
ፖለቲካዊ መራሕቲ ትግራይ ብተደጋጋሚ ብዝፈጥርዎ ፖለቲካዊ ስሕተት ህዝቢ ትግራይ ከቢድ ዋጋ እናኸፈለ መፂኡ ‘ዩ። እዚ ሕዚ ከብቕዕ ኣለዎ። ብሰንኪ ሕመቅ ፖለቲካዊ ኣካይዳ ክሳብ መዓዘ ህዝቢ ትግራይ ተደጋጋሚ ዋጋ እናኸፈለ ክነብር? ፖለቲካዊ መራሕቲ ትግራይ ብፍላይ መራሕቲ ህወሓት ደጊሞም ክጋገዩ የብሎምን።
መከራን ክሳራን ህዝቢ ትግራይ ዓለም ብዓለሙ ዝፈልጦ ጉዳይ ‘ዩ። ኣብ ሂወትን ንብረትን ዘጋጠመ ክሰራ ቐሊል ዝበሃል ኣይኮነን። ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ኵናት ዝገጠሞ ኣብ 21 ክፍለ ዘመን የጋጥም ‘ዩ ኢልካ ዘይትሓስቦ ፀገም ‘ዩ ኣጋጢምዎ። እዚ ድማ ፖለቲካዊ ኣካይዳና ብዘይምዝማኑ ዝመፀ ስሕተት ‘ዩ።
ምስ ግዚኡ ዘይምኻድን፣ፖለቲካዊ ግትርነትን ተቸካሊነትን፣ዓቕሚ ምንኣስን ርሑቕ ዘይምእማትን ናይ ምልኪ ፖለቲካን ዝወለዶ ፀገም ‘ዩ። ኣብ ዓርሰ ጥቕምን ረብሓን ዝተሸኸለ ኣመራርሓ ውድብ ኩሉ ግዜ ንህዝቢ ክሰራ ‘ምበር ረብሓ የብሉን።
ሕዚ ‘ውን እንተኾነ ናብቲ ትኽክለኛ ፖለቲካዊ ቕንዕና ማለት ንህዝቢ ዝጠቕም ፖለቲካዊ ኣካይዳ ምምላስ የድሊ። ካብ ኣተሓሳስባ ዓርሰ ረብሓ ወፂእኻ ንህዝቢ ምስራሕ ‘ዩ ዘድሊ። ነኒ በዓልኻ እናተደፋፋእኻ ተረጋግፆ ግዝያዊ ወልቀ ረብሓ ክህሉ ይኽእል ይኸውን ‘ምበር ናይ ህዝቢ ረብሓ የለን። ምድፍፋእ ይኣክል ብሓደ ዓሲልና ንህዝቢ ዝጠቕም ስራሕ ንስራሕ። ስልጣን ናይ ህዝቢ ምዃኑ ተረዲእና ንስራሕ፤ ተገልገልቲ እንተይኮናስ ኣገልገልቲ ህዝቢ ንኹን። ቕንዕናን ሓቕነትን ኣብ ርእስና ይስፈን።
ፅሑፍና፣ ዘረባናን ተግባርና ሓደ ይኹኑ፤ ዘረባናንን ፅሑፍናን ንህዝቢ ጠቐምቲ ይመስሉ ብተግባር ግና የለን። ክሳብ ሕዚ ህዝቢ ትግራይ ብማሕበራዊ፣ ብፖለቲካዊን ብኢኮኖሚን ተጎዲኡ ‘ዩ። ድሕሪ ሕዚ ኩሉ ፖለቲካና ንህዝቢ ዝጠቕም ክኸውን ኣለዎ። ንመናውሒ ስልጣና ኣይንጠቀመሉ፤ ብተግባር ሰሪሕና ዝተጎድአ ህዝቢ ንክሓስ። ካብ ብፅሑፍን ዘረባን ወፂእና ብተግባር ሰሪሕና ነርኢ።
ብፍላይ ምስ መንግስቲ ፌዴራል ተቐራሪብና ብምስራሕ ህዝቢ ተጠቓሚ ዝኾነሉ መንገዲ ንኸተል። ኣብ ዘይምልከተና ንህዝቢ ዘይጠቕም ከም ሃገር ንገብሮ ርክብ ክሕሰበሉ ይግባእ። ካብ ሕጊ ወፃኢ ምንቕስቓስ ዋጋ ከየኽፍለና ክንሓስበሉ ይግባእ። ኩሉ ኣካይዳና ሕጊ ዝተኸተለ ክኸውን ኣለዎ። ሕጊ እናጠሓስኻ ሕጊ ይከበረለይ ምባል ላግፂ’ዩ።
ህዝቢ ትግራይ ድሕሪ ሕዚ ካሊእ ፀገም ኣይደልን። ዝበፅሖ ፀገም ይኣኽሎ ‘ዩ፤ ብዙሕ ጉድኣት በፂሕዎ ‘ዩ። ዝበፅሖ ፀገም ዓለም ዝፈልጦ ሓቒ ‘ዩ። ካብ ሕሉፍ ንመሃር፤ ስልጣንካ ንምንዋሕ ክበሃል ንህዝቢ ዝጎድእ ስራሕ ይቕረ። ፀረ ህዝቢ ዝኾነ ሓይሊ ካብ መድረኽ ፖለቲካ ክውገድ ‘ዩ ዘለዎ።
መራሕቲ በመረፃ ቦርድ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ከይገብር ንሰለስተ ወርሒ ዝተኣገደ ህወሓት ብህልኽ ናብ ዘየድሊ ብምእታው ንህዝቢ ደጊሞም መስዋእቲ ከየኽፍልዎ ክሓስቡ ኣለዎም። ካብሕዚ ንዝቢ ዝጠቕም ታሪኽ ሰሪሕና ክንሓልፍ ይግባእ።
ህዝቢ ትግራይ ዝጥቀም ምስ መንግስቲ ፌዴራል ተቐራሪብካ ምስራሕ ስለዝኾነ ሕገ መንግስቲ ኣኽቢርና ተቐራሪብና ከንሰርሕ ይግባእ። ህዝቢ ድማ ነቒሑ ዝጠቕሞን ዝጎድኦን ክከታተል ኣለዎ። ዘይጠቕሞ ፖለቲካዊ ውድብ እንተልዩ ብመረፃ ከውድቖ ኣለዎ። ብናይ ህዝቢ ስልጣን ህዝቢ ምጉዳእ ይኣክል። ኣብ ትግራይ ዘሎ ፖለቲካዊ ሓይሊ ካብ ምድፍፋእን ህልኽን ወፂኡ ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዘላቂ ሰላምን ልምዓትን ንምምፃእ ክሰርሕ ኣለዎ።
ብፍላይ ድማ እዚ ሓዱሽ ግዝያዊ ምምሕዳር ንኹሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት ብዘቐራርብ መንፈስ ክሰርሕ ኣለዎ። ምጉናፅን ምድፍፋእን ንህዝቢ ዘይጠቕም ክሳብ ዝኾነ እዋን ክተርፍ ኣለዎ። ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ቓል ኣብ ዝኣተወሎም ነጥቢታት ትኹረት ብምግባር ክሰርሕ ኣለዎ። ምኽንያቱ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ዝፍታሕ በዚ ‘ዩ።
ካብ ልሙድን ድሑርን ፖለቲካዊ ኣካይዳ ወፂኢና ንምስራሕ ከንፍትን ኣለና። ኩሉ ግዜ ኣብ ኣኽሳራይ ፖለቲካ ተሸኺልና ከንተርፍ የብልናን። ትማሊ ናብ ክሳራ ዘቓልዑና ግጉያት ፖለቲካዊ ኣካይዳ ከንደግሞም የብልናን። ነንርእስኻ ምጥቕቓእ ከብቕዕ ኣለዎ።
ከምዚ ዓይነት ናይ ምድፍፋእን ምጥቕቓዕን ፖለቲካዊ ኣካይዳ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ዘጋድድ ‘ምበር ዝፈትሕ ስለዘይኮነ ክስተኻኸል ኣለዎ። ፀገም ህዝቢ ትግራይ ክፍታሕ ዝኽእል ንኹሉ ፖለቲካዊ ሓይሊ ብምስታፍን ተቐራሪብካ ብምስራሕን ምዃኑ ተረዲእና ለውጢ ንምምፃእ ተሓጋጊዝና ንስራሕ።
ኣብ ውልቓዊን ጉጅለኣዊን ጥቕሚ ጥራሕ ትኹረት ገይርካ ምስራሕ ከብቕዕ ኣለዎ። ኣብ ውልቐ ረብሑኡን ስልጣኑን መሰረት ገይሩ ዝሰርሕ ፖለቲካዊ ሓይሊ ብተደጋጋሚ ንትግራይ ንደሓር መሊስዋ ‘ዩ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ንህዝቢ ትግራይ ዘድሊ ፖለቲካዊ ሓይሊ ብድሌት ህዝቢ ዝምራሕ፤ ስልጣን ናይ ህዝቢ ምዃኑ ዝኣምን፤ ጌጋታ እንተጋጥምዎ ካብ ሕሉፍ ጌግኡ ተማሂሩ ንቕድሚት ዝስጉም ‘ምበር ብሽም ህዝቢ ዝሽቕጥ ኣይኮነን።
ፀገም ህዝቢ ትግራይ ዝፍታሕ ብኢሂን ምሂን ተቐራሪብካ ብምስራሕ ኮይኑ ኩሉ ፖለቲካዊ ሓይሊ ይኹን ካብ ፖለቲካ ወፃኢ ዘሎ ትግራዋይ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምፍታሕ እጃሙ ክፃወት ድማ ይግባእ። ምድፍፋእን ምጥቕቓዕን ዝመፅእ ዘሎ ሕጊ እናተጣሕሱ ስለዝኾኑ ‘ዩ። ኩሉ ስልጣን ዘለዎን ዘይብሉን ብሕጊ ጥራሕ ክግዛእ ኣለዎ። ብፍላይ ሕዚ ሓላፍነት ተሸኪሙ ዘሎ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሕጊ መሰረት ገይሩ ክሰርሕ ኣለዎ፤ ካብ ምድፍፋእን ፖለቲካዊ ሽርሕን ብምውፃእ ንህዝቢ ኣብ ዝጠቕሙ ጉዳያት ቖላሕታ ክገብር ይግባእ።
ኣብ ጉዳይ ትግራይ የግድሰና ‘ዩ ዝብሉ ኣካላት ዘሳትፍን ዘሓቑፍን ክኸውን ኣለዎ። ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ትግራይ ንምስፋሕ ክሰርሕ ኣለዎ። ምኽንያቱ በይኑ ሓደ ፖለቲካዊ ሓይሊ ፀገም ህዝቢ ትግራይ ክፈትሕ ዝኽእል ኣይኮነን። ፀገም ህዝቢ ንምፍታሕ ትኹረት ገይርካ ምስራሕ የድሊ።
ፀገም ህዝቢ ትግራይ ንምፍታሕ ድማ በይኑ ሓደ ፖለቲካዊ ሓይሊ ክፈትሖ ስለዘይኽእል ኣብ ጉዳይ ትግራይ የግድሰና ‘ዩ ዝብሉ ኩሎም ኣካላት ክሳተፉ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ትግራይ ከስፍሕ ይግባእ። ብሓፈሻ ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝጠቕሙ ነገራት ኣተኵርና ንስራሕ።
እዚ ዓምዲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ጉዳያት ዜጋታት ናፃ ሓሳቦም ዝህብሉ እዩ። ኣብዚ ዓምዲ ዝወፅኡ ፅሑፋት ናይ ክፍሊ ምስንዳእ ቅዋም አይኮኑን።
መኣርግ ገ/ሄር
ወጋሕታ 23 ሚያዝያ 2017 ዓ.ም