መስሕብ ቱሪዝምን ነፀብራቕ ሓድነትን ባዓል መስቀል

ኣህጉራዊ መዓልቲ ቱሪዝም ዓመታዊ ኣብ ወርሒ መስከረም ዝኽበር በዓል ኮይኑ ቀንዲ ዕላምኡ ማሕበረሰብ ዓለም ብዛዕባ ሓደ ማሕበረሰብ ባህልን እሴትን ኣፍልጦ ክህልዎን ግቡእ ርድኢት ንኽህልዎን ንምግባር ‘ዩ። ኮይኑ ግን ቱሪዝም ብባህሪኡ ኣብ ሰላማዊ ሃዋህው ዝሰርሕ ከም ምዃኑ መጠን፣ ብሰንኪ ኹናት ኣብዘይ ምርግጋዕ ዝነበረት ሃገርና ቱሪዝም ክዓብየሉ ዝኽእል ባይታ ኣይተፈጠረን።

ብተወሳኺ ኣብ ዝሓለፋ ዓመታት ለበዳ ኮሮና – ቫይረስ ንቱሪዝም ከም ቀንዲ ናይ ዕንቅፋት መንገዲ ኾይኑ ከምዝፀንሐ ዝፍለጥ ‘ዩ። ከም ዝፍለጥ ዕብየት ቱሪዝም ናይ ዝኾነት ሃገር መሰረት ኢኮኖሚ ከምዝኾነ ግልፂ ‘ዩ። ንበፃሕቲ ብዘዕግብን ንሃገር ብዘርብሕን ኣገባብ ምውዳቡን ምስራሕን የድሊ።

እዚ ድማ መንግስታውያንን ውልቃዊ ትካላትን ኣብ ዝገብርዎ ልዑል ፃዕሪ ዝተሞርኮዘ ‘ዩ። ስራሕቲ ቱሪዝም ብሓላፍነታዊ ኣገባብ ብዘለዎ መገዲ እንተዘይተታሒዙ ንዘይተደለየ ምብልሻው ባህሊ፣ ብርሰት ታሪኽን ቅርስን ዘስዕብ ከምዝኾነ ካብ ተመኩሮታት ዝተፈላለያ ሃገራት ምግንዛብ ይከኣል ‘ዩ።

ቱሪዝም ሓላፍነታውን ረብሓ ወሎዶታት ኣብ ግምት ዘእተወን ክኸውን ከምዘለዎ ርዱእ ‘ዩ። ከም ህዝቢ ዘለና ሕብረተሰባዊ ልምድታት ንኻልኦት ሃገራት ኣብነት ክኸውን ዝኽእል ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ንሃገርና ብልፅቲ ናይ ቱሪዝም መስሕብ ይገብራ ‘ዩ። መስሕብ ቱሪዝም ከምፅኡ ካብ ዝገብሩ እቲ ሓደ ድማ ኣብ ሃገርና ዝርከቡ ዝድህሰሱን ዘይድህሰሱን ቅርስታት ኣብ ዩኔስኮ ንክምዝገቡ ምግባርን ብፃዕሪ ምስራሕን ‘ዩ።

ካብቶም ካብ ዘይድህሰሱ ባህሊ ዝባሃሉ እቲ ሓደ ባዓል መስቀል ‘ዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ብድምቀት ካብ ዝኽበሩን ጎብነይቲ ካብ ዝመፅሉ እቲ ሓደ በዓል መስቀል ከምዝኾነ ዝፍለጥ ‘ዩ። ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ብማዕረ ዝኽበርን ባህልን ሃይማኖታዊ ስርዓቱ ተኸቲሉ ዝኽበር ባዓል ‘ዩ። ኣብ ክልል ትግራይ ድማ በቢ ዓመቱ ብድሙቕ ኣከባብራ እናተኸበረ ዝመፅእ ባዓል ‘ዩ።

ሎሚ ዘመን በዓል መስቀል 2016 ዓ.ም ድማ “በዓል መስቀል ንሰላምን ዳግመ ሕውየትን ትግራይ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ትግራይ ከም ዝኽበር ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣፅብሃ ገብረግዚኣብሄር (ዶ/ር) ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ገሊፆም ‘ዮም።

“በዓል መስቀል ሃይማኖታውን ባህላውን በዓል ብምዃኑ መላእ ህዝቢ ዝሳተፈሉን ተፈላልዮም ዝነበሩ ኣዝማድን መሓዙትን ዝራኸብሉ፣ ፍቕሮም፣ ምትሕግጋዞምን ካልኦት ማሕበራዊ ርክባትን ዝጠናኸረሉ ‘ዩ” ኢሎም ‘ዮም።

በዓል መስቀል ብርክት ዝበሉ ረብሓታት ከምዘለዎ፣ ኣብቶም ዝሓለፉ ዓመታት ብሰንኪ ሕማም ኮሮናን ኲናትን እቲ በዓል እናተኸበረ ከምዘይነበረ ገሊፆም ‘ዮም። ኣብዚ ዓመት ግና በቲ መሪሕ ሓሳብ ተሰንዩ ከምዝበዓል ብምሕባር፣ በዓል መስቀል ንምብዓል ኣብ ዝግበሩ ሓበራዊ ፀወታታትን ደርፍታትን እቲ ዝነበረ ልዑልን ጥንኩር ስነ ልቦና ፣ ሓድነት ፣ ሓልየትን ምትሕብባርን ኣብ ምምላስ ልዑል ግደ ከምዘለዎ ኣብሪሆም ‘ዮም።

በዓል መስቀል ንዘበናት ሒዝናዮም ዝፀናሕና ሃይማኖታውን ባህላውን ክብርታት ህዝቢ ትግራይ ብሰፊሑ ዝሕለወሉን ዝንፀባረቐሉን ብምዃኑ ባህልናን ትውፊትናን እናፋለጥናን እናስፋሕናን ባህልና ክዕቀብን ክሰፍሕን ምግባር የድሊ።

ኣብ ዝሓለፈ ካብ ዝነበረ ሕማቕ ኩነታት ብምልዓል ምስሊ ትግራይ ኣብ ምቕያር ፣ መፋለጥን መጥቀሚን ከምኡ ‘ውን ማሕበራዊ ፀገማት ንምፍታሕ ምድግጋፍ ዝግበረሉ ፣ ተበታቲኑ ዝነበረ ዝራኸበሉን ተዳኺሙ ዝነበረ ኢኮኖሚ ኣብ ምንቕቓሕን ዝፃወቶ ግደ ዓብይ ከምዝኾነ ‘ውን ትፅቢት ይግበር።

መላእ ህዝቢ ነዚ በዓል ንምብዓል ጥራሕ ዘይኮነ ሕውየት ኣብ ምምፃእ ዝህልዎ ግደ ልዑል ብምዃኑ በብከባቢኡ ብሰፊሑ ከብዕሎ ከምዝግባእን ንቀፃሊ ዓመት ዓብይ ተስፋ ዝስነቐሉ ማዓልቲ ‘ውን ‘ዩ። በዓል መስቀል 2016 ዓ.ም ባህላዊ ትሕዝቶኡን ክብርታት ህዝብን ብዘጉልህ መገዲ ከምዝኽበር እናተገለፀ መፂኡ ‘ዩ።

ኣብ ትግራይ ብፍሉይ ትኹረት ተዋሂብዎ ከምዝባዓልን እዚ ማለት ህዝቢ ኣብ ከቢድ ፀገም ከም ዘሎን ኩነታት ሓገዛት ኣብ ዘድልየሉ እዋን ከምዝኾነ ብዘይ ምዝንጋዕን ኣብ ግምት ብዘእተወን ኣገባብ ንክበዓል ዘኽእል ምድላዋት እናተገበረ ከምዝመፀ ብመራኸቢ ሓፋሻት እናገለፀ መፂኡ ‘ዩ።

ብተወሳኺ ሃይማኖታውን ባህላውን ትውፊታት ብምዕቃብን ፀገም ህዝቢ ብምቅላልን ናብ ረብሓ ብዝልውጥ መልክዑ ንተመዛበልቲ ወገናት ብምሕጋዝን ትኹረት ብምሃብን ንምብዓል ክስራሕ ከምዝግባእ ብተደጋጋሚ እናተሓበረ መፂኡ ‘ዩ። እዚ ክኸውን ዝግበኦ ‘ውን ‘ዩ።

ኣብ ዓዲግራት ባዓል መስቀል ብድሙቕ ካብ ዝኽበረሎም ከባቢታት ትግራይ እቲ ሓደ ‘ዩ። ኣብ መርሃ ግብሪ እቲ በዓል ዓኾ ዓኾዃይ፣ ሆያሆየ ፣ ምርኢት ባህሊ፣ ደመራ ፣ መኣዲ ዓጋመ ፣ ፌስቲቫል ቤተሰብ ፣ ጓይላ መስቀል ፣ ስፖርት ፅዋዕ መስቀልን ዝኣመሰሉን ምድላዋት ‘ውን ከምዘለዉ፣ እቶም መግለፂ ክብሪ ህዝቢ ዝኾኑ ትውፊታት ኣካል ሕውየት ብምግባር ፣ ኣብ ከቢድ ፀገም ኮይንኻ ንረብሓ ብዝጥዕሙን ፀገም ህዝቢ ብዘቃልሉን ኣገባብ ንምኽባር ምድላዋት እናተገብረ ምምፅኡ መተሓባበሪ እቲ ከይዲ ስራሕ ኣይተ የማነ ተኽለማርያም ምግላፆም ኣብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ።

ድሕንነትን ፀጥታን ዜጋታት ውሑስ ንምግባርን ብምኽንያት እቲ በዓል ዝተጋነነ ናህሪ ዋጋ ንዘርኣዩ ግልጋሎት ወሃብቲ ትካላት ዝከታተል ኮሚቴ ተጣይሹ እቲ በዓል ንክብሪ ህዝቢ ብዝምጥን ኣገባብ ንክሓልፍ እናተሰርሐሉ ‘ውን ምምፅኡ ውን ኣረዲኦም ‘ዮም። በዓል መስቀል ኣብ ከባብታት ዓጋመ ብፍሉይ ፅምብልን ባህላዊ ትሕዝቶን ከም ዝኽበር ዝፍለጥ ‘ዩ።

ኢትዮጵያ 11 ዝድህሰሱ ሓድጊታት ኣብ ትካል ትምህርቲ፣ ሳይንስን ባህሊን ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ዩኔስኮ) ብምምዝጋብ ካብ ኣፍሪካ ቀዳመይቲ ኮይና ‘ያ። ኢትዮጵያ ኣብ መበል 45 ጉባኤ ሓድጊ ዓለም ብሄራዊ ፓርክ ጎቦታት ባሌን ባህላዊ ኣቀማምጣ መሬት ጌዴኦን ኣብ ዩኔስኮ ክተመዝግብ ምኽኣላ ስዒቡ ‘ዩ፤ ካብ ኣፍሪካ ቀዳመይቲ ክትከውን ዝኻኣለት።

ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዩኔስኮ ዘመዝገበቶም ዘይድህሰሱ ሓድጊታት ቁፅሮም 11 በፂሑ። ካብ ኢትዮጵያ ቀፂላ ደቡብ ኣፍሪካ 10 ፣ ቱኒዚያን ሞሮኮን ሕድሕደን 9 ዘይድህሰሱ ሓድጊታት ከምዘመዝገባ ካብቲ ትካል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኢትዮጵያ ክሳብ ሕዚ ዘመዝገበቶም ዝድህሰሱ ሓድጊታት ሓወልቲታት ኣኽሱም ፣ ብሄራዊ ፓርክ ጎቦታት ሰሜን ፣ ቤተ መንግስቲ ፋሲልን፣ ውቕር ኣብያተ ቤተክርስትያን ላሊበላ ፣ ታሕተዋይ ሓጓፍ ሽንጥሮ ኣዋሽ ፣ ትኹት ኣእማን ጢያ ፣ ኣርኪኦሎጂ ቦታ ታሕተዋይ ሓጓፍ ሽንጥሮ ኦሞ ፣ ጥንታዊ ከተማ ጁገል ሃረር ፣ መልክዓ ምድሪ ኮንሶ ፣ ባህላዊ መልክዓ ምድሪ ጌዴኦ ፣ ብሄራዊ ፓርክ ጎቦታት ባሌን ‘ዮም።

እዞም ዘለዉና ባህልን ፀጋታትን ብኽብሪ ብምትሓዝን ንዓለም ንምርኣይን ናይ ኹላትና ፃዕሪ የድሊ ‘ዩ። እዚ ንምምፃእን ብፍላይ ድማ ኣብ ጉዳይ ሰላም ትኹረት ምግባር ይግባእ። ናይ ሓንቲ ሃገር መንነት ክጋዋሕ ትኹረት ክስሕብን ዝኽእል ኣብታ ሃገር ዘተኣማምን እኹል ዝኾነ ፀጥታን ሰላምን ክህሉ ግድን ‘ዩ።

እንድሕር ዘይኾነ ቱሪዝም ኣብ ምስፍሕፋሕ ዝግበረ ምንቅስቓስ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ዕንቅፋት ‘ዩ ዝኸውን። ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራይ ተፈጢሩ ዝነበረ ዘይምርግጋዕ ኣብ በፃሕቲ ዓዲ ፅቡቕ ዘይኾነ ምስሊ ፈጢሩ ‘ዩ። እዚ ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ባዕሉ ዝኻኣለ ዓብይ ዕዮ ገዛ ‘ዩ ። ናይ ሓደ ኸባቢ ዘይምርግጋዕ ከም ሃገር ኣብ ቱሪዝም ዘብፀሖ ፅልዋ ብቐሊሉ ዝሕለፍ ኣይኮነን።

ንምምላስ ‘ውን ብዙሕ ግዜ ዝወስድ ‘ዩ። ከም ኢትዮጵያ ዝበላ ብተፈጥሮን ባህልን ዝበልፀጋ ሃገራት ድማ ቱሪዝም ዓብይ ኣታዊ ኾይኑ ኢኮኖሚ ዓዲ ክብ ዘብል ‘ዩ። እዚ ቀፃልነት ንክህልዎን ብዝሓሸ መገዲ ተሰሪሕሉ ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ብመስሕብ ኣብ ቀዳሞት ዝኾና ሃገራት ንክትስለፍ ናትና እንብሎም ዘለዉና ሃፍቲ ብምንክብኻብን ሓለዋ ብምግባርን ዓብይ ስራሕ ክስራሕ ትፅቢት ይግበር።  

መሰረት ገብረዮሃንስ

ወጋሕታ 17 መስከረም 2016 ዓ.ም

Recommended For You