“በዚ ዘሎ ኣከያይዳ ኣብ ትግራይ ናይ ኢኮኖሚ ሕውየት ክመፅእ ‘ዩ ኢለ ኣይኣምንን” -ኣይተ ተመስገን ደመወዝ ናይ ኢኮኖሚ በዓል ሞያ

ትግራይ ቅድሚ እቲ ዂናት ‘ውን እዚ ዝብሃል ኢኮኖሚ ኣይነበራን ሐዚ ድማ ንክትገልፆ ናብ ዝኸበደን ዝኸፍአን ነገር ከይዱ ‘ዩ። ከምዝፍለጥ ፖለቲካን ኢኮኖሚን ናይ ሓንቲ ሳንቲም ክልተ ገፅ ‘ዮም፡፡ ብፖለቲካ ዘይተሓገዘን ኢኮኖሚን ቀፃልነት ኣይህልዎን፡፡

እቲ ዝዓበየ ነገር ከኣ ዓደይ ኢሉ ሰሪሐ ነጊደ ከምዚ ገይረ ክቅየር ‘የ ዝብል እናመንመነ ‘ዩ ዝኸይድ፡፡ እዚ እንተመንሚኑ ድማ ካብዚ እንታይ ትፅበይ? ዝብሉ ናይ ሎሚ ጋሻና ኣይተ ተመስገን ደመወዝ ዋና ስርሖም በዓል ሞያ ባንኪ ኮይኖም ካብ ንግዲ ባንኪ ጀሚሩ ኣብ ካልኦት ባንክታት ዝሰርሑ ክይኖም ከምኡ ‘ውን ቅድም ክብል ምኽትል ፕረዝደንት ማሕበር ለኣኽቲ ቀወምቲ እንስሳት ኢትዮጵያን ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ውልቀ ቢዝነስ ካፓኒታት ብስራሕ መካየዲነትን ብኣማኻርነትን ከምዝሰርሑ ዝሓበሩ ኣይተ ተመስገን ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብ ዝነበሮም ቃለመሕትት ኣብ ሕውየት ኢኮኖሚ ትግራይን ፈተናታቱን ተመሳሳሊ ዛዕባን ኣድሂቦም ዝሃብዎ ሓሳብ ከምዝስዕብ ኣቅሪብናዮ ኣለና ሰናይ ንባብ:-

ወጋሕታ:- ከም መእተዊ ንክኾነና እስቲ ቅድሚ እቲ ኣብ ትግራይን ከባቢኡን ዝተፈጠረ ዂናት ምንቅስቃስ ኢኮኖሚ እታ ሃገር ብፍላይ ድማ ትግራይ እንታይ ይመስል ነይሩ ይብሉ?

ኣይተ ተመስገን ደመወዝ:– እቲ ቅድሚ ኲናት ዝነበረ ኢኮኖሚ ብንፅፅር ኢኻ ትገልፆ። እቲ ዝተነፃፅረሉን ዝትኽተሎን ቤንች ማርክ ‘ዩ ዝውስኖ። ሐዚ እቲ ቅድሚ ኲናት ዝንበረ ኢኮኖሚ ትግራይ ንሓደ ሓደ ሰባት የርክዖም ነይሩ። ከምዝ ከማይ ዝበሉ ሰባት ከዓ ኣየርክዐናን ነይሩ።

ንኣብነት እቶም ዘርክዖም ዝነበሩ ሰባት እንታይ ይብሉኻ ኣብ እዋን ደርጊ እኮ ኣብ ኲሓ ሓንቲ ሕሩጭ ፋብሪካ እያ ነይራ ሐዚ እኮ ሳላሳ ኣርብዓ ኣለዋ ይብሉኻ። እቶም ዘየርክዖም ድማ ቅድሚ ኵናት ‘ውን እንተኾነ ሓደ ነጥቢ ገለ ሚልየን ህዝቢ ትግራይ ብሰፍትኔት ‘ዩ ዝነብር ነይሩ።

እቲ ልምዓታዊ መንግስቲ ኢሎም ዘምፅእዎ ባዕሉ ጥንኩር ኣስራርሓ ቢሮክራሲ ዘድልዮ ‘ዩ ከምተን ካልኦት ዓዲ ከምእኒ ታይላንድ፤ ይኹን እምበር ኣብ ትግራይ ግና መታወቅያ ንክተውፅእ ‘ውን ወርሒ ‘ዩ ዝወሰድለካ ነይሩ። ጥንኩር ብፍልጠት ዝምራሕ ስቪል ሰርቪስ ‘ውን ኣይነበረናን። ብሓፈሽ ንልምዓታዊ መንግስቲ ዝምችው ኣሰራርሓ ኣብ ትግራይ ኣይነበረን።

ስለዚ ብዙይ ንፅፅር መሰረት ትግራይ ቅድሚ ኲናት እዙይ ዝብሃል ምንቅስቃስ ኢኮኖሚ ነይርዋ ዝብሃል ኣይነበረን። ሓደ ኣብ ሴፍትኔት ዝሑቆፍ ህዝቢ ምስቲ ኣብዝሓ ህዝቢ ክትሪኦ ከለኻ መሐፈሪ ‘ውን ‘ዩ ነይሩ። ካልኣይ ዓለም ኽንደይ ርሕቀት ኣብ ዝኸደትሉ እዋን ብደርጊ እናበልካ ዝተዋዳድረሉ ኣይኮነን። ከምዝፍለጥ ናይ ዓለም ኢኮኖሚ ሰለስተ ወያነታት ተኻይዱ ‘ዩ።

ንሶም ድማ ናይ ሕርሻ፣ ናይ ኢንዱስትሪን ናይ ኢንፎርሞሽን ተክኖሎጂ ‘ዮም። ኣብ ዓለም ብሕርሻ ወያነ ዝመፅአ ሃፍቲ ኢኮኖሚ ቅድሚኡ ካብ ዝነብረ ዝሐሸ ‘ዩ ነይሩ። ብወያነ ኢንዱስትሪ ዝመፅአ ድማ ካብ ሕርሻ ዝነበረ ብብዙሕ ይበልፅ። ቀፂሉ ኣብ ኢንፎርሞሽን ተክኖሎጂ ዝመፅአ ሃፍቲ ድማ ካብ ኩሉ ብዝበለፀ ብብዙሕ ዕፅፍታት ዓለም ዓብያ ‘ያ።

እዞም ዝዓበየ ኢኮኖሚ ዕብየት ዘለዎም ዓድታት ድማ ብቀጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ኣብዚ ኢኮመርስ ዲጂታል ኢኮኖሚ ዝኣተዉ ዓድታት ‘ዮም። ኣንሕና ከም ኢትዮጵያ ኮነ ከም ትግራይ ድማ ብዝገደደ ኣብዚ ኩሉ ኣይተሳተፍናን። ሐዚ ኣብዚ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ትግራይ ብፅሒት ኣበይ ኣሎ ኢኻ ክትብሎ? ስለዚ ዓለም በፂሓቶ ብዘላ ክተወዳድረና ከለኻ ትግራይ ኣበይ ኣላ ኢልካ ይግለፅ?

ብስንፍና ኣብ ደርጊ ከምዚ ነይሩ እናበልካ ቤንች ማርክኻ ስንፍና እንተኾይኑ፤ ዝኾነ ዝገስገስካ ይመስለካ እሞ ድሕሪ ዓማታት ክትሪኦ ከለኻ ምንም ዘይብልካ ትኾን። በዚ ከተወዳድሮ ከለኻ ትግራይ ቅድሚ እቲ ዂናት እዚ ዝበሃል ኣይነበራን፡፡ ሐዚ ድማ ንክትገልፆ ናብ ዝኸበደን ዝኸፍአን ነገር ተፈጢሩ። ንሱ ‘ውን (እቲ ሐዚ ዘሎ ኢኮኖሚ) እንተኾነ ነሃቱ ውፅኢት ‘ዩ።

ዋላ በታ ኣብ ላዕሊ ዝቀረበት ንፅፅር ክንድዚ ዝኣክል ሕሩጭ ፋብሪካ ነይሩ ክንድዚ ወሲኹ ዝብል ባዕሉ እንተሪእናዮ ምዕባይ ኣይኮነን። ኣብ ኢኮኖሚ ምዕባይ ትርጉሙ ብዛዕባ ቀፃልነት ‘ዩ ዘውግዕ። ስለዝኾነ ናይ ትግራይ ኢኮኖሚ ከምዝረአናዮ ቀፃልነት የብሉን። ከምዝፍለጥ ፖለቲካን ኢኮኖሚን ናይ ሓንቲ ሳንቲም ክልተ ገፅ ‘ዮም። እቲ ኣዐዊትናዮ ዝብልዎ ኢኮኖሚ ‘ውን እንተኾነ ብፖለቲካ ዘይተሓገዘን ዘይተደገፈን ስለዝነበረ ቀፃልነት ኣይነበሮን።

ኢኮኖሚ ማለት ካብ ዘሮ ተላዒልካ ናብ ላዕሊ ምኻድ ዘይኮነስ፤ ስለቀፃልነቱ ኢኻ ተውግዕ። ናይና ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ኣርብዓ ዓመት ኣብዚ በፂሓ ይብሃል ይኹን እምበር ምብፃሕ ጥራሕ ዘይኮነስ ካብቲ በፂሓቶ ዘላ ንድሕሪት ከይትምለስ ብእስትራተጂ ዝተደገፈ ክኸውን የድሊ። ኣብ ዓለም ዘሎ ፀወታ ኢኮኖሚ እቲ ዘሎ ንክተቀፅል ኢኻ ትፃወት። ስለዚ ኣብዚ ወዲቅና ኢና።

ቀደሙ ‘ውን ናይ ፓርቲ ኮኖሚ (ፖለቲካ ፓርቲ ዝዕብልሎ ኢኮኖሚ ከምኒ ትካላት ትእምት ዝበላ ብስፖርቲ ዝውነና) ቀፃልነት የብሉን ንብል ነይርና ኢና። ብተግባር ከዓ ርኢናዮ ሐዚ እተን ካምፓኒታት ኣበይ ኣለዋ እቲ ገንዘብ ምስ መን ‘ዩ ዝኾነ ሰብ ዝፈልጥ የለን። ካብኡ ከዓ ልዕሊ ኹሉ ሕገ መንግስቲ ዝጠሓሰ ተግባር ‘ዩ ነይሩ። እዚ ስለዝኾነ ከዓ እቲ ዝነበረ ሙሉእ ንሙሉእ ከሲርና ማለት ‘ዩ።

እዘን ትካላት ናይ ወልቀ ተዝኾና ነይረን ግና ብብርኪ ዓለም ፕራይቬት ኢኮኖሚ ዘበረታትዑ ዝድግፉ ሃገራት ብሓሳብ ቢኮኖሚ ክድግፉና ነይሮም ‘ዮም። ሐዚ እኮ ማንም ኣይሕግዘካን። ትካል ትእምት ከምዚ ኮይና ኢልካ ምዕራባውያን ደግፉና ኢልካ እንተጠይቅካዮም ቀደሙ ፖለቲካ ፓርቲ ኮይንኩም ‘መን ንገዱ ኢልኩም ‘ዮም ክብሉ።

ውልቀ ሰብ እንተኾይኑ ግና ብሰንኪ ኲናት ዝተጎድኡ ትካላት ዝተፈላለየ ሓገዛት ንምግባር ይፍትኑ ‘ዮም። ንኣብነት ብሰንኪ እቲ ዂናት ጉድኣት ዝበፅሐን ናይ ውልቀ ትካላት ከም ብሄራዊ ባንኪ ዝበላ ወለድ ክነፃጋገዐልኩም ተወሳኺ ግዜ ክንህበኩም ይብላ ‘የን ። ዝለዚ ትግራይ ሒዛቶ ዝነበረት መንገዲ ናይ ኢኮኖሚ ኣይነበረን ውፅኢቱ ከኣ ሪኢናዮ ኢና።

ወጋሕታ:- ኢኮኖሚ ትግራይ ድሕሪ እቲ ዂናት ብፍላይ ምስቲ ዝበፅሐ ዕንወት ተተሓሒዙ ኣብ ምንታይ ብርኪ ይርከብ ናበይ ኣንፈትኸ ይኸይድ ኣሎ ይብሉ?

ኣይተ ተመስገን:– ድሕሪ እቲ ዂናት ከዓ እቲ መሰረታዊ ልምዓት ዝብሃል ከም ትካልት ጥዕና፣ ትምህርቲን ትራንስፖርትን ካልኦትን ልምዓታት ዓንየን ዳርጋ ናብ ዜሮ ኢና ተመሊስና። ንምንታይ ከምቲ ልዕል ክብል ዝጠቀስክዎ ብፖለቲካዊ ዘይተደገፈ ኢኮኖሚ ኣይነበረናን።

ቀፃልነት ዘለዎ ኢኮኖሚ ንክህልወና ዝገበርናዮ ነገር የለን። ከምዝፍለጥ ኣብ ትግራይ 10 ሽሕ ሓሳማ ኣፍሪና ተባሂሉ እኮ ካልኦት ክልላት ንተሞክሮ ክንሪኢ ኣበይ ኣለዋ ምስ ተብሃለ፤ ናይ ምንታይ ሓሰማ ‘ዩ ዝተብሃለ። ሱቅ ኢሉ ቁፅሪ ‘ዩ ነይሩ። ትግራይ 35ሚልየን ኩንታል እኽሊ ኣፍርያ ተባሂላ ‘ዚ ኹሉ ኣበይ ‘ዮም ገይሮም ንብል ነይርና።

እሺ 15 ሚልየን ኩንታል ትብለዓዮ ንበል፤ እቲ 20 ሚልየን ግን ናበይ ይገብርዎ ነይሮም ኤክስፖርት ድዮም ዝገብርዎ ነይሮም? ሱቅ ኢልካ ልምዓታዊ ጥራሕ ምባል ‘ዩ ነይሩ። እዙይን ወዲዙይን ትግራይ ከም ትግራይ እያ ፍሪዝ ገይራ።

እዚ ከምዚ እናሃለወ ዝተወሰኑ ውልቀ ሰባት ምስቶም ኣብ ምሕደራ ዘለዎ ተለኣእኽቶም ክኾኑ ይኽእሉ ኣብ ትግራይ ካብ መኣድን ወርቂ ጀሚሩ ክሳብ ብረት ዝተጎድአ ታንክታት እኽልን ይጉሕልዎ ከምዘለው ባዕሎም ይዛረቡ ኣለው።

ሰባት ብጥምየት እናሞቱ እኽሊ ዝስረቀሉ ኻልኦት ሰባት ክዕዘቡኻ ዝገብር ባህልና ልምድና ዘይኮነ ዘሕፍር ኣብ ትግራይ ይርኣይ ኣሎ። ሐዚ ኢኮኖሚ ትግራይ ኣብይ እንብለሉ ዘይኮነስ ኣብ ናይ ህልውና ጉዳይ ‘ዩ ዘሎ ሰራሕተኛኡ ከየተረፈ ዝብላዕ ‘ዩ ስኢኑ ዘሎ። ብምልዮናት ዝቁፀር ዝተመዛበለ ሰብ ኣሎ ስለዚ ኣብ ናይ ምንባር ዘይምንባርን ውሽጢ ኢና ዘለና።

ዓለም ክንደይ ንህዝቦም ዝጠቅም ኣብ ዝስረሐሉ ዘሎ እዋን ብፍላይ ትግራይ ናይ ባዕላ ወያነ ክተካይደሉ ኣብ ዘድሊ ሰዓትን ናይ ስርቂ ሜላ ንምህዝ ኣለና። እቶም ዋና መራሕቲ ናይ ስርቂ ሜላታት ብምምሃዝ ንሶም ብድሕሪት ኮይኖም ኣብ ዶክመንት ስሞም ከይሰፈረ እቶም ምንም ዘይፈልጡ ኣብ ታሕቲ ዘለው ድማ ስሞም ኣብ ዶክመንት ብምስፋር ‘ዮም ዝሰርቁ ዘለው።

እቲ ዘሎ ሕመቅ እናተሰኻኸፍካ ናይ ስርዓት ለውጢ ኣምፂእኻ ወያነ እንተዘይመፅአ ከምዚ ኢሉ ዝቅፅል እንተኾይኑ፤ ትግራይ ከም ትግራይ ንምቅፃል ዕድልና ከቢድ ‘ዩ ዝኸውን ዘሎ። በቲ ዝመፅአ ዕንወት ኢኮኖሚ ብዙሕ ነገር ዝውሕጠና ነገር ኣሎ ይብል።

ወጋሕታ:- እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ፀገም ኢኮኖሚ ኣብቲ ማሕበረሰብ ዝፈጥሮ ዘሎ ፀገም እንታይ ይመስል ንቀፃልስ እንታይ እዩ ዝኸውን ይብሉ?

ኣይተ ተመስገን:- በቲ ሓዚ ንኸዶ ዘለና ኣከያይዳ ንቅፅል እንተኾይንና ኣብቲ ማሕበረሰብና ቁፅሪ ድኻታትን ዝስደድን ካብቲ ዘሎ ብዝለዓለ ክውስኽ ‘ዩ። ቀደሙ ‘ውን ቁፅሪ ድኻታትን ስደተኛታት ትግራይ ብዙሕ ‘ዩ ነይሩ፤ ከምዝፍለጥ ሰብዓ ሚእታዊ ዝኸውን በዝሒ ህዝቢ እታ ሃገር መንእሰይ ‘ዩ።

ሐዚ ኸዓ መፍረያይ ዝኾነ መእሰይና በቢመዓልቱ እግሩ ናብ ዘምርሖ ብምውሓዝ ናብ ዘይንቆፃፀሮ ብርኪ ክበፅሕ ክኽእል ‘ዩ። ብኣንፃራዊ ፈታዊ ዓዱ ዝነበረ ማሕበረሰብ ‘ውን ሐዚ ግዲ ዘይብሉ ናይ ምዃንን ዓዱ ናይ ምፅላእን ኩነታት ከርኢ ይጅምር ኣሎ።

ግዲ ዘይብሉ ማሕበረሰብ እንተተፈጢሩ ከመይ ኢልና ኢና ስነልቡናኡ ናብ ዝነበሮ ክንምልሶ እንኽእል? ከመይ ኢልና ኢና ክንቅይሮ ከቢድ ‘ዩ። ሐዚ ንኣብነት ጎዳ ዝብሃል ብርጭቆ ፋብሪካ እንተኸሲሩ ብሓሙሽተ ሚእቲ ሚልየን ብር ገለ ክምልሶ ይኽእል ‘የ ትብል ትኽእል፤ ኣተሐሳስብኡ ዝተጎድአ ወዲ ሰብ ግና ከመይ ገይርና ናብ ዝነበሮ ክንምልሶ ንኽእል?

ሙሉእ ንሙሉእ ናይ ስርዓት ለውጢ እንተዘይ መፂኡ እዚ ዘሎ በጣዕሚ ከቢድ ‘ዩ። በዚ ዘሎ ኣብ ትግራይ ናይ ኢኮኖሚ ሕውየት ክመፅእ ‘ዩ ኢለ ኣይኣምንን። እቲ ዝዓበየ ነገር ከኣ ዓደይ ኢሉ ሰሪሐ ነጊደ ከምዚ ገይረ ክቅየር ‘የ ዝብል እናመንመነ ‘ዩ ዝኸይድ፡፡ እዚ እንተመንሚኑ ድማ ካብዚ እንታይ ትፅበይ?

ወጋሕታ:- ካብቲ ዘሎ ፀገም ከመይ ኢሉ ናብ ኢኮኖምያዊ ሕውየት ክምፅእ ይኽእል? ኣብዚ ካልኦት ሃገራት ድሕሪ ኲናት ዝተፈጠረ ፀገም ኢኮኖሚ ከመይ ሰጊረንኦ ዝብል ከም ኣብነት ዝግለፅ ዝኽእል እንተሃልዩ?

ኣይተ ተመስገን:– እቲ ዋና ዝኸፍአ ብርሰት ኣብ ንዋታዊ ዝበፅሐ ዕንወት ዘይኮነስ ኣብቲ ማሕበረሰብ ዝበፅሕ ዕንወት ‘ዩ። ንኣብነት ጀርመን ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ብደገ ኮይንኻ እቲ ከተማ ክትሪኦ ከለኻ ጀርመን ካብ ትግራይ ብላዕሊ ንዋታዊ ዕንወት ኣጋጢምዋ ነይሩ ‘ዩ።

ሽዱሽተ ዝኾና ዓበይቲ ከተማታት ብጣዕሚ ዓንየን ነይረን እየን። ይኹን እምበር እቲ ማሕበረስባዊ ሃፍቲ ግና ስለዝነበረ እቲ ኩነታት ናብ ዕድል ብምቅያር ዓዶም ብዝበለፀ ክሃንፁ ክኢሎም ‘ዮም። እቲ ኣብ ነሃትና ዘሎ ነገር ግና ኣነ ብጣዕሚ ‘ዩ ዘስግአኒ።

ግዜ የብልናን ቀስ እናበልካ ‘ዩ ዝስራሕ ዝብሃል ሐዚ ንትግራይ ዝኸውን ኣይኾነን። ዓለም ናብ ካሊእ ‘ያ ትኸይድ ዘላ። ግዜ ስለዘይብልና መንግስቲ ኩሉ መሓውሩ ኣብ ቁፅፅሩ ብምእታው መንግስትን ፓርትን ብምፍልላይ ክንቀሳቀስ ልዕልነት ሕጊ ሐዚ ክኸውን ኣልው።

ዋላ እቲ ሐዚ ዘሎ መንግስቲ ግዝያዊ ይኹን ተጥያቂ ንስኻ ኢኻ ከንብሎ ዘይጎደለ መንግስታዊ መሓውር ክህልዎ ኣለዎ። መንግስትን ፓርትን ድማ ክፍለይ ኣለዎ ኩሎም ‘ውን ይዛረብዎ ኣለው ‘ዮም። ኣይተ ጌታቸው ‘ውን ይዛረብ ኣሎ፤ ተጋዳላይ ፃድቃን ይዛረቡ ኣሎ፡፡

ቀስ ኢልና ንገብሮ ዝብሃል ግና ግዜ የብልናን ምስኦም ኣብዚ ኢና ንፋላለ ዘለና። መንግስትን ፓርትን ይፈላለ ዝብል ዘለዎ ረብሓ እንታይ ‘ዩ እቲ ፓርቲ እንተደልዩ ንወርሒ ይሕሰብ መንግስቲ ግና ንዝመፅእ ዓሰርተ ዒስራ ዓመት ዝሓስብ ክመፅእ ኣለዎ።

እዙይ እንተተገይሩ ‘ዩ ድማ እቲ ኢኮኖሚ ክመፅእ ዝኽእል። እንተዘይኮይኑ ሐዚ ዝኣትዋ ንትግራይ ሌባ እምበር ትኽክለኛ ኢንቨስተር ኣይኣትዋን። ሌባ ኸዓ ኣይጠቅመናን። ሐዚ ዓሰርተ፣ ሚእቲ፣ ክልተ ሚእቲ ሚልየን ዝሰረቀ ውልቀ ሰብ ንማሕበራዊ ድጋፍ እኮ ዓሰርተ ዒስራ ሽሕ ኣይህብን።

ምኽንያቱ እቲ ማሕበረሰብ ካበይ ኣሚፅእኻዮ ክብለኒ ‘ዩ ኢሉ ስራሕ ኣይፈጥርን ፈብሪካ ኣይኸፍትን። ስለዚ እዚ ኹሉ ዝሰረቆ ናብ ወፃኢ ‘ዩ ከጉዕዞ። ስለዚ እቲ ስርዓት ተሎ ክቅየር ኣለዎ በሃላይ ‘የ።

ወጋሕታ:- ኣብ ሕውየት ኢኮኖሚ ትግራይ መን እንታይ ግደ ክፃወት ኣልዎ ይብሉ?

ኣይተ ተመስገን:- ፅቡቅ እታ ሓፃር መንገዲ ተሳትፎ ‘ያ። ሐዚ ሕድሕድና ኣይከም ትማልን ክንብል ኣለና፤ ሎሚ ዘለናዮን ትማሊ ዝነበርናዮን ነኒበይኖም ‘ዮም። ሎሚ ኣብ ከቢድ ኢና ዘለና። ናይ ኢኮኖሚ ሕውየት ኣብ ትግራይ ንክመፅእ ንሓደ ከይገደፍና ኩለና ንሳተፍ።

እዚ ንፖለትከኛ ወይ ንኻሊእ እንሓድገሉ ኣይኮነን ኣብ ኩሉ ኣቲና ክንሳተፍ ኣለና። ኩዕሶ ክተሸንፍ እንተኾይንኻ መጀመርያ ናብ መይዳ ክትኣትው ኣለካ። ካብ መይዳ ውፃኢ እንተኽይንካ እንተተፃውትካ ‘ውን ክተሸንፍ ኣይኽእልን።

ስለዝኾነ ኣብ ኩሉ መሓውራት ኣብ ወረዳ ይኹን ኣብ ቀበሌ ኣቲና ክንሳተፍ ኣለና። ዋላ እቲ ዲያስፖራ ‘ውን እንትኾነ ግደኡ ክዋፅእ ኣለዎ። ክሳብ ሐዚ ዘሎ ተሳትፎ ዲያስፖራ ብጣዕሚ ‘ዩ ዝገርመኒ ሓደ ፓርቲ ክሳብ ዘዕርፍ እምበር ህዝቢ ክሳብ ዘዕርፍ ኣይኮኑን ዝንቀሳቀሱ።

‘ዚ ግና ትኽክል ኣይኮነን። ልዕልነት ሕጊ ይሰፈን እንተይልና ብዘይ ቅድመ ኩነት ክሰፍን ኣለዎ፡፡ ዲሞክራሲ ይስፈን እንተይልና ‘ውን ብዘይ ቅድመ ኹነት ክሰፍን ኣለዎ።

ወጋሕታ:- ኣብ ዛዕባ እቲ ኣብ ቀረባ መዓልታት ዝስማዕ ዘሎ ዝተፈላለዩ ስርቅን ጉሕለትን ኣብ ትግራይ ደው ንምባል እቲ ማሕበረሰብ እንታይ እዩ ክገብር ዘለዎ ይብሉ?

ኣይተ ተመስገን:– ሐዚ ኣብ ቢዝነስ ማናጅመንት ፀገም ፈጠርቲ ዝብሃሉ ኣለው። እዞም ፀገም ፈጠርቲ ኣብ ትግራይ ‘ውን ኣለው ‘ዚኦም ይሰርቁ፣ ልዕልነት ሕጊ ይጥሕሱ፣ ፖለቲካ ከይስተኻኸል ይገብሩ፣ ናይ ውልቆም ካብ ረብሓ ትግራይ የቀድሙ ኣለው።

‘ዚኦም ዝትኣልዮም ሰለስቲ መንገዲ ብርኪ ኣሎ። እዚ ድማ ብርኪ ሓደ ምምዓድ ብሚድያ ብሶሻል ሚድያ አረ ትግራይ ካብዚ ንላዕሊ እንታይ ‘ያ ክትኾነልኩም የኣክል ገለ እናበልካ ትመኽሮም። ኣብዚ ካብ ዓቀን ንላዕሊ ተመኺሮም ‘ዮም።

ካልኣይ ብርኪ ድማ እቶም ምንጪ ፀገም ዝኾኑ ዘለው ኣካላት ስርሖም ተፍልጦም ኣብዚ ኩሉ ብሓደ ከይንቀፉ ዝሰርሑን ዘይሰርሑን ጥዑያትን ሕማቃትን ትፈልዮም ተዋርዶም ተግልሎም። ኣብዚ ኩሉ ክሳተፍ ኣለዎ ብፍላይ ሚድያታት ዓብይ ግደ ኣለዎም።

ኣብዚ ሚልየን ቢልየን ሰሪቁ ዓሰርተ ሚእቲ ደፍተር ሓጊዘ ገለ ክብለካ ‘ዩ። ኣይኮነን ኢልካ ትነግሮ ደሓር ካብዚ ሰሪሕኻ ምብላዕ ይሓይሽ ናብ ዝብል ማሕበረሰብ ይመፅእ። ሳልሳይ ድማ ኣባርሮ ‘ዩ። ብኻሊእ መንገዲ ማለት ወያናይ ኩን ‘ዩ። እዚኣን ሳይንሳዊ ዝኾና መንገዲ ብቅደም ሰዓብ ኣብ ትግራይ ‘ውን ኣብ ልዕሊ ‘ቶም ፀገም ፈጠርቲ ክኾና ኣለወን።

ወጋሕታ:- ኣብ መወዳእታ ምስዚ ተተሓሒዙ ክመሓላለፍ ኣለዎ ዝትብልዎ ዘይተገለፀ እንተሃልዩ ዕድል ክህበኩም?

ኣይተ ተመስገን:- ናይ መወዳእታ ዘሕልፎ መልእኽቲ መጀመርያ እቲ ህዝቢ እንኳዕ ናብዚ ሓዱሽ ዓመት ከምኡ ‘ውን ንመስቀል በዓል ኣብፅሖ ክብሎ እፈቱ፡፡ ንዓዱ ብሙሉእ ትኹረት ክሳተፍ ኣለዎ። ካብ ካሊእ መፂኡ ነፃ ዘውፅኦ ኣካል ኣይንፀበ።

ኩሉ ሕድሕዱ እንትንሰርሕ ተኣኪቡ ተደሚሩ ‘ዩ ነታ እንደልያን እንብህጋን ትግራይ ናብ እንደልዮ ብርኪ ዕብየት ክሳብ እትበፅሕ። እቲ ትግራይ ከይትሓዊ ፀገም ዝፈጥር ዘሎ ኣካል ዕምኹቲ ኣይከውንን ብጣዕሚ ውሕድ ‘ዩ። እንተዘይተሳቲፍና ግና እቲ ፀገም ፈጣሪ ብዙሕ እቲ ህዝቢ ድማ ውሕድ ኮይኑ ‘ዩ ዝርአ፤ ስለዝኾነ እንብህጋ ትግራይ ንምርኣይ ምኽንያታዊ ኮይና ብምሉእ ትኹረት ክንሳተፍ ኣለና ዝብል ክስመረሉ ኣለዎ።

ወጋሕታ:– ንዝሃቡኒ ሓበሬታ የቕንየለይ።

ኣይተ ተመስገን: ኣነ ‘ውን የቕንየለይ።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 17 መስከረም 2016 ዓ.ም

Recommended For You