‹‹እቲ ምምኽኻር ህሉው ስምዒታት ንምህዳእ ዘይኮነስ ብድሕሪኡ ዘለዉ መሰረታዊ ፀገማት ብምፍላይ መሰረታዊ ፍታሕ ንምምፃእ ‘ዩ›› -ወሃቢ ቃል ሃገራዊ ኮሚሽን ምኽክር ኣይተ ጥበቡ ታደሰ

ምምስራት ሃገራዊ ምምኽኻር ኮሚሽን ኢትዮጵያ ካብ ዝተኣወጀሉ ምኽንያታት ሓደ ኣብ መሰረታዊ ሃገራዊ ጉዳያት ሓቛፊ ሃገራዊ ምምኽኻር ብምክያድ ዝሓሸ ሃገራዊ ምርድዳእ ምህናፅ ብምድላይ ብምዃኑ ‘ዩ። ኣብ ከይዲ ድማ ናይ ምትእምማንን ኣብ ኣገደስቲ ሃገራዊ ጉዳያት ተቐራሪብካ ንምስራሕን ዝዓለመ ባህሊ ንምምዕባልን ‘ዩ።

ምስዚ ተኣሳሲሩ ኣብ ቀረባ እዋን ሃገራዊ ኮሚሽን ምምኽኻር ካብቶም ክሰርሖም ዝፀንሐ እቲ ሓደ መዳርግቲ ኣካል ንዝኾነ መንግስቲ መብርሂ ከምዝሃበ ይፍለጥ። ኮሚሽን ክሳብ ሕዚ ዝሰርሖ ስራሕን ኣብ ቀፃሊ ዝሰርሖን ብዝምልከት ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ምስ ወሃቢ ቃል እቲ ኮሚሽን ኣይተ ጥበቡ ታደሰ ከምዚ ዝስዕብ ቃለ መሕትት ተኣዳልዩ ኣሎ። ሰናይ ንባብ*

 ትፕኢ:- ኣብ ቀረባ እዋን እቲ ኮሚሽን ዝበፅሖ ከይዲ ስራሕ ንመንግስቲ ኣቕሪቡ ‘ዩ። እቲ ዝነበረ ግብረ መልሲኸ እንታይ ይመስል ነይሩ?

ኣይተ ጥበቡ:- ኣብ ቀረባ እዋን እቲ ኮሚሽን ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ዘተ ኣካይዱ ነይሩ። ካብዚ ተላዒሉ ድማ እቲ ኮሚሽን ንመንግስቲ ሪፖርት ኣቅሪቡ ተባሂሉ ክፅብፀብ ተዓዚብና ኢና።

ይኹን እምበር ንመንግስቲ ሪፖርት ኣየቕረበን። ምኽንያቱ ተፀዋዕነት እቲ ኮሚሽን ንቤት ምኽሪ ፌደራል ስለዝኾነ።ስለዚ እቲ ሪፖርት ዝቀርብ ናብ ወከልቲ ህዝቢ ፌደራልን ህዝቢ ኢትዮጵያን ‘ዩ፤ ንቀዳማይ ሚኒስትርን ንካቢነኦምን ንምቅራብ ሓላፍነት የብሉን።

ስለዚ ሓደ ክእረም ዘለዎ ጉዳይ ‘ዩ ኢልና ንኣምን። መንግስቲ ከም ሓደ መዳርግቲ ኣካል ናይቲ ሃገራዊ ምምኽኻር ኣካል ‘ዩ። ንኣብነት ኩሎም መምህራን፣ ሲቪል ኣካላት፣ ፖለቲከኛታትን ካልኦትን ከምኡ ‘ውን መንግስቲ ሓደ መዳርግቲ ኣካል ‘ዩ። እቲ ኮሚሽን ምስዞም መዳርግቲ ኣካላት ብሓባር ብምዃን ብዙሕ ዝሰርሖ ስራሕ ኣለዎ።

ልክዕ ከምቲ ምስቶም ካልኦት መዳርግቲ ኣካላት እንገብሮ ዘተ ምስ መንግስቲ ኣብዝተኻየደ ዘተ ሓደ ሓደ ዝለዓሉ ሕቶታት እቲ ኮሚሽን ተቐቢሉ መብርሂ ሂቡ ‘ዩ። ብላዕለዎት ኣመራርሓ ክሳብ ሕዚ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ብምድናቕ እቲ ኮሚሽን ኣብ ፅቡቕ ጅማሮ ከምዘሎ ብምጥቃስ እቲ ስራሕ ንምቕፃል ግብረ መልሲ ሂቡ ‘ዩ።እቲ ኮሚሽን ኣብ ዝገብሮ ስራሕቲ ከም ሓደ መዳርግቲ ኣካል ክገብሮ ዝግባእ ተርኡ ንምፍፃም ቆሪፁ ከምዝተላዕለ ገሊፁ ‘ዩ*

ትፕኢ፡- ከም ሓደ መዳርግቲ ኣካል መጠን ምስ መንግስቲ ዝገበርኩምዎ ዘተ ዝተፀበኹሞ ኸመይ ይግለፅ?

ኣይተ ጥበቡ፡- ከምቲ ትፅቢት ዝተገበረሉ ፅቡቕ ‘ዩ። ከም ትፈልጥዎ መንግስቲ ላዕለዎት ሰበስልጣን ጥራይ ዘይኮነስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብብርኪ ፌደራልን ክልልን ሓለፍቲ ዘጠቓልል ‘ዩ።

ስለዝኾነ ኣብ ዘካየድናዮም ከይዲ ብኹሉ ብርኪ ኣካላት ዘለዉ መንግስታዊ ምትሕብባር ኣዝዩ ዘተባብዕ ‘ዩ። ክድግፍዎ ዘለዎም ይድግፉ ኣለዉ። ኣብዚ መድረኽ ‘ውን ተመሳሳሊ ነገር ተራእዩ ‘ዩ። እዚ ክበሃል ከሎ ዘይሻራዊነትን ናፅነትን ናይቲ ኮሚሽን ሕልው ‘ዩ። ኣብ ቀፃሊ ትፅቢት ዝግበረሉ ክገብር ‘ዩ*

ትፕኢ፡- እቲ ኮሚሽን ዝሰርሖ ዘሎ ዝስራሕን ዝበፅሖ ውፅኢትን ኸመይ ይግለፅ?

ኣይተ ጥበቡ፦ ክሳብ ሕዚ ካብ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ብዙሓት ጉዳያት ንምፍፃም ፃዕሪ ተገይሩ ‘ዩ። ንሕና ኣብ ኣርባዕተ ምዕራፋት ብምኽፋል ኢና ንሰርሕ ዘለና።

ቅድመ ምድላው፣ ምድላው፣ መስርሕን ኣፈፃፅማን ናይ ምክትታልን ምዕራፍ ‘ዩ። ሕዚ ኣብ ዘሎ ኩነታት ቅድመ ምድላውን ናይ ምዕራፍ ምድላውን ምስተዛዘመ ኣብ ሳልሳይ ምዕራፍ መስርሕ ኢና ዘለና። ተሪፉና ዘሎ ናብ ራብዓይ ምዕራፍ ምስጋር ጥራይ ‘ዩ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝሰራሕኽምዎ እንታይ ‘ዩ ንዝተባህለ ኣብዚተታሕዘ ዓመት 2016 ዓ.ም ከም ምዃኑ ናይ በጀት ዓመት ትልሚ ምትግባር ጀሚርና ኣለና። ምስዚ ተተሓሒዙ ኣብቲ ሃገራዊ ምኽክር ዝሳተፉ ተሳተፍቲ ክሳብ ሕዚ ክልላት ከምዘለዎ ኮይኑ ተሳተፍቲ ዘይተፈለዩሎም ክልላት ንምፍላይ ጠመተ ብምሃብ እናሰራሕና ኢና።

ክልላት ዓፋር፣ ሶማል፣ ኣምሓራ፣ ትግራይ፣ ኦሮምያ፣ ደቡብ ኢትዮጵያን ማእኸላይ ኢትዮጵያን ‘ዮም። ናይ መጀመርያ ስራሕና ተሳታፊ ዝፈልይ ኮምሽን ጥራሕ ‘ዩ።ዝተፈላለዩ ተሓባበርቲ ኣካላት ኣለዉ።ስለዚ በዚኦም ክልላት እናሰራሕና ዘለና ተሓባበርቲ ኣካላት ምፍላይን ምስልጣንን ስራሕ ‘ዩ።

እቲ ኻልኣይ ኣብ ሃገራዊ ምኽክር ጉዳይ ግንዛበ ምፍጣር ስለዘለና እቲ ሕብረተሰብ ኣብ ዝሳተፈሉ እዋን ፈሊጡን ተረዲኡ ምስታፉ ውፅኢት ስለዘምፅእ ግንዛበ ንምፍጣር በቢክልሉ ዝዝረበሎም ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ብምድላውን ብምዝርጋሕ ስራሕ ትኹረት ገይርና ኣብ ምስራሕ ንርከብ።እቲ ስራሕ ዝስራሕ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ሽርክነት ብምፍጣር ‘ዩ።

ስለዚ ምፍላይ ተሳተፍቲ ኣብ እንሰርሐሎም ክልላት ዘለዉ መዳርግቲ ኣካላት መንግስቲ ብምኳን እናራሕና ኢና፡፡ ካልእ ትኹረት ገይርና እናሰራሕና ዘለና ስራሕ ድማ ክሳብ ሕዚ ተሳፍቲ ካብ ዝተፈለየሎም ክልላት ከተማ ምምሕዳር ኣብ ክልላትን ከተማ ምምሕዳርን ድማ ዝሳተፉ ዝተፈላለዩ ተሳተፍቲ ኣለዉ።

እዚኦም ዝውክሉ ትካላት፣ ካብ ማሕበራትን ዝኣመሰሉን ሓበሬታ ናይ ምእካብ ስራሕ ብተመሳሳሊ ግዜ እናሰራሕና ኢና።ካብዚ ብተወሳኺ ምስ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ርክብ ብምጥንኻር ስራሕ ብትኹረት እናሰራሕና ኢና።

ካልእ ድማ ትኹረት ገይርና እናሰራሕና ዘለና ስራሕ ናይ ኣጀንዳ ሓሳብ ምስብሳብ ‘ዩ።ኣጀንዳ ዝስብሰብ ድማ እቲ ሓደ ናይ ክልላትን ከተማ ምምሕዳርን ተወከልቶም መሪፆም ብኣኣቶም ብምትሕብባር እቲ ኮምሽን ዝካየዱ መድረኻት ‘ዮም።

ብካልእ መንገዲ ድማ ሓሳባት ኣጀንዳ እንክበሉ መንገዲ ብቅጥታ ናይ ምስታፍ ዕድል ዘይረኸቡ ሰባት ኾይኑ ትካላት ሓዊሱ ኣጀንዳ ሓሳብ ኣለና ብምባል ኣብ ዝመፅሉ እዋን ኣብ ቢሮን ብዝተፈላለዩ ቴክኖሎጂ ኣመራፅታት ናይ ምስብሳብ ስራሕቲ እናሰራሕና ኢና።

ካብዚ ብተወሳኺ ካልኦት ኣጀንዳ እንእክበሎም መንገዲ ኸዚ ትኹረት ሂብና እናሰራሕና ዘለና ስራሕ ‘ዩ።ሓደ እቲ ኮምሽን እዚ ንምክያድ ኣብ ምድላው ‘ዩ ዝርከብ።ካልኣይ ቅድሚ ሕዚ ብዝተፈላለዩ ኣካላትን ዝተፈላለዩ ትካላትን ሓዊሱ ቅድሚ ሕዚ እናፀብፀብዎም ዝነበሩ ጉዳያት ብምፅናዕ ካብዚኦም ድማ ፅቡቕ እንብሎም ኣጀንዳ ሓሳባት መስብሳብ ስለዝለና እዚ ‘ውን ትኹረት ሂብና እናሰርሐና ኢና፡፡

ኣብ ቀፃሊ ኣብ ዝግበር ኣጀንዳ ናይ ምስብሳብ ከይዲ ኣብቲ ሃገራዊ ምኽክር ዘሎ ከይዲ ዘመቻችው ብቁዕ ንምግባር ናይ ምፍላይ ስራሕ የድሊ ‘ዩ።ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝርከቡ ዩኒቨርሲቲ ትካላት ብምትሕብባር እዚ ስራሕ ክሰርሑ ዝኽእሉ ብዘይሻራዊ፣ ታኣማኒ፣ ግልፅነት ክሰርሑ ዝኽእሉ ዝተፋላለዩ ሙሁራን ሓዊስኻ ንምስታፍ ፃዕሪ እናገበረ ‘ዩ።ኣብ ቀፃሊ ዝህልዉ ስራሕቲ ኣተኣኻኽባ ኣጀንዳ፣ ምቕራፅን ምኽክር ምክያድን ‘ዮም።እዚኦም ብስርዓት ክስርሑ ዘለዎም ‘ዮም።

ንኣብነት ተሳፍቲ እንፈልየሉ ባዕሉ እቲ ኮምሽን በዝቐረፆ ተሳተፊ ኣፈላልያ ብልሓት ብምጥቃም ‘ዩ።ልክዕ ብተመሳሳሊ ካልኦት ኩነታት ‘ውን እንመርሐሉ ስርዓት ብምቕራፅ ስራሕቲ እናተሰርሑ ‘ዮም።ስለዚ ካብዚኦም ጭቡጥ ኩነታት ተላዒልና ናይ 2016 በጀት ዓመት ትልምና ኣዳሊና በዚ ትልሚ መሰረት እናተሰርሑ ዘለዉ ተግባራት ‘ዮም ዘለው።

ትፕኢ፡- ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዝሃነት መግለፂኡ እኳ እንተኾነ ሓደ ነቲ ሓደ ኣፀቢቑ ይፈልጦ ‘ዩ ዝብል እምነት ዘይብሎም ኣካላት ኣለዉ፤ ከምዚ እንተኾይኑ ኣብ ስራሕኹም ዕንቅፋት ክኾነኩም ይኽእል ‘ዩ ተባሂሉ ይሕሰብ ይኾን?

ኣይተ ጥበቡ፡- ንሃገራዊ ምምኽኻር ብዝሃነት ዕንቅፋት ክኸውን ዝኽእለሉ ዕድል የለን። ብዝሃነት ንባዕሉ በረከት ‘ዩ። ከመይ ጌርና ከንሕዞ ከምዘለና ዘይምፍላጥ ‘ዩ ፀገም ዘስዕበልና ዘሎ እምበር ብዝሃነት ባዕሉ ፀገም ኣይኮነን። ኮይኑ ግና ከምቲ ዝተባህለ ናይ ዘይምርድዳእ ወይ ናይ ዘይምፍላጥ ፀገማት ኣለዉ ማለት ትኽክል ‘ዩ።

ኣብ ስራሕቲ ኮሚሽን ግን ፀገም ኣይክኸውንን ‘ዩ። ምኽንያቱ ብሓቂ ስለ ዘይንረዳዳእን ስለ ዘይንፋለጥን ‘ዩ ፀገማት እናተፈጠሩ ዘለዉ። ስለዝኾነ እዚ ኮሚሽን ዝመፀን ስራሕን ዝሰርሕ ዘሎ ነዚ ፀገም ንምፍታሕ ‘ዩ።ስለዚ ፀገም ዘይምርድዳእን ዘይምልላይን ንባዕሉ ፀገም ኣይኮነን።

እቲ ኮሚሽን ተጣይሹ ሃገራዊ ምምኽኻር ከምፅእ ዝተደለየሉ ምኽንያት ድማ ብዝግባእ ዝፈጠሮምን ዝወለዶምን ብዙሓት ፀገማት ስለዘለዉ ‘ዮም። ነንሕድሕድና ብግቡእ ንዘይምፍላጥናን ዘይምርድዳእናን ብዙሕ ምኽንያታት ክህልዉ ይኽእሉ ‘ዮም። ግና ብሓቂ ንኽይንስማዕማዕን ንኸይንፋለጥን ተባሂሉ ተሰሪሑ ድዩ ዝብል ሕቶ የልዕል ‘ዩ።

መብዛሕትኦም ግን ኣብቲ ፍልልይ ዘተኮሩ ‘ዮም። ምርድዳእ ወይ ምፍላጥ ማለት ሰባት ምስ ሰባት ኣብ ሓደ መኣዲ ስለዝተኻፈሉን ብሓባር ስለዝተፃወቱን ‘ዮም ዝፋለጡ ማለት ኣይኮነን። ርክብ ካብዚ ንላዕሊ ክኸይድ ዘለዎ ጉዳይ ‘ዩ። ስለዚ ምርድዳእን ምልላይን ንምፍጣር ኮፍ ኢልካ ምዝታይን ምምኽኻርን ከምኡ ‘ውን ልቢ ንልቢ ምዝርራብ የድሊ።

ቅድሚ ሕዚ ንምርድዳእ ዘኽእሉ መድረኻት ኣይነበሩን። ይኹን እምበር እዚ ውፅኢት እዚ ክመፅእ ዝኸኣለሉ ምኽንያት ሰባት ንሓድሕዶም ክፋለጡን ክረዳድኡን ክስራሕ ዝግበኦ ስራሕ ስለዘይተሰርሐ ‘ዩ። ከምቲ ዝዘርኦ ‘ዩ ዝዓፅድ ዝባሃል። ሕዚ ንርእዮም ዘለና ዘይምርድዳእን ዘይምፍላጥን ተዘሪኦም እናተዓፀዱ ‘ዮም ኢልካ ምሕሳብ ይከኣል ‘ዩ።

በዚ ዓይኒ እዚ ንሃገራዊ ምምኽኻር ኣገዳሲ ዝገብሮ ነገር እዚ ሓቂ እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ምህላዉ ‘ዩ። ብትኽክል ልቢ ንልቢ ናይ ምፍላጥን ምዝርራብን ፀገም ስለዘሎ። ሰብ ምስ ሰብ፤ ሓደ ብሄር ምስ ካሊእ ብሄር ፀገም ስለዘሎ እዚ ኮሚሽን ክውለድን ሰራሕቲ ክስራሕን ክግበር ተኻኢሉ ‘ዩ።

ሓደ ኣገዳሲ ነገር ኣብ ግምት ክኣቱ ዘለዎ ምምኽኻር ዝግበር ኣብ መንጎ ዝተረዳድኡ ኣይኮነን።ኣብ መንጎ ዝተረዳድኡ ሰባት ዝኾነ ምምኽኻር ኣየድልን። ኣብ መንጎ ዘይስማዕምዑን መሰረታዊ ፍልልይ ዘለዎምን ሰባት ‘ዩ ምምኽኻር ዘድሊ።

ይኹን እምበር እቲ ህዝቢ ክረዳዳእ ዘይክእል ብሰንኪ ብዝሃነት ኣይኮነን። ብዝሃነት ዘይምስምዕማዕ ምኽንያት ኣይኮነን። ብዝሃነት ንባዕሉ ፀገም ዘይኮነስ ኮፍ ኢልካ ምዝራብን ልቢ ንልቢ ምስምዕማዕን ‘ዩ። ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ንዝፍጠር ሕድሕዳዊ ዘይምርድዳእ ኣብ ልዕሊ ኮሚሽን ምምኽኻር ዘሕድሮ ዝኾነ ዓይነት ፀቕጢ የለን።

ትፕኢ፡- ብፖለቲካዊ ስንብራት ዝፈጠሮ ዘይምርድዳእ ብኸመይ ብናይ ምምኽኻር መድረኽ ክፀገን ይኽእል? ካብ ታሪኽ ዝተወረሰ ዕዳታት ብኸመይ ዓይነት ኣገባብ ክፍታሕ ኣለዎ? ከም ሃገር ምርድዳእ ዘይተበፅሐሎም ጠንቂ ጎንፂ ብኸመይ ክፍትሑ ይኽእሉ?

ኣይተ ጥበቡ፡- ዝረኣዩ ዘለዉ ዘይምርድዳእ ከምዘለዉ ኮይኖም ንሕና ጠመተ ብምሃብ እንሰርሖም ብዙሓት ምኽንያታትን ብዙሓት መግለፂታትን ክህልዉ ይኽእሉ ‘ዮም። መብዛሕትኡ ግዜ ግን ኣብቶም ኣዝዮም መሰረታውያን ሃገራዊ ዘይምርድዳእ ኢና ነተኩር። እዚኦም ኣብ ሓፂር ግዜ ዝተወልዱ ዘይኮኑስ ንዘመናት ክውህለሉ ብምፅናሕ ኣብዚ ሎሚ በፂሐሞ ዘለዉ ደረጃ ክበፅሑ ክኢሎም ‘ዮም።

ኣብ ፖለቲካዊ ሃዋህው ዘይምርድዳእ ወይ ቅልውላው ዝፍጠሩ ፖለቲካዊ ፀገማት ናይ ገዛእ ርእሶም  ተራ ኣለዎም። ኮይኑ ግና ምናልባሽ እቲ ቀንዲ ምኽንያት ንሳቶም ‘ዮም ኢልካ ምግማት ግቡእ ዘይክኸውን ይኽእል ‘ዩ። ብተወሳኺ ምስ እዚ ተማጋጋቢ ኮይኑ ናይ ኩሉ ጠቕላላ ድምር ውፅኢት ክኸውን ይኽእል ‘ዩ። ሕዚ ዘሎ ይኹን ቅድሚ ሕዚ ንፖለቲካዊ ስርዓትና ኣበርክቶ ገይሩሉ ‘ዩ።

ዘይበፃሕናዮም ዛንታታት ኣለዉ። ኮነ ተባሂሉ ንዝተፈለየ ዕላማ ዝንዝሑ ጉዳያት ‘ውን ኣለዉ። ከምዚኦም ዝበሉ ነገራትን ተደማሚሮም ኣብዚ ሕዚ እዋን ሕዚ ንዝተፈጠረ ፀገም ኣበርክቶ ከምዝገበሩ ንኣምን። ከም ሃገር ምስ እቲ ኮምሽን ምኽክር ተተሓሒዙ ብምምኽኻር ከንሳገሮም እንኽእል ሓቅታት እቶም ዝጠቐስካዮም ነገራት ‘ዮም።

መጀመርያ፣ፖለቲካዊ ኩነታትና ክመሓየሽን ክቕየርን ኣለዎ። ካልኣይ፣ ብዛዕባ ኣብ ዛንታታትና ንምርድዳእ ፃዕሪ ክግበር ይግባእ። ከምኡ’ውን ኣብ ዝተዛብዐ ኩነታት ዝፍጠሩ ትረኻታት ኣብ ሓደ ቦታ ተቐሚጦም ቅርፂ ክሕዙ ክኽእሉ ይግባእ። ትማሊ ‘ዮም ነይሮም። ሎሚ ‘ውን ኣብኡ ኣለዉ። መፍትሒ እንተዘይተረኺቡ ፅባሕ ‘ውን ክቕፅሉ ‘ዮም።

ስለዚ ካብ ከምዚ ዝበለ ዑደት ንምውፃእ ስራሕቲ የድሊ። በዚ መንፅር ምናልባት ኣብ ኣዋጅ ምምስራት ናይ ምምኽኻር ኮሚሽን ከም ዕላማ ዝተቐመጡ ነገራት ሓደ ነዞም ዝጠቐስካዮም ኩነታት ምቕያር ‘ዩ። ብመስርሕ ምምኽኻር ካብ እንበፅሖም ዕላማታት ሓደ ኣብ ምትእምማን ዝተመስረተ ሓድሽ ፖለቲካዊ ስርዓት ምፍጣር ‘ዩ።

ካልኣይ ከምቲ ዝበልካዮ ውሽጣዊ ፀገማት ብዘተ ክፈትሕ ዝኽእል ፖለቲካዊ ስርዓት ምምዕባል ካብቲ ምምኽኻር ትፅቢት ካብ ዝግበረሎም ጉዳያት ሓደ ‘ዩ። ስለዚ ንጥፈት እቲ ኮሚሽን እዋናዊ ምልክታት ብምኽታል ዘይኮነስ መሰረታዊ ፀገማት ኣለሊኻ ፈውሲ ንምምፃእ ‘ዩ።

ኣብ መንጎ ተሓኪምካ ምሕዋይን ምፍዋስን ፍልልይ ኣሎ። ስለዚ ብቐንዱ ብመስርሕ ምምኽኻር ኣቢልና ምንጪ እቲ ፀገም ኣብ ምርካብን ካብቲ ዑደት ንምውፃእ መፍትሒ ምርካብ ዝብል ኣንፈት ብምኽታልን ትኹረት ብምሃብ ኣብ ምስራሕ ንርከብ።

ኣብ መስርሕ ምምኽኻር ነዚ ብኸመይ ክኸውን ክንገብሮ ዝብል ሕቶ ብዝምልከት፣ ንሕና እናሓስቦ መጀመርያ እዞም ጉዳያት እዚኦም ኣጀንዳ ኮይኖም ክመፁ ‘ዮም ኢልና ንሓስብ። ብርግፅ ክመፁን ዘይክመፁን ይኽእሉ ‘ዮም።

ከም ኣጀንዳ ኮይኖም እንተመፂኦም ምኽክር ክግበረሎም ‘ዩ። ስለዚ ኣብ መስርሕ ምምኽኻር እዞም ጉዳያት ናብ ስምምዕ ክበፅሑ ትፅቢት ይግበር። እዚ ዝርዝር ነገራት ዝሓትት ገሊኦም ብሓፂር ግዜ፤ ካልኦት ድማ ብዝተናውሐ ግዜ ክእረሙ ዝኽእሉ ጉዳያት ‘ዮም።

ምኽንያቱ እዞም ንነዊሕ ዓመታት ክእከቡ ዝፀንሑ ጉዳያት ተኣምራዊ ነገር እንተዘይተፈጢሩ ብሓደ ለይቲ ክፍታሕ ስለዘይክእል ገለ ካብኣቶም ኣብ ሓፂር ግዜ ክፍታሕ ይኽእል ‘ዩ፤ ካልኦት ድማ ብነዊሕ እዋን ልምምድ ክፍትሑ ይኽእሉ ‘ዮም። ስለዚ ናይና ተስፋ ኣብቶም ጉዳያት ብምምኽኻር ካብዚ ዕንክሊል ወፂእና ህዝቢ መኺሩ ኣብቲ ደረጃ ክበሕ ተስፋ ኣለኒ።

ትፕኢ፡- እቲ ኮሚሽን ምስ ህዝቢን መንግስቲን ዝሰርሖ ስራሕ ክዕወት ክኸውን ካብ ህዝብን መንግስትን እንታይ ትፅቢት ይግበር?

ኣይተ ጥበቡ፡– ሃገራዊ ምምኽኻር ከምቲ ሽሙ ዝሕብሮ ሃገራዊ ‘ዩ። ስለዚ ዋና እቲ ህዝቢ ‘ዩ። ንዝኾነ ካሊእ ኣካል ዝተዋሃበ ኣይኮነን። ሃገራዊ ‘ዩ እንተኢልና ብዙሓት መዳርግቲ ኣካላት ኣለዉ ማለት ‘ዩ። ካብዚኦም ሓደ ኣገዳሲ ዝኾነ ሕብረተሰብ ‘ዩ። ካልኣይ መንግስቲ ‘ዩ። ቀፂሎም ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ውዳበታትን ምሁራትን ይርከቡ። በዚ መዳይ እዚ ዝተፈላለዩ ኣካላት ‘ዮም።

እቲ ምምኽኻር ብባህሪኡ ቁሩብ ፍልይ ዝበለ ዝገብሮ ኣብ መስርሕ ምምኽኻር ሰዓሪ ወይ ተሳዓሪ ዝበሃል ስለዘየለ ‘ዩ። ኩሉ ሰብ ተዓዋቲ ኮይኑ ዝወፅአሉ መድረኽ ‘ዩ። እቲ ተዓዋቲ ኮይኑ ዝወፅእ ድማ እቲ ሓቂ ‘ዩ። እቲ ሓቂ እቲ ህዝባዊ ሓቂ ‘ዩ።

ስለዚ ብዛዕባ እቲ ናይ ሓባር ፀገም ሓቂ ብምዝራብ ኣብ ናይ ሓባር ፍታሕ ምብፃሕ ይከኣል ‘ዩ ኢልና ንኣምን። ስለዝኾነ ብሃገራዊ ኮሚሽን ንዝግበር ምምኽኻር መዳርግቲ ኣካላት ዝገብርዎ ዘለዉ ሓገዝ ልዑልን ዝድነቕን ‘ዩ። ህዝቢ ኣብ ዝኸድናሉ ቦታታት ከርእየና ዝፀንሐ ተስፋ ኣዝዩ ዘገርም ‘ዩ።

ኣብ ሃገራዊ ምምኽኻር ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ውድባት፣ ሞያዊ ማሕበራትን ካልኦት ትካላትን ዘለዎም ተስፋን ደገፍን ብዓቢይኡ ክተባባዕን ክጠናኸርን ይግባእ። እዚ ኣብ ቀፃሊ ‘ውን ክሕይል ንደሊ።

ሓደ ካብቲ ትፅቢታት ሕብረተሰብ ዋላ’ኳ ፀቕጥታት እንተሃለውዎ ነቶም ነገራት ገጢሙ ኣብ መስርሕ ምምኽኻር ዘለዎ ተሳትፎ ከሐይል ይግባእ። ምምኽኻር እቲ ከይዲ ውፅኢት ንምምፃእ ኣበርክቶ ክገብር ኣለዎ። ካብዚ ብተወሳኺ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ክሳብ ሕዚ ክገብርዎ ዝፀንሑ ኣበርክቶ ክቕፅልዎ ይግባእ።

ብመንግስቲ ክፍፀሙ ትፅቢት ዝግበረሎምን በቲ ኣዋጅ ዝተቐመጡን ዕማማት ኣለው። ኣብዚ ህሉው ኩነታት እቲ ኮሚሽን ናፅነቱን ዘይሻራውነቱን ብዝሓለወ መገዲ ዝግበሩ ዘለዉ ድጋፋት ኣዝዩ ዘተባባዕ ‘ዩ። እዚ ድጋፍ እዚ ተጣናኺሩ ምቕፃልን ኣብ መወዳእታ መስርሕ ምምኽኻር ዝርከቡ ምክረ ሓሳባት ተቐቢልካ ናይ ምፍፃም ሓላፍነት ናይ መንግስቲ ሓላፍነት ስለዝኾነ ነዚ ካብ ብሕዚኡ ክዳሎ ይግባእ።

እቶም ምሁራትን ፖለቲካዊ ማሕበረሰብን ከም ዝኾነ ዓይነት መዳርግቲ ኣካላት ብንቕሓት ናይ ምስታፍ ነገር ከምዘሎ ኮይኑ ተሳትፈኦም መፅናዕቲ ብምግባር ክኽውን ይኽእል ‘ዩ። ምናልባሽ ኣብ ኣቀራርባና ታሪኻዊ ፀገማት ክህልዉ ስለ ዝኽእሉ ነዚኦም ብምንቓፍ ምስቲ ኮሚሽን ጥቡቕ ርክብ ብምፍጣር እቶም ፀገማት ክፈትሑን ኣብቲ ጉዳይ እጃሞም ከበርክቱን ይግባእ ኢልና ንሓስብ።

ትፕኢ፦ ኣብዚ ዓመት እዚ እቲ ኮሚሽን ዘካይዶ ዘተ መፍትሕ ኩሉ ፀገማት ‘ዩ ዝብሉ ኣካላትት ኣለው፤ ነዚ እንታይ ምላሽ ኣለዎም?

ኣይተ ጥበቡ፡– ፅቡቕ ሕቶ ‘ዩ። ከም ዝመስለኒ እቲ ኮሚሽን ንኩሉ ነገር መፍትሒ ኣይኮነን ማለት ወይ መፍትሒ ‘ዩ። ክልተ ጫፍን ጫፍን ዝኾኑ ነገራት ስለዝኾኑ ልክዕ ‘ዮም ማለት ኣይንሓስብን። ንኹሉ ፀገም መፍትሒ ‘ዩ ማለት ብኻሊእ ወገን ድማ ፈፂሙ ኣይዕወትን ማለት ችግር ኣለዎ። ስለዚ እቲ ሓቂ ዘርእዩ ኣብ ማእኸላይ እዚ ‘ዩ ኢለ እየ ዝሓስብ።

ስለዚ ሃገርና ብዙሕ ሽግራት ኣለዋ። ምኽንያቱ ብዙሕ ዓይነት ስለዝኾነ። ስለዚ እቲ ኮሚሽን ከም መፍትሒ ናይዞም ኩሎም ፀገማት ገይርካ ምቑፃር ናይ ባዕሉ ፀገም ኣለዎ። ብተመሳሳሊ እቲ ሃገራዊ ምኽክር ዕውት ከይኸውን ዝሰርሑ ኣካላት ከምዘይዕወት እንተተዛረቡ ክፍረዶም ኣይክእልን። ምኽንያቱ ከይሳኻዕ ምስረሖም ስረሖም ስለዝኾነ።

ስለዚ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ሃገራዊ ምኽክር ጠመቶ ዝግበረሉ ከምቲ ብተደጋጋሚ ዝገለፅክዎ፣ ኣዝዮም መሰረታውያን ሃገራዊ ጉዳያት ዘተኮረ ክኸውን ‘ዩ። በዚ መዳይ እዚ ናይ በዓሉ ድሩትነት ክህልዎ ይኽእል ‘ዩ። ንኹሉ ጉዳያት ስለዘይምልከት በዚ መዳይ ድሩትነት ክህልዎ ይኽእል ‘ዩ።

ካልእ መፍትሒ ናይ ኩሉ ፀገማትና ሃገራዊ ምምኽኻር ጥራሕ ‘ዩ ምባል ኣይከኣልን። ምኽንያቱ ኣወሃህባ ግልጋሎትን ኣሰራርሓን ብምዝማንን ስርዓት ፍትሕን ተመሳሰልቲ ጉዳያትን ብምምሕያሽ ክእለዩን ክፍትሑን ዝግበኦም ፀገማት ብዙሓት ‘ዮም።

ስለዚ ኣብዛ ሃገር ዘሎ ሽግራት ኣዝዩ ዝተዋህለለን ዝተሓላለኸን ጠንቁ ድማ ዝተፈላለየ ስለዝኾነ ከከም ኩነታቶም መፍትሒ ምሃብ የድሊ እምበር ሃገራዊ ምምኽኻር ንኹሉ ነገር መፍትሒ ‘ዩ ንምባል ዘድፍር ኣይኮነን።

ሓደ ዓቢዪ ነገር ማለት ኣዝዮም መሰረታውያን ሃገራዊ ጉዳያት ምትኳር ማለት እቶም ጨናፍሩ ዝኾኑ ክፈሽሉ ይኽእሉ ‘ዮም ማለት ‘ዩ። ፍልፍል እቲ ፀገም ስለ ዝውቓዕ እቶም ካልኦት ፀገማት ኣብ ግዚኦም ክፍትሑ ይኽእሉ ‘ዮም።

ስለዚ ኣብ ዓበይቲ ኣጀንዳታት ዝግበር ስምምዕ ነቶም ኣናኣሽቲ ጉዳያት መፍትሒ ክኸውን ተስፋ ንገብር። ኣብ ዓበይቲ ኣጀንዳታትና ኣብ ስምምዕ እንተበፂሕና እቶም ካልኦት ‘ውን ይፍትሑ። መንግስቲ ድማ ተረጋጊዑ ስራሕ ክሰርሕ ይኽእል።

ህዝቢ ’ውን ርጉዕ ህይወት ዝመርሓሉ ምኽንያታት ክህልዎ ‘ዩ ኢልና ንኣምን። በዚ ዓይኒ እዚ እቲ ምምኽኻር መፍትሒ ኩሉ ፀገማትና ዘይኮነስ መፍትሒ ቀንዲ ፀገማትና ክኸውን ‘ዩ ኢልና ንኣምን።

ትፕኢ:- ዝተረፉ ተሳተፍቲ ዘይተለለዩለን ክልላት ተሳተፍቲ ንምልላይ ክሳብ መዓስ ተሊምኩም ኣለኹም?

ኣይተ ጥበቡ፡– ባህሪ እቲ ስራሕ ንባዕሉ ኸይዲ ‘ዩ። ካልኣይ ነገር ድማ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ዘሳትፍ ‘ዩ። እቲ ሳልሳይ ነገር እቲ ስራሕ ናብ መሬት ክወርድ ከሎ ንኹሉ ዝሓቁፍን ኣሳታፍን ክኸውን ስለዘለዎ ብስርዓት ‘ዩ ዝስራሕ።

ስለዚ ኣብዚ እዋን እዚ ጉዳይ ተኸናዊኑ ንምባል ዘየኽእል ኩነታት ከጋጥም ይኽእል። ምኽንያቱ ብጭቡጥ ኣብ ባይታ እንርእዮም ገለ በዳህቲ ኩነታት ስለዘለዉ ‘ዩ። ሕዚ ‘ውን ዝተፈጥሩ ኣለዉ፤ ምናልባት ኣብ ቀፃሊ ዝፍጠሩ ይህልው። በዚ መንፅር ብሓፈሻ ኣንሕና ብመሰረት ትልምና ኢና ንሰርሕ ዘለና።

እቲ ቀንዲ ነገር ግና ከም መበገሲ ኣብ መፋርቕ በጀት ዓመት 2016 እቲ ምምኽኻር ንምጅማር ኢና ንሰርሕ ዘለና። እቲ ምምኽኻር ክንጅምሮ ኢና እንተይልና ድማ እቲ ምምኽኻር ቅድሚ ምጅማሩ ክስራሕ ዘለዎ ዝሓዝናዮ ትልሚ ክንዛዝሞ ኣለና።

ኣብ መፋርቕ ወርሒ እቲ ምምኽኻር ክንገብር እንተኾይንና ካብዚ ዘሎ ወርሒ ጀሚርና ናይ ዝተረፉ ሒደት ኣዋርሕ ተሳተፍቲ ዘይፈለናለን ክልላት ፈሊና ምዝዛምን ኣጀንዳታት ምእካብ ክንጅምር ይግባእ። ከምኡ ‘ውን ኣጀንዳታት ክቐርፁ ይግባእ።

ብድሕሪኡ ‘ዩ ናብቲ ምምኽኻር ዝእተው። ስለዚ እቶም ስራሕቲ ቅድሚ መፋርቕ ዓመት ክዛዘሙን እቲ ምምኽኻር ኣብ መፋርቕ ዓመት ክጅመርን ኣለዎ።

ኢፕድ፡- በቲ ኮሚሽን ዝካየድ ዘተ ሕዚ ብዘሎ ስምዒታዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ፅልዋ ክሓድሮ ይኽእል ዶ?

ኣይተ ጥበቡ፡- በዞም ኩነታት እዚኦም ዝፍጠር ፀቕጢ ይህሉ ‘ዩ ኢልና ኣይንግምትን። ብመሰረት ትልምና ስራሕና ንምስራሕ ኣብ ዝግበር ፃዕርታት ናይ በዓሉ ብድሆታት ከጋጥም ይኽእል ‘ዩ።

ኮይኑ ግና ሓደ ክንርድኦ ዘለና ሓቂ፣ ሕዚ ኣብ ኢትዮጵያ ሃገራዊ ምምኽኻር ብጭቡጥ ዘድልየሉ ምኽንያት ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ተፈላለዩ ከባቢታት ንህላወ ሃገር ዝፈታተኑ ከበድቲ ፀገማት ኣለው።

ሓደ እቲ ምምኽኻር ብጭቡጥ ኩነታት ኣገዳሲ ዝገብሮ ነገር ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ከምዚ ዓይነት ኣዋጃት ምህላዉ ‘ዩ። ስለዚ ኣብዚን ኣብቲን ዝረኣዩ ፀገማት እቲ ንርእዮ ዘለና ውፅኢት ‘ዩ። ብምዃኑ እቲ ሃገራዊ ምምኽኻር ዝሰርሖ ህሉው ስምዒታት ንምርግጋዕን ንምሕካምን ዘይኮነስ መሰረታዊ ጠንቅታት ኣለሊኻ መሰረታዊ ፍታሕ ንምምፅእ ‘ዩ።

ብመንፅር እዚ ኣብዝ ሕዚ እዋን ዝረአዩ ግርጭታት ዝተፈላለዩ ዝዳፍኡ ምኽንያታት እኳ እንተሃለዎም እቲ ቀንዲ ምኽንያት ኢልና ንኣምኖ ኣብ ኣዝዮም መሰረታውያን ሃገራዊ ጉዳያት ዘይምስምማዕና ‘ዩ ኢልና ንኣምን። ኣብ መሰረታዊ ጉዳያትና ዘሎ ዘይምርድዳእ ብደረጃ ሃገር ምፍታሕ ‘ዩ። በዚ መንፅር እዚ በብእዋኑ መደባትና ክንቅይር እንተዘይኣገዲዶም ብባዕሎም ዝፈጥርዎ ፍሉይ ፀቕጢ ኣይክህሉን ‘ዩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ሓደ ክረአ ዘለዎ ምኽክር ኮሚሽን ኮነ እቲ ኣዋጅ ኣብ መወዳእታ ክሳኸዐሎም ዝደልይዎ ዕላማታት ሓደ እቲ እንሪኦ ዘለና ህልው ፀገማት ዘላቒ ብዝኾነ ኩነታት ንምፍታሕ ዘኽእልን ውሑስ ዝኾነ ሰላም ዝረጋገፀሉ ፖለቲካውን ማሕበራውን ምድምማፅ ምፍጣር ‘ዩ።

ስለዚ እዋናዊ ፀገማት ብዘላቒ መንገዲ ንምፍታሕ ሓላፍነት ተዋሂብዎ ዘሎን ንምትግባር ዝተጣየሸን ትካል ኣብ ትሕቲ ፅልዋ እዞም ክፍትሑ ዝኽእሉ እዋናዊ ጉዳያት ክወድቕ ዝኽእል ተኽእሎ ክህሉ ‘ዩ ተባሂሉ ኣይሕሰብን።

ትፕኢ፡- ንዝሃቡና ሰፊሕ መብርሂ ካብ ልቢ ነመስግን።

ኣይተ ጥበቡ፡- ኣነ ‘ውን ኣዝየ ኣመስግን።

ኣብርሃ ሓጎስ፣ መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 1 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም

Recommended For You