
ህዝቢ ትግራይ ብሰላምን ልምዓትን ካብ ቐደም ኣትሒዙ ዘማዕበሎ ልምዲ ኣለዎ:: ተፈጥሮኣውን ሰብ ስራሕን ፀገማት ንምብዳህ ልቦና ዘማዕበለ ህዝቢ ‘ዩ። ኣብ ፀገም ይኹን ኣብ ራህዋ ነንሕድሕዱ ብሰላምን ልምዓትን ብምድግጋፍ ንዘመናት ዝዘለቐ ህዝቢ ምዃኑ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቒ ‘ዩ:: ኣብ ፅንኩር እዋን ብምድጋፍን ብምትሕግጋዝን ሰላሙ እናውሐሰን ልምዓቱ እናሳለጠን ዋላ እንተመፀ ኮይኑ ግና ብሰንኪ ዘይምዕሩይ ፖለቲካዊ ኣካይዳ ማለት መራሕቲ ህዝቢ ነንሕድሕዶም ብዝፈጥርዎም ፖለቲካዊ ዘይምስምዕማዕን ምድፍፋእን ህዝቢ ትግራይ ብማሕበራዊ፣ ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያውን እናተጎደአ መፂኡ ‘ዩ:: ሕዚ ‘ውን እናተጎድአ ይርከብ::
ብፍላይ መንእሰይ ትግራይ ብሕመቕ ፖለቲካዊ ኣካይዳ ስዒቡ ሰላምን ልምዓትን ብዘይ ምህላዉ ስደት ቀንዲ መማረፂ ገይርዎ ይርከብ:: መንእሰይ ኣብ ዓዱ ሰሪሑ ከይነብር ኣብ ባይታ ዝተስተኻኸለ ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካዊን ሃዋህው የለን:: ነዚ ብልምዓትን ሰላምን ዝፍለጥ ህዝቢ ፖለቲከኛታት ብዝፈጠርዎም ስሕተታት መንእሰይ ኣብ ኢኮኖያዊ ዕቤት ተርኡ ከይዋፃእ ገይርዎ ‘ዩ::
ነዚኦም ከስተኻኽል ዝኽእል ፖለቲካዊ መሪሕነት የድሊ:: ሰላምን ልምዓትን ብምርግጋፅ መንእሰይ ኣብ ዓዱ ሰሪሑ ዝነብረሉ ኩነታት ክፍጠረሉ ኣለዎ:: ህዝቢ ትግራይ ካብ ተደጋጋሚ ዘጋጥሞ ፀገም ክወፅእ እንተኾይኑ ቅድም ቐዳድም ኣብ ሰላምን ኢኮኖሚን ብዓብይኡ ክሰርሐሉ ኣለዎ:: ከማሓድር ናብ ስልጣን ዝወፀ ኣካል ሰላምን ልምዓትን ከረጋግፅ ሓላፍነት ኣለዎ::
እቲ መንእሰይ ‘ውን እንተኾነ ፀገማት እናተጋፈጠ ቐንዲ ሓይሉ ሰላም ኣብ ምጥንኻርን ጠንኪሩ ብምስራሕ ኢኮኖሚ ኣብ ምልዋጥን ርኡይ ተራ ክፃወት ኣለዎ:: መንሰይ ትግራይ ኣብ ዓዱ ኣልሚዑ ዝነብረሉ ባይታ ክፍጠረሉ ኣለዎ፤ መንእሰይ ትግራይ ቐንዲ ሓይሉ ሰላምን ልምዓትን ኣብ ምርግጋፅ ከድህብ ይግበኦ:: እቲ መንእሰይ ካብ ተፈላላዩ ገበናት ብምርሓቕ ንበዓሉን ንዓዱን ንምጥቓም ላዕልን ታሕትን ክብል ይግባእ::
መራሕቲ ፖለቲካዊ ውድባት ፖለቲካዊ ጎንፂ ንጎኒ ብምግዳፍ ረብሓ ህዝቢ መሰረት ብምግባር ክሰርሑ ይግባእ:: ነንባዕልኻ ናብ ጎንፂ ናይ ምእታው ባህሪ ክውገድ ኣለዎ:: እዚ ወለዶ እዚ ብሓደ ሓደ ዝተሰሓሓቱ ይኹኑ ኮነ ኢሎም ዝጥፍኡ ፖለቲከኛታት ዝስሓሓት ክኸውን የብሉን:: ጥራሕ ንዐዱ ኣብዝጠቕሙ ስራሕቲ መዓንጥኡ ኣስጢሙ ክቓለስ ኣለዎ:: ጅግንነት ኣብ ኵናት ጥራሕ ኣይኮነን ኩላይ ኣብ ሰላምን ኢኮኖሚ ዓድኻ ኣብ ምቕያርን ‘ዩ::
ትግራይ ሕዚ ዘድልያ ሰላም ብምርግጋፅ ኢኮኖሚ ዘዕቢ ወለዶ ‘ዩ:: ካብ ፖለቲካዊ ሕምስምስ ብምውፃእ ንፁር ፖሊሲ ኢኮኖሚ ብምንዳፍ ድኽነት ናብ ታሪኽ ዝልውጥ ወለዶ ክህሉ ናይ ግድን ‘ዩ:: ሰላም ብምፅናዕ ኣንፃር ድኽነት ወፍሪ የድሊ:: ብወግዓዊ መንገዲ ድኽነት ንምፍታሕ ዝዓለመ ስራሕ ክስራሕ ኣለዎ:: ህዝቢ ንማሕበራውን ቁጠባውን ሓደጋታት ዘቓልዑ ኩነታት ንምንካይ ህዝቢ ሓደ ዓይነት ኮይኑ ክደጋገፍን ዘላቒ ለውጢ ከምፅእን ብፍላይ ድማ ኢልታት ሓላፍነቶም ክዋፅኡ ኣለዎም::
ብሰንኪ ተፈጥሮኣውን ሰብ-ስራሕን ሓደጋታት ቁጠባውን ማሕበራውን ፀገማት ንዝተቓልዑ ሕብረተሰብ ካብ ፀገም ንምውፃእ በርቲዕኻ ምስራሕ ናብ ሕቶ ዝኣቱ ጉዳይ ኣይኮነን:: ብፍላይ ትግራይ ኣብዚ ሕዚ እዋን ምስቲ ዘሎ ኩነታት ተተሓሒዙ ብዙሕ ፀገም ስለዘሎ መራሕቲ ህዝቢ ብምትሕብባር ርኡይ ለውጢ ከምፅኡ ኣለዎም::
ሰላምን መነባብሮን ህዝቢ ንምልዋጥ ካብ መራሕቲ ይኹኑ ካብዚ ወለዶ እዚ ብዙሕ ስራሕ ክስራሕ ትፅቢት ይግበር:: ብፍላይ እቲ መንእሰይ ኣብ ዓዱ ሰሪሑ ዝልወጠሉ መንገዲ ምምችቻው የድሊ:: ህዝቢ ትግራይ ካብ ሰፍትኔት ረድኤት ክወፅእ ኣለዎ:: ኢትዮጵያ ብረድኤት ሴፍትኔት እትፍለጥ ሃገር ምዃና ይፍለጥ ‘ዩ:: ካብዚ ናይ ትግራይ ብፅሒት ከንርኢ እንተለና ድማ ካብ ካልኦት ክልላት ክበልፅ እንተኾይኑ ‘ምበር ዝንእስ ኣይኮነን:: ካብዚ ረድኤት ከንወፅእ እንተኾይንና መድሓኒቱ ብቖራፅነት ምስራሕ
‘ዩ:: ሰላም ሃልዩ ብምሉእ ልብኻ ናብ ስራሕ እንተኣቲኻ ለውጢ ዘይመፀሉ ምኽንያት የለን:: እቲ ፀገም ኮይኑ ዘሎ ብቖራፅነት ናብ ስራሕ ዘይምእታው ‘ዩ:: እዚ ወለዶ እዚ ብምልማዕ ናብ ኣፍራያይነት ክኣቱ እንተኾይኑ ድማ ውሽጣዊ ይኹን ግዳማዊ ሰላም ክረጋገፅ ዝኸኣልናዮ ኩሉ ከንሰርሕ ኣለና:: እዚ እንተኾይኑ ህዝቢ ካብ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያውን ፀገማት ዘይወፀሉ ኩነታት ኣይህሉን::
ኣብ ሕሉፍ ዘጋጠመና ኩናት እኹል ትምህርቲ ከንወስደሉ ኣለና:: ኣብ ሰላምን ኢኮኖሚን ዘሕደረልና በሰላ ንዘላቒ ሰላምን ኢኮኖሚን ትንሳኤን ከንጥቀመሉ ኣለና:: ኣብ ዓለም ብዙሓት ሃገራት ካብ ዘጋጠመን ሕሉፍ ፀገማት ተማሂረን ተኣምራዊ ዝኾነ ለውጢ ኣምፂአን ‘የን:: ንኣብነት ኣብ ካልኣይ ኩናት ዓለም ከም ሃገራት ጃፓንን ጀርመንን ብኢኮኖሚ ኣዝየን ተሓስየን ካብ ዝነበራ ሃገራት ኣለም ምጥቓስ ይከኣል ‘ዩ:: ጃፓን እንተሪእና ካልኣይ ኲናት ዓለም ብኢኮኖሚ ኣዝዩ ሃስይዋ ነይሩ ‘ዩ:: ኮይኑ ግና ጃፓናውያን ካብዚ ተማሂሮም ኣብ ሓፂር ግዜ ካብ ሕውየት ሓሊፎም ብኢኮኖሚ ኣብ ዝለዓለ ጠርዚ በፂሖም ‘ዮም::
ኣብ መንጎ ቁጠባን ሰላምን ዘሎ ምትእስሳር ንምርምር ዝቀርብ ጉዳይ ኣይኮነን፤ ኩሉ ዝፈልጦን ግልፅን ‘ዩ። ኢኮኖሚን ሰላምን ብሓባር ዝኸዱ ዘይናፃፀሉ ጉዳያት ‘ዮም:: ኣብዞም ጉዳያት እዚኦም በርትዒና ከንሰርሕ ኣለና:: ሰላምን ቁጠባን ቀንዲ መሰረታውያን ነገራት ‘ዮም:: ብዘይ ሰላምን ዕቤት ኢኮኖሚን ጥንኩር ማሕበረሰብ ክትሃንፅ ‘ውን ኣይትኽእልን::
ስለዚ ክልቲኦም ክህልዉ ናይ ግድን ስለዝኾነ ኩልና ተጋሩ ተሓጋጊዝና ኣብዚ ጉዳይ እዚ ቖላሕታ ሂብና ከንሰርሕ ይግበአና:: ሰላም ዘይምህላው ኣብ ሓንቲ ዓዲ ዘለዎ ኣሉታዊ ውፅኢት ካብ ካልኦት ተመኩሮታት ምውሳድ ኣየድልየናን:: በዓልና ዘለናሉ ኩነታት ትምህርቲ ንምውሳድ እኹል ስለዝኾነ ካብዚ ተላዒልና ንሰላምን ዕቤት ኢኮኖሚን ንግደስ ወለዶ ከንኸውን ኣለና::
እዚ ዓምዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዜጋታት ናፃ ሓሳቦም ዝህብሉ እዩ። ኣብዚ ዓምዲ ዝወፅኡ ፅሑፋት ናይ ክፍሊ ምስንዳእ ቅዋም አይኮኑን።
መኣርግ ገ/ሄር
ወጋሕታ 7 ጉንበት 2017 ዓ.ም