
ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ትእግስት ኣሰፋ ክብረወሰን ማራቶን ዓለም ኣብ በርሊን ሰቢራ፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብዚ ማራቶን በርሊን ናይቲ ቦታ ክብረወሰን ብምምሕያሽ ሰዓሪት ዝነበረት ትእግስቲ ሎሚ ‘ውን ንተኸታታሊ ዓወት ናብ በርሊን እንትትምለስ ዓለም ክብረወሰን ክትሰብር ‘ያ፤ ኢሉ ዝሓሰበ የለን፡፡
እታ ኣትሌት ዘይተሓሰበ ነገር ብምስኻዕ ኣብ ታሪኽ ንመጀመርያ እዋን ኣብ ኢድ ኢትዮጵያ እቲ ክብረወሰን ንክኣቱ ገይራ ‘ያ፡፡
እቲ ኸቢድ ውድድር ማራቶን ክብረወሰን 2፡11፡ 53 ብዝኾነ ሓዱሽ ሰዓት ንምእማን ዝኸብድ ብቅዓት ክተርኢ ክኢላ ‘ያ፡፡ እዚ 2019 ኬንያዊት ኣትሌት ብሪጊድ ኮስጌ ኣብ ቺካጎ ማራቶን ካብ ዘመዝገበቶ ነባር ሰዓተ 2፡14፡04 ልዕሊ ኽልተ ደቒቓ ዝሓሸ ኾይኑ ‘ዩ፡፡
ኣትሌት ትዕግስቲ ናብ ማራቶን ዝኣተወት ብዙሕ ትኹረት ከይተውሃባ ‘ያ፡፡ ቅድሚ ኸዚ ብማራቶን ዘፈር ዝተወዳደረት ኽልተ ግዜ ‘ዩ ነይሩ፡ ፡ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ በርሊን ውድድር ቐዲማ ዝተሳፍት ኣብ ሳዑዲ ዓረብ ኣብ ዝተዳለወ ሪያድ ማራቶን እንትኾን 2፡34፡00 ብዝኾነ ሰዓት ‘ያ ነያራ ዝዛዘመት፡፡
ኣብ በርሊን ኣብ ዝተዳለወ ንኽልኣይ ግዚኣ ዝኾነ ማራቶን በርሊን ናይ ባዕላ ሰዓት ብሰለስተ ደቒቓ ኣመሓይሻ ‘ያ፡፡ ንነዊሕ ግዜ ብ800 ሜትሮ እናጎየየት ዝፀንሐት ትእግስት ኣብ ቐረባ ‘ዩ ናብ ጎዳና ጉያ ገፃ ዘዞረት፡፡
ኣብ 2016 ኦሊምፒክ ኢትዮጵያ ወኪላ ብ800 ሜትሮ ተሳቲፋ ‘ያ፡፡ ኾይኑ ግና ካብ ፍርቂ ፍፃመ ምሕላፍ ብዘይምኽኣላ ካብቲ ውድድር ወፃኢ ኾይና ‘ያ ነይራ፡፡ ትእግስት ካብ 800 ሜትሮ ወፃኢ ብ400 ሜትሮ ‘ውን እናሳተፈት ፀኒሓ ‘ያ፡፡
እታ ኣትሌት ቅድም ክብል ፍርቂ ማራቶን ውድድር ንምስዓር ክኢላ ‘ያ፡፡ ትእግስት ዓሚ እንተትዕወት ዝኣተወትሉ 2፡15፡37 ሰዓት ኣብቲ እዋን ማራቶን ደቂ ኣንስትዮ ክብረወሰን ኾይኑ ነይሩ ‘ዩ፡፡ ኸዚ ድማ ብዓለም ቻምፒዮና ኣማኔ በሪሶ 2፡ 14፡58 ኢድ ተታሒዙ ‘ዩ፡፡
ትእግስተ ኣሰፋ ኣብ ሓደ እዋን ብምኽንያት ጉድኣት ይኣኽለኪ ተባሂላ ነይራ ‘ያ፡፡ ኣይሽምካይዶ ንምጉያይ ቐስ ኢልካ ንምኻድ ‘ውን ከፀገመልኪ ‘ዩ ተባሂላ ዝነበረት ኣትሌት ተስፋ ከይቆረፀት ባዓል ዋና ክብረወሰን ዓለም ኾይና ‘ያ፡፡
ኣብ ዓለም ኣትሌቲክስ ውድድር ውሽጢ ልዑል ዝባሃል ፕላቲንየም ማዕረ ብርኪ ዘለዎ ማራቶን በርሊን ዝተጀመረ ከም ኣውሮፓውያን ኣብ 1974 ‘ዩ ነይሩ፡፡ ኣብ ጀርመን ዋና ከተማ ዝካየድ ውድድር ፈጣን ሰዓት ካብ ዝምዝገበሎም ውድድራት ማራቶን እቲ ሓደ ‘ዩ፡፡
ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት በዚ ውድድር ብዝተፈላለየ ግዝያት ዝሰዓሩ እንትኾኑ ሃይሌ ገብረስላሴን ቀነኒሳ በቀለን ቀዳሞት ‘ዮም፡ ፡ ብደቂ ኣንስትዮ ድማ ጌጤ ዋሚ እቲ ውድድር ንምስዓር ዝኻኣለት ናይ መጀመርያ ኢትዮጵያዊት ‘ያ፡፡
ጌጤ ብኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ 2006ን 2007 እቲ ውድድር ብተኸታታሊ ክተሸንፍ ክኢላ ‘ያ፡፡ ኣብ በርሊን ማራቶን 12 ግዜ ክብረወሰን ዓለም ተመሓይሹ ‘ዩ እቶም ትሻዓንተ ብደቂ ተባዕትዮ ሰለስተ ድማ ብደቂ ኣንስትዮ፡፡ ሃይለ ገብረስላሴን ኢሉድ ኪፕቾጌ ኽልተ ኽልተ ግዜ ክብረ ወሰን ዘመሓየሽዎ ኣብዚ ማራቶን በርሊን ‘ዩ፡፡
ዓሰርተ ሸውዓተ ግዜ ኢትዮጵያውያን ኣትሌት ኣብ በርሊን ኣሸኒፎም ‘ዮም፡፡ ሃይሌ ገብረስላሴ (4ተኸታታሊ ግዜ) ፣ ቀነኒሳ በቀለ (2ግዜ) ጉዮ ኣዶላ ብደቂ ተባዕትዮ ዝሳዓሩ ‘ዮም፡፡ ኬንያዊ ናይቲ ርሕቐት ባዓል ዋና ኪፕቾጌ እዚ ውድድር ንመበል ሓምሻይ እዋን ብምስዓር ናይ መጀመርያ ዝኾነ ታሪኽ ሰሪሑ ‘ዩ፡፡
ብማራቶን ውድደር ንመጀመርያ እዋን ዝተሳተፈ ማርክ ኮሪር ኪፕቾጌን ስዒቡ ዝኣተወ እንትኾን፣ ኢትዮጵያዊ ኣትሌት ታደሰ ታከለ መበል ሳልሳይ ብምኳን ዛዚሙ ‘ዩ፡፡ ጌጤ ዋሚ (2ግዜ ) ፣ ኣበሩ ከበደ (3ግዜ) ፣ ኣፀደ ሃብታሙ ፣ እሸቴ በክሪ፣ ትርፌ ፀጋዬ ፣ ጎይተኦም ገብረስላሴን ትእግስቲ ኣሰፋን ኢትጵያውያን ደቂ ኣንስትዮ ማራቶን በርሊን ቅድሚ ኸዚ ሰዓርቲ ዝኾና ‘የን፡፡
መሰረት ገብረዮሃንስ
ወጋሕታ 17 መስከረም 2016 ዓ.ም