‹‹ብናተይ እምነት ግድብ ህዳሰ መለለዪ ኢትዮጵያ እዩ›› -ኣክቲቪስትን ጋዜጠኛን መሓመድ አልኣሩሲ

            

ትርሓስ ፍቃዱ

ኣዲስ ኣበባ፡- ብናተይ እምነት ግድብ ህዳሰ መለለዪ ኢትዮጵያ እዩ ክብል ኣክቲቪስትን ጋዜጠኛን ኣይተ መሓመድ ኣልኣሩሲ ተዛሪቡ፡፡ኣብ ዙርያ ግድብ ህዳሰ ህዝቢ ኣዝዩ ልዑል ዝበሃል ድጋፍ ከምዝገበረሉን በዚ ድማ ከምዝተሓበነን ገሊፁ፡፡

ኣይተ መሓመድ ኣልኣሩሲ ምስ ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት ከም ዝበሎ፣ ብኣውሩኡ ዘሐጉሰኒ ድማ ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝረኸብክዎ ፍቕሪ እዩ ፤ካብ ሕድሕድ ሰብ ዝረኽቦ ፍቕርን ኸበሬታን ኣግራሞት ፈጢሩለይ እዩ ፡፡ንግድብ ህዳሰ ጠጠው ብምባሉ ዝያዳ ሕጉስ ከምዝገበሮን፤ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ናይዚ ወለዶ ዓሻራ እዩ ክብል ተዛሪቡ፡፡

‹‹ዓብዪ ፕሮጀክት እናሰራሕና ግን ድማ ኻሊእ ኣካል ዘይንጎድኣሉ ብምዃኑ ዝያዳ የኹረዐኒ››፡፡በዚ መንፅር ኢትዮጵያውያን ንዝሃቡኒ ኽብሪ ልዑል ምስጋና ከቕርብ ይፎቱ ኢሉ፡፡እቲ ኣክቲቪስትን ጋዜጠኛን ከም ዝበሎ ብዙሓት ሰባት ከዘራርብ ከለኹ ብዙሕ ናይ ናብራ ፀገም እናሃለዎም ብዛዕባ ሃገሮም ክጭነቑን ሙሉእ ትኹረቶም ንሃገሮም ክህቡን ኣስተውዒለ እየ ኢሉ፡፡

‹‹ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዙሕ ፀገም እናሃለዎ ብዛዕባ ሃገሩ እንትልዓል ናይ ባዕሉ ረሲዑ ንሃገሩ ክጭነቕ ይጅምር፡፡እዚ እዩ ዝበለፀ ክጥንክርን ክበረታታዕን ዝገበረኒ›› ኢሉ፡፡ኣብ ሕድሕድ ባዓል ስልጣንን ኢትዮጵያውን እዚ ፍቕሪ ሪአ እየ ክብል ወሲኹ ገሊፁ፡፡

‹‹ፍቕሪ ሃገር ከብልፁን፤ልዕሊ ኹሉ ክሓስቡ ብምርኣየይ ተበረታቲዐ እየ›፡፡ስለ ዝኾነ ድማ ልዕሊ እዚ ድጋፍ ኣሎ ኢለ ኣይኣምንን፤ካብዚ ብተወሳኺ ድማ ኹልና ኢትዮጵያውያን ሐዚ’ውን ኣብ ልምዓት ክንቕፅል ኣለና ክብል›› ሓቢሩ፡፡

ሃገርና ኣብ ምድጋፍ፣ንሃገርና ጠጠው ምባልን ምስራሕን ይግበአና ድሕሪ ምባሉ፣ ኹላትና ንዕብየት ሃገርና ናይ ባዕልና ዓሻራ ክነዕርፍ ክንክእል ኣለና ኢሉ፡፡

እቲ ኣክቲቪስት ከምዝበሎ ንዝገበርኩምለይ ድጋፍ ኣዝየ የመስግን ምስ በለ፤ ኹሉኹም ኢትዮጵያውያን ይኾርዐልኩም እየ ኢሉ፡፡እቲ ዘለና ፍቕሪ ድማ ብተግባር ክንገልፅን ብሓባር ብምስራሕ፣ብሕብረት ጠጠው ብምባል፣ብሓባር ብምስጓምን ፅቡቕ ዘይኮነ ነገር ብምዕራይ፤እቲ ፅቡቕ ድማ እናሐየልና ብሓባር ንቕድሚት ክንስጉም ኣለና ክብል ተዛሪቡ፡፡

ዓብዪ ፅዕንቶ ብወገን ግብፅን ሱዳንን እናተገበረ እዩ፤ብዝረኸበኦ ኣጋጣሚ ፅዕንቶ ንምፍጣርን እዚ ፕሮጀክት ንኸይዛዘም ዘይገብርኦ የለን፤እዚ ፍሉጥ እዩ ምስበለ፤ኢትዮጵያ ግና ቕድሚ ሐዚ’ውን ወረርቲ ኣዋሪዳ ከም ዘባረረቶምን ሐዚ’ውን እቲ ዝበፅሓ ዘሎ ፅዕንቶ ስዒራ ናብ እትደልዮ ልምዓት ክትበፅሕ እያ ዝብል እምነት ኣለኒ ክብል ገሊፁ፡፡

ናይዘን ሃገራት መንግስታት ዝገብርዎ ፅዕንቶ እንተሃለወ’ውን ኣብ መንጎ ህዝብታት ሰለስቲአን ሃገራት ዘሎ ርክብ ግና ፅቡቕ እዩ ድሕሪ ምባሉ፤ ብምዃኑ ድማ ንሕና ክንሰርሖ ዝግበአና ነዚ ብምጥንኻር ናብ ምርድዳእ እንትንኣቱ ዝበለፀ ከምዝኾነን፤ይኹን‘ምበር ኣፍቲ ጎደቦ ዘይምርግጋዕ ክፍጠርን፣ረብሻ ዝደልዩ ኣካላት ከምዘለዉን ነዚኣቶም ድማ ግቡእ ምላሽ ክንህቦም ከምዝግባእን፤ ኣድላዪ ምንቅስቓስ ክንገብር ይግበአና ክብል ኣብሪሁ፡፡

ወጋሕታ 7 ሚያዚያ 2013

Recommended For You