‹‹መንግስቲ ተዛሓሒሉ ዝፀንሐ ምንቅስቃስ ቱሪዝም ንምንቕቓሕ ጠመተ ብምሃብ እናሰርሐ ይርከብ›› – ዲኤታ ሚኒስትር ቱሪዝም ኣይተ ሽለሺ ግርማ

ኣብ ኢትዮጰያ ምንቅስቃስ ቱሪዝም ብምኽንያት ኮቪድን ኩናትን ተዛሓሒሉ ፀኒሑ ‘ዩ። ብፍላይ ካብ 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ብዘጋጠመ ኩናት ኣዝዩ ተዳኺሙ ብምፅንሑ ካብቲ ዘፈር ክርከብ ዝግባእ ዝነበረ እቶት ኣይተረኽበን።

በዚ ዘፈር እዚ ክርከብ ዝግበኦ ዝነበረ ሸርፊ ወፃኢ ብዘይምርካቡ ሓደ ምኽንያት ሕፅረት ሸርፊ ወፃኢ ኮይኑ ጥራሕ እንተይኮነስ ኣብቲ ዓውዲ ተዋፊሮም ዝሰርሑ ዝነበሩ ኣካላት ‘ውን ተጎዲኦም ፀኒሖም ‘ዮም። ቱሪዝም ኣብ መለእ እዛ ሃገር ዋላ ተዳኺሙ ይፅናሕ ሕዚ ግና ብዝተረኸበ ኣንፃራዊ ሰላም ምንቕስቓስ ተጀሚሩ ኣሎ።

ብፍላይ ክልል ትግራይ ብዓብይኡ በቲ ኩናት ዝተጎድአ ምዃኑ ግልፂ ‘ዩ። ኣብዚ መንግስቲ ተዛሓሒሉ ዝፀንሐ ጠቕላላ ቱሪዝም እዛ ሃገር ናብ ዝነበሮ ንምምላስ መንግስቲ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናሰርሐ ይርከብ።

ብፍላይ ድማ ኣብዚ ሕዚ እዋን ከም ኣሸንዳ፣ኢሬቻ ወዘተ ዝበሉ ናይ ኣዳባባይ በዓላት ፍልፍል ቱሪዝም እቶት ንምግባር ብቖራፅነት እናተሰርሐ ይርከብ። ብሓፈሻ ኣብዚ ዙርያ እዚ ብሰፊሑ ሓበሬታ ክህቡና ምስ ዲኤታ ሚኒስትር ቱሪዝም ኣይተ ሽለሺ ግርማ ዝገበርናዮ ፃኒሒት ከምዝስዕብ ቐሪቡ ኣሎ። ሰናይ ንባብ!

 ወጋሕታ፡- ብብርኪ ሃገር ቱሪዝም ንምንቕቓሕ ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ እንታይ ይመስል?

ኣይተ ሽለሺ፡- ኣብ ወርሒ መስከረም ብርክት ዝበሉ በዓላት አሕሊፍና ኢና። ካብዚ ሓሊፉ ‘ውን ኣብ ደቡባዊ ክፋል ሃገርና ብዝተፈላለዩ ብሄራት ዝተፈላለዩ በዓላት ተኸቢሮም ‘ዮም። ብብርኪ ሃገር ከም ሓዱሽ ዓመትን መስቀልን ኣኽቢርና ኢና።

ከምኡ ‘ውን በዓል መዓልቲ ቱሪዝም ኣኽቢርና ኢና። ወርሒ መስከረም ብርክት ዝበሉ በዓላት ዝሓዘት ወርሒ ‘ያ። ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሃገርና ዝኽበሩ በዓላት፣ ብብርኪ ዓለም ለኸ ዝኽበር በዓል መዓልቲ ቱሪዝም፣ ቱሪዝም ሃገርና ብዘናቓቕሕ መሰረት ተሓሳቢ ተገይሩ እናተሰርሐ መፂኡ ‘ዩ ሕዚ ‘ውን እናተሰርሐ ይርከብ።

ክጉብነዩ ዘለዎም ቦታታት ንምጉብናይ ዝተፈላላዩ ፓኬጃት ብምቕራፅ እናተሰርሐ ይርከብ። ኣዝዮም ሰሓብቲ ዝኾኑ ናይ ተፈጥሮ ቦታታት፣ ናይ ትራንስፖርት ይኹን ካልኦት ኩነታት ተሓሳቢ ብምግባር ናይ ምጉብናይ ፓኬጅ ብምቕራፅ እናሰራሕና ኢና።

እዚ ናይ ስራሕና ሓደ ኣካል ‘ዩ። ክሳብ ሕዚ ንሓለፉ በዓላት ብኸምዚ ዓይነት ኣካይዳ እናተንቐሳቀስና ፀኒሕና ኢና። ሕዚ ‘ውን ቐፂሎም ንዝመፁ በዓላት ነዚ ተሓሳቢ ብምግባር እናሰራሓና ኢና ንርከብ። ሕዚ ድማ ኣብ ቕድሜና ዘሎ በዓል ኢሬቻ ንምኽባር ከምቲ ኣቐዲመ ዝገለፅክዎ ዝተፈላላዩ ፓኬጃት ከንቐርፅ ፀኒሕና ኢና።

እዞም ዝተቐረፁ ናይ ምጉብናይ ፓኬጃት ድማ እቶም በዓላት ቕድሚ ምሕላፎም ንምፍላጥ ብዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ገፃት፣ ብሕትመት ብዝተፈላለዩ ናይ ሚድያ መማረፂታት ክፍለጡ ስራሕቲ እናተሰርሐ ይርከብ።

እንድያውም ‹‹መዓልቲ ቱሪዝም ዓለም›› ለብዘበን እነኽብሮ ኣብ ክልል ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ‘ዩ። ቕድሚኡ ምስ ሚኒስቴር ኮሙኒኬሽን ብምዃን ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ ናይ ቱሪዝም መስሕባት ፕሮፋይል ብምስራሕ ክፋለጡ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናሰራሓና ኢና ንርከብ።

ብብርኪ ሚኒስቴራት ማለት ጠቕላላ መዳርግቲ ኣካላት ብምትሕብባር ኣብቲ ቦታ ብምርካብ ዝኽበር ይኸውን። እንድያውም ቕድሚ ሕዚ ብብርኪ ሃገር ዘይፍለጥ ዓብዪ ናይ ቱሪዝምን ሆስፒታሊትን ኤግዚብሽንን እናዳለና ንርከብ።

ስለዚ ኣብ ወርሒ መስከረም ምቕራፅ ፓኬጅ፣ ምፍላጥ፣ ናይ ዓለም ቱሪዝም ዝኽበረሉ ድማ ተሓሳቢ ብምግባር ኣብ ክልል ደቡብ ምዕራብ ብፍላይ ብርክት ዝበሉ ደናት ወይ ዱራት፣ ፓርክታት እንድያውም ብቐዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ናይ ገበታ ንሃር ፕሮጀክት ከም ሃላላ ኬላ፣ ኮይሻ ዝርከብሉ ‘ዩ። ስለዚ ከምእንዚኦም ዝበሉ ቦታታት ክፍለጡን ሰባት ናብዚ ቦታ እዚ ከይዶም ክጉብንዩን ክግበር እናሰራሓና ንርከብ።

ብተመሳሳሊ ብጣዕሚ ብርክት ዝበሉ ኣብ ሃገርና ዝርከቡ ሓደሽቲ ይኹኑ ነባራት ግልጋሎት ዝህቡ ትካላት ሆቴላት፣ በዓል ኮኾባት ዝመሳሰሉ ናይ ኢቫሉኤሽም ስራሕቲ ሰሪሕና ኣብ ቐረባ እዋን ደረጃ ሆቴላት ዕላው ንገብረሉ ይኸውን። ስለዚ ኣብ ምንቕስቓስ ዘፈር ቱሪዝም፣ ቱሪስት ዝበፅሕሎም ቦታታት ኣብ ኣዲስ ኣባባ ዓለምለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ኣየር ከምዘመረቕና ይፍለጥ ‘ዩ።

ስለዚ ናይ ቱሪስት ግልጋሎት ወሃብቲ ትካላት ብዘፈር ውልቀ ካብዝስርሑ ብተወሳኺ ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ዝስርሑ ስራሕቲ ከምዘለዉ ኮይኖም ብሚኒስቴር ቱሪዝም ወገን ናይ ቱሪስት ሓበሬታ ማእኸላት ክስፋሕፍሑ ህንፃታት ክጠናቐቑ ዝጀመርናዮ ሓዲሽ ዓመት ‘ዩ ዝኒሀ።

ወጋሕታ፡-ኣብዚ ወርሒ እዚ ከምዚኦም ዝበሉ ስራሕቲ እንተተሰሪሖም ኣብ መዳይ ቱሪዝም ዘለዎም ዕውትነቶም እንታይ ይመስል?

ኣይተ ሽለሺ፡- ብናይና እምነት ካብ ኮቪድን ኩናትን ወፂእና ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ሰላማዊ ናይ ጉብኝት ቦታታት እንብሎም ብዘይ ምንም ፀገም ሰብ ምንቕስቓስ ጀሚሩ ኣሎ ‘ዩ።

ብፍላይ ዓወት ኣምፂእና ኢና ዝብሎ ኣብ ናይ ሃገር ውሽጢ ቱሪዝም ብርክት ዝበሉ ናይ ውሽጢ ሃገር ዜጋታት መናእሰይ፣ ተማህሮ ናይ ዕረፍቲ ግዚኦም ብምጥቓም ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከምኡ ‘ውን ካብ ኣዲስ ኣበባ ወፃኢ ኮይኑ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብዙሕ ዘይርሓቑ ቦታት ብባዕሎም ዝተወደቡን ንሕና ብንሰርሖም መፋለጢታት ተሓሳቢ ብምግባር ካብ ቦታ ናብ ቦታ ብምንቕስቓስ እናጎብነዩ ይርከቡ።

ብብርኪ ዓለም ለኸ ተንጠልጢሎም ዝነበሩ ዕዳጋ ቱሪዝም ኣብዚ ሕዚ እዋን ናይ ሃገርና ዜጋታት ተሳተፍቲ ዝኾንሉ፣ ኣብ ናይ ውሽጢ ሃገር ቱሪዝም ለውጢ ኣምፂእና ኢለ ‘የ ዝኣምን። ፅቡቅ ምንቕስቓስ ኣሎ፤ እቶም ግልጋሎት ቱሪስት ዝህቡ ትካላት ከፍ ኢሎም ቢዝነስ ከፊቶም ጋሻ ዝፅበይሉ ኩነታት እንተይኮነስ ጋያሹ ተቐቢሎም ዘስተኣናግድሉ ኩነታት ተፈጢሩ ኣሎ።

ብተማሳሳሊ ብብርኪ ዓለም ለኸ ከንርኢ እንተለና ድማ ንምዝንጋዕ ዝመፁ ጥራሕ እንተይኮነስ ንኢኮኖሚ ኢሎም ዝመፁ ኣለዉ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ኤግዚብሽን ኮንፈረስ ወይ ኢቪንት ዝካየደሎም ቦታታት ዓመት ሙሉእ ብዝበሃል ተታሒዞም ይርከቡ።

እዚ ድማ ዓብዪ ናይ ቱሪዝም ምልዕዓል ‘ዩ። እዚ ብሆሊደይን ምዝንጋዕን ተንጠልጢሉ ዝነበረ ቱሪዝም ብዓለም ለኸ ዕዳጋ እንትንርኢ እንተለና ሕዚ ብናይ ኮንፈረስ፣ ኢግዚቪሽን ዝሓሻ ውፅኢት እናርአየ ‘ዩ ዘሎ። ቱሪዝም ኣብ ናይ ወፃኢ ሃገር ብናይ ሆሊደይን ምዝንጋዕ ጥራሕ ተንጠልጢሉ ዝነበረ ምንቕስቓስ ቱሪዝም ብናይ ኮንፈረስን ቱሪዝምን ምክሕሓስ ዝኸኣልናሉ ሓዱሽ ዕዳጋ ምርካብ ዝኸኣልናሉ ‘ዩ።

ናይ ሎሚዘበን ሓዱሽ ዓመት ወርሒ መስከረም ድማ ካብ ናይ ዝሓለፈ መስከረም ብናይ ኮንፈረንስን ኤግዚብሽን ዘካሓሓስናሉ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ። ናይ ሰባት ምንቅስቓስ ዝሓሸ ‘ዩ ዘሎ። ናይ ኣየር መጉዓዝያ ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ። ከም ፍቓድ እግዚኣብሄር ድሕሪ ሕዚ ዝሓሸ ክኸውን ‘ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ።

ወጋሕታ፡- ካብ ናይ ውሽጢ ሃገር ወይ ወፃኢ ቱሪስትታት ኣብዚ ወርሒ እዚ ክንዲዚ ዝኣኽሉ ጎብነይቲ ጎብንዮም ዝብል ብቑፅሪ ክግለፅ ዝኽእል መፅናዕቲ እንተሃልዩ?

ኣይተ ሽለሺ፡- ገና ወርሒ መስከረም ምስተወደአ ሪፖርት ክህልወና ‘ዩ፤ ብዙሓት በዓላት ሕዚ ‘ዮም ሓሊፎም፤ ካልኦት ዘይሓለፉ ‘ውን ኣለዉና፤ መስከረም ገና ሕዚ ኣይተወደአን ዘሎ ከም ኢረቻ ዝበሉ በዓላት ‘ውን ኣይሓለፉን ዘለዉ። እንዚኦም ምስ ሓለፉ እንዚኦም ተሓሳቢ ብምግባር ድሕሪ ወርሒ መስከረም ሓፈሻዊ ሪፖትር ክህልወና ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- ኣብ ሕዚ ሰዓት ኢረቻ ፍልፍል እቶት ቱሪዝም እናኾነ ይመፅእ ኣሎ ‘ዩ። ምስ እዚ ተተሓሒዙ ብሚኒስቴር ቱሪዝም ዝግበሩ ዘለዉ ምድላዋት እንታይ ይመስሉ?

ኣይተ ሽለሺ፡- ከምቲ ቅድም ኢለ ዝበልክዎ ኣብ ኣዳባባይ ዝኽበሩ ባህላዊን መንፈሳውን ዝኾኑ በዓላት ብሓፈሻ ፓኬጅ ብምቕራፅ ተማሳሳሊ ስራሕ ኢና ንሰርሕ።

ፕሮግራም ምቕራፅ፣ ብካሜራ ብምቕራፅ ምፍላጥ ዘድልዩ ነገራት ምቕራብ፣ ቦታ ምምችቻው ወዘተ መሰረት ገይርና ኢና ንሰርሕ፤ ሕዚ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምትእስሳር ከንሰርሕ ኢና።

ምስ እዞም በዓላት እዚኦም ተተሓሒዙ ልዑል ናይ ዕዳጋ ስራሕቲ ክህሉ ‘ዩ። ኢሬቻ እንተሪእና ብዙሓት ዜጋታት ዝሳተፍሉ፣ ባህላዊ ክዳውንቲ፣ ዝተፈላላዩ መማላኽዕታት ምትዕድዳግ ስለ ዝህሉ ልዑል ናይ ገንዛብ ምንቕስቓስ ክህሉ ‘ዩ።

ሰባት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ንምንቕስቓስ ብሰፊሑ ናይ መጉዓዝያ ምንቕስቓሳት ከንርኢ ንኽእል ኢና። እዚኦምን ከምዚኦም ዝበሉ ምንቅስቓሳት ስለ ዘሎ ልዑል ናይ ስራሕ ምንቕስቓስ ክህሉ ‘ዩ። ልክዕ ከም ናይ መስቀልን ካልኦትን ዝበሉ በዓላት ፓኬጃት ብምቅራፅ ንገብሮ ዝነበርና ናይ ምፍላጥ ስራሕቲ ኣብ ኢሬቻ ‘ውን ብተመሳሳሊ ንሰርሖ ስራሕ ‘ዩ ዝኸውን።

ወጋሕታ፡- ከምዝፍለጥ ትግራይ በቲ ዘጋጠመ ኩናት ብኹሉ ዘፈር ኣዝያ ተጎዲኣ ፀኒሓ ‘ያ። ሕዚ ኣብዚ ክልል ቱሪዝም ንምንቕቓሕ ዝግበሩ ዘለዉ ስራሕቲ እንታይ ይመስሉ?

ኣይተ ሽለሺ፡- ኣብ ክልል ትግራይ ምንቕስቓስ ቱሪዝም ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ብዝተኸኣለ መጠን ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ጥራሕ እንተይኮነስ ካብ ዝነበሮ ንላዕሊ ክኸው ሚኒስር ቱሪዝም እናሰርሐ ይርከብ። ከምዝፍለጥ በቲ ኩናት ኣብቲ ክልል ዝተፈጥረ ፀገም ዝፍለጥ ‘ዩ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ቱሪዝም ትግራይ ንምሕዋይ እናተሰርሐ ‘ዩ ዝርከብ። በቲ ኩናት ጉድኣት ዝበፅሖም ቕርስታት ምስ በዓል ስልጣን ሓለዋ ቅርሲ ብምዃን እናተፀገኑ ‘ዮም። መጀመርታ ሰፊሕ ዝኾነ ዳህሳስ ኣካይድና ኢና፤ ጠቕላላ ኣብቲ ክልል ዝተጎድኡ ቕርስታት ዝበፅሖም ጉድኣት እንታይ ከምዝመስል ብምፅናዕ ፅገና እናተገበረሎም ‘ዩ።

ኣብ ጉዳይ ቱሪዝም ድማ ልዕሊ 500 ዝኾኑ ብቀጥታ ብመንግስቲ ቢሮን፣ ብመጎብነይነት፣ ብሆቴል ብዝተፈላላዩ ዘፈራት ዝሳተፉ ኣካላት ናብ መቀለ ብምፅዋዕ ኣካላት ሚኒስትር ቱሪዝም ብዝተረኸብሉ ተኻታታሊ ስልጠና ክረኽቡ፣ ጠቕላላ ብብርኪ ሃገር ዘሎ ናይ ቱሪዝም ራእይን ምንቕስቃስን ከምኡ ‘ውን ኣካይዳ እንታይ ከምዝመስል ግንዛቤ ኣብ ምፍጣርን ምርድዳእን በፂህና ኢና።

ናይቲ ክልል ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ኣብዘለውዎ ቅድሚ ሕዚ ተዓፅዮም ዝነበሩን ንምጉብናይ ኣፀገምቲ ዝነበሩ ቦታታት ድማ ብቕልጡፍ ተስተኻኺሎም ንበፃሕቲ ዓዲ ክፍቲ ክኾኑ ፃዕሪ እናገበርና ኢና ንርከብ።

ናይ ሃፀይ ዮሃንስ ቤተ መንግስቲ ሓዊሱ ከምኡ ‘ውን ተቋሪፆም ዝነበሩ ናይ ቱሪስት ፋሲሊቲታት፣ ናይ ኣክሱም ኣየር ፖርት ሓዊሱ ብቅልጡፍ ናብ ስራሕ ክኣትዉ ምስ ዝምልከቶም ናይ ፌዴራልን ክልልን ትካላት ብቅርበት እናሰራሕና ንርከብ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ከተማ ኣክሱም ኣብዝቕፅል ሰሙን ብጣዕሚ ሃገር ለኸ ዝኾነ ከም ኮነፈረስ ቱሪዝም ብምድላው ሰባት ናብ ኣክሱም ብምኻድ ነቲ ከባቢ ክጉብንዩ ጠቅላላ ምንቕስቃስ ቱሪዝም ክድግፉ ምስ ግብረ ሰናይ ትካላት ብሓባር ኣደሊውና ኢና።

ከምኡ ‘ውን ናይቲ ክልል ጠቕላላ ናይ ቱሪዝም ዘሎ ኩነታት፣ ወሃብቲ ግልጋሎት፣ መሰረተ ልምዓት ዘለውዎ ደረጃ ንምርኣይ ብፍላይ ፕራይቬት ሰክተራት ከም ቱር ኦፑሬቶራት ከይዶም ክሪኡ ተገይሩ ‘ዩ። ስለዚ ብኣና ወገን ናይ ምፍላጥ፣ ቕድሚ ሕዚ ዝነበሩ ናይ ፓኬጅ ቀረፃታት፣ ፋሲሊታት ናብ ዝነበርዎ ክምለሱ፣ ክስተኻኸሉ፣ ናይ ቕርሲ ፅገናታት ስልጠናታት፣ መፅናዕቲታት፣ ብሓፂሩ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ጀሚርና ኢና።

ብምዃኑ ዝጀመርናዮ ስራሕ ሕዚ ‘ውን ኣጣናኺርና ከንቕፅል ኢና። እቲ ክልል ምስ ጎረቤት ክልላት ምስ ኣምሓራን ዓፋርን ናይ ምትእስሳር ስራሕ ከንሰርሕ ኢና። ከምዝፍለጥ በፃሕቲ ዓዲ ወይ ቱሪስትታት ዶብ የብሎምን። ሓደ ግዜ ዝመፀ ቱሪስት ብኡ ገይሩ ናብ ዓፋር፣ ኣምሓራ ምኻድ ይደሊ ‘ዩ። ናብ ጎንደር ላሊበላ ምኻድ ይደሊ ይኸውን ‘ዩ። ስለዚ እዞም ክልላት ብቅንጅት ተኣሳሲሮም ክሰርሑ ፃዕሪ እናገበርና ንርከብ።

ናይ ኣክሱም መዐረፊ ኣየር ብቀንዱ ዝምልከቶ መንገዲ ኣየር ‘ዩ። ትኽክለኛ ሓበሬታ ካብኡ ከትረኽቡ ትኽእሉ ትኾኑ ኢኹም። ኮይኑ ግና እዚ ከምዘሎ ኮይኑ መዕርፎ ነፈርቲ ኣየር ኣክሱም ብመንግስቲ ደረጃ ክስራሕ ሓላፍነት ተወሲዱ ፃዕርታት እናተገብሩ ይርከቡ።

ንግዚኡ ናብቲ ክልል ዝኸዱ በፃሕቲ ዓዲ ዝተፈላላዩ መማረፂት ክትቀሙ ኣለዎም። ናብ መቀለ ብርክት ዝበሉ በረራታት ኣለዉ ‘ዮም። ካብዚ ዝተፈላላዩ ከም ማኪና ዝበሉ መጓዓዝያት ክጥቀሙ ይኽእሉ ‘ዮም።

ሽረ ካብ ኣክሱም ቀረባ ‘ዩ፤ እቶም ናብ ኣክሱም ክኸዱ ዝደልዩ በፃሕቲ ዓዲ ናብ ሽረ ብምኻድ ካብኡ ማኪና ብምጥቓም ክጉብንዩ ይኽእሉ ‘ዮም። ናይ ትግራይ ፅቡቕ ናይ መስሕብ ቱሪዝም ቦታት፣ ታሪኻት ከምዘለዉ ዝፍለጥ ‘ዩ።

ሰባት በዞም መማረፂታት ብምጥቃም እንድያውም ናብ ኣክሱም ዝኸዱ ዝተፈላለዩ ንእግረ መንገዶም ተፈጥሮኣዊ ቦታታት እናጎብነዩ ክኸዱ ይኽእሉ ‘ዮም። በቲ ዘሎ ቑፅሪ በረራ ኣየር ብምጥቓም ዝቀረየ ድማ ብማኪናን ሳይክልን ክጥቀሙ ሪኮሞንድ ከንገብር ንደሊ።

ምንቕስቓስ ቱሪዝም ቕድሚ ሕዚ ዝተፈላለዩ ፀገማት በፂሑዎ ዋላ እንተኾነ ሕዚ ምንቅስቃስ ተጀሚሩ ኣሎ ‘ዩ። ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ከም ገበታ ለሃር ተሰሪሖም ‘ዮም።

ኣብ ቱሪዝም ህልውነኦም ዝተመስረተ ኣካላት ከምዘለዉ ተሓሳቢ ብምግባር ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ቱሪዝም ንምንቕቓሕ ኣብ ዝግበር ምንቕስቓስ ናይ በዓሉ ግደ ክፃወት ፃውዒተይ ከቕርብ እደሊ።

ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃኒሕት የቕንየልና።

ኣይተ ሽለሺ፡- ኣነ ‘ውን የቅንየለይ።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 24 መስከረም 2016 ዓ.ም

Recommended For You