
ኣዲስ ኣበባ፡- ዘፈር ፀጥታ ዓለም ሉዓላዊነት ሃገርና ዘኽበረ፣ ናይ ብዙሓት ወገናት ምትሕብባርን ሓቋፊነት ዝተኸተለ ክኸውን ከምዝግባእ ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣይተ ደመቀ መኮንን ፃውዒት ኣቅሪቦም።
ኣይተ ደመቀ ነዚ ዝበሉ «ሰላም፣ ብልፅግና፣ ለውጥን ዘላቂነትን» ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ኣሜሪካ ዝተኻየደ ኣብ መበል 78 ጉባኤ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝገብርዎ ዝርርብ ‘ዩ። ኢትየጵያ ኣብ ምምስራት እቲ ውድብ መንግስታት ታሪኻዊ ግደ ከምዘተፃወተት ሃገር ናይ ሓባር ዓለም ንክህልው ትደሊ ‘ያ ኢሎም።
ሓቋፊ ዘይነበረ መዋቅር ናይ ሓባር ድልየት ንምፍፃም ዘየኽእል ብምዃኑ ኩላትና ብዝተሓባብር መንገዲ ስርዓት ብዙሓት ንምዝራሕ መርገፂ ክህልወና ይግባእ ክብሉ ተዛሪቦም።
ዓለምለኸ ሰላምን ፀጥታን ንክሰፍን እንተተደልዩ ሓዱሽ ስርዓት ፅጥታ ዓለም ሉዓላዊነት ኣባል ሃገራት ዘኽበረ ክኸውን ከምዘለዎ ኢትዮጵያ በፅኑዕ ከምዝትኣምን ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣብ ትሕቲ ተልእኾ ምኽባር ሰላም ንዓለም ሰላም ቁልፊ ግደ ከምዝተፃወተት ሃገር ሪፎርም ቤት ምኽሪ ፀጥታ ኣማራፂ ከይኾነስ ኣድላይ ጉዳይ ከምዝኾነ ከምዝትኣምን ተዛሪቦም።
ቤት ምኽሪ ፀጥታ ኣሳታፊን ዘካትትን ዝኮነ መዋቅር የድሊ ዝበሉ ምኽትል ቀዳማይ ምኒስተር፣ ብፍላይ እቲ ቤት ምኽሪ ንኣፍሪካ ቀዋሚ መቀመጢ ናይ ምሃብ ጉዳይ ፖለቲካዊ፣ ሞራላዊን ፍትሓውን ውሳነ ናይ ምሃብ ጉዳይ ምዃኑ ኣልዒሎም።
እቲ ውድብ ሕቡራት መንግሥታት ንተልእኾ ሰላም ኣፍሪካ እኹል ሓገዝ ፋይናንስ ብምሃብን ንሃገራት ዕዉት ስራሕቲ ምኽባር ሕጊ ኣድላይ ሓገዝ ህንፀት ዓቅሚ ክገብር ከምዝግባእ ተዛሪቦም።
ብተወሳኺ ብሕታዊ ማዕቀብን ግቡእ ዘይኾኑ ኢኮኖሚያዊ ስጉምትን መትከልን ኣሰራርሓን እቲ ውድብ ዝፃረሩ ብምዃኖም ኢትዮጵያ ኣብ ዘይማዕበላ ሃገራት ዝውሰዱ ስጉምትታት ብዘይምንም ቅድመ ኹነት ክልዓሉ ይግባእ ኢላ ከምዝትኣምን ኣልዒሎም።
ኣብ ሞንጎ ሉኣላዊ ሃገራት ዝፍጠሩ ፖለቲካዊ ፍልልያት ብሕታዊ ማዕቀብ ከይኮነስ ብሰላማውን ዴሞክራሲያውን መንገዲ ኣማራፂ ዘተ ክኸውን ከምዘለዎ ‘ዮም ሓቢሮም።
ኢትዮጵያን ተመሳስሊ ዘይማዕበላ ሃገራት ናይቲ ውድብ ሕቡራት መንግስታቱ ሓፈሻዊ ቅርፂ ምትዕርራይ ከምዝግባእ ፃውዒት እናቅረቡ ምፅንሐን ኣዘኻኺሮም።
ሐዚ ‘ውን ብዝበለፀ ሓቋፊ፣ ውፅኢታዊ ንብዙሓት ምችውን ከምኡ ‘ውን ዘይማዕበላ ሃገራት ተሓሳቢ ዝግበረ ኣሰራርሓ ምዝርጋሕ ከመዘድሊ ብምግላፅ፤ ኢትዮጵያ ናብ ብሪክስ ዝኣተወትሉ ኣብዚ ጉዳይ ዓብዪ ኣብነት ምዃኑን ሓቢሮም።
ብኻሊእ ወገን ብብርኪ ዓለምለኸ ንዕውት ዕላማታት ልምዓት ኣቅርቦት ፋይናንስ እንተሃለወ ‘ውን ኣብ ዘይማዕበላ ሃገራት ግና ፍትሐዊነት ዝጎደሎ ብምዃኑ እዚ ንምስትኽኻል ሓዱሽ ፖለቲካዊ ቆራፅነትን ዓለምለኸ ምትሕብባርን ኣድላይ ‘ዩ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ሰላማውን ዝማዕበለ ማሕበረሰብ ንምህናፅን ዕላማታት ልምዓት ብምሕንፃፅ እናሰርሐት ምዃና ብምሕባር፤ ነዚ ግና ሓዱሽ ዝኾነ ሓቋፊ ዓለምለኸ ኢኮኖሚያውን ፖለቲካውን ሥርዓት ከምዘድሊ ገሊፆም።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰላምን ዴሞክራሲን ንክዓስል ቁርፀኛ ምዃኑ ብምግላፅ ፤ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዝነበረ ፀገም ናይ ኣፍሪካ ፀገም ብኣፍሪካ ናይ ምፍታሕ መትከል ኣብ ፕሪቶሪያ ዝተበፅሐ ስምምነት ሰላም ምፍታሕ ምኽኣሉ ከም ኣብነት ኣልዒሎም።
እቲ ስምምዕነት ኣብ ፅቡቅ ኣፈፃፅማ ከምዘሎ ብምሕባር ፣ ካብቲ ስምምዕነት ሰላም ብዝሓለፈ ኣብታ ሃገር ዘላቂ ሰላም ንምዕሳል፣ ተጠያቂነት ንምርግጋፅ፣ ናይ ስግግር ፍትሒ ንምዕሳል እናተሰርሐ ምዃኑ ተዛሪቦም።
ካብዚ ብተወሳኺ ሃገራዊ ኮምሽን ምኽክር ብምምስራት ንኢትዮጵያውያን ዝሐሸን ብሩህን ፅባሕ ንምህናፅ ብትኹረት እናተሰርሐ ምዃኑ ተዛሪቦም ክብል ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ።
ኣብርሃ ሓጎስ
ወጋሕታ 17 መስከረም 2016 ዓ.ም