‹‹መንግስቲ ጥምየት ከም ፖለቲካ መሳርሒ ይጥቀመሉ እዩ ዝብል ግልፂ ፕሮፖጋንዳ እዩ›› ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ፡- መንግስቲ ጥምየት ከም ፖለቲካ መሳርሒ ይጥቀመሉ እዩ ዝብል ግልፂ ፕሮፖጋንዳ እዩ ክብሉ ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ገሊፆም።

ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ምስ ፋና ብሮድካስት ኮርፖሬት ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት ከምዝገለፅዎ፣ኣብ ትግራይ ዝምረት ምህርቲ ንህዝቢ ትግራይ ኣኺሉ ኣይፈልጥን።ኸዚ’ውን ኣይኣኽልን። ኾይኑ ግና መንግስቲ ጥምየት ከም ፖለቲካ መሳርሒ ይጥቀመሉ እዩ ዝብል ግልፂ ፕሮፖጋንዳ እዩ። ብምንም መዐቀኒ ኣይተረጋገፀን።

ከም ዶክተር ኣብይ ገለፃ፣ ኮምሽን ሓደጋ ምክልኻልን ድልውነት ብዛዕባ ጥምየት መዐቀኒ ኣለዎ። ንሱ ዘማልእ ሓደ ጭቡጥ ሓበሬታ የለን ። ኣብ ብዙሕ ወረዳታት ምግቢ እናብፃሕና ኢና ፤እዚ ክቕፅል እዩ።

ኣብ ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ ኽልተ ሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ካብ ሓደ ነጥቢ ትሽዓተ ሚልየን ዘይንእሰ ህዝቢ በቢዓመቱ ዝሕገዝ እዩ ዝበሉ እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር፣ ብምግቢ ዓርስኻ ምኽኣል ዝባሃል ፀገም እኳ ዘሎ ኣብ ትግራይ እዩ። ዓሚ’ውን ቅድሚኡን፤ ቅድሚ ሓሙሽተን ዓሰርተን ዓመት’ውን ብሚልየን ዝቑፀር ሰብ እኽሊ ዝወሃቦ እዩ ኢሎም።

ኸዚ እዚ ውግእ ምስ መፅአ ቅድሚ ኸዚ ብሴፍቲኔት ዝሕገዝ ብሚልየን ዝቑፀር ህዝቢ ሓገዝ ኣየድልዮምን፣ኣብ ትግራይ ምግቢ በሽበሽ እዩ እናበልና ኣይኮነን ክብሉ ዝገለፁ ዶክተር ኣብይ፣ቅድሚ ኸዚ ዝፅገሙ ሰባት ኣለዉ ፤ብምኽንያት ኹናት ድማ ዝውሰኹ ሰባት ኣለዉ። ኾይኑ ግና ኣብ ትግራይ ዘጋጥም ሕፅረት ምግቢ ምቕራብ ኣብ ዘይንኽእለሉ ብርኪ ኣይኮናን ዘለና ክብሉ’ውን ሓቢሮም።

ምስ ኹሉ ክልላት ተዘራሪብና ካብ ዝኾነ ዝተመዛበለ ሰብ ናብ ዝነበሮ ንክምለስን እዋን ክረምቲን ሕርሻ ከይሓልፎ ፣ንክሰርሕ ፃዕሪ እናተገበረ ከምዝኾነ ገሊፆም። ኣብ ክልል ትግራይ ልዕሊ ሰብዓ ሚኢታዊ ሓረስቶት ምሩፅ ዘርኢ ቐሪብሎም ኣብ ሕርሻ ንክኣትዩ ሰፊሕ ስራሕ እናተሰርሐ ምዃኑ ኣመልኪቶም።

ወጋሕታ 24 ሰነ 2013

Recommended For You