
ቱሪዝም ብኣግባቡ ንዝጥቀማሉ ሃገራት ቀንዲ ፍልፍል እቶተን ‘ዩ። ብዙሓት ሃገራት ኣብዚ ዓውዲ እዚ ጠመተ ሂበን ብምስረሐን ብዙሕ እቶት ይረኽባ ‘የን።
ከምዝፍለጥ ኢትዮጵያ ግና ኣብዚ ዘፈር እዚ ብዝግባእ ብዘይ ምስርሓ ከትረኽቦ ዝግባኣ እቶት ኣይትረክብን። ኮይኑ ግና ቱሪስት ንምስሓብ ዘኽእል ሃፍቲ ቱሪዝም ኣለዋ። ብርክት ዝበሉ ሃይማኖታትውን ባህላውን በዓላት ኣለዉዋ። እዚኦም ድማ ዘይነፅፉ ፀጋታታ ‘ዮም።
ኣብ ኣዳባባይ ዝበዓሉ በዓላት ንማህበረሰብ ዓለም ብዝግባእ ብምፍላጥ ኣብመዳይ ቱሪዝም ፍልፍል እቶት ንምግባር ዘይተሓለለ ፃዕሪ የድሊ ኮይኑ ግና ክሳብ ሕዚ በቲ ዝድለ መጠን ንምጥቓም ዘኽእል ስራሕቲ ተሰሪሖም ‘ዮም ዝባሃል ኣይኮነን። ንምንታይ እንተይልና ብዙሓት ምዝርዛር ይከኣል ‘ዩ።
ጠመተ ብምሃብ ብዝግባእ ንማሕበረሰብ ዓለም ብዘይ ምፍላጥን ‘ዩ። ኢሉ ‘ውን እቶም ውሱናት ዝመፁ በፃሕቲ ዓዲ ፃንሒቶም ከናውሕሉ ዝኽእሉ ኩነታት ኣብምምችቻው ብዙሓት ጉድለታት ኣለዉ እዚኦም እቶም ውሑዳት ምኽንያታት ‘ዮም።
ኩነታት ብምምችቻው ፃኒሕት ቱሪስት ብምንዋሕ እቶት ምርካብ ዝከኣል ምዃኑ ድማ ብዝግባእ ብምግንዛብ ምስራሕ የድሊ። ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሎሚ ዓመት መዓልቲ ቱሪዝምን መስቀልን ኣብ ሓደ መዓልቲ ድርብ በዓል ኮይኖም ውዒሎም ኣለዉ።
ከምኡ ‘ውን ብምቕፃል በዓል ኢረቻ ይስዕብ። እዚኦምን ከምዚኦም ዝበሉ በዓላትን ኣብ ኢትዮጵያ ዓውዲ ቱሪዝም ንምዕባይ ዝህልዎም ኣስተዋፅኦ ኣዝዩ ልዑል ‘ዩ። nወርሒ መስከረም ብዙሓት መንፈሳውን ባህላውን ባዓላት ዝሓዘት ወርሒ ከም ምዃና መጠን ብኣግባቡ ብምጥቓም ቱሪዝም ንምፍላጥ ንምዕባይን ኣብዪ ረብሓ ኣለዋ።
ኩሉ ተሓጋጊዙ ከነቓቐሖ ድማ ይግባእ። ወርሒ መስከረም ከም ሓዱሽ ዓመት፣ መውሊድ፣ መስቀልን ኢረቻን ዝመሳሰሉ በዓላት ዝሓዘት ጥራሕ እንተይኮነትስ ካብዚ ሓሊፉ ‘ውን መዓልቲ ቱሪዝም ኣብዚ ወርሒ እዚ ዝኽበር ብምዃኑ ቱሪዝም ንምፍላጥ ፅቡቕ ናይ ኣጋጣሚ ዕድል ‘ዩ። ከምንዚኦም ዝበሉ በዓላት ቱሪዝም ሃገርና ንምዕባይ ብኣግባቡ ከንጥቀመሉ ኣለና።
ካሊእ ኣብ ወርሒ መስከረም ብዙሓት በፃሕቲ ዓዲ ምምፃእ ዝጅምሩላ ወቕቲ ‘ውን ‘ያ። እቲ ሓደ ምኽንያት ክረምቲ እናተወደአ ምስ ምኻድ ተተሓሒዙ ዝናብን ቑርን እናቐነሰ ስለ ዝኸይድን ዝስማዕማዕ ፀባይ ኣየር ስለ ዘሎን ‘ውን ‘ዩ።
በፃሕቲ ዓዲ ናብዚ እንትመፁ ብዙሓት ተፈጥሮኣውን ሰብ ስራሕን ቅርስታት ብምጉብናይ ተዘናጊዖም ንኽምለሱ ሓደ ምኽንያት ‘ዩ። ኣብፃኒሕቶም ዝፈጥረሎም ታሕጓስን ዝቐስምዎ ትምህርትን ቐሊል ኣይኮነን። ብፍላይ ኣብ መስከረም እንትመፁ ብሓደ እግሪ ኣብ ብዙሓት በዓላት ብምስታፍ ብመንፈስ ዓጊቦም ‘ዮም ዝምለሱ።
ኢትዮጵያ ብባህላውን ተፈጥሮኣውን በዓላት ዝተዓደለት ካብ ምዃን ሓሊፋ ብፍላይ ድማ ገሊኦም በዓላት ኣብ ኣዳባባይ ዝኽበሩ ከም ምዃኖም መጠን ብኣካል እንትሳተፉ ብመንፈስ ብዙሕ ምርከዖም ኣይተርፍን። እቶም ህዝባዊ በዓላት ቱሪዝም ንምዕባይ ዘለዎም ግደ ‘ውን ልዑል ‘ዩ።
እዚኦም ብኣግባቡ ከንጥቀመሎም ይግባእ። በዓላት ኣዳባባይ ይኹኑ ካልኦት ኣብ ቱሪዝም ዘለዎም ግደ ብኣግባቡ እንተተጠቒምናሎም ቐንዲ ፍልፍል እቶት ክኾኑ ከምዝኽእሉ ግልፂ ‘ዩ። ተፈላለዩ በፃሕቲ ዓዲ ካብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዓለም እንትመፁ ባህልን ስነ ስርዓትን ኣከባብራ በዓላት ክዕዘቡን ትምህርቲ ንምውሳድን ጥራሕ እንተይኮነስ ክዛናገዑ ‘ውን ‘ዮም ዝመፁ።
እዞም ኣጋይሽ ነዚ ኢሎም እንትመፁ ዝጥቐምሉ ገንዘብ ሒዞም ስለ ዝመፁ ፃኒሒቶም ብተፈላለዩ ናይ መዛናግዒ ኩነታት ብምምችቻው ዝምለስሉ እዋን ክናዋሕ ብምግባር ብርክት ዝበለ ገንዘብ ከፍስሱ ምግባር ይከኣል ‘ዩ።
ቱሪዝም ሓደ ዘፈር ዓንዲ ሑቐ ኢኮኖሚ ‘ዩ ክባሃል እንተሎ ግና ኢትዮጵያ ነዚ ዘፈር እዚ ብዝግባ ከትትቐመሉ እንተላ ‘ዩ። ብሃፍቲ ቱሪዝም ሃፍታም ሃገር ‘ያ። ንቱሪስትታት ዝሓሸ ግልጋሎት ብምቅራብ ፃኒሕቶም ከናውሑ ኣብ ምግባር ግና ብዙሕ ክፍተት ኣሎ ‘ዩ።
ኣብዚ ዓውዲ እዚ ከም መንግስትን ውልቀ ትካላትን ብዙሕ ስራሕ ምስራሕ የድሊ። ብሓፈሻ ሃገርና ዋላ ብዙሓት ሃፍቲ ቱሪዝም ይሃልውዋ ዘለዉ ክፍተታት ምድፋን እንተዘይተኻኢሉ ትርጉም የብሉን።
ብዘለዋ ምዕቡል ታሪኽ፣ ሰሓብቲ ሃይማኖታውን ባህላውን ሓድግታት፣ ውቅብ ባህሊ፣ ዝስማማዕ ኩነታት ፀባይ ኣየር፣ መልክዓ-ምድራዊ ኣቀማምጣን ኣዝያ ሰሓቢትን ተበሃጊትን ዋላ እትኹን ቱሪስት ካሊእ ዝደልዮ እንተዘይኣማሊእኻሉ ቐልጢፉ ናብ ዓዱ ስለ ዝምለስ ከፍስሶ ሒዝዎ ዝመፀ ገንዘብ ሒዝዎ ስለ ዝምለስ እታ ሃገር ከትረኽቦ ዝግባእ ዝነበረ ገንዘብ ከትረክብ ኣይትኽእልን።
ማለት ኣብ ኣታሓሕዘ ጉድለታት ስለዘለዉና ክንድትዝድለ ዘይክፀንሑ ይኽእሉ ‘ዮም። ስለዚ ነዚ ዝኸውን ማለት በፃሕቲ ዓዲ ንውሕ ዝበለ ግዜ ዝፀንሕሉ መዛናግዒ ምፍጣር የድሊ። ብፍላይ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብዚ ዘፈር እዚ ብዙሕ ምስራሕ የድሊ ምኽንያቱ ቱሪዝም ብለበዳ ኮቪድ-19ን ካልኦት ፀገማትን ተሃስዩ ፀኒሑ ‘ዩ።
ነዚ ንምክሕሓስ ብዙሕ ስራሕቲ ክስርሑ ኣለዎም። ቱሪዝም ዳግም ብምትሳእ ኢትዮጵያ ካብ ውሽጥን ደገን ከትረኽቦ ዝግባእ እቶት ንምድንፋዕ ነቲ ዘፈር ዝምጥን ስራሕቲ ምስራሕ ኣድላይ ‘ዩ። በዓላትና ካብ መንፈሳውን ባህላውን በዓላት ሒሊፉ ንማህበረሰብ ዓለም ብኣግባቡ ብምፍላጥ ኣብመዳይ ቱሪዝም ፍልፍል እቶት ‘ውን ከንገብሮም ይግባእ።
ነቲ ዝደኸመ ምንቅስቓስ ቱሪዝም ዳግማይ ንምትንሳእ መዓልቲ ቱሪዝም እንትኽበር ነቲ ዓውዲ ዘለዓዕሉ ስራሕቲ ምስራሕ የድሊ። ነዚ ምዕባይ ማለት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ቑፅሪ ስራሕ ስእነት እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ንምቅላል ወይ ስራሕ ዕድል ንምፍጣር ፅቡቕ ዕድል ስለ ዝኾ ብኣግባቡ ኣብ ምጥቓም ንድሓር ክበሃል የብሉን።
እዚ ዓምዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዜጋታት ናፃ ሓሳቦም ዝህብሉ እዩ። ኣብዚ ዓምዲ ዝወፅኡ ፅሑፋት ናይ ክፍሊ ምስንዳእ ቅዋም አይኮኑን።
መኣርግ ገ/ሄር
ወጋሕታ 17 መስከረም 2016 ዓ.ም