
ኣዲስ ኣበባ:- ኣብ ትግራይ ሰሜን ምዕራብ ዝርኣይ ዘሎ ኣንበጣ ዝተፈልፈለን ክሳብ ሐዚ ድማ ገና ምንፋር ዘይከኣለ ስለዝኾነ ዘለና ግዘ ካብ ሓደ ሰሙን ዘይበልፅ ብምዃኑ ኣብዘለዎ ከባቢ ኣብሓፂር እዋን ተፈቲሹ ቅድሚ ምንፋር ምጅማሩ ንክንቆፃፀሮ ኩሉ ሕብረተሰብ ንክረባረብ ኣብ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን ዳይሬክቶሬት ዳይሬክተር ምክልኻልን ምቁፅፃርን ባልዓት ኣይተ መብራህቶም ገብረኪዳን ፀዊዖም።
ኣይተ መብራሕቶም ምስ ንጋዜጣ ወጋሕታ ከምዝገለፅዎ፤ ኣብዚ እዋን ኣብ ትግራይ ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ኣብ ሰለስተ ወረዳታት ኣብ ታሕታይ ኣድያቦ፣ ኣሰገደ ፅንብላን ማዕኸል ኣድያቦን ሰፊሕ ሽፋን ዘለዎ ናይ ኦም ኣንበጣ ተፈጢሩ ኣሎ።
ብፍላይ ኣብ ታሕታይ ኣድያቦ ካብ 11 ጣብያታት ኣብተን10 ጣብያታት ጥቅዓት ኣብፂሑ ኣሎ። ኣብ ኣስገደ ‘ ውን ኣብ ኣርባዕተ ጣብያታት ኣብ ላዕላዋይ ኣድያቦ ድማ ኣብ ክልተ ጣብያትታት ተራእዩ ኣሎ።
ብፍላይ ኣብ ታሕታይ ኣድያቦ ናብ ከባቢ 15 ሽሕ ሄክታር ተፈትሹ ናብ ልዕሊ 11ሽሕን ሓሙሽተ ሚእትን ሄክታር ኣቢሉ ሽፋን ዘለዎ ናይ ኦም ኣንበጣ ተረኺቡ ‘ዩ ዝበሉ ኣይተ መንራህቶም፤ ከምዝፍለጥ ናይ ኦም ኣንበጣ ኦማት ማእኸል ገይሩ ዝበልዕ ኾይኑ ዝሕሰብ ‘ዩ፤ ብተግባር ግና ሐዚ ካብ ኦማት ሓሊፉ ኣብ ኣዝርእቲ ማሽላ፣ ዳጉሻ፣ በርበረን ኾሚደርን መስል ካልኦት ኣዝርእትን ተሽጋጊሩ ምጥቃዕ ዝጀመረሉ ኩነታት ‘ዩ ዘሎ ኢሎም።
እዚ ሰፊሕ ሽፋን ምስ ምህላው ድማ ኣብ ሓፂር እዋን ንምክልኻል ከቢድ ‘ዩ ዝበሉ ኣይተ መብራህቶም፤ ብተወሳኺ ኣብ ታሕታይ ኣድያቦ ኣርባዕተ ጣብያታት ኣብ ቀረባ ርሕቀት ዕጡቃት ኤርትራ ምህላዎም ከምድልየትካ ንምክልኻል ዕድል የለን ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብቲ ከባቢ ተፈልፊሉ ናብ ካሊእ ከባቢታት እናመፅአ የጥቅዕ ኣሎ ኢሎም።
ከምኡ ‘ውን ኣብ ሰገር መረብ ናይ ኤርትራ ከባቢታት ‘ውን ከምዘሎ ‘ዩ ዝንገር ኣብኡ ዘሎ ምክልኻል ድማ መረዳእታ የብልናን ስለዝኾነ ካብኡ መፂኡ ከየጥቅዕ ስግዓታት ኣሎ ክብሉ ተዛሪቦም።
ኣብ ምክልኻል ብዝምልከት ብርክት ዝበለ ኣምበጣ ናይ ምክልኻል ርብርብ ይግበር ኣሎ ‘ዩ ዝበሉ ኣይተ መብራህቶም፤ ከም ክልል ክንገብሮ ዝግባእ እናገበርና ኢና ዘለና። እዚ ማለት ኣብ ኢድና ዘሎ ንምክልኻል ዕስለ ኣምበጣ በረኻ ተባሂሉ ተዳሊዩ ዝነበረ እታወታት መከላኸሊ ከም ከሚካላት መሳርሕታት መንፀግን ካልኦትን ብምጥቃም ኢና ንከላኸለሉ ዘለና ክብሉ ገሊፆም።
ብምዃኑ ኣብ ቀፃሊ ኣምበጣ በረኻ ክመፅእ ይኽእል ‘ዩ ዝብል ስግኣት ስለ ዘሎ ነዚ ተሓሳቢ ብምግባር ምኒስተር ሕርሻ ሓገዝ ንኽገብር ፃውዒቶም ኣቕሪቦም።
ኣብርሃ ሓጎስ
ወጋሕታ 17 መስከረም 2016 ዓ.ም