደፍኡ ብብርኪ ውልቐን መንግስትን ክድቖሱ ይግበር ኢሎም። ነዚ ኣብ ብዙሓት ሓገራት ኣፍሪካ መንግስታትን ውልቐ ሰባትን ከም ኣብነት ክለዓሉ ከምዝኽእሉ ጠቚሞም።

እቲ ቐንዲ ናይ ኣፍሪካን ኢትዮጵያን ፀገም ብርሃን ፍልጠት ምስኣን እዩ፤ ንቕሓት ካብ ምስኣን ዝተልዓለ ነንባዕልና እንባላዕ፣ ዘይንተሓጋገዝ፣ ብሓባር ጠጠው ዘይንብል፣ ኩሉ ግዜ ናይ ካልኦት ሽሻይ እንኸውን ዘለና ኣርሒቅና ዘይንሓስብን ዘሳግር ሓሳብ ምፍልፋል ዘይካኣልና ብምዃና እዩ ዝበሉ እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር፣ እዚ ኣካዳሚ እዚ ንኣመራርሓ መንግስቲ፣ ሓለፍቲ ውልቐ ዘፈር፣ ንተተካእቲ መናእሰይ፣ ንጎረባብቲ ሃገራትን ዲፕሎማሰኛታትን ናይ ፍልጠት ብርሃን ዘፈልፍል ክኸውን እዩ ተባሂሉ ትፅቢት ከምዝግበረሉ ተዛሪቦም።

እዚ ኣካዳሚ እዚ ክሳብ ሕዚ ካብ ዘለዉ ትካላት ትምህርቲ ኢትዮጵያ ብጣዕሚ ፍልይ ዝበለን ዘመናዊ ምዃኑ ብምግላፅ፣ እዚ ኣካዳሚ እዚ ዝሓሸ ብቕዓት ዘለዎም ናይ ውሽጥን ደገን ኣማሊኡ ፍልጠት ጥራሕ እንተይኮነስ ጥበብ ዝፍልፍለሉን ዝድለ መራሒ ዝፈርየሉን ትካል ኮይኑ ክህነፅ ተወሳኺ ስራሕቲ ከንሰርሕ ይግበአና ኢሎም።

ኣህጉርና ኣፍሪካ ናይ ፀልማት፣ ድሕረት፣ ናይ ድኽነትን ጎንፅን ኣብነት እያ ዝበሉ እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር፣ ንህዝቢ ኣፍሪካ ንደሓር ዝጎትት ዘሎ ድንቑርና ስለ ዝኾነ እዚ ኣካዳሚ እዚ ነዚ ፀገም እዚ ኣብ ምፍታሕ ዓብዪ ግደ ከምዝህልዎ ተዛሪቦም።

እዚ ኣካዳሚ እዚ ንስራሕ ሓለፍቲ መንግስትን ካድሬታትን ጥራሕ እንተይኮነስ ንውልቐ ዘፈር መራሕቲ፣ ንጎረቤት ሃገራት፣ ንወተሃደራት፣ንዲፕሎማሰኛታትን ካልኦት ዝተፈላለዩ ሰብ ሞያታትን ግልጋሎት ስልጠና ክህብ ተሓሲቡ ዝተሃነፀ ምዃኑ ብምጥቃስ፣ እዚ ኣካዳሚ እዚ ብብርኪ ፍልጠትናን ጥበብናን ዘሎ ፀገም እናቐረፈ ንብልፅግና ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ዝሕግዝ ምዃኑ ገሊፆም።

ወጋሕታ 24 ሰነ 2013

Recommended For You