ነዚ እዋንን ኩነታትን ዝጠልብ ሓርበኝነት ክቅፅል ይግባእ

ሓርበኝነት ዝብል ቃል እንትልዓል ንሓንቲ ሃገር ምስ ዝግበር ጀግንነት ዝትሓሓዝ ‘ዩ እንተተብሃለ ካብ ሓቂ ዝረሓቀ ኣይኸውንን ‘ዩ። ናይ ሓንቲ ሃገር ሉኣላውነት ተኸቢሩ ንኽነብር ሓርበኛታት ወሰንቲ ‘ዮም። ሃገርና በቢእዋኑ ኣብ ዝሓለፉ ዘመናት ንኽብራ፣ ንናፀነታን ሃለዋታን ንምውሓስ ጀጋኑ ሓርበኛታት ደሞምን ኣዕፅምቶምትን ብምኽፋል ክሳብ ሐዚ ተኸቢራ ክትነብር ገይሮም ‘ዮም። ነዞም በቢእዋኑ ንሃገሮምን ህዝቦምን ከቢድ ዋጋ እናኸፈሉ ዝመፅኡ ጥንታውያን ጀጋኑ ሓርበኛታት ኽብርን ምስጋናን ይግብኦም ‘ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሶኒ ዝተኸበረ መበል 84 በዓል መዓልቲ ሓርበኛታት ወራር ፋሽስት ጣልያን ብቃልሲ ሓርበኛታት ደቃ ብዓወት ዝዛዘመትሉ 27 ሚያዝያ 1933 ዓ.ም ከም መበገሲ ብምግባር ነቲ መዓልቲ ከም በዓል ዓወት እንትኽበር ዝተፈላላዩ መልእኽታት ሓሊፎም ‘ዮም። እዚ በዓል ካብ ምዝካር ሓሊፉ እዚ ወለዶ ካብዚ ታሪኽ ንክምሃርን ሓርበኝነት ኣብ ዝጠልበሉ እዋንን ኩነታትን ነከቅፅል ‘ውን ዝተፈላለዩ ሓሳባት ተንፀባሪቆም ‘ዮም።

ብቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝሓለፈ መልእኽቲ ሓዊሱ ከምኡ’ውን ብምኽትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ግልጋሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲን ካልኦትን ቤት ዕዮታትን ነዚ በዓል መሰረት ብምግባር መልእኽታት ኣሕሊፎም ‘ዮም።

ነዚ በዓል ምኽንያት ብምግባር ካብ ዝሓለፉ መልእኽታት ድማ፤ ሓርበኝነት እዚ ዘመን ጋህዲ ንምግባር ዓርስኻ ንምኽኣል ኣብ ዝግበሩ ስራሕቲ ልምዓት ዙርያ- መለስ ትግሃት ካብ ኹሎም ዜጋታት ትፅቢት ይግበር ካብ ዝብል ጀሚሩ ናፅነትና ዝተማለአ ንክኸውን ሎሚ ኢትዮጵያ ናይ ካልኣይ ዘበን ሓርበኛ ከምዘድልን እዚ ድማ ኣብ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊ፣ ማሕበራዊን ዲፕሎማሲያዊን ዓውዲታት ኣብ ዝህሉ ሰላማዊ ቃልሲ፣ ድኽነትን ድሕረትን ተቓሊሶም ዝስዕሩ ሓርበኛታት ‘ዮም ዝብሉ መልእኽታት ይርከብዎም።

ከምቲ ዝተብሃለ ብቀዳሞት ሓርበኛታት ብዝኸፈሉዎ ዋጋ ሎሚ ቅንዕ ኢልና ብናፅነት ክንስጉምን ኣብዚ ዘለናዮ ብርኪ ንክንበፅሕን ገይሮምና ‘ዮም። ናብዚ ዘብቅዑና ጀጋኑ ሓርበታትና ኽብርን ምስጋናን ድማ ይግብኦም ‘ዩ ጥራሕ ዘይኮነስ ወለዶ ካብ ታሪኾምን ልምዶምን ብምምሃር፤ ሃገርና ኣብዚ እዋን ዝትጠልቦም ሕቶታት ኩሉ ንክምልሱ ተተካእቲ ሓርበኛታት ንክቕፅል ኣብ ምግባር ወሳኒ ‘ዩ።

ናፅነታን ሉኣላዊነታን ተሓሊዉ ንክቕፅል ንምግባር ናይ ሓሙሽተ ዓመታት ወራርን ጭፍጨፋን ፋሽስት ጣልያን ብተጋድሎ ኽቡራት ደቃ ዝዛዘመትሉ 27 ሚያዝያ 1933 ዓ.ም ከም መበገሲ ብምግባር ነቲ መዓልቲ ከም በዓል ዓወት ይኽበር። እቲ ዓወት ብዱር ብገደል፣ ጥምየትን ፅምእን ወራሪ ፀላኢ ብምስዓር ዝተረኸበ ምዃኑ ‘ውን ‘ዩ ዝዝከር ‘ዩ።

ኣብዚ ዘመን ዘሎ ወለዶ ድማ ዓወታት ወለዱ ዘኽብር ጥራሕ ዘይኮነስ ከም ወለዱ ነቲ ዘመን ዝምጥን ጀግንነት ዝሰርሕ ወለዶ ብምዃን ኣብ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊ፣ ማሕበራዊን ዲፕሎማሲያዊን ዓውዲታት ኣብ ዝህሉ ሰላማዊ ቃልሲ፣ ድኽነትን ድሕረትን ንምስዓር ኣብ ዝግበር ቃልሲ ዓወታት ወለዱ ብኻሊእ ዓውዲ ንክደግም ካብዚ ናይዚ ዘመን ወለዶ ትፅቢት ዝግበርን ዝበረታታዕን ‘ዩ።

ነዚ ኣብ ምግባር ‘ውን ብፍላይ ሕቶታት ልምዓት ኣብ ዝምልሱ ከም ግድብ ህዳሰ ዝበሉ ኣብ ልምዓትን ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዘለና ርክብ ብኣወንታዊ መልክዕ ኣብ ምልዕዓል ልዑል እጃም ዘለዎን ካልኦት ተመሳሳሊ ረብሓ ዘለዎም ዝተጀመሩ ስራሕቲ ከምዘለው ይፍለጥ ‘ዩ። ኣብ ጉዳይ ስራሕቲ ሓምለዋይ ዓሻራ ‘ውን እንተኾነ ብዘይ ዝኾነ ኣፈላላይ ኩሎም ዜጋታት ካብ ዝዓሙሎም ስራሕቲን ብብርኪ መንግስቲ ‘ውን ካብ እዋን ናብ እዋን ኣብዚ ዘለዎ ትኹረት እናወሰኸ ዝመፅአሉን በዚ መሰረት ‘ውን ፍረ እናርአየ ዘለሉ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ። ስለዚ ናይ ትማሊ ሓርበኛታታና ብዝሰርሕዎ ዓወት ብትዝክሮ ልክዕ ናይ ሎሚን ፅባሕን ሓርበኛታታ ‘ውን ዝበረታትዑሉ ብዝበለፀ ዝልዓዓሉሉን ‘ዩ።

ዋጋ መስዋእትነት ሓርበኝነት ኣያታትና ንኸፍሎም ናይ ትማሊ ዓወቶም ብምዝካር ጥራሕ ዘይኾነስ ሎሚ ቕንዕ ኢሎም እንተዝርኡና “እንኳዕ ዋጋ ኸፈልና” ንኽብሉ ዘኽእል ተግባር እንትንፍፅም ‘ዩ። ነዚ ንምግሃድ ድማ ናይዚ ዘመን ቓልሲ ሓርበኝነት ክነሳኽዕ ይግብአና ዝብሉ ካብተመሓለለፉ ዘለው መልእኽታት ዝውሰዱ ‘ዮም ። ምኽንያቱ ሃገር ብዓወት ሓደ እዋን ጥራሕ ሉኣላዊነታ ተኸቢሩ፣ ሽማ ዓብዩን ኣብ ዓለም ውሩይ ኾይኑን ኣይዘልቕን። በቢዘመኑ ግዜ ዝሓቶ ዘፈር ብዙሕ ሓርበኝነት ካብ ዜጋታት ትፅቢት ብዝገብር ‘ውን ‘ምበር ።

ከምቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንበዓል ሓርበኛታት መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ዝበልዎ፤ ቀዳሞት ኣቦታትናን ኣዴታትናን ናፅነት ብደም ሓሊዮም ሃገር ኣውሪሶምና። በዚ ድማ ንኾርዕ። እዞም ቀዳሞት ሓርበኛታት ብዝኸፈሉዎ ዋጋ ሎሚ ቅንዕ ኢልና ብናፅነት ኣብ ኣደባባይ ክንስጉም ገይሮምና ‘ዮም። ብምኽንያት ድኽነትናን ድሕረትናን ግን ናፅነትና ሙሉእ ክኸውን ኣይከኣለን።

ናፅነትና ዝተማለአ ንኽኸውን ሎሚ ኢትዮጵያ ናይ ካሊእ ዘበን ሓርበኛ ትደሊ ‘ያ። ናይዚ ዘበን ሓርበኛታት ንኢትዮጵያ ናብ ኩለመዳይ ምዕባለ ብምብፃሕ ናፅነታ ሙሉእ ዝገብሩ ‘ዮም። ኣብ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊ፣ ማሕበራዊን ዲፕሎማሲያዊን ዓውዲታት ኣብ ዝህሉ ሰላማዊ ቃልሲ፣ ድኽነትን ድሕረትን ተቓሊሶም ዝስዕሩ ሓርበኛታት ‘ዮም። ሓርበኛነት ናይ ሐዚ ወለዶ ዕጥቁ ፍልጠት፣ ክእለትን ዲሲፕሊንን ‘ዩ። ወነኡ ፍቕሪ ሃገር፣ ቆራፅነትን ትግሃትን ‘ዩ። ሸቶኡ ድማ ምዕባለ ኢትዮጵያ ‘ዩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ሰላም ዘስፍኑ፣ ፍትሒ ዘንግሱን ዲሞክራሲ ዘዕብዩን፣ ብሓፈሻ ኩሉ ዜጋ ዝተኣማመነሎም ትካላት ዝሃንፁ ፖለቲከኛታትን መንግስትን ብዝተቐየሩ ቑፅሪ ዝቕየሩ ትካላትን ቤት ዕዮታትን ዘይኮነስ ፖለቲከኛታትን መንግስትን እንተተቐየሩ ‘ውን ከምዘይትቕየር ሃገር ዝኾኑ ብዝበለፀ ክስራሕ ይግባእ። ሰላም፣ ሓድነትንልምዓትን ህዝብን ሃገርን ዘሕልው ትካላት ኣብ ምህናፅ ካብ ሓርበኛታት እዚ ወለዶ ትፅቢት ካብ ዝገበረሎም ተግባራት ‘ዮም፡፡

ብተወሳኺ ናይዚ ዘበን ወለዶ ልኡላውነት ኢትዮጵያ ካብ ምሕላው ብተወሳኺ ድኽነትን ድሕረትን ብምስዓር ተምሳሌት ብልፅግና ኣፍሪካ ዝኾነት ሃገር ናይ ምህናፅ ሓላፍነት ከምዘለዎን ጉዕዞ ለውጢ ሃገራት ዝውሰን ድማ ብበዝሒ ሃፍቲ ዘይኮነስ ብኣጠቓቕማ ሃፍቲ ምዃኑ፣ ሃፍቲ ሃገር ብግቡእ ንምጥቓም ክእለት ወሳኒ ብምዃኑ፤ ፈጠራን ክእለትን ብቴክኒክን ሞያን ስርዓት ስልጠና ሕርሻ ዘበናዊ ዝገብሩ፣ ዓውዲ ቱሪዝም ብዝበለፀ ዝተመሓየሸ ውፅኢት ስሉጥን ዝገብሩ፣ ዲጂታላይዜሽን ዘቀላጥፉ ቴክኖሎጂታት እናፈጠሩ ብቑዓት ሰብ ሞያታት ዘፍርዩ ምዃኖም ‘ውን ተሓቢሩ ‘ዩ።

ብሓፈሻ እቲ ዝተኸበረ መዓልቲ ዓወት ናይ ኢትዮጵያ ተዋጋእቲ ናፅነት ኣብ ወራሪ ፋሽስት ዓወት ዝተጎናፀፉሉ ጥራሕ ዘይኾነስ ኣተሓሳስባ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣብ ኣፍሪካ ደው ንኽብል መሰረት ዘንበረን ንፍቕርን ሉኣልዊነትን ሃገር እኽፈል መስዋእትነት፣ ተቓላዓይነት ምንካይን ምሕዝነት ወፃኢ ምብዛሕን ከምዝግባእ ዘምሀረ ምዃኑ ሓሳባትን መልእኽታትን ዝተንፀባረቀሉ ‘ዩ።

እዚ ዓምዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዜጋታት ናፃ ሓሳቦም ዝህብሉ እዩ። ኣብዚ ዓምዲ ዝወፅኡ ፅሑፋት ናይ ክፍሊ ምስንዳእ ቅዋም አይኮኑን።

ኣብርሃ ሓጎስ

ወጋሕታ 30 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም

Recommended For You